`ነቲ ንካልኦት ኣጥፍእ ዝብል ሰይጣናዊ ተልእኮ ካብ ባህልና ነርሕቅ` ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ነቲ ጥበበ ሰሎሙን 2.12 እቶም ክፉኣት ሰባት ከኣ ‘ንዑ ነቲ ጻድቅ መፈንጠራ ነዳልወሉ ንሱ ኣብ መግድና ደው ዝበለ ዓንቃፊና እዩ። ንተግባርና ድማ ተቃዋሚ እዩ። ‘መፍረስቲ ሕጊ ሙሴ! ገሃስቲ ትውፊት ኣቦታቶም እናበለ ዚጸርፈና ንሱ እዩ’ ንዝብል መበገሲ ብምግባር ነቶም እኩያን ሰባት ዝብሎ ብምጥቃስ ረሲዕ ወይ ሕሱም ወይውን እኩይ ሰብ እንብሎ ናቱ ዓብላሊ ሓሳብ ጽዒኑ ንንጹሕ ዘሳድድ ወላ ነዛ ክርእዮ እውን ዘይፈቱ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ምስ ኮኑ ከኣ ዝገደደ ጎበጣን ስደትን ምርኮኘትን የኸትሉ። ስለዚ ወትሩ ምስቶም ውጽዓት ኰንካ ኣብቲ ማንም ክኸዶ ዘይደሊ ከባቢ ብምኻድ ንጽጉማት ምርዳእ ዓስቢ ከምዘልዎ ኣዘኻኺሮም።
ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ህልቂት ቪልንዩስ ምልስ ብምባል ከኣ ‘ነዚ ሕሱም ግዝያት ንዘክሮ ጐይታ ከኣ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝኾነ ናይዚ መርዛም ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና እንተሎ ክነለልዮ ጸጋኡ ክህበና እሞ ካብ ልቢ ወለዶታት ምናዳ ከኣ ዘይበጽሖም ክንሱ ብታሪኽ ጥራይ ክምረዙ ካብ ዝነብሩ መዝሒቊና ክነጥፋኦን ይሓግዘና እንክብሉ ንዝኽሪ ናይዚ ጸሊም ታሪኽ ከንጽሑ ደሕሪ ምዝኽኻር ጸሎተ መልኣክ እግዚብሔር ደጊሞም።