ናብ ዱብሊን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብጭቡጥነት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ናብ ዱብሊን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብጭቡጥነት ናይ ፍቕሪ ሓሴት  

ናብ ዱብሊን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብጭቡጥነት ናይ ፍቕሪ ሓሴት

ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዱብሊን ናይ ስድራ ቤት ወንጌል፡ ንዓለም ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ካብ 25 ክሳብ 26 ነሓሴ ኣብ ዱብሊን ተረኺቦም ስልጣናዊ ምዕዳን ክልግሱን ናይቲ ጉባኤ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን እዮም።

ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዱብሊን ናይ ስድራ ቤት ወንጌል፡ ንዓለም ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ካብ 25 ክሳብ 26 ነሓሴ ኣብ ዱብሊን ተረኺቦም ስልጣናዊ ምዕዳን ክልግሱን ናይቲ ጉባኤ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድሚ 25 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ካብ ዝተበገሰሉ ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ተግባር ንስድራ ቤት ኣብ ዝብል መደብ ናይ ነዊሕ ተመክሮ ተሳታፍነት ሰብ ሓዳር ኣናን ኣልበርቶ ፍሪሶ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እዋናዊ ብድሆታት ንክርስቲያን ኣባይቲ ስድራን እቲ ብኣስተንፍሶ Amoris laetitia -ናይ ፍቕሪ ሓሴት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሎም፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ኣብቲ ክሳብ ዕለት ሞተይ ዝብል ጸዋዕታዊ ቃለ መሓላ እምነት ዘጥፍኤ ከምዝመስልን፡ ነዚ መንእሰይ ወለዶ’ዚ ፍቕሪ እቲ ብሉጽን ልዑልን ዝኾነ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝነብሮ ሓጐስ ዘመንጭው ክፍለ ኣካል ወይ ረቛሒ ሕይወት እዩ፡  ምስጢረ ተክሊል ውልቃዊ ነጻነት ዝድርት ዘይኰነስ ነቲ ነጻነት ናብ ምልኣት ዝቕይሮ ተኽእሎ ሰናይ ሕይወት እዩ እንክብላ ኣና ይገልጻ።

ኣብ ስድራ ቤትን ከም ስድራ ቤትን መደብ ኣምላኽ ምንዳይ

እቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ኰይና ምፍጣርና እንኽውነሉ ጸዋዕታ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ጸዋዕታ እቲ ኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔ ኰይንና ምፍጣርና እንኽውነሉ ባይታ ምዃኑ ኣልበርቶ ገሊጾም፡ እቲ ንኽትነብሮ ዝተቐበልካዮ ጸጋ ጸዋዕታ፡ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ፈለማዊ ጸዋዕታ ኣብ ውሽጥኻ ክስምዓካ እንከሎ እትነብሮ ፍቕሪ ዝነበረ ኰይኑ ብህውል ህያውነት ዘቐጽሎ ደረት ሰገር ኣመክንዮ ክህሉ ኣለዎ፡ ናይ ፍቕሪ ዘለዓለማውነት ኣብቲ ኣብ ጊዜን ቦታን ድሩት ዝዀነ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ብምስጢረ ተክሊል ዝጸንዕ ካብ ክልተኣውነት ናብ ኣሃድነት ዘሰጋግር ምስጢር ይንጸባረቕ፡ ስድራ ቤት እዚ ፍቕሪ’ዚ ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ፍቕሪ ምኽንያታዊ እዩ

ካብቲ ዓብላልን ዝጸልው ኣመክንዮ ወይ ዋቕዕ ዘይኰነ ስምዒት ዘማእክልን ውልቃዊ መሰል ዝብል ናይ ግሊ መሰል ኣብ ልዕሊ ናይቲ ካልእ ክዕብልል ዝድርኽ ባህሊ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ነዚ ብድሆ’ዚ ንምስናፍ ሓጐስ ኣብ ፍቕሪ ምዃኑ ምእማን የድሊ፡ ጸዋዕታ ካብ ፍቕሪ ዝምንጭው ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ፡ ኣብ ስምዒት ፍትወት እምበር ፍቕሪ የሎን፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ስምዒት ግና ሓደ ናይቲ ፍቕሪ ረቛሒ እዩ፡ ዝበላ ኣና ኣስዒበን ብሓቂ ነዚ ኩሉ ብዕምቆት ንምስትውዓል Amoris laetitia -ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ምስትንታን የድሊ፡ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነቲ ናይ ዱብሊን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣስተንፍሶ እዩ ኢለን።

ናብ ዱብሊን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብጭቡጥነት ናይ ፍቕሪ ሓሴት
10 August 2018, 16:33