2018.08.22 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2018.08.22 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ  

ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ናይ ሓሶት ወይ ምስሉይ ክኸውን የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላምታን ቡራኬን ምስ ሃቡ ‘ኣነ እግዚኣብሔር ስመይ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጻዕኩ ኣይኃድጎን እየ እሞ፡ ስመይ ስም እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።’ ዘፀአ 20.7 ‘ኢየሱስ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ እናጸለየ . . . እታ ብኣኣ ገርካ ዜፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትነብር ኣነ ድማ ኣባታቶም ስምካ ገሊጸሎም ኣሎኹ ገና እውን ክገልጸሎም እዩ’ (ዮሓ 17.1.26)ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ተነቢቡ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝጀመርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ነቲ ‘ስም እግዚብሔር ብከንቱ ኣይትጸውዕ` ዝብል ቃል ኣምላኽ መንቀሊ ብምግባር ‘ከምቲ ቅዱሳን ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮም ቅኑዕ ርክብ ይሃልወና። ከምዚ ብምግባር ከኣ ምስክርነት ቤተክርስትያን ተኣማኒ ይኸውን’ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ኣብቲ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ንሃገረ ኣየርላንድ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብጸሎት ከሰንይዎም ሓደራ ኢሎም።

ሰላምታን መባእታን!

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ `ናይ እግዚብሔር ኣምላኽካ ስም ብኸንቱ ኣይተልዕል` ዝብል ትእዛዝ ክንምልከት ኢና። ርግጽ ነዘን ቃላት እዚኤን እንክነንብብ ንስም እግዚአብሔር ከይንብል ብዘይከውን መንገዲ ካብ ምጥቃሙ ክንቊጠብ ንዕደም። እዚ ትርጉም እዚ ከኣ ነዘን ክቡራት ቃላት እዚኣተን ብዕምቘት ንክንፈልጠን የሰድወና ማለት ንስም እግዚብሔር ብከንቱን ብዘይኣገባብን ንከንጽውዕ።

እስኪ ኣስተውዕል ነብል እታ ‘ኣይትጸውዕ ኣይተልዕል` እትብል ቃል ኣብቲ መበቆላዊ ዕብራዊ ቋንቋን ከምኡ እውን ናይ ግሪኽ ቃል ንቃላ እንክትርጐም ‘ነዚ ስም እዚ ናትካ ኣይትገብሮን ኢኻ ክትስከሞ ኣይትኽእልን ኢኻ’ የስምዕ። እታ ካልኣይቲ ‘ብከንቱ’ ትብል ከኣ ካብቲ ክትብሎ ዝደለየት ንላዕሊ ‘ንብላሽ ንባዶሽ’ ማለት እዩ። ንሓዶ ባዶ ዝኾነ ትሕዝቶ ዘይብሉ መትሓዚ ኣቅሓ ይገልጽ። እዚኣ ትኽ ንትኽ ትገልጾ ናይ ኣምሰሉነት ቃል ዓለማዊ ባህሪን ሓሶትን ኮይኑ ባዶሽ ዝኾነ ቃላት ምትንታን ወይውን ስም እግዚአብሔር ሓቂ ብዘይብሉ ንከንቱ ምጥቃም ማለት እዩ።

ስም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ!

ኣብ ቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ስም ክንብል ከሎን ንዓሚቊ ሓቅነት ናይ ነገራት ምናዳ ኸኣ ናይ ሰባት ዝገልጽ እዩ። ብዙሕ ግዜ ስም ንተልእኮ ይገልጽ። ንኣብነት ኣብ ዘፍ 17.5 ኣብርሃም ከምኡ እውን ኣብ ዮሓ 1.42 ስምዖን ጴጥሮስ ሓደስቲ ኣስማት ይቅበሉ! እዚ ከኣ ናይ ሕይወቶም መኣዝን ከምዝተለወጠ ንምምልካት እዩ። ስም እግዚአብሔር ምፍላጥ ከኣ ናብ ለውጢ ሕይወት የብጽሕ! ኣብ ዘፍጥ 3.13-15 ሙሴ ንስም እግዚአብሔር ምስ ፈለጠ ታሪኹ ይቅየር።

ኣብ ሥርዓታት ዕብራውያን ስም እግዚአብሔር ኣብታ ዕለተ ዓቢይ ምሕረት ጥራይ ይጽዋዕ ነበረ። በዚ ስም እዚ ምስታ ምሕረት ዝኾነ ሕይወት እግዚአብሔር ስለዝጋጠም ከኣ እቲ ሕዝቢ ሓጢኣቱ ይመሓር ነበረ።

ስም እግዚአብሔር ምጽዋዕ!

ስለዚኸስ ስም እግዚአብሔር ናብ ገዛእ ርእስኻ ምውሳድ ማለትከስ ንክውንነቱ ምልባስ ኮይኑ ምስኡ ሓያል ርክብ ምፍጣር እኳ ደኣ ጥቡቅ ርክብ ምፍጣር እዩ። ንዓና ንክርስትያን ከኣ እዚ ትእዛዝ እዚ ‘ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን` ዝተጠመቅና ምዃና የዘኻኽረና። ነዚ ከኣ ነቲ ዕለት ዕለት እንፍጽሞ ናብራና ምስ እግዚአብሔር ማለት ምስ ፍቅሩ ሓቀኛ ውህደት ከምዘሎና ንምምልካት ትእምርተ መስቀል ኣብ እንገብረሉ ግዜ ንደጋግሞ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ እንደገና ከዘኻኽረኩም ዝደልዮ ነገር እንተሃልዩ ንሕጻናትና ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ምምሃር ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ መሃርዎም ቢለኩም ዝነበርኩ ፈጺምኩምዎዶ! ዘይፈልጡ እንተኾይኖም ትእምርተ መስቀል ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናበልካ ከምዝግበር መሃርዎም። ከመይ ቀዳማይ ናይ እምነት ሥራህ ናይ ሓደ ሕጻን ትእምርተ መስቀል እዩ። ሃየ እምበር ሎሚውን ዕዮ ገዛ እህበኩም ኣሎኹ ንሕጻናት ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር መሀርዎም።

ስም እግዚአብሔር ንይምሰል ዝልበስ ኣይኮነን!

ምናልባት ‘ንስም እግዚአብሔር ንይምሰል ባዶሽ ንዝኾነ ነገር ንረኣዪለይ ስምዑለይዶ ክንለብሶ ንኽእል? ኢልካ ክሕተት ይከኣል! እቲ መልሲ ብዘሕዝን መልክዑ እወ እዩ ከመይ ክትመስል ስልዝከኣል። ምስሉይ ሕይወት ለቢስካ ክንበር ይከኣል እዩ። ከምዚ ምስ ኣጋጠሞ ኢየሱስ ነቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ዝበሎ ኣሎ። እዚኦም የስተማስሉ ነሮም ኮይኑ ተጻይ ድላይ እግዚአብሔር ዝኾነ ነገራት እዮም ይገብሩ ነሮም። ብዛዕባ እግዚአብሔር ይዛረቡ ኮይኑ ግን ፍቃድ እግዚአብሔር ይፍጽሙ ኣይነበሩን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ምኽሪ ኢየሱስ ‘ዝበሉኹም ዘበሉ ኩሉ ግበሩ ዝገብርዎ ግን ኣይትግበሩ’ ዝብል ነበረ። ስለዚኸስ ከምዚኦም ሰባት እዚኦም ምስ እግዚአብሔር ሓሳዊ ርክብ ወይ ምስሉይ ርክብ ብምግባር ክንበር ይከኣል እዩ። እዚ ክፍሊ ናይ ዓሠርቱ ቃላትከስ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ሓሳዊ ወይ ምስሉይ ከየከውን እዩ ዝዕድም! ርክብናስ ንኩሉ ነገራትና ኣብ ኢዱ ነውድቀሉ ናይ ምትእምማን ርክብ ደኣ ይኹን። ኣብ’ዚ ርክብ እዚ እንሕተቶ ክሳብ ሕይወትና ኣብ ሓደጋ ትወድቀሉ ደረጃ ምስ ህላዌ ጐይታ ብሓቂ ክትራኸብ እምበር ብሓሳብን ዘረባን ጥራይ ክንውሰን ከምዘይብልና ኢና ንሕተት።

ንልቢ ዝትንክፍ ምስክርነት ክርስትና!

ንልቢ ሰባት ክትንፍክ ዝኽእል ምስክርነትከስ እዚ ብቃልን ብግብርን ዝንበር ክርስትና እዩ። ከመይ ብዙሓት ቅዱሳን ብዘረባኦምን ብስብከቶምን ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሮም እውን ከይተረፈ ንክርስቶስ ስለዝመስከሩ እዩ። ሓደ ቅዱስ ሰብ ክዛረበና ከሎ ብዛዕባ ኩነታት ነገራት ከዘንቱ ከሎ ልብና የንቀሳቅስ። ቅዱሳንከስ ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ ምኽንያቱ ነቲ ልብና ኣብ ውሽጢ ውሻጠ ሃረር ዝብሎ ሓቀኛ ርክብ ምስ ጐይታ ኣባኦም ስለዝዕዘቦ። እዚ ነገራት እዚ ምናልባት ኣብ ርሑቅ ቦታ ሃሰው ከይንብል ኣብ ጥቃ ገዛ ዘለው ጐረባብትና ዝኾኑ ቅዱሳን ክንዕዘቦ ንኽእል። እንበዓል መን እዮም ሃሰው ንከንብል ከኣ እዞም ሰባት እዚኦም እቶም ንደቆም ሠናይ ኣብነት ናይ ቅንዕና ከምኡ እውንን ገርሀይናን ቅኑዕን ናብራን   ንምውዛታር ኣብነት ዝኾኑን ንጹሓትን ለጋሳትን ሰባት እዮም።

ሎሚ ዘድልዩ ብተግባር ስምካ ይቅደስ ዝብሉ  ክርስትያን  እዮም!

ኮይኑ ግን ንስም እግዚአብሔር ብዘይ ተጒላባን ምስትምሳልን ብሓቂ ዝለብስዎን ነቲ ስምካ ይቀደስ ዝብል ብሥራት ቤተክርስትያን ዝኾነ ጸሎተ ኣቡነዘበሰማያት እንተዝርከቡ ስብከት ቤተክርስትያን ምተሰምዔን ብዙሕ ተኣማኒ ምኾነን ነሩ። ናብራናን ኩነታት ሕይወትናን ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ክህብ እንተኽኢሉ ጥምቀትና ክሳብ ክንደይ ዓቢ ከምዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ከኣ ዝለዓለ ትዕድልቲ ምዃኑ ምተራእየ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሰወነትናን ሰውነትን ክርስቶስን ክሳብ ክንደይ ጥቡቅ ርክብ ከምዘሎ ምመስከረ። ማለት ክርስቶስ ኣባና ንሕና ከኣ ኣብ ክርስቶስ ከምዘሎና ምመስከርና። እዚ ምስትምሳል ዘይኮነስ ሓቀኛ ምስክርነት እዩ። እዚ ብዘረባ ለለይ ምባልን ከም ሕንጻይ ዘረባ ጸሎትን ምድጋም ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንጐይታ ምፍቃርን ብልብኻ ምጽላይን እዩ።

ድሕሪ መስቀል ክርስቶስ ማንም ካባና ገዛእ ርእሱ ከስተናዕቅን ብዛዕባ ህላዌኡ ሕማቅ ክሓስብን ኣይክእልን። ከመይ ብስሙ ዝአመናን ዝተጠመቅናን ኩልና ስምና ኣብ ዝባን ኢየሱስ ስቁል እዩ ዘሎ። ንሱ እዩ ተሰኪሙና ዚኡአዓዝ። ስለዚኸስ ንሱ ንስምና ወላውን ነቲ ኣባና ዘሎ ክፍኣት ክሳብ መወዳእታ ቀራንዮ ኣብ ዝባኑ ስለዝለበሶ ንስም እግዚአብሔር ምልባስ ይሕሸና። ንሱ ንስምና ዝለሰሶ ከኣ ንክምሕረና ኣብቲ ፈቃር ልቡ ቦታ ምእንቲ ክህለወና ኢሉ እዩ። ስለዚኸስ እግዚአብሔር በዚ ትእዛዝ እዚ ገቢሩ ‘ልበሰኒ ኣነ ለቢሰካ እየ’ ይብለና ኣሎ።

ኩልና ስም እግዚአብሔር ክንጽውዕ ንኽእል!

ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ዝኾነ ኩነት እውን የጋጥመና ነቲ ተኣማኒ ፍቅርን መሓርን ዝኾነ ቅዱስ ስም እግዚአብሔር ክንጽውዕ ዕድል ኣሎና። እግዚአብሔር ብንጹሕ ልቢ ንጽውዖ ኩሉ ኣይፋል ክብል ኣይክእልን። ሃየ እምበር ንገዛእኹም ምስ ተመለስኩም ኣብ እትገብርዎ ዕዮ ገዛ ንመለስ! ኣብ መደምደምታ ክብለኩም ዝደሊ ንደቅኹም ትእምርተ መስቀል ብዝግባእ ንክገብሩ ክትምህርዎም እላቦ።

[ Audio Embed ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንክትከታተሉ ኣብዚ ጠዉቑ!] 

22 August 2018, 19:36