ጐይታ ጸጋ ፈጠራ ሂቡ ካብዚ ጸገም ንወጸሉ መንገዲ ክሕብረና ስለ ሥነጥበባውያን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስቶም ምስዚ ሓዲስ ተርእዮ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘተኣታተውዎ ኣገባብ ጸሎት ብምኽታል ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ሎሚ ናይ ቅዳሴ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይቱ ኣብ ዕለተ ቀዳም ዘስተንተናዮ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ዝኽተል ካብ ዮሓ 6.22 ዝተወስደ ኰይኑ እቲ ሕዝቢ ዝብላዕ ምስ ረኸበ ንኢየሱስ ንምድላይ ጽድፍድፍ ክብል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክደልዮ ቀንዩ ምስ ረኸቦ፣ ጐይታ ነቲ ኣቀዲሙ ክሾምዎ ምስ ደለዩ ካብ ማእከሎም ዝተሰወሮ ገና ከይረሰዔ እንከሎ እቲ ሕዝቢ ዝደልዮ ዝብላዕ ስለዝረኸበ እምበር ንቃል ሕይወቱን ነቲ ንሱ ዝህቦም እንጌራ ሕይወቱን ከምዘይኮነ ይገንሖም። እቲ ሕዝቢ ከኣ እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ኢሎም ይሓትዎ። ኢየሱስ ከኣ እዛ ዝተገብረት ተኣምር ሥራሕ እግዚኣአብሔር እያ `ሥራሕ እግዚአብሔር ከኣ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ንክትኣምኑ እዩ` ይብሎም። እቲ ሕዝቢ ቃሉ ጥዑም ምስ ጠመዩ ከኣ ዝዕንግሎም ምስ ኰነ ተሓጒሶም ከይሰልቸዎም ይሰምዕዎ ነሮም። እቲ ጸገም ግን ነቲ ቃል ሕይወት ዝኾነ ቃሉ ድሮ ረሲዖሞስ በቲ መግቢ ተሳሒቦም ከንግሥዎ ይጽዕሩ። ኢየሱስ ከኣ ቀዳምነት ዝወሃቦስ እቲ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይነግሮም። እዚ ጸገም እዚ ንዓና እውን ከምዘጋጥም ዘይሓብኡ ቅዱስነቶም ንሕና እውን ንቃል ኣምላኽ ንወንጌል ረሲዕና ናብ ግዝያዊ ነገራት ምስ እነድህብ እዚ ፈተና እዚ የጋጥመና እዩ። ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናብታ ናይ መጀመርያ ጸዋዕታና ናብታ ናይ መጀመርያ ቃል ኣምላኽ ተመሊስና እንኽእለሉ እሞ በዅሪ ፍቅሪ ኢየሱስ እንዝክረሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ከመይ ኢየሱስ መጀመርያ ክረኽበና እንከሎ ነታ ሰዓብኒ እትብል ጻውዒቱ ብዝተፈላለየ መንገዲ የቅርበልና ነዛ ቀድመይቲ ዕድመ ተቀቢልና ናቱ ምስ እንኸውን ዝስመዓና ሓጐስን ፍቅርን ፍሉይ እዩ። ኰይኑ ግን ጉዕዞ ምስ ጀመርካ እቲ መንገዲ ቊሩብ ምስ ነውሔ ምስልቻው ምርሳዕ ናብ ካልኣዊ ነገራት ምዝንባል ስለዘሎ ንጐይታ ናብታ ቀዳመይቲ ፍቅርና እንምለሰሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።