2018.10.10 ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 2018.10.10 ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ!  

እግዚአብሔር ሕያው ንዘበለ ኩሉ የፍቅር! ምንጻል ጽንሲ ዘይሥልጡንን ዘይሰብኣውን ተግባር እዩ! ር.ሊ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ነቲ ኣይትቀትል ዝብል ሓምሻይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምጥቃስ ‘እግዚአብሔር ኣፍቃሪ ሕይወት እዩ’ ስለዝኾነ ከኣ ሕይወት ደቂሰባት ካብ ሕጻንነት ክሳብ ሽምግልና ክፍቀር ኣለዎ ክንከላኸለሉ ከኣ ይግባእ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ቃል ኣምላኽ

“‘ነቲ ዘሎ ኲሉ እትፈቱ ኢኻ! ካብቲ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ንሓደ እኳ ኣይትጸልእን ኢኻ! እንተ ዘይትደልዮ ኔርካ፣ ብቕድሙውን ኣይምፈጠርካዮን ኔርካ። ንስኻ እንተ ዘይትፈቀድ ኪህሉ ዚኽእል ነገር ኣይምሃለወን። ንስኻ እንተ ዘይትፈጥሮ ኪነብር ዚኽእል ሓደ ነገር እኳ ኣይምሃለወን። ኦ ጐይታ ኲሉ ናትካ ስለዝኾነ ኪነብር ዝፈቐድካሉ ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ኸኣ ሕይወት ንዘለዎ ኩሉ እተፍቅር ኣምላኽ ኢኻ’ (መጽሓፍ ጥበበ ሰሎሞን 11.24-26)”

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ሎሚ ትምህርቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓሙሻይ ትእዛዝ ማለት ኣይትቅተል ንዝብል ክንምልከት ኢና። ሓሙሻይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣይትቅተል ይብል። በዚኸስ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ ዓሠርቱ ቃላት ንኣቱ ኣሎና። እዚ ክፍሊ እዚ ምስ ብጾትና ክህልወና ንዘሎ ርክብ ይምልከት። እዚ ትእዛዝ እዚ በቲ ሓጺርን ንጹርን ኣቁዋሙ ነቲ መሠረታዊ ሰብኣዊ ርክብ ዓቢ መንደቅ ሓኒጹ ይከላኸለሉ። ናይ ርክብ ደቂሰባት መሠረታዊ ክብሪ ኣየናይ እዩ እንተበልና! ክብሪ ሕይወት እዩ ስለዚ ከኣ ኣይትቀትል ይብል።

ሕጽር ብዝበለ ኣዘራርባ ኣብ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ እኩይ ነገር በዛ ትእዛዝ እዚኣ ይግለጽ ክንብል ንኽእል። እዚ ማለት ከኣ ንሕይወት ዋጋ ናይ ዘይምሃብ ግብረ እከይ ማለትና እዩ። ሕይወት ብውግእ ትዕመጽ በቶም ንወዲሰብ ክብለጹሉን ክምዝምዝዎን ዝዕጠቁ ተቍዋማት ትሕመስ ኣላ። ነዚ እከይ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታዊ ጋዜጣታትን ዜና ተለቪዥንን ንዕዘቦ ኣሎና፣ እቲ ብዛዕባ ፍጡርን ናይ ምጒሓፍ ባህልን ዘሰላስሉን ንኩነታት ህላዌ ደቂሰባት ዋጋ ከይሃቡ መኽሰቦምን በለጾምን ጥራይ ዝሓስቡ ነቲ ዝበዝሑ ሰባት ዝነብሩሉ ዘለው ትሑት ናብራ ይዝንግዑ። እዚ ናብራዚ ግን ንሕይወት የስተናዕቅ ብካልእ ኣዘራርባ ነቲ ኣይትቅተል ዝብል ትዕዛዝ ጥሒሱ ይቀትል ኣሎ ማለት እዩ።

ካልእ ነዚ ዝመሳሰል ንሕይወት ደቂሰባት ዝጸቅጥ ስግንጢራዊ ኣመላኽታ ከኣ ኣብ ማሕጸን ኣደ ንዘሎ ናጽላ ሕጻን ምቑጻይ እዩ። እስኪ ክሓተኩም ከመይ ኣቢሉ እዩ ንሕይወት ንጹሓት እናቈጸየ ዝገደደ ከኣ ኣብ ምዕንባብ ዝርከብ ዝከላኸለሉ ንዘይብሉ ምቑጻይስ ምስ ኣየናይ ጥዕናን ምዕብለን ማሕበረሰባዊ ኣተሓሳስባን ይጽንበር! ንሓደ ጸገም ንክትፈትሕ ሕይወት ወዲሰብ ምቑጻይ ግብእዶ እዩ! እስኪ መልሱለይ! እንታይ ትሓስቡ! ቅኑዕ ድዩ! ሓደ ሽግር ንምፍታሕ ንኽቀትሉ ንዝተዓጥቑ ምቚጻር ግቡእ ድዩ! ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ኩሎም ብሓባር ኣይፋል እንክብሉ መሊሶም። ቅዱስነቶም ብምቅጻል ኣይፋል እወ! ሕይወት ሰብ ምጥፋእ ብምንም ተኣምር ዘይፍቀድ እዩ! ይዕበ ይንኣስ ሕይወት ደቂሰባት ንስለ ጸገማትካ ምፋታሕ ክተሕልፍ ፈጺምካ ኣይፍቀድን። እዚ ከኣ ሓደ ጸገም ንምፍታሕ ቀታል ነፍሲ ከም ምስዕሳብ እዩ እሞ ፈጺምካ ክኸውን የብሉን።

እዚ ኩሉ ካበይ እዩ ዝመጽእ! ዓመጽን ምውሳንን ካብይ እዩ ዝመጽእ! ኩሉ ካብ ፍርሓት እዩ ዝመጽእ። ንካልእ ምቅባልከስ ንገዛእ ርእሰይ ይጥዓመኒ ንዝብል መንፈስ ይጻረር። ንኣብነት ሓደ ክውለድ ዘለዎ ሕጻን ስንኩል ዓቢ ስንክልና ኣለዎ እንተኢሎምና ንዝስምዓና ንሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ነዚ ኩነታት ንምሽናፍን ነቲ ዝስዕብ ፍርሒ ንምስጋርን እቶም ወለዲ ሓቀኛ ቅርበት የድልዮም ሓቀኛ ደገም የድልዮም። ኮይኑ ግን በንጻሩ ካብዚ ዓለም ዝቀርቦም ቅልጡፍ ምኽሪ ነቲ ጽንሲ ከቋርጹ እዩ። እዚ ንጽንጺ ምቊራጽ ዝብል ኣምር ግን ብቀጥታ ሕይወት ሓደ ሰብ ነጥፍእ እዩ መልእኽቱ።

ሓደ ዝሓመመ ሕጻን ከም ኩሎም ሓገዝ ዘድልዮም ነበርቲ እዛ ዓለም እዚኣ ከምኡ እውን ሓገዝ ዘድልዮ ሽማግለ ከም ኩሎም ኣብዚ ዓለምና ሓገዝ ዝልምኑ ድኻታት እቶም ከም ጸገም ዝቀርቡ ከም ሓቁ ካብዚ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ወጺኦም ኣብ ፍቅሪ ንምጉልባት እዩ እቲ ጻውዒት። ጽጉም ሕይወት ካብ ናይ መነባብሮ ጸገማት ንክንላቀቅን ታሕጓስ ፍቅሪ ንክነስተማቅርን መንገዲ ይሕብረና። ኣብዚ ነጥቢ እዚ ነቶም ኣብ ፈቀዶ ቦታ ብምኻድ ብወለንታኦም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ጸገማት ዘለው ንምሕጋዝ ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ኣባላት ዝተፈላለያ ወለንታውያን ማሕበራት ከመስግን እደሊ። ከም ኣብ ዓዲ ጣልያን ብዙሓት ወለንታውያን ኣይረኣኹን። እግዚብሔር ይሃበለይ እንክብል አመስግነኩም።

ንምዃኑ ንወዲሰብ ንሕይወት ኣይፋል ንክብል ዝደፋፍኦ እንታይ ኮን ይኸውን! ቢልና ምስ እንሓትት እንትርፎ ናይዚ ዓለምና ኣማልኽት እንብሎም ከም በዓለ ገንዘብ ሃብቲ ሥልጣን ዕውት ምዃን እንተዘይኮይኑ ካልእ የለን። እዚ ኩሉ ግን ንዋጋ ሕይወት ንምግምጋም እንጥቀሞም ግጉያት መምዘኒታት እዮም። እሞኸ ደኣ ናይ ሕይወት ዋጋ ንምግምጋም እንጥቀመላ ሓቀኛ መምዘኒት ኣየንቲ ኮን ትኸውን? እታ እንኮ መልሲ ፍቅሪ እንክትኾን እዛ ፍቅሪ እዚኣ ከኣ ጐይታ ዘፍቀረና ፍቅሪ እዩ። ጐይታ ንሕይወት ዘፍቅረላ ፍቅሪከስ እንኮ መምዘኒት ሕይወት እያ። ንነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወዲ ሰብ እግዚብሔር ዘፍቅሮ ፍቅሪ እዩ እቲ መምዘኒ።

ነዛ ኣይትቅተል ትብል ትእዛዝ ኣዎንታዊ ጐድና ኣየናይ ኮን ይኸውን እንትቢልና ከምቲ እግዚብሔር ንሕይወት ዘፍቀረ ንሕና እውን ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ኣፍቀርቲ ሕይወት ንክንከውን እዩ። ምሥጢር ሕይወትከስ ካብቲ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ዘርኣዮ ምሥጢረ ሥጋዌ ንላዕሊ ዝገልጾ የሎን። ንሱ ክሳብ ኣብ መስቀል ንዝቀረቡ ክህደትን ሕመቅን ድኽነትን ሥቃይን ብምቅባል ሰብ ኮነ (ዮሓ 13.1)። ኣብ ነፍሲወከፍ ሕሙም ሕጻን ኣብ ነፍሲወከፍ ዝተዳኸመ ሽማግለ ኣብ ነፍሲወከፍ ተስፋ ዝቆረጸ ስደተኛ ኣብ ነፍሲወከፍ ድኽምትን ኣብ ሓደጋ እትርከብን ሕይወት ክርስቶስ እዩ ንዓና ሃሰስ ዝብል (ማቴ 25.34-46)፣ ንታሕጓስ ፍቅሪ ክፉት ንክኸውን ንልብታትና ሃሰስ ይብል ኣሎ፣

ነፍሲወከፍ ሰብ ነቲ ዝተኸፍሎ ደም ክርስቶስ ስለዝውክል ንነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምቅባል ዓስቢ ኣለዎ (1ጴጥ 1.18-19)። እግዚአብሔር ንዘፍቀሮ ክነጓኒ ኣይግባእን።

ንደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዓለምና ንሕይወት ኣይተስተናዕቁ ንበሎም። ንሕይወት ካልኦትስ ይኹን ንሕይወትና ክነስተናዕቅ የብላን ከመይ ትእዛዝ እግዚብሔ ነዚ እውን ይምልከት እዩ። ንብዙሓት መንእሰያት ንሕይወት ኣይተስተናዕቁ ንበሎም። ንሥራሕ እግዚአብሔር ዘይምስትንዓቅ። ነፍሲወከፍና ሥራሕ እግዚአብሔር ኢና። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
10 October 2018, 18:36