ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

ኣብ ልቢ ኢየሱስ ብጎነጽ ብዘይኣገባብ ዝነብር የለን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ‘ኣብ ልቢ ኢየሱስ ቦታ ክትረክብን ክትኣቱን እንተደሊኻ ምሕዋይ ከምዘድልየካ ተረዲኡካ ብኣኡ ምትእምማን የድሊ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም፣
ኣባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም “ኢየሱስ ‘ምንጪ ሕይወት እዩ’፣ ‘ነቲ ብኣኡ ዝተኣማመን ሕይወት ዳግም ዝህብ’ እዩ።” እንክብሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማር 5.21 ብዛዕባ ኢየሱስ ካብ ሙታን ዘተንሥኣ ጓል ኢያኢሮስን ካብ ሕማማ ዝሓወየት ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይትን ኣብ ዘዘንቱ ተመርኲሶም ኣስተምሂሮም፣ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ከኣ ስለ ሰላም ኒካራግዋ ሶርያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጻውዒት ኣቅሪቦም፣

ኩሎም ኣብ ልቢ ኢየሱስ ክኣትው ተፈቂድሎም እዩ።

በዚ መንገዲ እዚ ኩሎም እቶም መለለዪኦም ብተኣማንነት ንጐይታ ምውፋይ ዝኾነ ተፈቂድሎም እዩ፣ ንዝብል ሓሳብ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ።

ማንም ሰብ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ብጎነጽ ብዓመጽ ብዘይኣገባብ ዝሰፈረ ወይውን መሰል ዘይብሉ ኮይኑ ከይስምዖ፣  ኣብ ልቡ ንምእታው ማለት ኣብ ልቢ ኢየሱስ ኣቲኻ ንምስፋር ሓንቲ ቅድመ ኩነት ጥራይ እያ እትሕተት፣ ንሳ ከኣ ‘ምሕዋይ ከምዘድልየካ ተረዲኡካ ብኣኡ ምትእምማን የድሊ’። እስኪ ክሓተኩም ‘ነፍሲወከፍኩም ምሕዋይ ከምዘድልዮዶ ይስመዓኩም? ካብ ሓደ ነገር ካብ ሓደ ሓጢኣት ካብ ሓደ ጸገም ክናገፍ ክሓዊ ዝደሊ ኮይኑ ዝስምዖዶ ኣሎ? ከምኡ እንተተሰመዖኸ ኣብ ኢየሱስ እምነት ኣለዎዶ? ንክትሓዊ ዘድልያ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ኣቲኻ ንክትሰፍር ዕድል ዝኸፍታ ክልተ ቅድመ ኩነታትከስ እዚኤን እየን ምሕዋይ ከምዘድልየካ ተረዲኡካ ብኣኡ ምትእምማን! ኢየሱስ ነዞም ሰባት እዚኦም ካብ ማእከል ሓፋሽ ጐልጒሉ የውጽኦም እሞ ተሓቢኦም ማንም መሲሎም ካብ ዝኸድዎ ዝነበሩ ኣውጺኡ ካብቲ ንምንባር ዝነበሮም ፍርሕን ምጥርጣርን ሓራ የውጽኦም፣ ነዚ ከኣ ኣተኲሩ ብምጥማትን ብሓንቲ ቃልን ካብቲ ዝነበሮ ሥቃይን ውርደትን ኣገላጊሉ እንደገና ጉዕዞኦም ከምዝጅምሩ ይገብሮም፣ ንሕና እውን ነዘን ሓራ ዘውጽኣ ቃላትን ነቲ ንዘመናት ተሓሪሙካ ዝነበረ ዳግም ከምዝህልወካ ዝገብራ ኣተኲርካ ምጥማትእዚአን ንክንመሃረንን ንክንመስለንን ዝተጸዋዕና ኢና።’ ኢሎም።

ክንፈርሆ ዘሎና ሞት ናይ ዝደረቀ ልቢ ሞት እዩ!

ቅዱስነቶም ናብታ ናይ ዕለቱ ካልአይቲ ተኣምር ናይታ ብደም ምፍሳስ ትሳቀ ዝነበረት ‘ዘፈር ክዳን ኢየሱስ ትንክፍ እንክተብል ዝሓወየት’ ኣብ ወንጌል ተጠቂሳ ዘላ ሰበይቲ  ታሪኽ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ማዕጾ ናይ ድሕነት እምነት’ ምዃና ንምግላስ ‘እምነት ናይዛ ሰበይቲ እዚኣ ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ መለኮታዊ ሓይሊ ይስሕቦ’ ይብሉ እሞ ናብታ እቲ ከቢብዋ ዝነበረ ሕዝቢ ኣሮማይ ሞይታ እያ ኢሉ ውራይ መልቀስን ካልእ ጉዳያትን ዝገብር ዝነበረ ናይ ጓል ኢያኢሮስ ተኣምር ስግር ኢሎም ከኣ ኢየሱስ ‘ኣይሞተትን ደቂሳ እያ ዘላ’ ንዝበሎ የዘኻኽሩ እሞ፣ ጐይታ ‘ጣቢታ ቊሚ’ ማለት ‘ኣንቲ ቈልዓ ተንሥኢ እብለኪ ኣሎኹ’ ይብል፣ ኣብዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም “ኣብዚኸስ ‘ናይ እምነትን ሓዳስ ሕይወትን ኣርእስታት’ ይጠናነጉ”ኢሎም።

ኢየሱስ ጐይታ እዩ! ኣብ ቅድሚኡ ሞት ሥጋ ከም ድቓስ እዩ! ስለዚ ተስፋ ዘቊርጽ ምኽንያት የለን፣ ክንፈርሓ ዘሎና ሞትሲ ካልእ እያ! ሞት ናይ ብክፍኣት ዝደረቀት ልቢ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንኢየሱስ ሓጢኣት እውን ናይ መጨረሻ ዕጫና ኣይኮነን ምኽንያቱ ንሱ ነታ መወዳእታ ዘብላ ምሕረት እግዚብሔር ኣምጺኡልና እዩ። ወላውን ባይታ ዘቢጥና እንተሎና እታ መጸናንዒትን ሓያልን ዝኾነት ድምጹ ‘ኣነ እብለካ ኣሎኹ ተንሥእ’ ክትብል ኣብ እዝንና ትጋዋሕ፣” ድሕሪ ቢሎም

‘ዝደረቀ ልቢ ከም ጥንታዊ ሬሳ ግብጻውያን እዩ፣ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ጉዕዞ እምነትናን ንድኻታት ንምርዳእ ብተግባር ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ንምፍጻም ክተሰንየና ንለምና’ ኢሎም ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተልዎም ዝነበሩን ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣዕሪጎም።

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምስማዕ!
02 July 2018, 17:57