ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 

መርሓ ግብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ጋዜጣዎ መግለጺ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፓናማ ካብ ዕለት 23 ጥሪ ክሳብ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝወሰንዎ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክርከቡን እቲ ዘካይድዎ መርሓ ግብሪ ከመይ ከምዝኸውን ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ጋዜጣዎ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቺንታ ኮስተራ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቅድስተ ማርያም ኣንቲጉዋ ኣብ ዝካየድ ፍኖተ መስቀል ክሳተፉን ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝካየድ ናይ ጸሎት ዋዜማ ክሳተፉን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን፡ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ኣብ ፓናማ ናይ ዝካየድ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ማእከል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ስብከት ከስምዑን እዮም።

ዕለት 23 ጥሪ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተን 35 ደቓይቕ ክነቕሉን ፓናማ ኣብ ዝርከብ ቶኩመን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ሓምሳን ደቓይቕ ክበጽሑን ንኽብሮም ድሕሪ ዝቐርብ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ብቐጥታ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሕንጻ ከኸዱ እዮም።

ዕለት 24 ጥሪ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ፓናማ ርእሰ ብሔር ኣብ ቤተ መንግስቲ ደ ላስ ጋርዛስ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ርእሰ ብሔር ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዛዚሞም ኣብ ሕንጻ ቦሊቫር ይ ፓናማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚስትርን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ፓናማ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ልኡካን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ፓናማ ልኡካነ መንግስታትን ፊት መደረ ኣስሞዕም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ምስ ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ተራኺቦም ስልጣናዊ ምዕዳን ለጊሶም ምስ ዛዘሙ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ መሪቖም ከበግሱ ምዃኖም ግረግ ቡርከ ሓቢሮም።

ዕለት 25 ጥሪ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ካብ ርእሰ ከተማ ፓናማ ምስራቓዊ ከባቢ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርት ላስ ግራዛስ ኣ ፓኮራ ዝመጹ መንእሰያት ዝሳተፍሉ ስነ ስርዓት ጸሎተ ንስሓ መሪሖም ምስ ተሳተፉ ናብ ሕንጻ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ተመሊሶም ዕረፍቲ ገይሮም ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ብሓባር ምስ መንእሰያት ኣብ ስነ ስርዓት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክሳተፉ እዮም፡ ዕለት 26 ጥሪ ንጐሆ ኣብ ኣንቲጉዋ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን፡ ኣብ ቅዱስ ኮሰ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ምስ መንእሰያት ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱን ሰዓት ሽዱሽተም ፈረቓም ምስ መላእ ተሳታፍያን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሓባር ኣብ ጸሎት ዋዜማ ክሳተፉን ቃል ከስምዑን እዮም።

ዕለት 27 ጥሪ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቅነ ማእከል ዝዀነ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርጉን ልክዕ ሰዓት ዓሰርትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ኣብ ማእከል ሕያዋይ ሳምራዊ መዕለዩ ዘኽታማትን ድኻታትን ምብጻሕ ምስ ኣካየዱ፡ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሮመል ፈርናንደዝ ምስቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘገልገሉ ወለንተይናታት መንእሰያት ክራኸቡ እዮም።

ልክዕ ሰዓት ሽድሽተ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፓናማ ተረኺቦም ብናይታ ሃገር መንግስቲ ስነ ስርዓት ስንብታ ተገይሩሎም ናብ ሮማ ክንቕሉን ሰኑዕ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.50 ሮማ ክእትዉ እዮም፡ እንክብሉ ቡርከ እቲ ተሓንጺጹ ዘሎ መርሓ ግብሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓናማ ኣሞርኵይዞም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

መርሓ ግብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት
21 November 2018, 16:07