ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነባርን ቀጻልን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነባርን ቀጻልን 

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነባርን ቀጻልን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብዚ እዋን’ዚ እትፍጽሞ ዘላ ከይዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኰነ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ፈለማ ኣይኰነን

ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ጉባኤ ዋዜማ፥ ምልስ ቢልና ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ካብ ቫቲካን ክሳብ ከባብያውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ዝተኻየዱ ተበግሶታትን ቁርጺ ውሳኔታትን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ዕለት21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ላዕለዎት ኣሕሉቕን ዓውደ ጉባኤ ክካይድ ከምእተወሰነ ቅድም ክብል ተገሊጹ ምንባር ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ብወንጌላዊ ጠመተ ተሰንዩ ዝካየድ ሲኖዶሳዊ መልክዕ ዘለዎ ዝመስል ኣብ እዋናዊ ኩነት ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ዝወሃቦ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብመክበባዊ ጸፍሕታት ንምቅላስን እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ምስማዕን ናይ ስቓዮም ተኻፋልነት ምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኰነ ተመሳሳሊ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እውን ዳግክ ከይኽሰት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ኵለ መዳያዊ ቃልሲ ንምብርታዕን ተሓተትቲ ንግብኡ ፍርዲ ንምቕራብ ናይ ኵሉ ንቑሕ ሓላፍነት ዘነቓቕሕ እዩ።

ካብ ነዊሕ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ ከይዲ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እዚ ኣብዚ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ከይዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኰነ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ፈለማ ኣይኰነን፡ ከም ኣብነት ካብ ርሑቕ 30 ዓመታት ኣትሒዛ  ኣብ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣየርላንድን ኣውስትራሊያን ካብ 10 ዓመታት ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዘካየደቶ ቃልሲ ንምጥቓስ ዝከኣል እዩ። ናይ ሎሚ ቅድም 18 ዓመት ኣቢሉ ዝጸደቑን ዝተፈላለዩ ሕግታትን እዚ ከቢድ ጸረ ሰብኣዊ ገብን ንምቅላስ ዝተፈላለዩ ተበግስታት ርኡይ እዩ።

ቀዳሞት ውሳኔታት፡ ኣብ ካናዳን ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ኣየላንድን ኣውስትራሊያን

ኣብ 1987 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ቀድሚካ ምልክኻል ውሳኔታትን ግቡእ ክትትልን ተሓተትቲ ንፍርዲ ንምቕራብ ዓቢይ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ካናዳን ኣብ 1989 ዓ.ም. ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ፍሉይ ክትትል ክግበረሉ ከምዝጀመረን ነዚ ዘጻርይ ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ገበናት ዝከታተል ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መርማሪ ድርገት ኣብ 1992 ዓ.ም. እውን ከምዝቖመን ብፅዓን ጳጳሳትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ዝኽተሎ መምርሒ እውን ከምዘቕረበ ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ናይ ወሲብ ዓመጽ ካብቲ ናይ ቦስቶን ግሎብ ምርመራ ተበጊሱን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንፍሉይ ምይይጥን ንምጽራይን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝጸውዕዎም ዝዝከር እዩ፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘጻርን ድርገት ቆይሙን ናይ ዘካየዶ ምርምር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘቕረበን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ፈውሲ ዝብል ኣብ 1996 ዓ.ም. ኣብ መላእ ናይታ ሃገር ሰበኻታት ኣብ ተግባር ዝውዕል ሰነድ ከምዝወጸ እውን ይፍለጥ።

ፍልዩን ጽኑዕን ውሳነታትን ሕግታትን

ኣብ መባእታ 21 ክፍለ ዘመን ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓረዩ ብዝዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ጉዳይ ብዕምቆት ብምክትታል ነዚ ጉዳይ ዘጻርን ውሳኔ ዘመሓላልፍ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል ክቐውምን ዝኽተሎ ብቑዕ ሕግ እውን ኣዊጆም፡ ኣብ 2001 ዓ.ም. እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ከቢድ ገበን ብዝብል ውሳኔ ብምግላጽ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝከታተል ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ገይሮም እዮም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ነዚ ከቢድ ገበን ዘጻርን ኣዚ ኣስራርሓ’ዚ እውን ዘይደናጐይ ክኸውን የተሓሳስቡን ይውስኑን፡ ኣብ ጀርመን ቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ናይ መንግስቲ ስልጣንን ዝተነብረ ምሉእ ምትሕብባር ክበራታዕ ተገብረ።

ኣየርላንድ፥ ናይ ርያንን ሙርፍይን ሰነዳት

ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ 2009 ዓ.ም. ናይ ርያንን ሙርፍይን ሰነዳት ብውግዒ ቀረበ እዚ ኸኣ ብሰበኻ ዱብሊን ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተፈጸሙ ዓመጻት ዝምልከት እዩ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኣየርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንፍሉይ ኣኼባ ናብ ቫቲካን ከምዝጸውዑን። ነቲ ዝተፈጥረ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ እምነት ንምሕዳስን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈጸመ ክሕንደት መሰረት ይቕረታ ዝሓትትን ርክባት ዳግን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንምትብባዕ ኣብ ኣየርላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ካብ 2008 ዓ.ም. ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ቀጥታዊ ርክባት ምክያድን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ኣውስትራሊያን ዓባይ ብሪጣንያን ማልታን ጀርመንን ኣብ ዘካድዎ ሓዋርይዊ መገሻታት ምስቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ናይ ግሊ ርክብ ከምዘካየዱ ይዝከር። እዚ ርክብዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዝፍጽምዎ እውን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

መራሓ ፍኖት፥ ንመላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ

ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት መርሓ ፍኖት ከሰናድው፡ ንዝተፈጸሙ ዘጻርይ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ግቡእን ብቝዕን ድጋፍ ንምቕራብ ዝብል፡ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ይዝከር። ካህናትን ሰበኻታቶምን ኣብ ሰበኻታቶምን ዝምልከ።

ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ጉባኤ

ንመላእ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ምስንዳው መርሃ ፍኖት ዝድግፍ ጉባኤ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ቆመ፡ እዚ ኣብ 2012 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ 110 ኣባያቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ 35 ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ማሕበራትን ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ከምእተኻየደን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝመረሕዎ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዞልነር ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ምክልኻል ትሕቲ ሕድመ ሕጻናት ማእከል ቆይሙን ኣብ ምልክኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዓዩ ኣካላት ናይ ምስንዳው መደብ እውን ተበገሰ።

ሓድሽ ጳጳሳዊ ድርገት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓም. ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ክቐውም ገይሮም፡ ንመላእ ሃገራት ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝተፈላለየ ገዳማትን ወንጌላውያን ማሕበራትን ዝስዕቦ ፍኖት ዘመላኽት ክኸውን ከምዝወሰኑን፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. እተፍቅር ኣደ ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ጥንቃቔ ዘጉድሉን ሸለል ዝበሉን ብፁዓን ጳጳሳት ካብ ሓላፍነቶም ክለዓሉ ዝብል ናይ ውሳኔ ዓንቀጽ ዘለዎ ኣዋጅ ኣቕሪቦም። ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዛዕባ ከበድቲ ገበናት ዝከታተልን ዘጻርን ናይ ገዛእ ርእሱ ብሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ወሰኑ። ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቀ ዓለም ናይ ሕጻናትን መሰልን ክብርን ዝመያየጥ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ንኽካየድ ኣተባብዑ።

ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ጸረ ፈሪኣዊ ክህነታውነት

ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ድሕሪ ዘካየድዎ ብርቱዕ ምክትታል ኣፍልጦ ዝሃበትሉ ናይ ካህን ፈርናንዶ ካራዲማ ገበናትን ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ መላእ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብን ነዚ ስዒቡ ቅዱስነቶም ናብ ቺለ፥ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ቺለ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ወሲብን ናይ ሕልንና ስልጣንን ዓመጽ ዝብል ብሰፊሕ ተንቲኖም፡ ንፈሪሳዊ ክህንታውነት ምቅዋም የድሊ ክምዝበሉ ይዝከር።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ኣመለኻኽታን ኣነባራን ሕዳሴን ምልዋጥን፡ ስልጣንን ሃብትን ኣብ ምምሕዳሩ ምልዋጥ ከምዘድልን፡ ንገዛእ ርእሱ ሰብኣውን መንፈሳውን ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን የተሓሳስቡ።

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነባርን ቀጻልን
18 February 2019, 17:13