ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብሓባር ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብሓባር  

ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብሓባር

እዚ ቅዱስ ኣቦና ትንታኔ ዝህብሉ ታሪኽ ሕይወት ብኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣሰናዳእነት ንሕትመት ዝበቅዕ መጽሓፍ ከይኑ ኣብ ኢጣሊያ ብቤት ማሕተም ማርሲሊዮ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዕን ብሰለስተ ቋንቋታት ዝሕተም ኰይኑ ኣብ ኢጣሊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሓደ መዓልቲ ንንባብ ዝቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ መንእሰያት ዝዝትይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሓደ ውጥን ሓደ መጽሓፍን ኩነትን ምስ ቅዱስ ኣቦናን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓለም ለኻዊ ውጥን ንሓድሽ ቃል ኪዳን ኣብ መንጐ ትውልዲ፥ ናይ ክውን ግዜ ልቦና  ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ትንታኔ ዝህቡሉ ዝተፈላለዩ ትርዀት ሕይወት ዘዘንትው ሓደ ቃላዊ መጽሓፍ ኣማእኪሉ ሮማ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ኣጐስቲኒያኑም ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝዝትይሉ መደብ እቲ ኣብ መንእሰያት ኣማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽንያት ገይሩ ከምእተዳለወ ተሓቢሩ። “ናብ መጻኢ ምጉዓዝ፡ ስጉምትን ናብ ጥልቂ መበቆላዊ ሱርን፡ ተዘክሮን፡ ትብዓትን ቅኑዕ ጦብያን ኣገዳሲ እዩ”፡ እቲ ዝደልዮን ዝምነዮን ዓለም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ምትሕቁቓፍ ዝነብረሉ ሓድሽ ዓለም” እዩ ይብሉ።

መንእሰያትን ኣረጋውያንን መላእ ዓለም ዘተ ምስ ቅዱስ ኣቦና

ኣብቲ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ኣቦና ተኣኪቦም ዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ፡ ናይታ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት እተንእንግድ ሃገረ ፓናማ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳትን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2019 ዓ.ም. ኣሰናዳኢት ኮምቴ ኣቦ መንበርን ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ ኡያኦ መንዲየታን፡ ናይ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ እውን ዝሳተፉ ምዃኖም ክንገረ እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ኣብ መንጐ ትውልዲ ሰናይ ርክብ ክህሉን ናይ ሓባር ጉዕዞ ምስንዳውን እንክብሉ ዘቕርብዎ ምዕዳን ዘማእከለ ኰይኑ፡ Unbound-ገደብ ኣልቦ እተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ዘሰናድዎ ኰይኑ ካብ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ 250 ቃለ መሕትት ዘጠቓለለን ብምትሕብባር ናይ ላቲን ኣመሪካ ሎዮላ ቤት ማሕተም ዝወጠኖ መደብ እውን ከምዝዀነ ተመልኪቱ ኣሎ።

ብሰለተ ቋንቋታት ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቅዕ መጽሓፍ

እዚ ቅዱስ ኣቦና ትንታኔ ዝህብሉ ታሪኽ ሕይወት ብኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣሰናዳእነት ንሕትመት ዝበቅዕ መጽሓፍ ከይኑ ኣብ ኢጣሊያ ብቤት ማሕተም ማርሲሊዮ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዕን ብሰለስተ ቋንቋታት ዝሕተም ኰይኑ ኣብ ኢጣሊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሓደ መዓልቲ ንንባብ ዝቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብሓባር

 

09 October 2018, 16:28