ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ንድኻታት ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ ዝወሃበሉ ስፍራ ምስ በጽሑ በቶም ኣብ ከባቢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከቡ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኹሎም ሰላም እናበሉ ከምዘዘራረቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንድኻታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝወሃበሉ ስፍራ ማንም ከይሓሰቦ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ወለንተይናታት ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕናን ድኻታትን ህሙማንን ተራኺቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ውግእ እትርከብ ቤተ ፈውስ፡ ማንም ዘይትንጽል ካበይን መን ዘይትብል ሰብኣውነት ክርስቶስ እተስፍሕ እያ እንክብሉ ይገልጽዋ፥

ዓቢይ ኣመት ግብረ ሰናይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ንድኻታት ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ ዝወሃበሉ ስፍራ ምስ በጽሑ በቶም ኣብ ከባቢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከቡ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኹሎም ሰላም እናበሉ ከምዘዘራረቡ ነቲ መደብ ምስ ቅዱስነቶም ኰይኖም ዘዳለዉ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ገሊጾም፡ ንዅሎም ንወለንተይናታት ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እውን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ተግባር ዓቢይ ናይ ምትሕብባርን ክርስቲያናዊ ልግስን ሕያውነትን ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ንድኻታት

ቅዱስ ኣቦና እቲ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ዝምስክሩን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብዚ ፍቕሪ’ዚ ዘዕብዩን ዝምዕዱን እዮም፡ ነቲ ፍቕሪ ዝተሓርሞ ፍቕሪ ብቓልን ሕይወትን ምምስካር፡ ነቶም ንድኻታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህቡ ንኢዶም ኣብ ኣገልግሎት ንድኻታት ንኢየሱስ ኢኹም እተገልግሉ ቢሎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድኻ ህልወት ኢየሱስ ምስትውዓል ከምዘድሊ እውን ሓደራ እንክብሉ ምኽሮም ከምዝለገሱን ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ክገልጹ እንከለዉ፡ ዶክተር ጁዘፒና በቲ ምብጽሕ ቅዱስ ኣቦና እውን ዝተሰምዐን ሓጐስ ገሊጸን፡ ኣብ ዝህብኦ ኣገልግሎት እቲ ዘይርአይ ሰብኣውነት ተስተውዕል፡ ንድኻታት ከተገልግል ትኸይድ እሞ ካብኦም እቲ ምጡቕ ሰብኣውነት ተስተንትን ኢለን።

እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንድኻታት ዘቕርቡ ኣብ መዓልቲ 14 ሰዓት ዝገልግሉ ከምዝዀኑን እዚ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንድኻታት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝሓለፍፍ ዓመት ዕለት 12 ሕዳር ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተበገሰ ኰይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንጐሆ ክሳብ ሰዓት 10 ምሸት ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕና ብናጻ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕናን ተዋፊሮም ንድኻታት ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ሕክምና መርመራታት እውን ከምዘካይዱ ዶክተር በቲ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም
17 November 2018, 17:29