ስለ እቶም ኣብ ጭንቂ ዘለው ሥድራቤታትን ንስሓ ተበለጽቲ ጭንቂ ሰብ ሓረጣን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
መላእ ሕዝቢ ዓለም ጐይታ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ከሕልፈልና ኣብ ዝጽልየሉን ዝተኻእሎ ክሕግዝ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ግዜ ስስዕትን በለጽን ኣዕዊርዎም ካብቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ሕይወት ዝነብሩ መሳኺን ርሂጸ በላዕ ንኩነታት ተጠቂሞም ብሓረጣን ካልእ መንገድን ጭንቀት ኣብ ርእሲ ጭንቀት ዘሕድሩ ካብቲ ድኻ ነታ ዘላቶ ቁሩብ ቁራቦ እውን ልቦም ክትንከፍ እሞ ክንስሑ ምእንቲ ኩሉ ክንጽሊ ቅዱስነቶም ይዕድሙ።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት 5.27 ኰይኑ ሓዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ ብዙሕ ማእሰርትን መግረፍትን ምስ ዮሓንስ ድሕሪ ደጊም ብስም ኢየሱስ ከይትሰብኩ ኢሎም ሊቀካህናት ምስ ብጾቶም ኣትሪሮም ምስ ኣጠንቀቅዎምን ጴጥሮስ ብዓቢ ትብዓት 'ካብ ንሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ይሓይሽ` ክብል ኢየሱስ መድሓኒ ምዃኑን ካብ ሞት ከምዝተንሰኤን መራሕቲ ሃይማኖት ንሞት ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎን ክሰብኩ ምዃኖም ኣዳዕዲዑ ነገሮም። ናይዚ ድኹምን ፈራህን ዝነበረ ጴጥሮስ ትብዓት ካበይ መጺኡ እንተበልና ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጴጥሮስ ኩሎም እንትኸሓዱ ኣነ እመውት እምበር ኣይክሕድን ምስ በለ 'ዶ በልካ ብዝዓይነቱ ቃና ደርሆ ከይነቀወ ሠለስተ ግዜ ከምዝኽሕዶ እንተኾነ ንሱ ስለኡ ከምዝጸለየ ብዝገለጸሉ እዚ ትብዓት ብጸሎት ኢየሱስ እዩ ተረኺቡ። እቲ ንጴጥሮስ ዝጸልየ ኢየሱስ ሎሚ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ነቲ ምእንታና ዝተቀበሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ምእንቲ ነፍስወከፍና የማልድ ስለዚ ኣብዚ ኣማልድነት ኢየሱስ ተኣማሚና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ትብዓት ለቢስና ካብ ሞት ንዝተንሠኤ ክርስቶስ ንመስክር እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።