ጐይታ ጸጋ ፈጠራ ሂቡ ካብዚ ጸገም ንወጸሉ መንገዲ ክሕብረና ስለ ሥነጥበባውያን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ኣብዚ ከቢድ ግዜ እውን እንተኾነ ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቶም ሓደ ክፋል ሕብረተሰብና ኰይኖም ንደቂ ሰባት ብፈጠራዊ ሥራሓውቶም ተስፋ ዘስንቁ ሥነ ጥበባውያን እውን ብምዝካር ሎሚ ዕለት 27 ሚያዝያ 2020 ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 'ጐይታ ጸጋ ፈጠራ ሂቡ ካብዚ ጸገም ንወጸሉ መንገዲ ክሕብረና ስለ ሥነጥበባውያን ንጸሊ' ምስ በሉ ኣብ ስብከቶም ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ ጸዋዕታና መዓልቲ ለውጥና ክንምለስ እሞ እምነትና ክነሐድስ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስቶም ምስዚ ሓዲስ ተርእዮ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘተኣታተውዎ ኣገባብ ጸሎት ብምኽታል ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ሎሚ ናይ ቅዳሴ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ሎሚ ስለ እቶም ዓቢ ናይ ፈጠራ ክእለት ዘለዎም በዚ ከኣ ብመንገዲ ሥነ ጽባቄ ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ስለዘመልክቱልና ስለ ሥነ ጥበባውያን ንጸሊ። ጐይታ ንኩልና ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ጸጋ ፈጠራ ይዓድለና።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይቱ ኣብ ዕለተ ቀዳም ዘስተንተናዮ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ዝኽተል ካብ ዮሓ 6.22 ዝተወስደ ኰይኑ እቲ ሕዝቢ ዝብላዕ ምስ ረኸበ ንኢየሱስ ንምድላይ ጽድፍድፍ ክብል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክደልዮ ቀንዩ ምስ ረኸቦ፣ ጐይታ ነቲ ኣቀዲሙ ክሾምዎ ምስ ደለዩ ካብ ማእከሎም ዝተሰወሮ ገና ከይረሰዔ እንከሎ እቲ ሕዝቢ ዝደልዮ ዝብላዕ ስለዝረኸበ እምበር ንቃል ሕይወቱን ነቲ ንሱ ዝህቦም እንጌራ ሕይወቱን ከምዘይኮነ ይገንሖም። እቲ ሕዝቢ ከኣ እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ኢሎም ይሓትዎ። ኢየሱስ ከኣ እዛ ዝተገብረት ተኣምር ሥራሕ እግዚኣአብሔር እያ `ሥራሕ እግዚአብሔር ከኣ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ንክትኣምኑ እዩ` ይብሎም። እቲ ሕዝቢ ቃሉ ጥዑም ምስ ጠመዩ ከኣ ዝዕንግሎም ምስ ኰነ ተሓጒሶም ከይሰልቸዎም ይሰምዕዎ ነሮም። እቲ ጸገም ግን ነቲ ቃል ሕይወት ዝኾነ ቃሉ ድሮ ረሲዖሞስ በቲ መግቢ ተሳሒቦም ከንግሥዎ ይጽዕሩ። ኢየሱስ ከኣ ቀዳምነት ዝወሃቦስ እቲ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይነግሮም። እዚ ጸገም እዚ ንዓና እውን ከምዘጋጥም ዘይሓብኡ ቅዱስነቶም ንሕና እውን ንቃል ኣምላኽ ንወንጌል ረሲዕና ናብ ግዝያዊ ነገራት ምስ እነድህብ እዚ ፈተና እዚ የጋጥመና እዩ። ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናብታ ናይ መጀመርያ ጸዋዕታና ናብታ ናይ መጀመርያ ቃል ኣምላኽ ተመሊስና እንኽእለሉ እሞ በዅሪ ፍቅሪ ኢየሱስ እንዝክረሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ከመይ ኢየሱስ መጀመርያ ክረኽበና እንከሎ ነታ ሰዓብኒ እትብል ጻውዒቱ ብዝተፈላለየ መንገዲ የቅርበልና ነዛ ቀድመይቲ ዕድመ ተቀቢልና ናቱ ምስ እንኸውን ዝስመዓና ሓጐስን ፍቅርን ፍሉይ እዩ። ኰይኑ ግን ጉዕዞ ምስ ጀመርካ እቲ መንገዲ ቊሩብ ምስ ነውሔ ምስልቻው ምርሳዕ ናብ ካልኣዊ ነገራት ምዝንባል ስለዘሎ ንጐይታ ናብታ ቀዳመይቲ ፍቅርና እንምለሰሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“[ እቲ ሕዝቢ ምሉእ መዓልቲ ንኢየሱስ ዝሰምዕ ዝነበረ ኣማስያኡ ጸጋ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ተዓደለ በዚ ከኣ ንጉሡ ክገብሮ ደልየ። ቅድሚ ዝኣገረ ናብ ኢየሱስ ዝኸድዎ ትምህርቱ ንክሰምዑ ነበሩ ከምኡ እውን ሕሙማቶም ንክፍውሰሎም። ብዘይም ምንም ምስልቻው ከኣ ምሉእ መዓልቲ ንትምህርቱ ክሰምዑ ወዓሉ ተሓጒሶም ኣብኡ ክሰምዕዎ ተረፉ። ደሓር ኢየሱስ ክገብረሎም ዘይጽበይዎ ዝነበረ ዝብላዕ ክህቦም ጀመረ። ብድሕሪዚ እዮም እምበር ነቲ ምሉእ መዓልቲ ዝተማህርዎ ረሲዖም በቲ ዕንጋሎ እንጌራን ዓሳን ሰኺሮም 'ዋእ እዝስ ንዓና ንፉዕ መራሒ ምኾነ ብርግጽ ከኣ ካብ ግዝኣት ሮማውያን መናገፈና ነዛ ሃገርና ከኣ ንቅድሚት ከም እትግስግስ ምገበራ' ዝብል ሓሳብ መጾም። ንጉሥ ክገብርዎ ከኣ ተለዓዓሉ። ነዚ ምስ ረኣዩ እዮም እምበኣር ቀልቦም ዝተለወጠ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ሰብ ተኣምር ዝገብር እንተኾይኑ ንሕዝቡ ዝብላዕ ዝህብ እንተኾይኑ ብርግጽ ገዛኢ ክኸውን ይኽእል እዩ ተበሃሃሉ። እነኾነ ነቲ ኣቀድም ኣቢሉ ምሉእ መዓልቲ ዝመሃሮም ቃሉ ረሲዖሞ። እንተ ኢየሱስ ካብኦም ርሒቁ ንክጽሊ ከኣ ናብ እምባ ደየበ። እቲ ታሪኽ ከምዘዘንትዎ ኢየሱስ ክጽሊ ምስ ከደ እቲ ሕዝቢ ገና ኣብኡ ተሪፉ ነበረ ኣብታ ዝቀጸለት መዓልቲ ከኣ ናብ ጃልባ ክድይብ ስለዘይረኣይዎ ኣብዚ ዘሎ ይብሉ ነበሩ። እንተኾነ ኢየሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ምስቶም ብጾቱ ከምዝሰገረ ኣይፈለጡን። ምስ ተሓለሉ ናብቲ ሓደ ስግር ባሕሪ ጥብርያርዶስ ንኢየሱስ ንምድላይ ነቀሉ። ሽዑ ኣብኡ ምስ ረኸብዎ `ዋእ መምህር መኣስ ደኣ ኣብዚ መጺእካ' በልዎ እዚ ማለት ከኣ እዝስ ዘይርዳእ እዩ ናብ ጃልባ ክድይብ ኣይረኣናዮ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ከም ሕያዋይ መምህር ናብቲ ቅድሚ እንጌራ ምብላዖም ዝነበረ ሁመት ቃሉ ሰሚዖም ክሕጐሱን ሕሙማት ክፍወሱን ዘስተማቀርዎ ኩነት ይመልሶም። ከምዚ ከኣ ይብሎም 'እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላክ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።' (ዮሓ 6.26) እዚ ፍጻሜ እዚኸስ ካብቲ ብዙሕ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተና ሰማዕቱን ተኸተልቱን ዝእርመሉ ፍጻሜታት ሓደ እዩ። ከመይ ብዙሕ ግዜ ሰባት ካብቲ ቀዳማይ ዕላማ ድሕነቶምን መንፈሳዊ ምጽንናዕን ብግዝያዊ ነገራት ክዝንብሉ ስለዝኽእሉ ናብታ ትኽክለኛ መንገዲ ወንጌል ምምላሶም ስለዘድለየ እንተዘየለ ካብ መንገዲ ወንጌል ናብ መንገዲ ዓለም ሸተት ክትብል ቀሊል እዩ። እዚ ዘሕስበና ነገር እንተለዎ ንሕና እውን ንኢየሱስ ክንስዕብ ምስ ጀመርና ንትምህርቲ ወንጌል ንዝንግዕ እሞ ካብቲ ቀንዲ ዕላማና ንወጽእ ካልእ ዘይምልከተና ጐዳና ንኽተል ምስ ሓደ ግዝያዊ ረብሓ ንዛመድ ቊሳውን ዓለማውን ጥቅሚ ክንረክብ ክንብል ነቲ ቀንዲ ጸዋዕታና ነዋድቆ። ጐይታ ግን ወትሩ ናብታ ሰዓበኒ ኢሉ ዝጸወዓና ንሕና ከኣ ኣሜን ኢልና ዝተቀበልናሉ ሁመት ይመልሰን! ተመለሱ እናበለ የዘኻኽረና። እዚኣ ጸጋ እዚኣ ንጐይታ ደጋጊምና ክንልምኖ የድሊ። ከመይ ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ዘሰሓሓት ፈተናታት ቀስ ብቀስ እዚ ደኣ ደሓን እንደኣሉ እናበለ ካብ ጐይታ ዘርሕቀና ኣይሰኣንን እዩ። ወትሩ ኣብታ ናይ መጀመርያ ኩነትና እትመልሰና ጸጋ ነታ ኢየሱስ መጀመርያ ዝሓበረና ጐደና ዳግም ንምርካብ ዘኽእለና ጸጋ መንገዲ ወንጌል እንኽተለላ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ካብተን ኢየሱስ ዝበለን ብዙሓት ነገራት ንዓይ ወትሩ እትስሕበኒ እታ ድሕሪ ትንሣኤኡ ነተን ኣንስቲ 'ነሕዋተያ ኣብ ገሊላ ተጸበዩኑ ኣብኡ ክንራኸብ ኢና' ዝበላ ጥቅሲ ገሊላ ናይ መጀመርያ ርክብ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብምዃና ነፍሲወከፍና ነናትና ገሊላ ምስ ኢየሱስ ንመጀመርያ ዝተራኸብናላ ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ንዓ ሰዓበኒ ዝበለና ቦታ ኩነታት ኣላ። ንኢየሱስ ምስ ረኸብካ ዝስዕብ ጉዳይ ኣሎ። እዚ ከኣ ከምዞም ኣብ ወንጌል ዝረኣናዮም ብሩኻት ሕዝቢ `እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር' ትብል ኰይና ቊሩብ ምስ ጸናሕና ግን ካልእ ትርጓሜን ካልእ ነገራትን ሃሰስ ክንብል ነታ ቀዳመይቲ ጸዋዕታ ንጅላሓ ወይውን ፈጺምና ንዝንጋዓ። በዚ ከኣ መልእኽቲ ዕብራውያን እተን ቀዳሞ ዕለታት ዘክሩ እናበለ ወትሩ ዘበራብረና። ዝኽሪ ናይታ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸብናላ ዕለት ዝኽሪ ናይታ ናይ ብሕትና መራኸቢት ቦታ ገሊላ ናትና ዝኽሪ ናይታ ጐይታ ብፍቅሪ ንዓ ሰዓበኒ ንዒ ሰዓብኒ ዝበለናኸስ ይሃልወና ደኣ። ]  ”

ብድምጺ ንምክትታል!
27 April 2020, 10:29
ንኩሉ ኣንብብ >