`ነቲ ንካልኦት ኣጥፍእ ዝብል ሰይጣናዊ ተልእኮ ካብ ባህልና ነርሕቅ` ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 23 መስከረም 2018ዓምፈ ንሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዝርከቡሉ ከተማ ካውናስ ሃገረ ሊታዋንያ ኣብቲ ሃገር ቅድሚ 75 ዓመት እሽሓት ኣይሁድ ዝሞተሉ መዳጐኒ ህልቂት ቪልንዩስ ብምዝካር ሎሚ እውን እንተኾነ ክርስትያን ዘርኢ ናይዚ ጸገም ከይርከብ ክጥንቀቁን እንተተረኽበ ከኣ ምሒዮም ካብ ባህሎም ክድርብይዎ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ነቲ ጥበበ ሰሎሙን 2.12 እቶም ክፉኣት ሰባት ከኣ ‘ንዑ ነቲ ጻድቅ መፈንጠራ ነዳልወሉ ንሱ ኣብ መግድና ደው ዝበለ ዓንቃፊና እዩ። ንተግባርና ድማ ተቃዋሚ እዩ። ‘መፍረስቲ ሕጊ ሙሴ! ገሃስቲ ትውፊት ኣቦታቶም እናበለ ዚጸርፈና ንሱ እዩ’ ንዝብል መበገሲ ብምግባር ነቶም እኩያን ሰባት ዝብሎ ብምጥቃስ ረሲዕ ወይ ሕሱም ወይውን እኩይ ሰብ እንብሎ ናቱ ዓብላሊ ሓሳብ ጽዒኑ ንንጹሕ ዘሳድድ ወላ ነዛ ክርእዮ እውን ዘይፈቱ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ምስ ኮኑ ከኣ ዝገደደ ጎበጣን ስደትን ምርኮኘትን የኸትሉ። ስለዚ ወትሩ ምስቶም ውጽዓት ኰንካ ኣብቲ ማንም ክኸዶ ዘይደሊ ከባቢ ብምኻድ ንጽጉማት ምርዳእ ዓስቢ ከምዘልዎ ኣዘኻኺሮም።

ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ህልቂት ቪልንዩስ ምልስ ብምባል ከኣ ‘ነዚ ሕሱም ግዝያት ንዘክሮ ጐይታ ከኣ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝኾነ ናይዚ መርዛም ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና እንተሎ ክነለልዮ ጸጋኡ ክህበና እሞ ካብ ልቢ ወለዶታት ምናዳ ከኣ ዘይበጽሖም ክንሱ ብታሪኽ ጥራይ ክምረዙ ካብ ዝነብሩ መዝሒቊና ክነጥፋኦን ይሓግዘና እንክብሉ ንዝኽሪ ናይዚ ጸሊም ታሪኽ ከንጽሑ ደሕሪ ምዝኽኻር ጸሎተ መልኣክ እግዚብሔር ደጊሞም።

23 September 2018, 09:51