ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ሰላም ርግብን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ሰላም ርግብን 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተ ሰላም 1 ጥሪ 2019 ዓምፈ፥- ቅኑዕ ፖሎቲካ ንሰላም የገልግል።

ብኣቆጻጽራ ጎርጎርዮሳዊ ባሕረ ሓሳብ ርእሰ ዓመት 2019 ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም እንኪዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዕለት ዝኸውን መልእኽቲ `ቅኑዕ ፖሎቲካ ንሰላም የገልግል’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ሎሚ ናብ ኩሉ ተዘርጊሓ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ ዝበሎ ‘ሰላም ለዛቲ ቤት - ሰላም ነዛ ገዛ እዚኣ ይኹን’ ቢልኩም ወዲሰላም እንተሎ ይወሃቦ እንተዘየሎ ሰላምኩም ይምልሰልኩም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር ቅዱስነቶም እውን ንዓለም ምሉእ ‘ሰላም ንኣኹም ይኹን’ ብዝብል ቃና ሰፊሕ መልእኽቲ ንመበል 52 ግዜ ንዝዝከር ንዝመጽእ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓምፈ ተዘኪሩ ንዝውዕል ጽሒፎም። በብክፋል ተርጒምና ክነቅርበልኩም ኢና። ንሎሚ ቊ.1 ን 2 ነቅርበልኩም።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዓለምለኸ ዕለተ ሰላም 1 ጥሪ 2019ዓምፈ

ቅኑዕ ፖሎቲካ ንሰላም የገልግል።

1.      ‘ሰላም ለዛቲ  ቤት - ሰላም ነ’ዛ ቤት እዚ’ኣ ይኹን’

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ንተልእኮ ስብከተወንጌል ከፋንዎም እንከሎ ‘‘ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝኣቶኹምዎ ቤት መጀመርያ፡ ‘ሰላም ነዚ ቤት እዚ ይኹን` በሉ። ኣብኡ ውሉድ ሰላም እንተደኣ ኣልዩ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኽትኃድር እያ፡ እንተዘየሎ ናባኹም ክትምለስ እያ’’ (ሉቃ 10.5-6) በሎም።

ሰላም ምሃብ ሕመረት ተልእኮ ሓዋርያት ኢየሱስ ክርስቶስ  እዩ። እዚ ህያብ እዚ ነቶም ኣብ መንጎ ድራማታትን ዓመጻትን ታሪኽ ደቂሰባት ንሰላም ዝትስፈው ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘቅነዔት እያ። እዚ ጐይታና ኢየሱስ ቤት ዝብሎ ዘሎ ንኩለን ሥድራቤታት ንኩለን ማሕበረሰባት ንኩለን ሃገራትን ኣህጉራትን ኣብ ኩሉ ኩነታቶምን ታሪኾምን ይምልከት። ቅድሚ ኩሉ ግን ብዘይ ምንም ሌላን ጉሌላን ንነፍሲወከፍ ሰብ ይምልከት። እታ ናይ ሓባር ቤትና እንብላ ንክነብረላን ንክንሕልዋን ዝተዋህበትና ዓለምና እውን ትምልከት እያ።

2.     ግድል ቅኑዕ ፖሎቲካ

እዛ ሰላም እዚ’ኣ ከምቲ ፈረንሳዊ ሥነ ጥበበኛ ሻርል ፐጉይ ብዛዕባ ተስፋ ዝብሎ ትመሳሰል። ሻርል ነዛ ተስፋ  ከም ሓንቲ ተኣፋፊት ጽጌረዳ እሞ ኣብ መንጎ ናይ ዓመጽ ኣእማን ክትዕምብብ እትደሊ ኢሉ ይምስላ። ኩልና ከም እንፈልጦ ንሥልጣን ሃነፍነፍ ዝብሉ ዝተኸፍለ ይከፈል ዓመጽን ፍትሒ ምጒዳልን የምጽእ። ንዜግነትን ተግባራትን ደቂሰባት ዝሃንጽ መሠረታዊ መጋበሪ ፖሎቲካ እዩ ኮይኑ ግን እቶም ንኣኡ ዝመርሑ ንሓፈሻዊ ኣገልግሎት ደቂሰባት እንተዘተዓጢቆም ናይ ጭቆና መጋበርን ናይ ምጉናይን መጋበሪ ዝገደደ ከኣ መዕነዊ ክኸውን ይኽእል።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘‘እቲ ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ መጨርሻ ዅሎምን ኣገልጋሊ ዅሎምን ኪኸውን ይግባእ’’ (ማር 9,35) ኢልዎም። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ‘ንፖሎቲካ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጀታቱ ማለት ኣብ ከባቢያዊ ዞባዊ ሃገራዊ ከምእውን ዓለምሓቆፋዊ ደረጃታት ብቊምነገር ምሓዙ የድሊ፣ እዚ ከኣ ናይ ወዲሰብ ግድነት ማለት ናይ ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ግድነት ኣብ ግምት ብምእታው ነጻ ኰንካ ድላይካ ናይ ምምራጽ ነጻነት ኣውሒስካ ብሓባር ንሠናይ ነገር ናይ ከተማ ሃገር ከምኡውን ናይ ምሉእ ዘመደ ኣዳም ንምርግጋጽ ክሠርሕ ምፍቃዱ እዩ’ ኢሎሞ ዝንበሩ እዩ።

ከም ሓቁ እንተኾይኑ እጃም ሥራሕን ሓላፍነትን ፖሎቲካ ንሃገራቶም ከግልግሉ ንዝተመርጹ ኩሎም ቀጻሊ ግድል ዝኾኖም ነቶም ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ክከላኸሉሎምን ንጽቡቅን ፍትሓውን መጻኢ ከኣ ለይትን መዓልትን ክሰርሑ ኣለዎም። እንተደኣ ፖሎቲካ ነተን መሠረታውያን ሕይወት ወዲሰብ ዝኾና ንሓርነትን ክብርን ወዲሰብ ሰሪሑ ወደር ዘይብሉ ናይ ፍቅሪ ተግባር ክኸውን ይኽእል።

3.      ንመሰል ደቂሰባትን ንሰላምን ንምግልጋል ፍቅርን መንፈሳዊ ሓይሊ ደቂሰባትን ኣብ ፖሊቲካ የድልዩ

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ’ዚ ፍቅሪ ብሓቂ እትብል ሓዋርያዊ መልእኽቶም ‘ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከከም ጸዋዕታኡን ኣብ’ቲ ዝነበረሉ ከተማ ከወፍዮ ብዝኽእሎን ንናይ ፍቅሪ ሥራሕ ዝተጸወዔ እዩ ! ንሓባራዊ ሠናይ ነገር እንክትሠርሕ ፍቅሪ ከሰንዮ እንከሎ ካብ’ቲ ዓለማውን ፖሎቲካውን ዘበርክቶ ዝለዓለ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ መሬት ተግባር ወዲሰብ ብፍቅሪ እንተደኣ ተሰንዩን ተደጊፉን ነታ ኩሉ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ናብኣ ኣቢሉ ዝጐዓዝ ዘሎ ኩላዊት ከተማ እግዚአብሔር ኣብ ምህናጽ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ` ኢሎም ነሮም። እዚ መደብ’ዚ ኩሎም ፖሎቲካውያን ዝኾነ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ይሃልዎም ብዘየገድስ ብሓባር ንሠናይ ነገር ቤተሰብ ዘመደ ኣዳም ንምሥራሕ ክደልዩ ኣልዎም ነዚ ከኣ በቲ ጽቡቅ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ከፍጽም ብዝኽእል ሰብኣዊ መንፈሳዊ ሓይሊ ከዘውትሩ እዚ ከኣ ፍትሒ ማዕርነት ነንሕድሕድካ ምክብባር ሓቅነት ቅንዕና ተኣማንነት የጠቃልል።

ነዚ ብዝምልከት ብ2002 ዝሞቱ ብፁዕ ካርዲና ፍራንሷ ዛቭየ ንጉየን ቫን ትዋን እሙን ምስክር ወንጌል ዝነበሩ መንገዲ ብፅዕና ሓደ ፖሎቲካዊ ኢሎም ዝጠቀስዎ ምጥቃስ ጠቃሚ እዩ።

ልዑል ምስትውዓልን ዓሙቚ ፍልጠት ግደኡን ዘለዎ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ብኩለንትናኡ ተኣማንነት ዘንጸባርቅ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ንግላዊ ጥቅሙ ዘይኮነ ንናይ ሓባር ሠናይ ነገር ዝሠርሕ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ዝብሎን ዝገብሮን ሓደ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ሓድነት ዝፈጥር ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

መሠረታዊ ለውጢ ንምትእትታው ዝቃለስ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ጽን ኢሉ ክሰምዕ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ፍርሂ ዘይብሉ ፖሎቲካዊ ብፁዕ እዩ።

ዝኾነ ናይ ምርጫ ሥራሕን ግዜኻ ኣእኪልካ ምስንባትን ዝኾነ ታባ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ነተን ካብ ፍትሕን ሕግን ዝወጻ ምንጭን ጥቅስን ምልስ ኢልካ ንምስትንታን ዕድል ይህብ። ጥዑይ ፖሎቲካ ንኣገልግሎት ሰላም ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና። ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ነተን ብሓደ ግዜ መሰልን ግዴታን ንዝኾና ንመሠረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ይሕሉ! ነዚ ከኣ ኩሎም ወለዶታት ዘለውስ ይኹን ንመጻኢ ዝህልው ናይ ምትእምማንን ምምስጋንን ምትእስሳር ክሳብ ዝህነጽ ይገብሮ።

4.     አርእስቲ ሓጢኣት ፖሎቲካ

ማዕረ ማዕረ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መንፈሳውያን ሓይላት ኣብ ፖሎቲካ ሕማቅ ልማዳት እውን ኣለው ! እዚ ከኣ ገሊኡ ካብቲ ናይ ግለሰብ ጉድለት እንክኸውን ገሊኡ ከኣ ከባብን ዘሎ ተቊዋማትን ዘፍርዮ ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ጉድለታት ኣብ ፖሎቲካን ኣብቲ ዝህቦ ኣገልግሎትን ማለት ኣብ ሥልጣንን ዝውሰድ ውሳኔን ዝግበር ሥራሕን እምነት የጉድል። እዚ ሕማቅ ልማዳት እዚ ነቲ ቅኑዕ ዲሞክራሲ የዳኽሞ ናይ ማሕበራዊ ሕይወት ሕንከት ኮይኖም ከኣ ንሰላም ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ የውድቅ። ሓደ ካብዚ ብልሽውና ኮይኑ እዚ ከኣ ንሓባራዊ ንብረት ዝኾነ ብምምዝማዝ ወይ ውን ንደቂሰባት ከም መጋበሪ ብምግባር ንመሰል ይግህስ ንሕጊ ማሕበር ኣየኽብርን ዘይሕጋዊ ምህብታም ብዓመጽ ኣብ ሥልጣን ምጽናሕ ብሽም ጸጥታ ሃገር ኣብ ሥልጣን ጠቢቅካ ምትራፍ ዓሌታዊ ሌላን ጉሌላን ብዛዕባ ተፈጥሮን መሬትን ምንም ዘይምግዳስ ቅልጡፍ መኽሰብ ንምርካብ ንባህርያዊ ሃብቲ ብዘይመንገዱ ምምዝማዝ ነቶም ሓሲምዎም ዝተሰዱ ምስትንዓቅ ወዘተ የስዕብ።

5.      ቅኑዕ ፖሎቲካ ሱታፌ መንእሰያትን ምትእምማንን የደንፍዕ

እንተደኣ ብሥልጣን ምሥራሕ ጥቅሚ ናይ ፍሉይ ክብሪ ዘለዎም ውሑዳን ጥራይ ከተኲር ጀሚሩ መጻኢ ናይቲ ዓዲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይወርድ መንእሰያት ከኣ ካብ ማሕበረሰብ ንኽግለሉ ስለውስነሎምን ኣብ ናይ መጻኢ መደባት ልምዓት ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎምን ናይ ምጥርጣር ፈተና ይመጾም ዝነበሮም እምነት ከአጥፍኡ ይኽእሉ። ብኣንጻር እዚ እንተደኣ ሓይሊ ፖሎቲካ ንመንእሰያት ከከም ክእለቶምን ጸዋዕታኦምን ብጭቡጥ መንገዲ ኣብ ኩሉ ክሳተፉን ሕልማታቶም ከግሁድን ኣብ ምትብባዕን እንተተጸሚዱ ኣብ ሕልናን ገጽን መንእሰያት ሰላም ክዝርጋሕ ይጅምር። ሓይሊ ዘለዎ ምትእምማን ይፍጠር። ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ሓቢርካ ናይ ምሥራሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ‘ብኣኻ እተኣማመን እየ ምሳኻ እኣምን’ ከም ማለት ኣዩ። ፖሎቲካኸስ ናይ ነፍሲወከፍ ኣባል ውህበትን ክእለትን ኣለልዩ እንተኽኢሉ ናይ ሰላም መጋበሪ እዩ። ‘‘ካብ ዝተዘርግሐድ ኢድ ንላዕሊ ዝጽብቅ እንታይ ኣሎ? እግዚአብሔር ነዛ ኢድ እዚኣ ንክትቅበልን ንክትህብን እዩ ፈጢርዋ። እዛ ኢድ እዚኣ ክትቀትል ወይውን ከተሳቂ ፍቃድ እግዚአብሔር ኣይኮነን። (ዘፍ 4.1 ተመልከት)። እንታይ ደኣ ብሕይወት ንምንባር ክትከናኸንን ክትሕግዝን እዩ ፍቃዱ። ማዕረ ማዕረ ልብን ኣእምሮን ተሰሪዓ ኢድ እውን ናይ ዘተ መጋበሪ ክትከውን ትኽእል’’ (ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ 16 ኣብ በኒን 2011)

ንሕጸት ናይ ሓባር ቤትና ነፍሲወከፍ አእምኑ ከምጽእ ይኽእል። ኣብ ሕግን ተኣማኒ ዘተን ዝተመሥረተ ሓቀኛ ፖሎቲካ ከስ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ነፍሲ ወከፍ ሰበይትን ነፍሲወከፍ ወለዶን ሓዲስ ናይ ርክብ ሓይልታት ከምኡ እውን ኣእምሮኣውን ባህላውላውን መንፈሳውን ሓይልታት ከመንጩ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ኣሎ ብዝብል እምነት ወትሩ ይሕደስ። ርክብታት ደቂሰባት ዝተሓላለኹ ስለዝኾኑ ግን እዚ ምትእምማን እዚ ንክትበጽሖ ቀሊል ኣይኮነን፣ ፍልይ ብዝበለ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ካብ ፍርሂ ብጻይ ወይ ጓና ዝምሥረት ናይ ዘይምትእምማን ንፋስ ዝነፍሰሉን ጥቅምታትካ ከይጐድለካ ትሻቀለሉን ስለዝኾነ ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ እውን ነቲ መላእ ዓለም ዝደልዮ ዘሎ ሕውነት ብዝምባሌ ተዓጺኻ ምትራፍ ወይውን ሕሉፍ ሃገራውነት  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪድዎ ይርከብ። ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ከም ሎሚ ማሕበረሳባትና ናይቲ ጽቡቅን ታሕጓስን ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ዝደሊ እግዚአብሔር ኣቦ ልኡኻትን ሓቀኛ መሰኻክርን ዝኾኑ ‘ናይ ሰላም መጋበሪ’ ዝኾኑ ሰባት የድልዩና።

6.     ንውግእን ናይ ፍርሂ ኣሰራርሓን ኣይፋል !

ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝወደቁ መንእሰያትን በቲ ውግእ ፋሕ ብትን ዝበሉ ሕዝብታትን እናዘከርና ሎሚ ካብ ትማሊ ብዝበለጸ ነቲ ኣሕዋት ንኣሕዋት ዘቃተለ ውግእ ዝሃበና ዘሰቅቅ ትምህርቲ ሰላምሲ ብሚዛን ሓይልታትን ፍርህን ኣትምዘንን ቢሉ ንዝመሃረና ንፈልጦ ኢና። ንብጻይና ብሓይሊ ዓምጺጽና ክንሕዞ ኣንከሎና ንክብሩ ቀንጢጥና ከም ማንም ግዛዕ ንገብሮ ማለት እዩ። ከምቲ ደጋጊምና ዝበልንያኦ ንካልኦት ብምፍርራህ ምጒብዕባዕን ቅጥዒ ዘይብሉ ስልኳ ናይ መጋበሪ ውግእ ብምዝውታርን ዝግበር ነገራት ኩሉ ተጻይ ሞራልን ዝኾነ ናይ ስምምዕ ሃሰሳን ምዃኑ ዳግም ንገልጸልኩም። ምናዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ማሕበረሰብ ዝግበር ራዕዲ ናይ ሰላም ቦታ ንምድላይ ናይ መላእ ሕዝቢ ፍልሰት የኸትል። ነቶም ናይ ተስፋ ድኻታትን ብኣልማማ ከኣ ንስደተኛታት ከም ምኽንያት ናይ ኩሉ ጸገም ገርካ ዘቅርብ ፖሎቲካዊ ዲስኩራት ዝጽወር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ሰላም ንክትምስርት ታሪኹን ብዘየገድስ ንነፍስወከፍ ሰብ መሰሉ እናሓሎኻን ንሓባራዊ ጽቡቅ ነገርን ነቲ ፈጣሪ ሓደራ ዝሃበናን ብናይ ዝሓለፉ ወለዶታት ኣባና ዝበጽሐ ሃብቲ ሞራል ዝወቀበን  ተፈጥሮና ሓለዋን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ክብሪ ነፍሲወከፍ ሰብ ክምስረት ኣለዎ።

ክንዮ እዚ ሃምናን ቀልብናን ኣብቶም ኣብ ዞና ግጭት ዝነብሩ ሕጻናት ከምኡ እውን ሕይወት እዞም ሕጻናት ንምክልኻልን መሰሎም ተኸብሩ ጽኑዕ ሓለዋ ክሳብ ዝረኽቡን ዝቃለሱ ዘለውን እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለምን ካብ ሽድሽተ ሕጻናት እቲ ብዓመጽ ውግእ ወይውን ከም ብሳዕቤን ውግእ ዝተጠቅዔ እዩ፣ እዚ ንሱ ወታሃደር ኣብ ዘይኮነሉን ምሩኽ ኣብ ዘይኮነሉን ኩነታት እዩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ንመጻኢ ዘመደ ኣዳም እንኮ ተስፋ ዘላ እቶም ንመሰል ሕጻናትን ክብሮምን ክከላኸሉ ለይትን መዓልትን ዝቃለሱ ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። 

7.       ሓደ ዓቢ መደብ ሰላም

ኣብ’ዚ ዕለታት እዚ ነቲ ኣብ ጽባሕ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተኣወጀ ዓቢ ዓለምለኻው አዋጅ መሰል ደቂ ሰባት መበል ሰብዓ ዓመት ንዝክር ኣሎና። ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ፓቸም ኢን ተሪስ ወሰላም በምድር ኣብ ትብል ብዕለት 11 ሚያዝያ 1963 ዓም ዝተጻሕፈት ሓዋርያዊ መልእኽቶም ንዘቅረብዎ ትዕዝብቲ ንመልከት። ‘ኣብ ደቂሰባት ኣፍልጦ መሰላቶም እንክሰርጽ ኣብ’ቲ ኣፍልጦ እቲ ንሶም እውን ብግዲኦም ዝሕተትዎ ግዴታ ከምዘሎ ይቅጀሎም። ነዚ ከኣ ነቶም እዚ መሰል እዚ ዘለዎም ኣካልት መሰላቶም ከም መግለጺ ክብሮም ኣድላይነቱ ዋጋ ተዋሂብዎ ኩሎም ደቂሰባት ነቲ ይግብኣና ዝብልዎ መሰል ኣብ ካልኦት እውን ከምዘሎ ክፈልጡን ክሕልውዎን ግድነት ኣለዎም’ ኢሎም ነሮም።

ከም ሓቁ ሰላምከስ ናይ ሓደ ዓቢ ፖሎቲካዊ መደብ ፍረ ኮይኑ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ነንሕድሕድካ ናይ ምክብባር ሓላፍነትን ምድግጋፍን ይምሥረት። ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ክትቅበሎ ዝግድድ ግድል እውን እዩ። ሰላም ከስ ናይ ልብን ናይ ነፍስን ለውጢ ኮይኑ ካብኣ ማለት ካብ ውሳጣውን ማሕበራውን ሰላም ዘይፍለያ ሠለስተ ነገራት ክንጠቅስ ንኽእል።

-          ሰላም ምስ ገዛእ ርእስና፡ ነዚ ብከመይ ንገብሮ እንተበልና ንድርቅናን ቊጥዓን ትዕግሥቲ ምስኣንን ብምውጋድ ከምኡ እውን ከምቲ ቅዱስ ፍራቸስኮስ ዘሳለስ ዝመኽሮ ‘ምስ ካልኦት ቊሩብ ዝምባሌ ጣዕሚ ክተጥሪ እናተቃለስካ ነቲ ጣዕሚ ብምውፋይ’ እውን ይግበር።

-          ሰላም ምስ ብጻይካ፡ መን እዩ እዚ ብጻይ እንተበልና ቤተሰብና ኣዕሩኽትና ወጻእተኛታት ድኻ ዝሳቀ ዘሎ ወዘተ ኮይኖም ነዞም ሰባት እዚኦም ንክትረክቦምን ሒዞሞ ንዝመጹ መልእኽቲ ክትሰምዖምን የድሊ።

-          ሰላም ምስ ተፈጥሮ፡ ኣብ ተፈጥሮ ንዕቤት እግዚአብሔር እናረኤኻን ነፍሲወከፍና ከም ነበርቲ ናይ’ዛ ዓለም ከምኡ እውን ከም ዜጋታትን ተዋሳእቲ ናይ መጻእን ሓላፍነትና ክንስከም የድሊ።

ንተኣፋፍነት ወዲሰብ ዝፈልጥን ሓላፍነቱ ዝስከምን ናይ ሰላም ፖሎቲካ ኸስ ኣብ’ቲ ኣደ መድኃኔ ዓለምን ንግሥተ ሰላምን ዝኾነት ድንግል ማርያም ብስም ኩሎም ደቂ ሰባት ዝዘመረቶ ጸሎት ምስጋና መንፈስ ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ወትሩ ክውከስ ይኽእል። ‘ምሕረቱ ድማ ኣብቶም ዝፈርኍኦ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ብቕልጽሙ ኃይሊ ኣርኣየ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፣ ንኃያላት ካብ ዙፋኖም ገምጠሎም፣ ንትሕቱታት ክብ ኣበሎም። . . . ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ንዘለዓለም ኣተስፊውዎም ዝነበረ ምሕረቱ ብምዝካር ንእስራኤል ኣገልጋሊኡ ረድኦ’ (ሉቃ 1,50-55)

ካብ ከተማ ቫቲካን 8 ታሕሳስ 2018 ዓም

ፍራንቸስኮ

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 December 2018, 19:07