2018.08.22 ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዓለምለኸ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት እንክቅበሉ 2018.08.22 ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዓለምለኸ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት እንክቅበሉ 

ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ዘገልግሉ ክርስትያን ልዕሊ ኩሉ መሰኻኽር ክኾኑ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 22 ነሐሰ 2018 ዓምፈ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ጉባኤ ዓለምለኸ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት ክሳተፉ ንዝቀንዩ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ብኣኽረርቲ ተታሒዘን ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ክርስትያንን ካልኦት ውኁዳን ተኸተልቲ ካልእ እምነታትን ብዘሕዝን ኣገባብ ይስደዱን ይሳቀዩን ኣለው። ነዚ ሓደጋ ናይ ጽንፍነትን ንካልእ ሃይማኖት ናይ ዘይምቅባልን መንፈስ ምቅላስ የድሊ’ እንክብሉ ብምዝኽኻር እዚ ግን ጽንፍነት ብጽንፍነት ማለት ሓዊ ብሓዊ ከምዘይጠፍእ ኣብ ግምት ከእትው ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብኢንተርናሾናል ካቶሊክ ለጂስለይቶርስ ነትዎርክ ማለት ዓለምለኸ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት ዝተሰናደወ ዓለምለኸ ጉባኤ ‘ነጻነት እምነትን ሓርነት ሕልናን’ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሮማ ኣካዪዶም።

ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ሓደ ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ዝሠርሕ ክርስትያን ክኽተሎ ዘለዎ መንገዲ ብዓንዲ ርእሱ ‘ትሕትናን ትብዓትን ተአንጊቡ ምስክር ክኸውን ነዚ ከኣ ምስ ራእይ ክርስትያን ዝሰማምዑ ንወዲሰብን ማሕበረሰብን ዝምልከቱ ሕግታት ብምቅራብ’ ክኸውን ከምዘለው። ብሕልፊ እቶም ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ንከደንፍዑ ዝተሰለፉ ንሕቶ ነጻነት እምነት ዝተኻእሎም ከበርክቱ ዝተጸውዑ ምዃኖም ገሊጾም።

ተጻይ ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ኣድልዎን ስደትን!

ቅዱስነቶም ንኣጋይሾም ኣብቲ ቀንዲ ናይ ጉባኤኦም መሪሕ ቃል ምልስ ብምባል ‘ናይዚ ዓመት ጉባኤኹም ብዛዕባ ነጻነት እምነትን ሓርነት ሕልናን እንክኾን ነዚ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኣብ ፍጻሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብ1965 ዓም ዲኚታቲስ ህዩማነ ክብሪ ሰብ ኣብ ዝብል ሰነዱ ‘ሽሕ’ኳ ኣብ ሃገራዊ ቅዋማቶም ብዛዕባ ነጻነት ሥርዓት እምነት ዝተፈላለየ ሕግታት ኣስፊሮም እንተለው ንምእመናን ሃይማኖቶም ከክተሉን ዝገደደ ከኣ ንሕይወቶምን ማህበራቶምን ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ኣለው’ ኢልዎ ከምዝነበረ ሎሚ እውን ከምዚ ዓይነት ጸገማት ከምዘይሰኣን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ናይ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትናን ብቊጽሪ ውኁዳን ዝኾኑ ተኸተልቲ ካልእ እምነታትን ካብ ኣኽረርቲ ዝወርዶም ኣደራዕ እዚ ኢልካ ዝንገር ኣይኮነን። እዚ ክትርድኦ ዘጸገም ካብ ጽልእን ኣድልዎን ዝስዕብ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ስደትን መከራን ምናዳኸኣ ብስም ሃይማኖት ክፍጸም እንከሎ ዘሰክፍ እዩ።”

ኣኽራርነት እምነት ብከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣይትዋገኦን!

ሎሚ ኣብ ዓለምና ክልተ ሓደጋታት ተጻይ ነጻነት እምነትን ሕልናን ዝኾና ዓለማዊ ተዛምድነት ሰኩላር ረላቲቪዝም ማለት ሓቂ ተዛማዲ እዩ ዝብል ከምኡ እውን እምነተይ ጥራይ ብፋንዳመንታሊዝም ዝብሃል ሽም ዝፍለጥ ኣኽራሪ ምንቅስቃስ ሓቀኛ እምነት ምዃኑ ዘጠራጥር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ዝፍጽም ምንቅስቃስ ኣሎ። ኮይኑ ግን ሓዊ ብሓዊ ስለዘይጠፍእ ማዕረ ማዕረኡ ዘይተጻዋርነትን ኣኽራርነትን ከይህሉ ብተግባር ጥራይ ዘይኮነ ብኣገባብን ኣዘራርባን ብዙሕ ጥንቃቄ የድሊ። እንክብሉ ካብ ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ሥኒ ክንዲ ሥኒ ኣተሓሳስባ ክርሕቁ ኣዘኻኺሮም። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክታትል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 August 2018, 11:30