2018.08.08 ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ 2018.08.08 ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ 

ንደገፍ ምግባረ ሠናይን ንምክልኻል ሥድራቤትን ሥርሑ! ር.ሊ.ጳ ንፈረሰኛታት ኮሎምቦስ

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ዓቢ ካቶሊካዊ ማሕበር ተባሂሉ ዝግለጽ ብእንግሊዘኛ knights of colombos ብዝብል ስም ዝፍለጥ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ መበል 136 ዋዕላኡ ኣብ ከተማ ባልቲሞር የካይድ ኣሎ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተጋባእቲ ‘ንደገፍ ምግባረ ሠናይን ንምክልኻል ሥድራቤትን ሥርሑ!’ እንክብሉ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን መልእኽቲ ጽሒፎም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብስም እቲ ንአመሪካ መጀመርያ ዝበጽሔ ህቡብ ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ዚጽዋዕ ብ1882 ዓም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ዝቆመ ንአገልግሎት ጽጉማት ዝውዕል ትካል ሎሚ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ኣባላት ልዕሊ 15,000 ቤትምኽርታትን ዝሓቘፈ ዝዓበየ ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት ኮይኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝሰርሕ ማሕበር እዩ።

መሥራቲ ናይ’ዚ ማሕበር ትውልደ ኣየርላድ ዝኾነ ኣመሪካዊ ካቶሊካዊ ካህን መገልገሊ ኣምላኽ ኣባ ሚካኤል ማክጊቭነይ ይበሃሉ። ኣብቲ ዘገልግልዎ ዝነበረ ቊምስና ቅድስት ማርያም ብቁሩባት ደቂ ቊምስናኡ ዝጀመሮ ቀስ ብቀስ ናብ ኩሉ ተዘርጊሑ። እዚ ማሕበርዚ ዝቆመሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣንጻር እቲ ኣብቲ ግዜቲ ገኒኑ ዝነበረ ማሶኒ ዝበሃል ማሕበር ንምድሓንን ቅዱስ ተግባር ኣብ ደገፍ ጽጉማት ንምትኳርን ነበረ። መጀመርያ ደቂ ኮሎምቦስ ስም ነበሮ ደሓር ግን ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ ስም ዝብል ወሲዱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ። ንመሥራቲ ማሕበር ኣባ ሚካኤል ማክጊቭኒ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 15 መጋቢት 2008ዓም መገልግሊ እግዚብሔር ኢሎም ንብፅዕናኡን ንቅድስናኡን ክስራሕ ኣፍቅዶም።

እምነትን ፍቅርን!

ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ንተጋባእቲ ብስም ቅዱስነቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 ነሐሰ 2018 ዓም ኣብ ከተማ ባልቲሞር ኣብ መሪላንድ ብእተካይድዎ መበል 136 ዋዕላ ዝተሰመዖም ሓጐስ ንክገልጸልኩምን ብጸሎት ከምዝሰንዩኹምን ከረጋግጸልኩም ብዝሓበሩኒ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ እንክብሉ ጽሒፎም።

ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብታ ጋውደት ኤት ኤክዙልታት ተሓጐሱ ደስ እውን ይበልኩም እትብል ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣስፊሮም ከምዘለው ዓበይቲ ቅዱሳን ንምዃን ሃረር ክንብል ነዚ ከኣ ተኣምር ብምግባር ዘይኮነ ነቲ ዕለታዊ ሕይወትና ብእምነትን ብጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብምዝውታርን ክንበጽሖ ከም እንኽእል ዘመልክትዎ ንፈረሰኛታት ኮሎምቦስ እውን ነቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ጸኒዖም ክቅጽልዎን በዚ ከኣ ከምዘበራትዕዎምን ከመይ በዚ ምስክርነት ፍቅሪ እዚ ገሮም ንፍቅሪ እግዚብሔር ብጭቡጥ ንድኻታትን ጽጉማትን ብምርድእ ከምዝገብርዎ ገሊጾም። እዚ ትካል ረድኤት እዚ ካብ ፈለማ faith in action ከምኡ እውን helping hands ማለት እምነት ብተግባርን ዝሕግዛ ኣእዳውን ብዝብል ተበግሶ ንሶምን እግዚአብሔር ብዝፈልጥዎ ከም ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልካታ ንዝበርከትዎ ሓገዝ ብምምጓስ ነዚ ኣብ ዘመና ንማሕበረሰብና ዘድሚ ዘሎ ሓደስቲ ኩነታት ድኽነትን ስእነትን ንምብዳህ ንደገፍ ምግባረ ሠናይን ንምክልኻል ሥድራቤትን ክሠርሑ ከምዝተማሕጸንዎም ገሊጾም።

ሓለውቲ ወንጌል ሥድራቤት ኩኑ!

ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ዓለምለኸ ጉባኤ ሥድራቤት ክሳተፉ ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ ንሥድራቤት ንምርዳእ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ምናዳ ከኣ ንወንጌል ሥድራቤት ንምስባኽ ንብዙሓት ኣሰብኡት ብተግባር ንቃል ወንጌል ኣብ ሓላፍነት ካቶሊካዊ በዓልቤትን ኣቦን ብግቡእ ክጽመዱ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምስጋናኦም ኣቅሪቦም። እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ ንሓቅነት ሓዳርን ሥድራቤትን ንምክልኻል ሓጋዚ ኮይኑ ንሓደስቲ ወለዶ መንእሰያትና መምርሕን ደገፍን ክኸውን ይኽእል፣ በዚ ከኣ ኣብዚ ብተጻይ ወንጌል ዝኾኑ ዘብለጭልጩ ነገራት ተጨኒቁ ዘሎ ኅብረተሰብና እንክነብሩ እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስን ደቂ ቤተርትስያንን ክኾኑ ይኽእሉ ኢሎም።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ክርስትያን!

ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብስም ቅዱሰንቶም ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣብ ፈቆዶኡ ስለ እምነቶም ዝስደዱን መከራ ዝቅበሉን ዘለው ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምዝካር ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ ቈላሕታኦም ናብዞም ዓበይቲ ማሕበረ ክርስትያን ብምግባር ክሕግዝዎም ሓደራ ብማለት ምናዳ ስለ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ብቀጻሊ ክጽልዩን ኣምላኽ ልቢ ናይዞም ዓዳት መራሕቲ ክልውጥን ናብ ቅኑዕ ዘተን ሓቀኛ ፍታሕ ናይ ግጭታትን ከምርሑ ጸጋኡ ክህቦም ኣብርቲዕና ንጸሊ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
10 August 2018, 14:45