ኣብ ናይ ዕለት 22 ሕዳር መልእኽቲ ትዊት ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕይወት ክገሃስ ዘይብሉ ልዑል ክብሩ የቃልሑ ኣብ ናይ ዕለት 22 ሕዳር መልእኽቲ ትዊት ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕይወት ክገሃስ ዘይብሉ ልዑል ክብሩ የቃልሑ 

ኣብ ናይ ዕለት 22 ሕዳር መልእኽቲ ትዊት ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕይወት ክገሃስ ዘይብሉ ልዑል ክብሩ የቃልሑ

እያቶም፡ ብዘይ ምቍራጽ ወትሩ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምሕላይን ሰናዩ ምድላይን እቲ ኣብኡ ዘሎ ደረት ሰገር ክብሩ ምዅስኳስን ምኽባርን ይግባእ

ዕለት 22 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅድሚ የዕይንቲ እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ሕይወት ብርቃዊ ሃብትን ብሩኽን ዘይገሃስን እዩ፡ ማንም ናይ ገዛእ ርእሱ ሕይወት ኰነ ናይ ካልእ እውን ከናሽው ኣይክእልን”  ዝብል ብትዊተር ማሕበራዊ መረብት ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሕይወት ብማንም ብማንም ክገሃስ ኣይክእል ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ ሕይወት የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሕይወት ዘማእከለ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከምዘቕረቡ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደ ካብኡ ዕለት 30 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምርን ሕይወትን ተቛም ኣብ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ሓደ ምዕባለን ስልጣነን ዝዕቀን ብዘለዎ ሕይወት ናይ ምዕቃብ ዓቕሙ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ተነቀፍቲ ዘለዎ ኣኽብሮት እምበር ብዝርጋሔ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይኰነን፡ ቢሎም ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍጥረ ክንዛረብ እንኰለና ናይ ሕይወት ክቡርነትን ቅዱስነትን ብፍጹም ክንዝንግዖ የብልናን ከምዝበሉ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍነው መጥቃዕቲ

ቅዱስነቶም ጽንሲ ምንጻል ካብ ዝብል ጀሚርካ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍነው ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ኣመልኪቶም፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ክጥሕሉን ክሃልቁን ብሱቕታ ምርኣይ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍጸም ከቢድን ዓቢይን መጥቃዕትን ገበንን ከምኡ እውን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ሞትን ግብረ ሽበራን ዓመጽን ውግእን ብስነ ሕክምና ዝተሰነየ ኣልቦ ቃንዛ ሞትን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍነዉ መጥቃዕቲ እያቶም፡ ብዘይ ምቍራጽ ወትሩ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምሕላይን ሰናዩ ምድላይን እቲ ኣብኡ ዘሎ ደረት ሰገር ክብሩ ምዅስኳስን ምኽባርን ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መለጺ የዘኻኽር።

ክርስቲያናዊ ሓላፍነት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ምንቅስቓስ ምእንቲ ሕይወት ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ወንጌላዊ ምስክርነት ንኽርስቲያን ሕመረት ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፡ እዚ ማእከል ወንጌላዊ ምስክርነት፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ካሳብ ባህርያዊ ሕልፈት ምኽባርን ምክንኻንን ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምፍቃርን ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል፡ እዚ ኸኣ ንብጻይካ ቀረባ ብምዃን ዝግለጽ ቀረባ ብናይ ምዃን ኣገባብ ሕይወት ዝምስከር እዩ፡ ስለዚህ ጓለንስተይቲ ሰብ እያ ከም ምዃና ክትኽበርን ክትድመጽን ክትእንገድን ክትስነይን ኣለዋ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መለጺ የዘኻኽር።

ኣብ ናይ ዕለት 22 ሕዳር መልእኽቲ ትዊት ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕይወት ክገሃስ ዘይብሉ ልዑል ክብሩ የቃልሑ

 

23 November 2018, 16:49