ስለ እቶም ኣብ ጭንቂ ዘለው ሥድራቤታትን ንስሓ ተበለጽቲ ጭንቂ ሰብ ሓረጣን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ 2020 ዓም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ቀውጢ ዝኾነ ለበዳ ኮቪድ 19 ካልእ ለበዳ ማሕበረሰብ ዝበልዎ ሓረጣን ካብ ዝተጨነቁ ሥድራቤታት ገንዘብ ከኻዕብቱ ዝጽዕሩን ሰባት ልቦም ተተንኪፉ ክምለሱ እግዚአብሔር ኣቦ ነቲ ወዱ ምእንታና ዝቆሰሎ ቅንዋቱ እናኣርኣየ ምእንታና ዘማልዶ ይቀበለልና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

መላእ ሕዝቢ ዓለም ጐይታ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ከሕልፈልና ኣብ ዝጽልየሉን ዝተኻእሎ ክሕግዝ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ግዜ ስስዕትን በለጽን ኣዕዊርዎም ካብቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ሕይወት ዝነብሩ መሳኺን ርሂጸ በላዕ ንኩነታት ተጠቂሞም ብሓረጣን ካልእ መንገድን ጭንቀት ኣብ ርእሲ ጭንቀት ዘሕድሩ ካብቲ ድኻ ነታ ዘላቶ ቁሩብ ቁራቦ እውን ልቦም ክትንከፍ እሞ ክንስሑ ምእንቲ ኩሉ ክንጽሊ ቅዱስነቶም ይዕድሙ።

“ኣብ ብዙሕ ወገናት ዓለምና ሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሥድራቤታት ሓያል ጥሜት የኸትል ኣሎ። ነዚኦም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾኑ ድኻታት ዝሕግዙ ከኣ ኰሓልቲ መሲሎም ዓይኒ ዘንቊሩ ሰብ ሓረጣ እዮም። እዚ ምዝመዛ እዚ ለበዳ ማሕበረሰብ ክንብሎ ንኽእል። ስለ እዚኦም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኸውን ክረኽቡ ዕለት ዕለት ሥራሕ ዘናድዩ ወይውን ተሓቢኦም ብጸሊም ዝሰርሑ መሳኺን ሥድራቤታት ንጸሊ። ነቶም ኣብዚ ዓመጽ እዚ ተዋፊሮም ደም ዘይብሎም ደም ድኻታት ዝመጽዩ ሰብ ሓረጣ እግዚአብሔር ልቦም ክትንክፍ እሞ ክንስሑ እውን ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት 5.27 ኰይኑ ሓዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ ብዙሕ ማእሰርትን መግረፍትን ምስ ዮሓንስ ድሕሪ ደጊም ብስም ኢየሱስ ከይትሰብኩ ኢሎም ሊቀካህናት ምስ ብጾቶም ኣትሪሮም ምስ ኣጠንቀቅዎምን ጴጥሮስ ብዓቢ ትብዓት 'ካብ ንሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ይሓይሽ` ክብል ኢየሱስ መድሓኒ ምዃኑን ካብ ሞት ከምዝተንሰኤን መራሕቲ ሃይማኖት ንሞት ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎን ክሰብኩ ምዃኖም ኣዳዕዲዑ ነገሮም። ናይዚ ድኹምን ፈራህን ዝነበረ ጴጥሮስ ትብዓት ካበይ መጺኡ እንተበልና ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጴጥሮስ ኩሎም እንትኸሓዱ ኣነ እመውት እምበር ኣይክሕድን ምስ በለ 'ዶ በልካ ብዝዓይነቱ ቃና ደርሆ ከይነቀወ ሠለስተ ግዜ ከምዝኽሕዶ እንተኾነ ንሱ ስለኡ ከምዝጸለየ ብዝገለጸሉ እዚ ትብዓት ብጸሎት ኢየሱስ እዩ ተረኺቡ። እቲ ንጴጥሮስ ዝጸልየ ኢየሱስ ሎሚ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ነቲ ምእንታና ዝተቀበሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ምእንቲ ነፍስወከፍና የማልድ ስለዚ ኣብዚ ኣማልድነት ኢየሱስ ተኣማሚና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ትብዓት ለቢስና ካብ ሞት ንዝተንሠኤ ክርስቶስ ንመስክር እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ በቲ ቀዳማይ ተኣምር ሓዋርያት ማለት ጴጥሮስን ዮሓንስን ኣብ ኣፋፈት ቤተመቅደስ ነቲ ልሙስ ብዘሕወይዎ ተኣምር ዝጀመረ ተልእኮ መቀጸልታ እዩ። ነዚ ስዒቡ ሓዋርያት ተኸሲሶም ናብ ሊቀ ካህናት ይውሰዱ ናብ ቤትማእሰርቲ ይዳጐኑ መልኣኽ መጺኡ ይፈትሖም መጋባእያ ተገሩ ይምጽኡ ምስ ተባህለ ባዶ ዝኾነ ቤትማእሰርትን ዕግንግንን ኰይኑ ኣብ ቤተመቅደስ ይምህሩ ከምዝነበሩ ተሓቢሩስ ናብቲ መጋባእያ ፍርህ ትብዕ እናበሉ ወተሃደራት የምጽእዎም። ኩነታቱ ዘስደመሞም እቲ ሊቀ ካህናት `ንሕና ብስም እዚ ሰብዚ ከይትሰብኩ ብግህዶዶ ኣይከልከልናኩምን' (ግሐ 5.28) ይብሎም ማለት ብስም ኢየሱስ ከይትሰብኩዶ ኣይበልናኩምን ይብሎም። ነዚ ዘበሎም ከኣ ጴጥሮስን ዮሓንስን ብዛዕባ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ እንክሰብኩ ሊቃነ ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ንኢየሱስ ንሞት ኣሕሊፎም ሂቦሞ ንሱ ግን ብሣልሳይ መዓልቲ ከምዝተንሰኤ ይሰብኩ ስለዝነበሩ እዩ። ጴጥሮስ ምስ ብጾቱ ሓዋርያት ኰይኑ 'ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና' እንክብል በዚ ኸኣ ንሶም ዓገበኛታት ምዃኖም እቲ ድኹም ፈራህ ከሓዲ ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ብትብዓት ተዛረቦም። ኣብዚ ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ ኩሉ ትብዓት ካበይ ኣምጺእዎ እንተበልና ካብቲ ዝተቀበልዎን ምስኦም ኰይኑ ዝሰርሕን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ `ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ' ክብል ይምልሸሎም። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስከስ እዚ እዩ። ምናልባት ብኣተሓሳስባና እንተንምልከት እዞም ክሱሳት `እስኪ ክንዛተ ኢና ሓንሳእ ተጸበዩና ኣይትተሃወኹ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣይንወቅሰኩምን ኢና ብሰላም ጥራይ ኣሰናቡትና ወዘተ' ክብሉ እሞ ክለማመጹ ይኽእሉ ነሮም። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ንሕዝበ እግዚኣአብሔር ክተድሕን ክትብል ነዚ ምልምማጽ እዚ ብዙሕ ግዜ ገራቶ እያ። እዚ ግን ንቅድስት ቤተክርስትያን ከድሕኑ ዘይኮነስ ነቶም ሠራሕተኛታት መራሕቲ ንምድሓን እዩ። እቲ ብስም ስምምዓት ዝፍለጥ ልምጽምጽ ጽቡቅ ወይውን ሕማቅ ክኾኑ ይኽእሉ። እዚኦም ሓዋርያት እውን ብኸምዚ ዝበለ ስምምዕ ክላቀቁ ይኽእሉ ነሮም። እንተኾነ ቅድሱ ጴጥርስ ስምምዕ ዝበሃል የሎን ንስኹም ዓገበኛታት ኢኹም ይብሎም (ግሐ 5.30)። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ትብዓት ብኸመይ በጺሑ! እንተበልና፣ ኣብ ታሪኹ ምልስ እንተበልና ሰባት መን ይብሉኒ ምስ በሎም ክርስቶስ ወዲ እቲ ሕያው እግዚኣአብሔር ኢሉ ምስ መሰከረ ተናኢዱ እንከብቅዕ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ምስ ተዛረቦም ከኣ ኣይፋልካን ምስ በሎ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቅ ኢሉ እንከብቅዕ `ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም' (ሉቃ 22.31)። ምሥጢር ትብዓት ጴጥሮስከስ ኣብዚ እነሆ። እምነቱ ከይትጐድል ከምኡ እውን ምስ ተመልሰ ምስ ተነስሐ ምስ ተጣዕሰ ምስ ጐይታ ተዓሪቁ ፍቅሩ ምስ ኣሓደሰ ንኣሕዋቱ ከጸናንዕ ኢየሱስ ምእንታኡ ዝጸለየሉ ሰብ እዩ። እዚ ምናልባት ኣድልዎ ከይመስለና ንቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ዝገበሮ ከይመስለና ኢየሱስ ነዚ ምስ ነፍስወከፍና ይገብሮ እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ወትሩ ይጽሊ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኰይኑ ምእንታና የማልድ ይጽሊ። ነዚ ዝለመድናዮ ንመስል ኰይኑ ነቲ ኢየሱስ ናብ ኣቦኡ ዘቅረቦ ጸሎትን ብከመይ ከምዘማልድን ኣይነስተንትንን። ኢየሱስ ምእንታና ወትሩ ቅንዋቱ ንሰማያዊ ኣቦኡ እናኣርኣየ ኣቦየ ምእንቲ ድሕነቶም ዝኸፈልኵዎ መጽናዕቲ እዚ እዩ እናበለ ይጽሊ። ከምቲ ንቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ፈራህን ከሓድን ናብ ተባዕ ምስክር ክሳብ ብሰማዕትነት ሕይወቱ ከወፊ ትብዓት ዝሃቦ ብጸሎት ኢየሱስ ዝተረኽበ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ንሕና እውን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ እዚ ጉዳይ እዚ ማለት ስለ እቲ ምእንታና ዘቅርቦ ጸሎት ብልቢ ክነመስግኖን ኣብ ክንዲ ኣብ ጸሎትና ኣብ ጸሎት ኢየሱስ ምሉእ ምትእምማን ክነሕድር ጸጋኡ ይዓድለና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
23 April 2020, 11:37
ንኩሉ ኣንብብ >