ር.ሊ.ጳ.፥ ቀረባውያን መሰካኽር ኢየሱስ እምበር ሰባክንያ ጠመቓዊ ትምህርትን ኣባል ምንቅስቓሳት ዘይምዃን

“እግዚኣብሔር መንእሰይ ዘፍቅር መንእሰይ እዩ”፡ ክርስቲያን መምሃራንን ወይ ክኢላታት ዛዕባ ዝተቐደሱ ነገራት ዘይኰነስ፡ ናይቲ ዘድሕን ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሰካኽር ክዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም፡

እቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያት እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ መደበይና መበል 15 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ  ሲኖዶስ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ተዓጂቦም በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣሳቲፉ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን፥ ምስማዕን ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ቀረባን መስካሪ ምዃን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዝለገስዎ ስብከት ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“እግዚኣብሔር መንእሰይ ዘፍቅር መንእሰይ እዩ”፡ ክርስቲያን መምሃራንን ወይ ክኢላታት ዛዕባ ዝተቐደሱ ነገራት ዘይኰነስ፡ ናይቲ ዘድሕን ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሰካኽር ክዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም፡ እቲ 26 መዓልቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፡ ኣብ መንእሰያትን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ብዕምቆት ከምዝመኸረ ዘኪሮም፡ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት

ትንቢት ኤርሚያስ ምዕ. 31 ካብ ፍቕዲ 7 – 9

መልእኽቲ ዕብራውያን ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 – 6

ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 46 – 52

ኣሞርኵይዞም፡

ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ወለዶ ክትሰምዕ ትደልይ፡ እግዚኣብሔር መንእሰይ እዩ

በርጠመዎስ ዘያሪኮ ዓይነ ስውር ብኢየሱስ ተፈዊሱ የዕንቱ ተኸፍታ፡ ድሒኑ ደቀ መዝሙር ከኣ ኰነ፡ ብዙሓት ስም ኢየሱስ ከይጽውዕ ስቕ ከብልዎ ፈቲኖም፡ እቶም ሱቕ ከብልዎ ዝደለዮ ናቶም ዝዀነ ዘይ ናይ ኢየሱስ  ዕማም ዝነበሮም እያቶም፡ ኢየሱስ ግና ናይቲ ምሓረኒ እናበለ ሓገዙ ዝሓትት ዝነበረ ሰብኣይ ድምጺ ይሰምዕ፡ ዛዕባ ሕይወት ዝምልከት ሕቶ ንኢየሱስ ዝህውኽ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ካብ በለካን ለኸዓካን ባዶ ዘረባን ተላቒቑ ኣብ ምስማዕ ከድህብ ናይቶም ሓገዝን ቅርበትን ዘድልዮም ድምጺ ሰማዒ ክኸውን ይግባእ፡ ብፍቕርን ብትዕግስትን ጽን ዝብል።

ብስም ኵላትና ዓቢይን በጽሕን ወለዶ ንዓኻትኩም መንእሰያት፡ ኣብ ምስማዕኩም ስለ ዘይተረኸብና ይቕረታ እሓትት፡ ኣክንዲ ልባትኩም ንኽትከፍቱ ምግባር፡ ኣእዛንኩም ብቓላት ዝመላእና ብምዃንና ይቕረታ እሓትት፡ ብፍቕሪ ከም ናይ ኢየሱስ ቤተ ክስቲያን ኣብ ምስማዕኵም ክንረክብ ንደልይ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕይወትኩም እጹብን ድንቅን እዩ፡ ስለምታይ እግዚኣብሔር መንእሰይ ስለ ዝዀነን መንእሰይ ስለ ዘፍቅርን፡ ንኣና እውን ሕይወትኩም እጹብ ድንቅን እዩ፡ ካብዚ ንላዕሊ እውን ንቕድሚት ምባል ኣገዳሲ እዩ።

ቀረባ ምዃን፡ እምነት ኣብ ጠመቓዊ ትምህርትን ቀመር ጠመቓዊ ትምህርን ወይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ቀመር ዘተኰረ ኣይኰነን፡ ልክዕ ከምቲ እየሱስ ነቲ ዓይነ ስውር ዘያሪኮ ቀረባ ዝዀኖ፡ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ፡ ኢየሱስ ነቲ ዓይነ ስወር በርጠመዎስ እንታይ ክግበረልካ ትደልይ እንክብል ዝሓተቶ፡ በኸምዚ ዝኣመሰለ ብናይ ፍሉይ ሕርየት ኣቀራርባ ኣቢሉ ንዅላትና ቀረባ እዩ ዝኽወን፡ እምነት ክልተ ዓይነት ብድሆታት ከጋጥምዎ ዝከኣል እዩ፥

“እምነት ኣብ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቀመራት ከተኵር እንከሎ፡ ንርእሲ ጥራሕ እምበር ንልቢ ዘይዛረብ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ኣብ ዕዮን ተግባርን ጥራሕ ከድህብ እንከሎ ከኣ ኣብ ግብረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ይኸውን፡ እምነት ግና ሕይወትን ነቲ ህላዌ ዝቕይር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት እዩ፡ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣስረጽቲ ወይ ከኣ ኣብ ማሕብራውያን ጉዳያት ጥራሕ ዝነጥፉ ክንከውን ኣይኰንናን ዝተጸዋዕና፡ ቀረባ ብምዃንን ኣብ እግዚኣብሔር ጠቢቕናን ኣብ መንጐና ሱታፌ ከዊንናን ንሓው ቀረባ ኰይናን ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዓለም ናይ እግዚኣብሔር መደብ ንኸነብጽሕ ዝተጸዋና ኢና።”

መሰኻኽር ፍቕሪ እግዚኣብሔር እምበር ናይ ኵሉ ነገር መምሃራንን ወይ ከኣ ጠቢባን ዛዕባ ቅዱሳት ነገራትን ኣይኰንናን

ነቲ ዕሹግ መልስታት ዘቕርብ ዓይነት ኣገባብ ዝጻረር ቀረባ ምዃን እዩ ዘድሊ፡ ከምቲ ኢየሱስ ቀረባና ዝዀነ ገዛእ ርእስና ንኻልእ ቀረባ ምግባር፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕዳሴ ናብ ናይ ሓው ሕይወት ምብጻሕ ማለት እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ንኡስ ጉጅላውነት ዕንኪላሎ ንውጻእ እንክብሉ ምዒዶም፡ ብዙሕ እዋን ኣእዳውና ሕጹብ ናይ ምግባር ፈተና ከጋጥመና ዝከኣል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ልክዕ ናብቲ ዓይነ ስወር ዘያሪኮ ኢየሱስ ድንን ቢሉ ቀረባ ዝዀኖ ዓይነት ምዃን ክህልወና ኣእዳውና ኣብ ቀረብ እምበር ንኸይረስሕ ኣይንፍራሕ ኢሎም።

“ጐይታ ስለ ነፍሲ ወከፍና ክብል ኣእዳዉ ኣርሰሐ፡ እግዚኣብሔር ብዅሉን ኣብ ኵሉን ቀረባን ኵነ ብዝብል ዝካረ ንመስቀል እናጠመትና ካብ መስቀል ንበገስ፡ ቀረባይ ኰነ፡ ኵሉ ካብኡ ይጅምር፡ ኣንሕና እውን ስለ ፍቕሩ ቀረባ ምስ እንኸውን ሓድሽ ሕይወት ዘብጽሑ ንኸውን፡ ናይ ኵሉ መምሃራን ወይ ጠቢባን ስነ ቅዱሳት ነገራት ዘይኰነስ ናይቲ ዘድሕን ፍቕሪ መሰኻኽር።”

ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊት ማሕበር ዘይኰት፡ ናይቲ ናይ ጐይታ ሓሴት ዝነብር ማሕበር ሰብ ዝደሓኑ እያ

ቅዱስ ኣቦና ከም ሳልሳይ ነጥቢ ኣብ ጉዕዞ እምነት ክፍጸም ዝግብኦ ስጉምቲ ኣብ ዘቕረብዎ ምዕዳን እንከመልክቱ፥ ልክዕ ከምቲ ዓይነ ስውር ዘያሪኮ፡ ብዙሓት መንእሰያት፡ ሕይወት ዝጽውዑን ዝማሕጸኑን ኣለዉ፡ ግናኸ ብዙሕ እዋን ዘይትግበር ናይ ሓሰት ተስፋታት ክቐርበሎምን ውሑዳት ብዛዕባኦም ክግደስን ይረአይ፡ ኣንሕና ክርስቲያን ይብሉ፡ ነቶም ዝደልዩ ኣሕዋት በራትና ክኩሕኩሑ ምጽባይ ዘይኰነስ ኣንሕና ገዛእ ርእስና ሒዝን ዘይኰነስ ብስሙ ንኻልኦት ከነጸናንዕን ከነበራትዕን ዝለአኸና ኢየሱስ ሒዝና ናብኦም ከነብል ይግብኣና እንክብሉ የጠንቅቑ፥

“ንዅሉን ንፈሲ ወከፍ ሰብን፥ ብእግዚኣብሔር ንኽትፍቀር ገዛእ ርእስኻ ፍቐድ፡ ንኸፍቅረካ ፍቐደሉ ንኽንብል እግዚኣብሔር ይልእኸና፡ ግና ብዙሕ እዋን ከምዚ ኣክንዲ ንገብር፡ ነቲ ናጻ ዘውጽእ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ሓዲግና ገዛእ ርእስናን ናይ ገዛእ ርእስና ትእዛዛትም ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን መለለዪ ኣቕሪብና ንኸውን፡ መልእኽቲ ናይ ጐይታና ኣንክንዲ ነበጽሕ ነቶም ቃላትና ናይ ጐይታ ቃላት እናበልና ኣብጺሕና ኢና። ሓሳብና ከም ሓሳቡ ኣቕሪብና፡ ብዙሓት ኣክንዲ ናይ ኢየሱስ ምሕዝነት ናይ ተቕዋማትና ከበድ ክጸቕጦም ገርና፡ ስለዚህ ኣክንዲ ናይቲ ብጐይታ ስለ ዝደሓኑ ናይዚ ናይ ምድሓን ሓሴት ዝነብሩ ማሕብረሰብ ከይንና ካብ ምቕራብ ከም ዘይመንግስታዊ ማሕበር ሓደ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ውድብ ተገርይርና ክንሕሰብ ገርና ኢና፡ ብጐይታ ናይ ዝደሓኑ ሓሴት ድሑናት ዝነብሩ ኰይንና ንረኸብን ንቕረብን፡”

እምነት ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እምበር ህልዩ (ክልሰ ሓሳብ) ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስብከት፥ ነቲ ዓይነ ስውር ዘያሪኮ ዘድሓነ እምነት እናሓሰቡ፡ እቲ ዓይነ ስውር ዘያሪኮ ኣብ ዝነበረ ዓይነትን ርድኢትን ህልዩ እግዚኣብሔር ዘይኰነስ ኣብቲ ብርቱዕ ንእግዚኣብሔር ምድላይን፡ ክራኸቦ ምድላዩን ዘለዎ ድሕነት ዘርእይ እምነት፡ ደለይቲ ድሕነት ኰይንና ክስምዓና እንከሎ ኣብኡ እምነት ይጅምር፡ እምነት ይብሉ፥ ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ሕቶ እምበር ውራይ ህልዩ ኣይኰነን፡ ምስ ህልዩ ናይ ምርኻብ ሕቶ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ዘድልይ ምስክርነት ሕይወት እምበር ስብከታትና ኣይኰነን፡ እዚ እዩ ፍርያም ዝገብር፡ ምስ በሉ፡ ስብከቶም እንከበግሱ ኣብ እምነት ከይዲ ዘድልዩ፡ ንመንእሰይ ምስማዕን ጽን ምባልን፡ ቀረባ ምዃንን፡ ንኣእቶም ናይ ሕይወትና ሓሴት ዝዀነ ማለት ኢየሱስ ምምስካርን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝብሉ ነጥብታት ብምዝኽኻር ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቀረባውያን መሰካኽር ኢየሱስ እምበር ሰባክያን ጠመቓዊ ትምህርትን ኣባል ምንቅስቓሳት ዘይምዃን
29 October 2018, 17:51