ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ስለ ዘካየድዎ ሓዋርዊ መገሻ ንማርያም ንኸመስግኑ ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ስለ ዘካየድዎ ሓዋርዊ መገሻ ንማርያም ንኸመስግኑ ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ስለ ዘካየድዎ ሓዋርዊ መገሻ ንማርያም ንኸመስግኑ ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ካብቲ ጽዑቅ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ከባቢ ሃገራት ባልቲክ፡ ናብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብቐጥታ ከምቲ ልሙድ ቅድምን ደሓርን ዝዀነ ይኹን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም፡ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብምዃድ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሕዝቢ ሮማ ጸሎት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስልኮ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምእታዎም ብቐጥታ ካብ ዝዓረፍሉ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ናብቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሕዝቢ ሮማ ናብ ዝተነበረሉ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብምኻድ ኣብ ሊትዋኒያን ላትቪያን ኤስቶኒያን ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንቕድስተ ማርያም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ካብቲ ጽዑቅ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ከባቢ ሃገራት ባልቲክ፡ ናብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብቐጥታ ከምቲ ልሙድ ቅድምን ደሓርን ዝዀነ ይኹን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም፡ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብምዃድ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሕዝቢ ሮማ ጸሎት ምስጋና ኣቕሪቦም። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ንጽብሒቱ ዕለት 14 መጋኢት 2013 ዓ.ም. ናብቲ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ክዝከር እዩ፡ ቅድምን ደሓርን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ቁኑን ጽገሪዳ ንኸንብሩን ጸሎት ምስጋና ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ንኸቕርቡ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት እዩ።

ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን

ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ብልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኢየሱሳውያንን ኣዝያ ፍቕርቲ ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግናዚዩ ዘሎዮላ ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበለ ከም ካህን ፋልማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝተነብረሉ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ከምዘዕረገን፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ 1950 ዓ.ም. ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ተጸነት ዝብል ንጽሕተ ድንግል ማርያም ተኣምኖታዊ ሃምነነ ቢሎም ምስ ኣወጁ ናብታ ባዚሊካ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅድስቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ምዕራጐም ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጽ።

ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ቶር ቨርጋታ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሕዝበ ሮማ ኣብቲ መንእሰያት ዝተረኽብሉ ኣደባባይ ክንበር ከምዘገበሩን ማርያም ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ እትመርሕ ብርትዕቲ ኣደ እንክብሉ ከዝገለጽዋ እውን ይዝከር። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ኣብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣብታ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ፊት ለይትን መዓልትን ዘይጠፍእ ንእሽተይ ፋኑስ ክውላዕ ከምዝገበሩን እዚ ኸኣ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘለዎም ፍቕርን ውፉይነትን ዝምስክር እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ስለ ዘካየድዎ ሓዋርዊ መገሻ ንማርያም ንኸመስግኑ ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ
26 September 2018, 16:51