ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ባሪ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባሪ፥ ጸሎት ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ፡ “ንጐይታ ሰማየ ሰማያት እታ ሓያላት ምድሪ ከረኽብዋ ዘይከኣሉ ሰለማ ክህበና ብሓባር ምእንቲ ሰላሙ ክህበና ንጸልይ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ብሓባር ኣብ ባሪ፥ “መሳኹትና ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጹ ጋህ ኣቢልና ንኽፈት” ኣብዛ “ናይ ርክብን እንገዳን” ከተማ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም እንከበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኣስዒቦም እውን፥ “ኣብ ልባትና ኣቢያተ ክርስቲያናትናን ሕዝብናን ነቲ ዓቢይ ናይ ስቓይ ኩነት ዝነብር ሕዝቢ ሒዝና ንቕረብ” ኢሎም።
ኣብዚ ኣብ ከተማ ባሪ ሉንጐ ማረ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ስፍራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ “ኣእምሮናን ልባትናን ናብ ማእከላይ ምብርቕ ኣቢሉ፡ ኣብዛ ምዕራብን ምብራቕን መራኽቦን ናይ ዓበይቲ ኣብ ሓደ እግዚኣብሔርነት ዝኣምና ሃይማኖታት ምንጪ ዝዀነት ከተማ ብሓባር ክንጽልይ ንርከብ”
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽዑቕ ጸልማት
ኣብቲ ዘደንቕ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ማእለያ ዘይብሉ ዘዕንው ምልክታ እውን ዝረኣየሉ ብምዃኑ ብሓቂ የሕዝን፡
ክርስቲያን ብርሃን ዓለም እያቶም
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ መድረኽ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ትርኢት እናሓሰቡ፡ ክርስቲያን ብርሃን ዓለም እያቶም፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ብርሃን ምዃን ኣብ ዙርያኻ ኩሉ ዅሉዕ ኣብ ዝኸነሉ እዋን ዝረአይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸላም ታሪኽ ኣብ ዘለሉ ኵሉ ነቲ ደልሃማት ኢዱ ነከይሃበ ነቲ ናይ ተስፋ ሽምዓ ፈትሊ ብጸሎትን ብፍቕርን ዘብርህ ምስ ዝዀውን እዮ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምስ ገለጺ ምእንቲ ሰላም እንክጽልዩ፡
ሰላም ይዅን
ቅዱስ ኣቦና “ሰላም ይኹን” ዝብል ቃል ደግሚሞ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል የቃልሑ፡ እዚ እዩ ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ ጽልእን ሞትን ዝጻረር ጸሎት፡
ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ይቐትል፡ ኣንሕና እቲ ዝቐትል ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ንቃወም ድምጺ ንኹን፡ ነቲ ድምጺ ዘይብሉን ንብዓቱ ኣብ ውሽጡ ዝሕዝን ናብ ውሳጤኡ ንዘፍስስ ድምጺ ንኹን፡ ስለምንታይ ማእከላይ ምብራቕ ገሊኡ ብሱቓታ ክነብዕን ክሳቐን ካልኦት ሓይልን ስልጣንን ሃብትን ንኸካዕብቱ ይረግጽዋ፡ ንነእሽቱን ገርሄይናታትንን ንዝቖሰሉን ነቶም ኵሎም እግዚኣብሔር ጸግዖም ዝዀኖም፡ ኵላትና፡ ስሌኦም ሰላም ንለምን፡ ሰላም ይዅን!
እንክብሉ ዘስምዕዎ ዝረባን ጸሎትን ዛዚሞም።