ኣብ ግዜ ጸገምና ንፍልልያትና ኣወጊድና ንክንሓብር ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ንኩልና ከቢድ ፈተነ ኣጋጢሙሉ ዘሎ ግዜ ልዕሊ ኩሉ እምነትና ክነደልድል ናብ ጐይታ ክንምለስ ክንሳሕ እግዚአብሔር ጸጋኡ ክህበና ብምጽላይ ኣብ ሠናይ ግዜስ ይኹን ኣብ ሕሱም ግዜ ምትእምማን ኣድላዩ ኰይኑ ልዕሊ ኩሉ ብእግዚአብሔር ክንተኣማመን ኣብ ርእሲኡ ከኣ ነንሕድሕድና ክንተኣማመን ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ከምቲ ደጋጊሞም ዝገብርዎ ሎሚ ሶሉስ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 እውን ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ዘቅርብዎ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዜና ቫቲካን ከምቲ ደጋጊሞም ዝገብርዎ ሎሚ ሶሉስ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 እውን ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ዘቅርብዎ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። እግዚአብሔር ጸጋ ሓድነት ኣብ መንጎና ክህበና ንለምን። ጸገማት ናይ ዚ እዋን እዚ ነታ ልዕሊ ኩሉ ምክፍፋል ዝኾነ መንፈስ ውህደትን ሓድነትን ኣብ መንጎና የዕዝዝ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ንባባት ካብ ግብረ ሐዋርያት 2 ፥36-41ኰይኑ ‘እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ’ ዝብል  ከምኡ እውን ካብ ወንጌይ ዮሓንስ  20:11-18 ኰይኑ ‘ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ በለቶ፡ — ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። ኢየሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ንተኣማንነት ማርያም መግደላዊት መሠረት ብምግባር ኣብቲ ኩሉ ዝፈሸለሉ ዝመስል ዝነበረ ሁመት ንኩሉ ስዒራ ብተኣማንነት ኣብ መቃብር ጐይታ ኰይና ክትበክን ንሬሳ ጐይታ ክትደልን እንከላ ዋጋ ተኣማንነታ ረኺባስ ተጸናኒዓ ንክተጸናንዕ ናይ ሓዋርያት ሓዋርያ ዝኾነ ንሕና እውን ጐይታ ብተኣማንነት ክሳብ መወዳእታ ክንስዕቦ ጸጋኡ ክህበና ንለምን እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቅረቦ ስብከት ምናዳ እታ 'እቲ ዝሰቀልሞ ተንሢኡ እዩ' እትብል ሓረግ ንልቢ ሰማዕቱ ይትንክፍ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ኣሕጽር ኣቢሉ ታሪኽ እቲ ተስፋ ነጊሩ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ተነስሑ ተለወጡ ኣብቲ ናይ ቀደም እምነትኩም ተመለሱ! ጠሊምኩም ኢኹም ተጠዓሱ ነታ ዝተዋህበትኩም ምትእምማን ኣጥፊእኩምዋ ኢኹም እሞ ምትእምማን ይሃልኹም ይብሎም። እዛ ምትእምማን ኣብ ደቂሰባት ብዙሕ ግዜ ትብደል። ናብ እግዚኣአብሔር ዘሎ ምትእምማንስ ይኹን ኣብ ነንሕድሕድና ክንገብሮ ዘሎና ምትእምማን ማህሚናስ ወትሩ ኣብ ምጥርጣርን ክሕደትን ምስ ነበርና ኢና። እቲ ቀንዲ ጸገም ዘደናግር ራእይ ሕልሚ ሃለፍታ የጋጥመና እሞ ደድሕሪኡ ጉይይ ምስ ወዓልና ባዶ ምስ ኮና ዘጥፋእናዮ ምትእምማን ይዝከረና። እንተኾነ ኣብ ሕሱም ግዜስ ይኹን ኣብ ጥዑም ግዜ ምትእምማን ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋዕል 12.1 ዘላ ሓንቲ ምዕራፍ ኣላ ብጣዕሚ ትምስጠኒ ንሳ ከኣ 'ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዔት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዔ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሐደጉ' ትብል። እዚ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። ታሪኻዊ ሓቂ ኰይኑ እንከብቅዕ ንኩልና ዘጥቅዕ ብሓፈሻ ክንደጋግሞ እንነብር ጉዳይ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኩሉ ቀኒዑልና ውሕስነት እንክስምዓና ናትና መደባት ንሕንጽጽ እሞ ቀስ ብቀስ ካብ ፈጣሪ ክንርሕቅ ንርከብ። ኣብ እምነትና ኣይንጸንዕን። እዚ ውሕስነት እዚ ግን ናተይ ደኣ እምበር ጐይታ ዝዕድለኒ ውሕስነት ኣይኮነን። ሓደ ጣዖት እዩ። ኣብዛ ዝጠቀስናያኸስ ንሮብዓምን ንሕዝበ እስራኤልን ዘጋጠሞም እዚ ነበረ። መንግሥቱ ዝጸንዔን ዝደልደለን ኰይኑ ተሰምዖ ቀስ ብቀስ ካብ ኣምላኽ ረሓቁ ዝገደደ ከኣ ጣዖት ከምልኹ ጀመሩ። ምናልባት ሓደ ካብኹም እወ ኣባቴ ኣነ ግን ናብ ጣዖት ኣይሰግድን እየ ክብለኒ ይኽእል። እንተኾነ ትብስልሲ ኣሎኾ ተምበርኪኽካ ኣይትሰግድን ትኸውን ግን ሃሰስ ከም እትብሎምን ኣብ ልብኻ ዓቊርካዮም ከም እተምልኾምን ዘክር እዚ ሃቂ እዩ። ብዙሕ ግዜ የጋጥም እዩ። ዋእ ከምዚ እንተኾይኑ ደኣ ውሕስነት ገዛእ ርእስኻ ምድላይ ሕማቅ እዩ ማለት ድዩ! ኣይፋል ብመንገዱ እንተዀይኑስ ሓደ ጸጋ እዩ። ውሕስነት ክስምዓኒ እንከሎ ጐይታ ምሳይ ብምህላው ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ካብ ጐይታ ዘርሕቅ ንኣይ ዘማእከለ ክኸውን የብሉን። ጸገም ንጉሥ ሮብዓም እዚ እዩ ዝነበረ እምነት ኣጒዲሉ። ታሪኽ ሕዝበ እስራኤል ስዒቡ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምጉዳል እምነት ዝመልኦ እዩ። ኣነነትን ካብ ጐይታ ዘርሕቅ ውሕስነታትን ዝመልኦ እዩ። ናባና እንተተመልከትና እውን ኣብ መንጎና ምትእምማን ጠፊኡ ትርኢ። ምትእምማን ብዋጋ ዕዳጋ ካብ ሹቕ ዝዕደግ ኣይኮነን። እታ ቅዱስ ጴጥሮስ 'ተነስሑ ናብታ ምትእምማን ጐይታ ተመልሱ' ግሐ 2.38 ክብል ንሕዝበ እስራኤ ዘቅርባ ጻውዒትከስ ዕለት ዕለት ክነስተውዕለላ ዘሎና ጉዳይ እያ። ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ከኣ ዓባይ ኣብነት ምትእምማ ትኾነና ንኩሉ ዝተገብረላ ፈጺማ ዘይረስዔት ክሳብ መወዳእታ ተኣማኒት ዝኾነት ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ገለን ዝሃድም ገለን ዝኽሕድ ዘሰቅቅ ሞት ክርስቶስ ምስ ኣጋጣመ ክሳብ ንሬሳ ኢየሱስ ባዕላ ክትዕቅብ ትሓትት። ድኽምቲ ሰበይቲ ግን ከኣ ክሳብ መወዳእታ ተኣማኒት። ሓውልቲ ምትእምማን ዝኾነት ማርያም መግደላዊትከስ ሓዋርያ ሓዋርያት ትኸውን። ጐይታ ሎሚ ናይ ተኣማንነት ጸጋ ክዕድለና ንለምኖ። በዚ ከኣ ንሱ ውሕስነት ክህበና ዋሕስና ምዃኑ ተገንዚብና ክነመስግኖ እምበር ናብቲ ናትና ውሕስነት ኢልና እንሓስቦ ከይንወድቅ ከም ማርያም መግደላዊት ክሳብ መቃብር እሙናት ክንከውን ጸጋኻ ሃበና ንበሎ። ነታ ዘለዓለማዊት ምትእምማን ክንረኽባ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ እሞ ንሓለዋኣ እውን ንሱ ሓላዊኣ ኰይኑ ክሕግዘና ንለምኖ ኢሎም።”

 

14 April 2020, 09:33
ንኩሉ ኣንብብ >