ኣብ ግዜ ጸገምና ንፍልልያትና ኣወጊድና ንክንሓብር ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ከምቲ ደጋጊሞም ዝገብርዎ ሎሚ ሶሉስ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 እውን ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ዘቅርብዎ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ንባባት ካብ ግብረ ሐዋርያት 2 ፥36-41ኰይኑ ‘እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ’ ዝብል ከምኡ እውን ካብ ወንጌይ ዮሓንስ 20:11-18 ኰይኑ ‘ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ በለቶ፡ — ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። ኢየሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ንተኣማንነት ማርያም መግደላዊት መሠረት ብምግባር ኣብቲ ኩሉ ዝፈሸለሉ ዝመስል ዝነበረ ሁመት ንኩሉ ስዒራ ብተኣማንነት ኣብ መቃብር ጐይታ ኰይና ክትበክን ንሬሳ ጐይታ ክትደልን እንከላ ዋጋ ተኣማንነታ ረኺባስ ተጸናኒዓ ንክተጸናንዕ ናይ ሓዋርያት ሓዋርያ ዝኾነ ንሕና እውን ጐይታ ብተኣማንነት ክሳብ መወዳእታ ክንስዕቦ ጸጋኡ ክህበና ንለምን እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።