ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዓቢይ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝዀነ “ናጽነት” ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ይርከብ

ማንም ሰብኣዊ ፍጥረ ካብ ናጽነት እጉድ ዝገብሮ ነገር ኩሉ ንምውጋድ ኣበርቲዕና ብሓባር ክንዓዩ ግቡእና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና ዕለት 22 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናብ ዝተኸፍተ ዓውደ ምርኢት ዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ፥ ናጽነት ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሮም ናጽነት ንኹልን ኵሉ ብግብእ ክዋሶኦ ዝግብኣ ጸጋ ምዃኑ ዝትንትን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“ሓድገይንነት ናጽነት” ወትሩ ካብ ርሑቕ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕብረተሰብን ስልጣኔታት ከይዲ የረጋግጾ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ገለ እዋን ብተደጋጋምን ዝምቡዕን ኣገባብ እናተወሃቦ ውግእን ኢፍታሓውነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓመጽ ዘለዓዕል ኵይኑ ይነበር፡ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ዝዓደሎ ዓቢይ ጸጋ እዩ፡ ብዝብል ሓሳብ ነቲ ናይ ቨሮና ሻምናይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበርሰብኣዊ ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት ቅዱስነቶም ነቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ኣበጊሶም እዚ ዓውደ ምርኢት ክሳብ ዕለት 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተሳታፍነት ዘለዎ ኣገዳስነት

ከም ክርስቲያን እሙናት ንወንጌልን ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ኣፍልጦ ንዘሎና ሓላፍነትን ምኽንያት ናጽነት እቲ ልዑል ትርጉሙን ጠለባቱን ናብ ዘስሕት ስግኣት ከይቃላዕ ክንጥንቀቕን ክንሕልዎን ይግብኣና፡ ስግኣት ወይ ሓደጋ ናጽነት ኣብ ናጽነት ተሳታፍነት ዝብል ትርጉም ኣለዎ፡ እዚ እዩ እቲ ቀዳማይ ጸዋዕታና፡ ስለዚህ ማንም ሰብኣዊ ፍጥረ ካብ ናጽነት እጉድ ዝገብሮ ነገር ኩሉ ንምውጋድ ኣበርቲዕና ብሓባር ክንዓዩ ግቡእና እዩ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ናጽነት እቲ እግዚኣብሔር ዝጸገወና ናይ ሓባር ቤትና ክዕቀብ ዝንብል መቐረት ናጻነት ወትሩ ክዕቀብ ኣለዎ።

ተረፍ ምራፍ ዝብል ባህሊ

ሰብኣዊ ፍጥረት ናጽነቱ ፈጺሙ ንሓደጋ ከቃልዕ የብሉን እዚ ማለት ግና ናጽነት ምንባር ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት የብሉን ማለተ ኣይኰነ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንናጻነት ኣልቦ ፍርያምነት ዝድርኹ፡ ኢፍትሓውነት ዘስዕቦም ኣብ ዓለም ብዓብይ ፍጥነት ዝሰፍሕ ዘሎ ድኽነትን፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ከም ተረፍ መረፍ - ውዳቕ ዝሓስብ ባህልን ማሕበረሰብኣዊ ተነጽሎታትን፡ ዝብሉ ጠቒሶም ብዙሓት ተረፍ ምራፍን ውዳቕን ተገይሮም ክሕሰቡ ዝገብር ካብዚ ሓሉፊ እውን ሰብ ገዛእ ርእሱ ክኸውን ንናይ ገዛእ ርእሱን ንናይ ስድራ ቤቱን ሰናይን ቅኑዕን ክብርን ሕይወትን ኣሚቱ ናጽነት ምንባር ዘስዕበሉ ሓደጋ ንኽገጥም ዘለዎ ሰብኣዊ ኣኽእሎቱ እውን ተመዚዑ ኣልቦ ናጽነት ኰይኑ ክነብር ይርአይ።

እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘቕርቦም ስግኣት

እቲ ዝዕብልል ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብናይ ክብርን ናይ ስነ ፍልጠትን ሓላፍነት እንተድኣ ዘይተሰነየ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ተመክሮ ኣሉታዊ ጸቕጢ የስዕብ፡ ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝብልዎ፡ እቲ ናጽነት ተመሊሱ ተጻይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኰይኑ እዩ ዝርከብ፡ በዚ መልክዕ’ዚ ሰብ ዘይውኑን ምዃኑ ስሒቱ ናይ እዋንና ዓበይቲ ብድሆታት ምራኣይ ዝሰኣኖ ይኸውን፡ ስለዚህ ዕደ ጥበብ ፍጹማዊ ገይርካ ናይ ምርኣይ ከይዲ ተገልቢጡ እደ ጥበብ ጸረ ሰብ ክኸውን እዩ ዝድርኽ።

ሰብ ናብ ኣህላኽነት ኣውሪድካ ምርኣይ

እቲ ሳልሳይ ኣሉታዊ ኩነት ከኣ፡ ሰብ ናብ ኣህላኽነት ኣውሪድካ ምርኣይን ምግላጽን ዝብል እዩ፡ ኣብዚ ኩነት’ዚ ናጽነት ኣብ ምግጣም ዘስዕቦ ሓደጋ እውን ይሃሉ፡ ምግጣም መሕልም ኰይኑ ይተርፍ፡ ድሮ ኣብታ ይሰባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ሰብ ናጻ እዩ ዘብሎ ብቕዓትን ዓቕምን ኣህላኽነቱ ይበሃል፡ እቶም ናጻ ዝዀኑ ከኣ እቶም ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ስልጣን ዝዓትሩ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም ይበሃል፡ እንክብሉ ናጻ ምዃንን ናጻን ብኣሉታዊ መገዲ ምንባሩ እንታይ ከምዝመስል ዘብርህዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ዓይነት ኣገላልጻን ኣነባብራን ናጽነት ጊልያነት እዩ፡ ዕለታዊ ሕይወት ምሩኽ ኰይንካ ብምንባርን ተስፋ ቆሪጽካ ምንባርን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብምንባር ዝተሰምበረ ይኸውን።

ናጻነት ከስዕቦ ዝክእል ሓደጋ ዘይምፍራህ፥ ድላይ ሓደጋ-ኣጋጣምን

እቲ ናይ ቨሮና ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት፡ ብዛዕባ ሓረጣን ምንዝርናን ዝብሉ ጉዳይ ኣማእኪሉ እውን ዝዝትይ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣዘኻኺሮም፡ ብዙሓት ብሓራጣውያንን ሰብ ከም ግኡዝ ንመጋበርያ ሩካቤ ስጋ ጊልያ ንኽዀኑ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝሳቐዩ፡ ካብ ኢድ ሓራጣውያንን ካብቲ መጋበርያነት ሩካቤ ስጋ ዘምለጡ ቃል ምስክርነ ከስምዑ እያቶም፡ ናይዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ምስክርነት ናጽነትካ ኣብ ምንባር ካጋጥመካ ዝኽእል ሓደጋ ዝሕብር እዩ፡ ካብ ዝወደቕካሉ ጊልያነት ኣምሊጥካ ምንባር ጽንዓትን ሓቦን ይሓትት ስለምንታይ ስግኣትን ሓደጋን ስለ ዝዀነ፡ ናጻ ሰብ ኰይንካ ምንባር ሰማዕትነት ይሓትት። ብዙሕ ዋጋ የኽፍል፡ ናጻ ምዃን ማለት ዝዀነ ኩሉ እናመሓደርካ ምንባር ማለት ጥራሕ ዘይኰነስ ክንየው’ዚ ዓይነት ምንባር ዝድርኽ እው እዩ፡ ናጽነት ሕልምታት ዝቐትል ኣይኰነን፡ ብንጻሩ ብዙሓት ዝምነይዎ ግና ክነብርዎ ዘይክኣሎም ኰይኖም ዝነብርዎ ሕይወት ዘተካኽል እዩ፡ ስለዚህ ናጽነትና ምግጣም የድሊ፡ ናጻ ምዃን ብድሆ እዩ፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጊልያነት ዝበርትዔ ሓይሊ ዘለዎ እዩ፡ እንነብረሉ ዓለም ናጻ ዝዀኑ ሰባት የድልይዎ።

ሰናይ ንምፍጻም ዘይምፍራሕ

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ናጻ ሰባት ኩኑ፡ ምእንቲ ናጽነትኩም ምሕላፍን ምስዋዕን ሰናይ ንምርግጋጽን ደገፍ ንዘድልዮ ኣብ ምሕጋዝ ዘጓንፍ ኵሉ ንምግጣም ዘይምፍራሕ፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጽነት ክሳብ መወዳእታ እንታይነት ገዛእ ርእሳውነቱ ዘፈልጥ ካብቲ ዘፍቕር መሓሪ ገጹ ብዝገለጸሉ ወዱ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ብዝገለጾ ዘፍቕር ናጽነት ዝድገፍን ካብኡ ዝምንጭውን ክኸውን እንከሎ ነፍሲ ወፍ ሰብ ናይ ናጽነት ሓደገይናነት ጉዕዞ መሊሱ ክቕጽሎ ዝኽእል እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዓቢይ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝዀነ “ናጻነት” ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ይርከብ

 

23 November 2018, 16:39