ኣብ ታሊን ቃል ቅዱስ ኣቦና፥ ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ታሊን ቃል ቅዱስ ኣቦና፥ ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን 

ኣብ ታሊን ቃል ቅዱስ ኣቦና፥ ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን

ሃገርኩም ህዝብኹምን ብዙሕ ጸበባን መከራን ናዕብታትን ዝተብሮ ታሪኽ ኣሕሊፉ እዩ፡ ገድሊ ምእንቲ እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ንኽትዕ ዝእትውን ንሓደጋን ስለ ዝቃላዕን ናጽነትን ሉኣላውነትን፡ … ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ናብ ቤሔራዊ ስድራ ቤትነት ዝኣተኹም ኢኹም ቢሎም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ሕትመት ነጻነትን ስርዓት ደሞክራስን ናይ ፖለቲካ ነጻነት ጠቒሶም፡ እዚ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ክበራታዕ ከምዝገበረን ገሊጾም

ክብርነትክን ርእሰ ብሔር

ክቡራት ልኡካነ መንግስታትን

ክቡራትን ክቡራንን

እግዚኣብሔር ነዛ ኣዚያ ሰሜናዊት ዝዀነት ከተማ ክበጽሕ ዕድል ሂቡኒ ኣብ ከተማ ማታሊን ኣብ መንጐኹም ምርኻበይ ኣዚየ ሕጉስ እየ፡ ርእሰ ብሔር ንዘስምዐኦ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ክቡር ቃለንን ምስቶም ኣብ ኤስቶኒያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸብ ዕድል ብምሃብክን አመስግን፡ ኣብዚ ኣብ መንጐኹም እውን በርገሳያን ማሕበራትን ናይ ባህሊ ዓለም ዝውክሉ እውን ምህላዎም ከይዘንጋዕኩ ባህልኹም ብመጠኑ እውን እንተዀነ ንኽላለዮ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኵነት ጸባባ ተጻዋርነኩም ምስ ዘረጋጽ ባህልኹም ንኽላለዮ ዕድል ብምዃንኩም አመስግነኩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ዘመናት እዚ ከባቢ’ዚ ርስቲ ማርያም ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፡ እዚ ኸኣ ክፍሊ ታሪኽ ሃገር ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ባህልኹም ታሪኽ ክፍሊ እውን እዩ። ስም ማርያም ክጽውዕ እንከለኹ ክልተ ቃላት እያተን ናብ ኣእምሮይ ዝመጻኒ፡ እቲ ሓደ ተዘክሮ ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ፍርያምነት ወይ ወላድነት ዝብል እዩ፡ ንሳ ኩሉ ኣብ ልባ ትዕቅቦ ነበረት (ሉቃ. 2,19)፡ ወላድ ኣደን እያ፡ ወለደቶ፡ እወ ኤስቶኒያ በዘን ክልተ ቃላት ክሓስባ ባህ ይብለኒ፡

መሬት ዝኽሪ (ተዘክሮ)

ሃገርኩም ህዝብኹምን ብዙሕ ጸበባን መከራን ናዕብታትን ዝተብሮ ታሪኽ ኣሕሊፉ እዩ፡ ገድሊ ምእንቲ እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ንኽትዕ ዝእትውን ንሓደጋን ስለ ዝቃላዕን ናጽነትን ሉኣላውነትን፡ … ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ናብ ቤሔራዊ ስድራ ቤትነት ዝኣተኹም  ኢኹም ቢሎም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ሕትመት ነጻነትን ስርዓት ደሞክራስን ናይ ፖለቲካ ነጻነት ጠቒሶም፡ እዚ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ክበራታዕ ከምዝገበረን ገሊጾም … መሬት ተዘክሮ ምዃን ማለት እቲ ሎሚ ዝተበጽሔ ናይቲ ትማሊ ዝተኸፍለ መስዋዕትነ ምዃኑ ምሉእ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ …. ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ተዘክሮ ዘይብሉ መጻኢ ዘይብሉ ከምዝኸውን ኣተሓሳሲቦም።

… ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ንፈለማ ጊዜ ሓዋርያዊ ኣገልግሎተይ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብቲ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝረኣይ ዘሎ ምዕባለ ዝግለጽ ኣብ ዓቢይ ታሪኻዊ ለውይጢ ይነብር ኣሎ፡ ኣቲ ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥቕሚ ዕዉት ኣበርክቶ ዘለዎ ክነኣድ ይግብኦ (ወንጌላዊ ሓሴት, 52)፡ ይኹን ደኣ እምበር ሃብቲ ጽቡቕ ወይ ሰናይ ምንባር ምስ ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጉም ከምዘብሉ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ፡

ሓደ ካብቶም ናይ እንነብረሉ ምልከ እደ ጥበባዊ ማሕበረሰብ ክስተታት፡ ትርጉም ናይ ሕይወትን ሓጎስ ምንባርን ምጥፋእን ናይ ጽሞና ብቕዓት ምጉዳልን ናይ ምድናቕ መንፈስ ምጥፋእን ዝብል ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ህልውና ላዕልን ታሕትን ምባል ዝገሃድ ዘሎ እዩ፡ እዚ ኹሉ ዝሓለፈን ዘሎን ምስ መጻእን ዘየራኽብን ምትሕልላይን ትርጉም ስድራ ቤትን ኩሉ እናጐደለ እቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ናይ ምሕላም ብቕዓት እውን ይሃስይ፡ …. ነዚ ኹሉ ስዒቡ እቶም ኣብ መዳይ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ሕንጸትን ሓላፍነት ዘሎና እቲ ዝሃስይ ንኽውገድን ኣብ መንጐ ትውልዲ ዘሎ ተራኻብነት ህልው ኣብ ምግባር ብርቱዕ ጻዕሪ ክንገብር ግዲ ይኸውን።

ወላድ ወይ ምህርታዊት መሬት ክበሃል እንከሎ እቶም ኣባላት ሕብረተሰብ ቤተይና ምዃኖም ዘስተውዕልሉ ማንም ወጻኣይተይና ዘይዀነሉ ማለት እዩ። …  ናይ ውህደትን ትውልድን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብን ዘቕውም ክፍሊ ሕብረተሰሰብን ምትእስሳር፡ ወገን ሕብረተሰብ ምዃንካ ዘረጋግጽ ምትእስሳራት እውን ሕድ ሕዳዊ ምንጽጻግ ዝብልን እቲ ትርጉም ህላዌ ዘጥፍእ ብምውጋድ ዝንበር እዩ፡ ፍቱዋት ኣሕዋተይ እዚ ምትእስሳር’ዚ ከይዘልቕ ወይ ክይፍታሕ ኣብታ ኣብዛ ሃገር ውሑድ ክፍሊ ሕብረተሰብ እትሓቁፍ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምህርታዊ ሓገዛን ምትሕብባራን ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

ክቡርነትክን ርእሰ ብሔርን ክቡርራትን ክቡራንን ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላ ደጊመ አመስግን፡ ጐይታ ንኣኽንን ንኹላትኩምን ንፍቑር ሕዝቢ ኤስቶኒያን ይባርኽ። ተዘክሮ ብምዕቃብን ናይቲ ተዘክሮ ሓላፍነት ዝርከቡን ነዛ ምሬት ፍርያም ናይ ምዃን ኣብነት ክንገብራ ብፍላይ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ይባርኽ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ኣብ ታሊን ቃል ቅዱስ ኣቦና፥ ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኤስቶኒያ
25 September 2018, 17:23