ሓዋርያዊ ምዕዳን ወንጌላዊ ሓሴት  ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰነድ ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ ምዕዳን ወንጌላዊ ሓሴት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰነድ ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ 

ሓዋርያዊ ምዕዳን ወንጌላዊ ሓሴት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰነድ ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ

እቲ Evangelii Gaudium - ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕላማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ዘብርህን፡ ወንጌላዊ ልኡክነት ቤተ ክርስቲያን ዘነጽር፡ እዚ ኸኣ ማዕጾኣ ከፊታ እትወጽእን በዚ መገዲ’ዚ ንኹሉ ናይ ወንጊል ሓሴት “እግዚኣብሔር ዘፍቕረና ምዃኑ” ኣብ ምብሳር ዘሎ ምዃኑ ዝትንትን እዩ።

እቲ Evangelii Gaudium -  ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕላማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ዘብርህን፡ ወንጌላዊ ልኡክነት ቤተ ክርስቲያን ዘነጽር፡ እዚ ኸኣ ማዕጾኣ ከፊታ እትወጽእን በዚ መገዲ’ዚ ንኹሉ ናይ ወንጊል ሓሴት “እግዚኣብሔር ዘፍቕረና ምዃኑ” ኣብ ምብሳር ዘሎ ምዃኑ ዝትንትን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 13 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት እቲ ቀዳማይ Evangelii Gaudium - ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋያዊ ምዕዳን  ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም መርሓ ግብሪ ዝትንትን፡ ዕለት 26 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዘብቅዕዎ ሓሙሽተ ምዕራፋትን 288 ሕጡብ ጽሑፋትን 220 ገጽ ዘጠቓልል ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ እዋናዊ ዓለም ከመይን ብኸመይን መገዲ ዘመላኽት፡ ነቲ ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ብቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ መሰረት ተጸዒዑ፥ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምትሕልላፍ እምነት ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 20 ፍቕዲ 21 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ እንክብል ንደቀ መዛሙርቲ ከም ቤተክርስቲያን ዝሃቦም ተልእኮ ወንጌላዊ ኣብሳርነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ብሓድሽ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ሸቶ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ንቕድሚት ዘኽይድ ምዃኑ እንክሕበር፡

ቀዳማይ ስድሪ ኣስፍሆተ ወንጌል፥ ሓሴት

ወንጌላዊ ሓሴት ነቶም ምስ ኢየሱ ክርስቶስ ዝራኸቡ ልብን መላእ ሕይወትን የዕግብ። እቶም ንምድሓን ብኣኡ ዝፈቕዱን ንምድሓን ኢየሱስ ዝቕበሉ ካብ ሓጢኣትን ጓህን ካብ ውሳጣዊ ባዶነት ካብ ተነጽሎነት ናጻ ይወጹ። ምስ ኢየሱስ ወትሩ ሓሴት ትውለድ ዳግም ትውለድ። በዚሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢለ መላእ ምእመናን ክርስቲያንን ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከይዲ ቤተክርስቲያንን ክስዕቦ ናይ ዝግብኦ መገዲ ቀዳማይ ስድሪ ሓሴት ክኸውንን ብሓሴት ዝተሓትመ ክኸውን ንምንቕቓሕ እዩ (1) ቅድስ ኣቦና ብኸምዚ ዝበለ ሓሳብ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣንቂሎም ንዅሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ብሓድሽ ውዕዉዕ ስምዒትን ንቑሕነትን ናብ ካልኦት ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ነቲ ናይ እዋናዊ ዓለም ስግኣት ዝዀነን ዝኣምኑ እውን ከይተረፉ ከጓንፎም ዝኽእል ንሱ ኽኣ ትካዘን ውልቃውነንት ብምስናፍ (2) ከብጽሑ ጥንቑቕ ጻዋዒት የቕርቡ፡ ስለምንታይ ብዘይ ፋሲካ ኣብ ዓቢይ ጾም ብደውታ ዝነብሩ ዝመስሉ ክርስቲያን ስለ ዘለዉ እውን እዩ (6)፡ ናይ ሓደ ወንጌላዊ ልኡክ ወጅሂ መቓብር ክህልው ኣይግባእን (10)፡ ስለዚህ ካብ ሓደ ተራ ዕቃበ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ  ናብ ወንጌላዊ ልኡክነት ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስግጋር የድሊ (15)።

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላለዋይ ተሓባባሪ ሓዋርያውያን መዋቕራት (ኵሪያ ሮማና) ሕዳሴ

ንዳማይ ርኽበት ነቲ ናይ ወንጌል ውዕዉዕነት ኣናስር ሓድሽ መገድን ምህዞኣዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ስልቲ (11)፡ ካብዚ ነቒሎም ቅዱስ ኣቦና፥ ነቶም ናይ ወንጌል ብርሃን ዘድልዮም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ኣብ ዝርከቡሉ ንምርኻብ ኵሉ ክርስቲያን ካብቲ ናይ ግሊ ምቾትን ጣዕምን ንኽወጽእ ድፍረት ክህልዎ ጻውዒት የቕርቡ። ኵላትና ነዚ ሓድሽ ምውጻእ ልኡካውነት ዝተጸዋዕና ኢና (20)፡ እዚ ማለት ከኣ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንወንጌላዊ ልኡክነት ምልዋጥ እዩ፡ ካብ ልማዳውነት ምልቓቕ፡ ኩሉ ኣብቲ ዝነበሮን ከምቲ ዝነበሮን ኣብ ዝነበሮን ኣብ ምሕዳጉ ኣዘይምትራፍ ናብ ሓደ ቀጻሊ ወንጌላዊ ልኡክነ ኵነት ንኸነብል ዝድርኽ እዩ (25) ስለዚህ ኵሉ መዋቕር ቤተ ክርስቲያን ብዝያዳ ልኡካነ ወንጌል ክኸውን ዘብቕዕ መዋቕራዊ ሕዳሴ ኣገዳሲ እዩ (27)፡ ካብ ቁምስናታት ዝብገስ ሕዳሴ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከተሓሳስቡ፥ ክሳብ  ሕጂ ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ክህብኦ ዝግብኤን ውጺት መታን ክዕተር (28)። ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ኩነታት ንቤተ ክርስቲያን ሃብቲ እዩ፡  ይዅን ደኣ እምበር ምስቲ ናይ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሜላዊ ኣካል፡ ናይ ምቅዳው ፍቓድ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ (29)።

ምልዋጥ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ

ስለዚህ ይብሉ ቅዱነቶም፥ እቲ ክትኮንዎ ይግብኣኵም ቢለ ጻውዒት ብምቕራብ እንከተሓሳስብ፡ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳውነት ምልዋጥ እውን ክሓስብ ግድን እዩ። ስለምንታይ ነቲ ኢየሱስ ክርስቶ ክህቦ ናይ ዝደሊ ወንጌላውነት ትርጉሙ ንምርዳእን ምእዋንን ዘለዎ ሕጹጽ ኣድላይነት ንምስራጽ እዩ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ “ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ጴጥሮሳዊ ቀዳማዊነት ኣብ ምንባሩን ትግባሬኡን ነቲ ናይ ተልእኾኡ መንነት ብዘይ ምኽሓድ ንሓድሽ ኩነት (ንእዋናውነት) ክፉት ክኸውን ክድገፍ ኣለዎ”  እንክብሉ ይሓቱ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ እተን ጥንታውያን ከባቢኣውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ጳጳሳውያን ኣቢያተ ምኽርን፥ ዝተፈላለየን ፍርያም ኣስተዋጽኦ መታን ክውሕዝ ጉባእያውነት ብግብርን ብጭቡጥ ኣገባብ ክነብርዎ ይግባእ እንክብል ይትሓትት፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ጻውዒት’ዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝቐረበ ክነሱ ምሉእ ብሉእ ኣይተኸወነን። ስለምታይ ክሳብ ሕጂ ናይ ጳጳሳውያን ጉባኤታት ኣብቲ ዝምርሓሉ ወይ ዝመሓደረሉ ናይ ውሽጢ ስርዓተ (ሕጊ)ናይቲ እውነተይና ናይ ጠመቕ ወይ ስርወ እምነት ትምህርቲ ስልጣን ኣካል ዝተላግበ ምዃኑ ዝግለጽ ጠንቃውነት ወይ በዓል ቤታውነት ዝብል ጭቡጥ ግልጺ ብዝዀነ ኣገባብ ስለ ዘይተመልከተ እዩ፡ ስለዚህ ቀጥዒ ኣልቦ ዝዀነ ኣኽራሮ ማእከላውነት ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ወንጌላዊ  ልኡክነት ዝዀነ ሓይላ ኣክንዲ ዝድግፍ ዘተሓላልኽ ኰይኑ እዩ (32)

ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጽባቔ ምዅላዕ

ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል እንክዛረቡ፡ ነቲ ዘየድሊ ዝተገማምዔን ቀጥዒ ዘይብሉ ዝተፈላለየ ጠመቓዊ ትምህርታት ዘቕርብን ወይ ብሓይሊ ብጻቕጠ ትረት ዝቐርብ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣሊኻ ናብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ኵሉ ሓይልኻን ዓቕምኻን ኣወሃሂድካ ኣትኵሮ ምግባር (25)፡ በዚ መሰረት እቲ ዘገድስ ናይቲ ብኢየሱ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዝተፈጸመ ናይ እግዚኣብሔ መደብ ምድሓን ፍቕሪ ውበት ምዅላዕ እዩ (36)ብዙሕ ጊዜ ኣክንዲ ብዛዕባ ጸጋ ብዛዕባ ሕጊ ኣክንዲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣክንዲ ቃል እግዚኣብሔር ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ይዝረብ (38)፡ ነቶም ንጽለ ከውሒ ዝዀነ ጠመቕ ትምህርቲ ብዘይ ትሑት ደሃይን ወይ ሕብርታት ብምጥባቕ ምክልኻል ‘ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ ወይ ዝተፈላለየ ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነታዊ ፍካሬ (ሕሳበት) ዝሓልሙ፡ ብመፈስ ቅዱስ ስኒት ክዓስሎም ብምኽባርን ብፍቕርን ገዛእ ርእሶም እተደኣ ፍቒዶም ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሃብታም ዝዀነ ቃል ኣምላክ ብዝበለጸን ብግልጺ ኣብ ምቕራብ ንኽትዓብይ ምሓገዙ (40): ብዛዕባ ሕዳሴ እንከመልክቱ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ልምድን ባህልን ምፍላጥ ከምዘድሊ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ኣብ መሰረተ ወንጌል ዘይኰነ ኣብ ከይዲ ታሪኽ ዝጸንዔ ኩሉ ምርአይ ከፍርሓና የብሉን (43) እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን መዓጹ ምርሃው

ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ወትሩ መዓጹታ ዝተኸፍተ ቤተ እግዚኣብሔር ንኽትከውን እያ ዝተጸውዔት። ናይዚ ጸዋዕታ’ዚ ክፉት መዓጹ ጭቡጥ ምልክታ ድማ እታ ኣብ ኵሉ ስፍራ ዘላ መዓጹታ ዝተኸፍተ ቤተ ክርስቲያን እያ። መዓጹ ቅዱሳት ምስጢራት ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ክዕጸው የብሉን። ዝለዚህ ቅዱስ ቁርባን ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ሕይወት ምሉእነት ዘቕውም እውን እንተዀነ ብልጫ ንፍጹማን ዘይኰነስ ነቶም ድኹማት ለዋህ ፈውስን ንድኹማት መግብን እዩ።  እዚ እማነ’ዚ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ህልው ምግባር የድሊ። በዚ ምኽንያት’ዚ እቶም ዝተጸውዑ ነዚ ብጥንቃቔን ብትብዓትን ግምት ክህብዎ ይግብኣ። ብዙሕ ጊዜ ተቖጻጸርቲ ጸጋ እምበር ጸጋ ዘየጣጥሑ ኰይንና ንርከብ፡ ቤተ ክርስቲያን ግብሪ ዝኽፈለሉ ቤት ጽሕፈት ዘይኰነስ ቤት ኣቦ ንነፍሲ ወከፍ ምስቲ ኵሉ ድኻሙ እያ (47)። ነቲ ከም ሊቀ ጳጳሳትናይ ቦኖስ ኣይረስ እንከለዉ፥ ካብታ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ጣዕምን ምቾትን ዝተዓጽወት ሕምምቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ብምውጻእ ብዙሕ ሓደጋ ዘጋጥማ ዝቖሰለትን ብዕዮ ምኽንያት እትረስሕ ናይ ጐደና ቤተ ክርስቲያን እመርጽ ዝብልዎ ዝነበረ ሓሳብ ደጊሞም፡ ኣብ ማእከል ስለ ዝዀነት እትሻቐልን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅጥዓዊ ኣገባባት ተዋሒጣ ኣብ ዕግርግር ዝተዓጽወት ቤተ ክርስቲያን ኣይደልን። ነቲ ጻድቓዊ ሕልናና ከሻቕለናን ከተሓሳስበና ዝግብኦ ነገር እንተሎ ብዘይ ዕርክነት ምስ ኢየሱስ ዝነብሩ ኣሕዋትና ምህላዎም እዩ (49)።

እዋናዊ ኤኮኖሚያዊ ስልቲ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም የጽንት

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ብድሆታት እዋናዊ ዓለም እንክዛረቡ፥ ነቲ እዋናዊ ናይ ኤኮኖሚ ሜላ እንክኹንኑ፥ ካብ መሰረቱ ዘይቅኑዕ (ዘይፍትሓውን) እዩ (59)፡ እዚ ኤኮኖሚ’ዚ ዝቐትል እዩ። ናይ ብርቱዓትን ሓያላትን ሕጊ ዘኽብር፡ እቲ ብርቱዕ ነቲ ድኹም የበልዖ፡ እቲ እዋናዊ ሰብ ከም ውዳቕ ዝርእን ዝድርብይን ባህሊ ዝፈጠሮ ሓድሽ ነገር፥ ነቶም ዝተነጸሉ ዘይምዝምዝ እውን እንተዀነ ካብኡ ንላዕሊ ይነጽግን ከም ተረፍ መረፍን ውዳቕን ምሕሳብ ዝብል እዩ (53) ካልእ ዘይርአይ ሰላሕታዊ ሓድሽ ምልካዊ ኣውን ኣሎ ንሱ ኸኣ፡ ሳሕቲ እውን ምናባዊ (virtual) ዝዀነ ገንዘባዊ ምጽንጻንን ምግባረ ብልሽውና ዘለዓዕል ኢጎነታዊ ምጭብርባር ወይ ጉስያ ክፍሊት ቀረጽ ዘተኣታትው እዩ (56)። እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰነድ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝፍነው መጥቃዕቲ፡ ሓድሽ ዓይነት ኣሳዶ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣስጋኢ ጽልዕን ዓመጽን ዝፈጥር ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ቦታታት ዝተመዛበዐ ተደጋጋሚ ዝርጉሕ ብሸለልተይናነት ዝረአይ ተግባር ኰይኑ (60) ከምዘሎ የረድእ።

ድህረ ስልጣኔ ውልቃውነት ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር የመዛብል

ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ ሕመረት እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ እዚ ሕመረት ሕብረተሰብ ዝዀነ ስድራ ቤት ጥልቂ ባህላዊ ቅልውላው ይነብር ኣሎ፡ ስለዚህ ምስጢረ ቃል ኪዳን (መርዓ)ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ (66) ኣረጋጊጾም። ድህረ ስልጣነ ውልቃውነትን ዓውሎማነን ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ዘመዛብልን ሓድሽ ዓይነት ናይ ሕይወት ኣገባብ ብልጫ ይህብ (67)።

ናይ ለውሃት (ሕያውነት) ሰውራ

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣገልግሎት መርሓ ግብሪ ብግልጺ እተቕርብ ዕለት 26 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ንንባብ ዘብቅዕዎ  ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ካብ ዘብርሆም ነጥብታት ሓደ እቲ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣካላት ዘጋጥሞም ወይ ከጓንፎም ዝኽእል ፈተና ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ብምኽንያት ናይ ፍትሓዊ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ከተበርክቶ ዝግብኣ ኣስተዋጽኦ ኣዚዩ ልዑልን ሰፊሕ እዩ። ብገለ ገለ ውሑዳት ኣባላት ቤተ ክርስቲያን እከይን ኣበሳን ዘስዕበልና ስቓይን ሓፍረትን፡ እዞም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዝፈጸምዎ ከቢድ ሓጢኣት ግን ብዙሓት ክርስቲያን ስለ ፍቕሪ ሕይወቶም ዝህቡ ከረስዓና የብሉን (76)። ኣብቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ኣብ ዘገልግሉ ናይ ኣፍሆተ ወንጌል ልኡካን ዝጽልዩ እውን እንተዀኑ ኣብ ውልቃውነት ዝተማእከለ ክኸውን ዝከኣልን ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን እቲ ፋልማይ ዝነበረ ውዕዉዕ መንፈስ ክንክይን (78) ክረአይ ዝክእልን ኣብ ካልኦት እውን እቲ ክርስትያናዊ መንነቶም ከዛምድዎን ወይ ብምስጢር ክሕዝዎ ዝድርኾም ለጠቕተይናን ናይ ተናዓቕነት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝኣመሰለ መንፈስ ክረአይ ዝከኣል እዩ (79)፡ እቲ ዓቢይ ስግኣት ከኣ ብደገ ክትርእዮ ኵሉ ከም ንቡር ዝቅጽል ዘምስል ግራጫ ተግባራውነት ዕለታዊ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ክትርኦ እምነት ዕርቃኑ ዝወጻሉን ናብ ሓሳርነት ዘንቆልቅሎሉ ኵነት እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ናይ መቓብራውነት ስነ ኣእምሮ ይስስን ቀስ እናበለ ናብ ናይ ቤተ መዘክር መምያነት ይቕየር (83)፡ ይኹን ደኣ እምበር ጸኒዕካ ንመኻናዊ ዘይትስፍውነት ገዛእ ርእስኻ ንሙርኽነት ዘይምሕዳግ እዩ (84)። ኣብቲ ናይ ሕብረተሰብ ምድረ በዳነት ዝረአይ ምጽማዕ ንእግዚኣብሔር ዘረጋግጹ ብዙሕ ምልክታ ኣሎ፡ ስለዚህ ሰብ ተስፋ፥ ዕትሮ ወይ ፍዮ ኰይኖም ንተቶም ዝጸምኡ ማይ ዘስትዩ ኰይንካ ምርኻብ ይግባእ (86)። ስለምንታይ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ትስብእቱ ንናይ ለውሃት (ሕያውነት) ሰውራ ስለ ዝዕድመና (88)።

ካብ ዓለማውነታዊት ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር የድሕነና

ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብተምሳል ሃይማኖተይናነትን ማዕረ ማዕረ እውን ክሳብ ንቤተ ክርስቲያን ምፍቃር ዝመስል ይኹን ደኣ’ምበር ኣክንዲ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ሞጐስን ኣብ ሰብኣዊ ክብርን መጐስን ግላዊ ጥቕሚ ምንዳይ ዝሕባእ ዓለማውነታዊ መንፈሳውነት (93) ኰኒኖም፡ እዚ ዓለማውነታውነት’ዚ ብኽልተ መገዲ ይግለጽ፡ ብስሕበት ግኖስጢስነት ኣብ ገዛእ ርእሳዊ በዓል ቤታውነት (ባዕላዊ ደኣ’ምበር ግዳማዊ ወይ ፍጹም ሓቂ የልቦን ዚብል ፍልስፍናዊ ርእየት)ን ብሓድሽ ቀሳጥነታውነት፥ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝውከሰን ገዛእ ርእሱ ዘመልኩትን (ኣብ ኣነ መለኰታውነት) … እዚኣቶም ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶን ሓይሊ ዚተኣማመኑን ገዛእ ርእሶም ልዕሊ ካልኦት ገይሮም ብዘንብሩን ብዝሓስቡን። ስለምታይ ነቕ ዘይብሉ ኣብ ዘየጠራጥር ኣሎና ቢሎም ዝሓስብዎ ኣብ ናይ ጥንቲ ካቶሊካውነት ጥራሕ ዝኣምኑ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ሓቂ ኣብ ዝግምትዎ ጠመቕ ትምህርቲ ወይ ሕጊ ውሕስነቶም ዘንብሩ ኣብ ኣንነታዊ ምሩጽነትን ብሉጽነትን ኣብ ዝብል መላኽነትን ገዛ ርእሶም ዘውሕሱ ብምዃኖም። ኣክዲ ወንጌላውነት ንኻልኦት ዝትንትኑ ዝኸፋፍሉን ኣክንዲ ናብ ጸጋ ንምባል ዘኽእል ባይታ ዘመሻሽኡ ኣብ ምቁጽጻር ሓይሎም የባኽኑ (94)። ገሊኣቶም ከኣ ምኩሕ ጥንቃቔ ንሊጡርጊያን ንጠመቕ ትምህርትን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ክብረት ጥራሕ ዝብሉ፡ ወንጌል ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል ጭቡጥ መጋበርያን ናይ ታሪኽ ጭቡጥ ድላይ ዘይተሓሳስቦም ኰይኖም ይርከቡ። ኣብ ገሊኣቶም እውን እቲ ዓለማውነታውነት መንፈሳውነት ኣብ ምሕደራዊ ተግባር ጥራሕ ዝግለጽ ይኸውን፡ ስለዚህ እቲ ቀንደይና ተጠቓሚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን ከም ውድብ እትረብሓሉ ይኸውን (95)። ደጋዊ ጽባቔ ዘለዎ፡ ግን ኣብ ምግባር ብልሽውና ዝተኣልከ። እግዚኣብሔር ካብታ ብመንፈሳውነትን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተኸዋወለ ናይ ዓለም መንፈሳውነት እትነብር ቤተ ክርስቲያን ይኽደነና (97)።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዓለማውያን ምእመናንን ደቀንስትዮን ቦታ ምሃብ

ኣብ ውሽጢ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ክንደይ ውግኣትን ምስሕሓብን! ከምዘሎ ጠቒሶም፡ ቅርሕንት ምቅንናእን ኵሉ  ኰኒኖም ገሊኣቶም … ኣክንዲ ብዙህነታዊ መልክዕ ዘለዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ምሉእነታ ምዃን ዝብሉ ገዛእ ርእሶም ዝተፈልዩ ወይ ከኣ ፍሉያ ገይርም ናይ ዚሓስቡ ናይዚ ወይ ናይቲ ጉጅለ ኣካል ኢና ይብሉ (98)፡ ስለዚህ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓለማዊ ምእመን መንነትን ተልእኾን ግንዛቤ ምዕባይ ይግባእ። ከምዚ ምስ ዘይከውን ኣብ ዓበይቲ ውሳኔታት ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ጠርዚ ዝሓድግ ሕሉፍ ፈሪሳውነት (ክህነታውነት) (102) ይፍጠር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ እቲ እዚዩ ኣድላዪ ዝዀነ ግደ ደቀንስትዮ ኣፍልጦ ትህበሉ እያ፡ ይኹን ደኣ’ምበር ወሳኒ ዝዀነ ህላዌ ደቀንስትዮ ህልው ምግባር የድሊ። ኣብቲ ኣገደስቲ ውሳኔታት ዝመሓላለፈሉን ዝወሃበሉን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ ማሕበረሰብኣውያን ተቕዋማትን ቅርጽታትን ህላዌ ደቀንስትዮ ምውሓስ የድሊ (103)፡ ሕጋዊ ናይ ደቀንስትዮ መሰል ምፍዳይ የድሊ። ብቐሊሉ ብኣፍኣውነት ክታለል ዘይግብኦ ሕጋዊ መሰል እዩ። ክህነት ከም ምልክት እቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ገዛእ ርእሱ ዝህብ መርዓዊ ክርስቶስ ንደቀተባዕትዮ ዝተዓቀበ እዩ። ስለዚህ እዚ ኣብ ሕቶ ዘይኣትው ጉዳይ እዩ። ይዅን ደኣ እምበር እቲ ቅዱስ ምስጢራዊ መዝነት ምስ ወናኒ ስልጣን ክተኻኸል እንከሎ ናይ ግጭት ምኽንያት ይኸውን። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ወይ ዕማም ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ራእሲ ናይ ምዃን መሰል ኣየውህብን እዩ። ብጭቡጥ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንሳ ኸኣ ማርያም ካብ ጳጳሳት ንላዕልን ኣዚያ ኣገዳሲትን እያ (104)።  ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና መንእሰይ ወለዶ ልዑል ተዋሳእነት (106) ክህልዎ ከምዝግባእ እንከተሓሳስቡ፡ ዋሕዲ ክህነታውን ገዳማውን ጸዋዕታ ዝርአየሉ ማሕበረሰብ ብዙሕ ጊዜ ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ኣልቦ ውዕዉዕ ሓዋርያውነት ዝተተሓሓዘ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ዋሕዲ ጸዋዕታ ኣሎ ቢልካ ኣቢያተ ዘርአ ክህነት ብተመሃሮ ንምምላእ በዝን ብኻልእ ብዝዀነ ይዅን ዓይነት ምኽንያት ምቕባልን ብፍላይ ከኣ እቲ ንተመሃራይ ዘርአ ክህነት እተቕበሎ ኣብ ምፍቃርን ምፍቓርን ዘይምትእማን ዘለዎን ወይ ከኣ ህርፋን ስልጣንን ሰብኣዊ ክብርን ውዳሴን ወይ ኤኮኖሚያዊ ምሾት ዝደልይ ከይከውን (107) ምጥንቃቕ።

ውጅሂ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ቅርጺ ዘለዎ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ባህሊ ብወንጌል ምስባኽን ዝብል ወንጌል ኣብ ባህል ምስራጽ ዝብል ነጥቢ ኣማእኪሎም፥ ክርስትና ከም ሓደ እንኰ ናይ ባህሊ ኣርኣያ ዘቕርብ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና ካቶሊካውነት እትገልጾ ናይቲ ብዙህነት ጽባቄ ወጅሃ ብምቕራብ እዩ (116)፡ ክርስትና እንኰኣዊ ባህሊ ወይ ተደጋጋሚ ሓደኣዊ ገጽ ጌርካ ምሕሳብ ነቲ ናይ ትስብእት ኣመክንዮ (ስነ መጐት) ፍትሒ ዘይምሃብ ወይ ዘይምኽባር እዩ ዝኸውን (117)፡ ቢሎም እቲ ሕዝባዊ መፍነሳውነት ዘለዎ ኣስፍሆተ ወንጌላዊ ሓይሊ (122) ኣጽኒዖም የተሓሳስቡ። ነዚ ናይ ልኡክነት ሓይሊ ክንድርቶ ድዩ ወይ ክንቆጻጸሮ ኣይግባእን (124)፡ ናይ ቲዮሊጊያ ሊቃውንቲ ዘለዎም ፍሉይ ተውህቦን ዘካይድዎ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር እንከተባብዑ፡ ኣተሓሒዞም ግና ናይ ቤተ ክርስቲያንን ብቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ቲዮሎጊያው ፍጻሜ እውን ዝዀነ ኣስፍሆተ ወንጌላውነት ተልእኾ ግብኡን ልባውን ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን እምበር ብናይ ጠረጴዛ ቲዮሎጊያውነት ዝረውይ ኣይኹን (133) እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ስብከት፡ ልቢ ከወዓውዕ ዝኽእል ቃል ናይ ምቕራብ ኣፍልጦ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስብከት እንክዛረቡ፡ ጥንቅቑን ርጡብን ኣብ ኣቀራርባኡ ክኸውን ዝብል ዝቐርብ ጥርዓንን ቅረታን ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ምዃን ኣይግባእን (135)፡ ቢሎም ቅድሚ ዅሉ እቲ ዝሰብኽ እቲ ብርቱዕ ንግዚኣብሔር ዘለዎ ሃረርታን ምድላይ ኣበይ ከምዘሎ ፈልዩ ከለልይ መታን፡ ናይቲ ዝርከበሉ ማሕበረሰብ ልቢ ዝፈልጥ ክኸውን ይግባእ(137)፡ ስብከት ናይ መዘናግዒ ትርኢት ክኸውን የብሉን፡ ዓውደ መጽናዕትን ክፍለ ትምህርቲ መታን ከይመስል ከኣ ሓጺርን ትክኽለይናን ክኸውን ኣለዎ (138)፡ ናብ ግብረ ገባውነት ናብ ግብረ ኣይትግበር ዝብል ትእዛዝ ተመሲሉ ወይ ብጠመቓዊ ትምህርቲ ንምምላእ ዘይኰነስ  ልቢ ዘወዓውዕን ዘንድድን ቃል ኣፍልጦ ክህልወካ ይግብእ (142)፡ ስብከት ምስንዳው ኣገዳስን ዓብይን ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ካልእ ስራሕ ይጽንሓለይ ቢልካ እውን ነዊሕ ናይ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ጸሎትን ጊዜኻ እትስውኣሉ ክኸውን ኣለዎ። ዘይተሰናደወ ስብከት መንፈሳዊ ኣይኰነን። ከምእዉ እውን ንዝተቐበልካዮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ዘይምኽባር እዩ ዝኸውን (157)። እቲ ካልእ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ከኣ፡ እወታዊ ቃላት ምጥቃም ዝብል እዩ። ካብቲ ክግበር ዘይብሉ እናበልካ ካብ ምትንታን እቲ ብዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል ምሕባር የድሊ፡ እወታዊ ስብከት ተስፋ የቕርብ፡ ናብ መጻኢ የመስርቕ፡ ናይ ኣሉታውነት ምቑሕ ካብ ምዃን የድሕን (159)።

እቲ Kerygma-ብስራት፡ ኢየሱስ የፍቅረካ ንኸድሓንካ ሕይወቱ ኣወፈየ

ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ቃል ብስራት ዓቢይ ግደ ኣለዎ፡ ኣብቲ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ቀዳምነት ክህልዎ ዝግባኦ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ የፍቅረካ እዩ። ንምድሓንካ ሕይወቱ ኣወፈየ። ሎምን ሕጂን ንኸብርሃልካን ንኸበርትዓካን ናጻ ንኸውጽኣካን ኣብ ጐድንኻ ወትሩ ህያው እዩ (164)፡ ነቲ ብስራት ሓንጐፋይ ቢልካ ንምቕባል ዝድግፉ ቅድመ ኵነታት፡ ቅርበትን ንዘተ ክፉት ምዃንን ትዕግስትን ዘይዅንን ልባዊ ኣቀባብላ (165) ዝብሉ ምዃኖም ዝገለጹ ቅዱስነቶም ናይ ምስናይ ጥበብ እንክሕብሩ፥ ኵሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ካልእ ቅዱስን ዝተባርከብ መሬት ኣሳእን ምውጻእን፡ ብኣኽብሮትን ቡቕባቔ ብዝተመልኦን ጥዑይን ናጻን ኣብ ሕይወት ክርስትና ከዕብይ ዘኽእል ጥማተን የድሊ (169)።

ድኻን ንድኻታትን ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን

ኣብ መንጐ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣውነት ምንቕቓሕን ዘሎ ውስጥ ተላግቦ (178) ኣንክሕብሩ፡ ናይ ጓሶት መሰልን ክብርን ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ኣብቲ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ዝምልከት ጉዳይ ርእይቶኦም ክህቡን፡ እዚ ኸኣ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ኵለንተናውነት ምንቕቓሕ ዝሓትትን ዝኣመተን እዩ፡ ሃይማኖት ነፍሲ ናብ ሰማያዊ ቤት ዘሰናድው ኣብ ናይ ግሊ ምሕዳር ክውሰን ኣለዎ ቢልካ ምርግጋጽ ዘይከኣል እዩ (128)፡ሃይማኖት ኣብ ግሊ ውሳጣዊ ምስጢር ሰብ ዝተላግበ ጥራሕ እዩ ስለዚህ ኣብ ማሕብራውን ብሔራውን ሕይወት ምንም ዓይነት ጽልዋ ዘይብሉ ይኹን እንክብል ማንም ንሃይማኖት በስገዳድ ክሓትት ኣይከኣሎን እዩ። ሓቀይና እምነት ምሾታውን ውልቃውነታውን ዘይኰነስ ዓለም ምልዋጥ ዝብል ዓሚዩቕ ድላይ ዝኣመተ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጠቒሶም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ንፍትሒ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ርሒቓ ኣብ ጠርዚ እትርከብ ክትከውን ኣይግብእን (138)። ምስ በሉ፥ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ማሕብረሰብን ንድኻታት ናጽነትን ስለ ድኻታት ዘነቓቕሕ ናይ እግዚኣብሔር መጋበርያ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ (187)፡ ገለ ገለ እዋን ናይቶም ድኻታት’ዛ መሬት ኣውያት ጽን ንምባል ጥራሕ ክኸውን ይኽእል … ስለምንታይ ሰላም ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጥራሕ ኣይኰነን ዝሕነጽ፡ ኣብ ናይ ሕዝብታት መሰልን ክብርን እውን እዩ ዝሕነጽ። ኣብ ገለ ገለ እዋን እቲ ዘሕዝን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንናይ ውልቃዊ መሰልን ክብርን ወይ ናይ ሃብታማት መሰልን ክብርን ብዝያዳ ንምዕባይን ንምኽራርን መጋበርያ ክኸውን ዝክኣል እዩ (190)፡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ሃብትን መኽሰብ ብትክክል ንኹሉ ዘይምብጻሕ ተግባር (191) ኮኒኖም፡ ስለዚህ፥ ዝረኣዩ ወይ ዝፍጠሩ ጌጋታት ጠመቕ ትምህርቲ (ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ) ጥራሕ ከተሓሳስበና የብሉን፡ በንጻሩ ነቲ ብሩሃዊ ናይ ሕይወትን ጥበብን ጉዕዞ እሙናት ምዃን የድሊ፡ ስለምታይ ብዙሕ እዋን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ብሱቕታ ክሕለፍ ዘይግብኦ ኢፍትሓውነትን ነቶም ነዚ ኢፍትሓውነት ብስርዓተ መንግስቶም ዝዕቅብዎ ልሙሳት ናይ ፖለቲካ መንግስታት ንጡፍ ተቓውሞ ዘየቕርቡ በዚ ተግባሮም’ዚ ናይቲ ክስተት ኢፍትሓውነት ከም ተሓባበርትን ተሓተትን ክሕሰቡ ዝኽእሉ ተኸላኸልቲ ጠመቕ ትምህርቲ (194) እናሓሰቡ ኣብዚ ኵነት’ዚ ክርሳዕን ሸለል ክበሃልን ዘይግብኦ እትነሎ፡ ነቶም ሕብረተሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስቦምን ዝነጽጐምን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምሕራይ፡ ኣማራጺ ዘይኰነስ ግዴታ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ክዝንጋዕ የብሉን (195)፡ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምርጫ ንድኻታት ቅድሚ ባህላውን ስነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፍልስፍናውን ምዃኑ ኣካል ቲዮሎጊያ እዩ።  ምእንቲ’ዚ ድኻ ንድኻታት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ክትህልወና እሓትት፡ ድኻታት ብዙሕ ዝምህሩና ነገር ኣልዎም (198)፡ምስ በሉ ኸኣ ቀጺሎም፥ እቲ ኣዚዩ ዝኸፍእን መሪር ኣድልዎን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍጸም ተግባር፡ መንፈሳዊ ትኵረት ዘይምግባር (200) ማለት እዩ እንብሉ የረጋግጹ። እቲ ናይ ድኻታት ጸገም ካብ ሱር መሰረቱ መፍትሒ እንተድኣ ዘይረኸበ … ናይ ዓለም ሽግር ጠሩሹ ኣይክፍታሕን እዩ፡ ብርግጽ ምንም ዓይነት ሽግር ምፍታሕ ዘይከኣል እዩ ዝኸውን (200) ይብሉ።

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሓልዮን ክንክንን ንድዅማት ይሃልዎም

ፖሊቲካ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ይሓስርን ይናሸውን እውን እንተሃለወ፡ ልዑልን ክቡርን መግለጺ ሓልዮትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርጋጽ ክትዓዩ ዝብል ጸዋዕታ እዩ፡ እንክብሉ ዘረድኡ ቅዱስ ኣቦና፥ ሕብረተሰብን ሕዝብን ናይ ድኻታት ሕይወትን ብልቢ ዝኸናኸኑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ጐይታ ክዕድለና እጽልይ (205)፡ ናይቶም ትሑታትን ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቅምን ዘይብሎም፥ ግዳም ሓደርን ኣደዳ ወልፊ ዕጸ ፋርስን ዝዀኑን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋታትን እቶም ብዙሕ ጊዜ ንገዛእ ርርእሶም ዝሕደጉን ዝተረስዑን ኣረጋውያንን  ምክንኻን ግዴታ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብዛዕባ ስደተይናታት ኣመልኪቶም እውን፥ ሃገራት ኣክንዲ ናይ ከባብያዊ መንነትን ባህል ከይተሓናፈጽን ካብ ዝብል ፍርሒ ተላቒቐን ንልግስና ክፉታት ክዀናን፡ ባህላዊ ጽማሬ ናይ ምፍጣር ብቕዓት ክህልወን አተባብዕ (210)። ብዛዕባ እቶም ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝሽየጡን ዝልወጡን ጉእዛን ተገይሮም ዝሕሰቡ ንሓድሽ ዓይነት ጊልያነት ዝዳረጉ ዜጋታት እናሓሰቡ፥ ብዙሓት ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምዃን ብሱቕታ ዝርአዩ ኵሎም ብተዘዋዋሪ መገዲ ተሓተቲ ዘብሎም ኣእዳዎም ብደም ዘጨቅው ኣብ ከተማታትና ዝተተኽለ ዘሰንብድ ተግባር (211) ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ ደቀንስትዮ ተነጺለን ክሳቐያን ንዓመጽ ዝዳረጋ ናይዚ ጸያፍ ተግባር ዝያዳ ዒላማ እየን (212) ይብሉ።

ገና ናይ ዘይተወልዱ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር፥ ጽንሲ ምንጻል ምዕባለ ኣይኰነን

ካብቶም ቤተ ክርስቲያን ከም ምሩጻታ እትጣበቐሎምን እትሓልየሎምን ውሽጢ እቶም ገና ዘይተወልዱ ንጹሓን ገና ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምንዝ ዘይብሎም ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ዝከሓዶም ድላይካ ክትፍጽመሎም ከም እትኽእል ገይርካ እትሓስቦም ክሳብ ምምንዛዕ ሕይወቶምን ምንጻሎምን ተተሓሒዙ እውን እዚ ምንጻል’ዚ ማንም ክኽልክሎ ዘይኽእል ክኸውን መታን ሕጋውነት ንምባስ ዝፍተን ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዑ  ሕጻናት እውን ዘጠቓልል እዩ (213)። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኣመለኻኽታ ክትቕይር ቢልካ ዘይሕሰብ እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣመለኻኽታ ቅኑዕን ግልጽን ክኸውን እደልይ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ንምንም ዓይነት ሕዳሴ ኰነ ምእዋን ንዝብል ኣመለኻኽታ ክዳረግ ዘይኽእል ውሳኔ እዩ። ሕይወት ብምንጻል ሽግራት ምፍታሕ ምዕባለ ኣይኰነን፡ ኰይኑ ግና ኣብ ከቢድ ሽግር ዝርከባ ብዙሓት ጽንሲ ምንጻል ከም ሕጹጽን ቁልጡፍን መፍትሒ ተባሂሉ ዝቐርበለን ደቀንስትዮ ካብቲ ዘጓንፈን ሓደጋ ንኽላቐቓ ብዙሕ ዘይምጽዓርና ሓቂ እዩ (214) ቢሎም ኣተሓሒዞም ዕቃበን ምክንኻንን ንዅሉ ፍጥረት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ንዅሉ ጽውዒት እንከቕርቡ፥ ንኡሳን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ግና ብርቱዓትን ዓበይትን ዝዀኑ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት፡ ኩሉ ክርስቲያን  ተኣፋፍነት ሕዝብን ናይቲ እንነብረሉ ዓለምን  ክከናኸን ዝተጸውዐ እዩ (216)።

ነቢያዊ ድምጺ ምእንቲ ሰላም

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሰላም ተገዲሶም እንክዛረቡ፥ ገሊኣቶም ውልቃዊ ረብሓን ሓለፋን ክነጽጉ ዘይደልዩ ኮይኖም ድኻታት ንምዕባስ ተሓቂኑ ናይ ሓሶት ዕርቂ ንምኽዋን ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ ኣዋን ነቢያዊ ድምጺ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ (218)፡ ኣብ ሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ዝቖመ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ኣርባዕተ መሰረታውያን አገባብ አድላዪ ምዃኑ (221) እንክሕብሩ፥ ጊዜ ኣዚዩ ካብ ቦታ ልዑል እዩ ማለት ቅልጡፍ ውጻኢት ንምዕታር ኣመና ድልየት ከየሕደርካ ንነዊሕ ጠሚትካ ምዕያይ (222)፡ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ግጭትን ዓመጽን ክነግስ (226) ማለት ተጻባእቲ ሓድሽ ሕይወት ክፈጥር ናብ ዝኽእል ሓድነት ኣብ ብዙህነት - ቀጥዓዊ መልክዕ ንምርግጋግጋጽ ብሓባር ምዕያይ ማለት እዩ (228)፡ ሓቅነት ወይ ጭቡጥነት ካብ ኣመክንዮ ንላዕሊ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ (231)፡ እዚ ማለት ከኣ ፖሊቲካን እምነትን ናብ ጣቋ መደረ ከይቕየር ምእጋድ ማለት እዩ (232)፡ ምሉእነት ካብ ጒዚነት (ክፋልነት) ይልዕል፡ እዚ ማለት ከኣ ዓውሎማውነትን ክልላውነት ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ማለት እዩ (234)።

ተዛታይት ቤተ ክርስቲያን

ኣስፍሆተ ወንጌል ንገዛእ ርእሱ ናይ ዘተ ጉዕዞ ይሓትት፡ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ንኽትተሓባበር ክፍትቲ ክትከውን የብቅዓ (238)፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ካብ ኣፍሆተ ወንጌል ዘይንጸል ሓቅነት እዩ፡ ንሓድ ሕዳዊ ዕብየትን ምዕባለን ዝድግፍ እይ፡ ሓደ ካብቲ ሓደ ክንደይ ነገር ክመሃር ይኽእል። ንኣብነት ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋት ኣብ እንገብሮ ዘተ፡ ንሕና ካቶሊካያን ካብኣቶም ብዛዕባ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባእያውነትን ሲኖዶሳውነትን ትርጉም ንመሃር (246)፡ ምስ ደቂ እስራኤል ዘተን ምሕዝነትን ንናይ ኢየሱስ ሓዋርያት ሕይወታዊ ክፍሊ እዩ (248)፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ብንጹር መንነትን ሓሴትን ክምራሕ ኣለዎ፡ እዚ ኽአ ንሰላም ኣብ ዓለም ኣገዳሲ ኵነት እዩ። ይዅን ደኣ እምበር ዘተ ንተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘይክውል ክኸውን ኣለዎ (250-251)፡ ኣብዚ እዋናዊ ዘመን’ዚ ርክብ ምስ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ኣገዳሲነት ዘለዎ ተግባር እዩ (252)፡ ቅዱስ ኣቦና ብትሕትና እተን ካብ ጥንቲ ጀሚረን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ባህላውያን ሃገራት ነቲ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርኽብዎ ሃይማኖቶም ብነጻነት ናይ ምንባሮም ዕድል፡ ኣብ ከባቢኦም ንናይ ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክውሕስ ይግብኦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓመጽ ዝተመልኦ ኣኽራርነታዊ ፍጻሜታት ንሓፈሻዊ ጽልኣት መንቀሊ ምኽንያት ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ። ስለምንታይ እቲ ሓቀይና ሃይማኖት ምስልምናን እቲ ትኽክለይና ትንታኔ ቁርዓንን ንዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ዝቃወም ስለ ዝዀነ (253)፡ ነቶም ኣግኖስቲካውያንን ወይ ነቶም ኢኣማንያን ንምኽባር ብዝብል ሃይማኖት ኣብ ዓውዲ ውልቃውነት ኵነት ንኽተርፍ ምፍታንን ናይቶም ናይ ብዙሃን ምእመናን እማኔታትን ወይ ከኣ ሃይማኖታዊ ባህልታት ዘለዎ ሃብትታት ዕሽሽ ንምባል ምኽንያት ክኸውን ኣይግባእን (255)፡ በዚ መሰረት’ዚ ድማ፥ ኣብ መንጐ ኣመንትን ኢኣምንያንን ዘተን ቃል ኪዳንን ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ኣጽኒዖም የተሓሳስቡ )257)።

ንናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ክፉታት ልኡካነ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ነታ ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣግልግሎቶም ዝስዕቦ መርሓ ግብሪ ብጥልቂ ዝሕብር ወንጌል ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ደምዳሚ ዓንቀጽ፥ ልኡካነ ወንጌል ምስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማከለ ገይሮም፡ ልኡካነ ወንጌል ከይፈርሑ ነቲ ብሓይሊ ናይ ወንጌል ሕዳሴ ብትብዓት  parresia - ብዘይ ፍርሒ ሓቂ ኣብ ምብሳር፡ ዓው ብዝበለ ድምጽን ኣብ ኵሉ ጊዜን ስፍራን ብዘይ-ምምስሳል ብምቕራብ ዘብቅዕ ሓይሊ ንዘስርጽ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ክፉታት ክዀኑ (259) የተሓሳስቡ፥ እዚ ማለት ጸላይን ዓያይን ልኡካነ ወንጌላውነት ዝብል እዩ (262) እዚ ኸኣ ተልእኾ፥ ንኢየሱስ ምፍቃርን፡ ተተሓሒዙ ከኣ ንሕዝቢ ምፍቃርን (268) ማለት እዩ።  ኢየሱስ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ሓሳርን ክንትንክፍ ይደልየና። ናይ ካልኦት ዝሳቐይ ኣካል ክንትንክፍ ይደልየና (270) ምስ ዓለም ዝህልወና ዘተ ብትኽክል ናይቲ ዘሎና ተስፋ ኣመክንዮ እነቕርበሉ ክኸውን ይዕድሙና፡ እዚ ኸኣ ከም ጸላእቲ ኢድና ከነጠንቍርን ክንኩንን ኣይኰነን (271)፡ ልኡካነ ወንጌል ምዃን ናይ ብጻዩ ሰናይነት ምድላይን ናይ ካልኦት ሓጐስ ምድላይን ይሓትት (272)፡ ንሓደ ሰብ ጥራሕ እውን ይዅን ሰናይ ክንነብር ዝሕግዝ እንተድኣ ኰይነ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሕይወተይ ንምውፋይ እዅል መርትዖ እዩ (274)፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ ዘይተዓዋትነትን ወይ ከኣ ዘዕግብ ውጽኢት እውን ኣይረኸብ፡ ፍርያምነት ቡዝሕ ጊዜ ዘይረአይ ብኣሃዝ ቆጺርካ እትዝርዝሮ እውን ስለ ዘይኰነ ገዛእ ርእስና ከም ህያውብ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራሕ ምፍላጥ እዅል እዩ (279) እንክብሉ የተባብዑ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ ንኣማላድነት እታ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣደ ዝዀነት ማርያም  ብምጽላይ፥ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣፍሆተ ወንጌል ማርያማዊ ኣገባብ ይሃሉ፡ ስለምንታይ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ንማርያም ክንጥምት እንከሎና፡ ኣብ ናይ ሓልዮትን ምፍቃርን ሰውራ ዘሎ ብርቱዕ ሓይሊንኣምን (288) እንክብሉ የጠቓልሉ።

10 July 2018, 15:16