ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ነቲ ብኮቪድ 19 ዝሰዓበ ድኽነትን ጥሜትን ፍታሕ ክርከብ ዝጽዕሩ ይጽልዩ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 2 ሚያዝያ 2020 ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተኸስተ ሽቅለት ኣልቦነትን ጥሜትን ድኽነትን እንኪሓስቡ ስለእቶም ሎሚ እናሓገዙ ስለ ናይ ጽባሕ ፍታሕ እውን ዝቃለሱ ጸልዮም እታ ኣብ ዕለቱ እንዝክራ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክትከውን ብምምራጻ ነመስግና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን  

ንሎሚ መእተዊ ቅዳሴ መዝሙረ ዳዊት 30/31 ዝተወስደ 'ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ። ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደአ' ዝብል ምስ ተዘመረ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዳሴ ስለዝመነመን ከምዝዕርጉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ካብ ሕጂ ጀሚሮም ብዛዕባ እቲ ጽባሕ እዚ ለበዳ ለብዒ ሕማም ምስ ሓለፈ ክኸውን ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ዚሓስቡ ሰባት ኣለውና። እዚ ነቲ ኩሉ ክኽሰት ዘለዎ ማለት ጸገም ድኽነት ሥራሕ ምስኣን ዓጸቦ ጥሜት ወዘተ ስለዚ ነቲ ብትብዓት ሎሚ ዝሕግዙ ዘለው ኰይኑ ግን ንኩልና መታን ክሕግዙ ስለ ጽባሕ እውን ንዝሓስቡ እግዚአብሔር ከብርሃሎምን ክሕግዞምን ስለኦም ንጸሊ ኢሎም።”

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሮ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ገጻ ኣብ ትግሥግሠሉ ዘላ እዋን ከም ልማድ በዓል ናይታ ተሳታፊት ኩሉ ጸገም ወልደ እግዚኣአብሔር ዝኾነት ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ሆሳዕና ዘላ ዓርቢ ስለዝዝክሩ ቅዱስነቶም ሎሚ ብዛዕባ ሓዘናት እኖና ድንግል ማርያም ነስተንትን ኣደ ክትከውን ብምምራጻ እውን ነመስግና እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ኣብዚ ዓርቢ ናይ ሶሙነ ሕማማት ቤተክርስትያን ሓዘን ወይውን ሥቃይ እኖና ድንግል ማርያም ብበዓለ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ዝፍለጥ በዓል ትዝክር። እዚ በዓል እዚ ካብ ዘመናት ጀሚሩ ብምእመናን ይዝከር። ንሓዘን እኖና ማርያም ዝገልጹ ብዙሕ ሰቆቃውን ቅኔን ተደሪሱ። ከመይ ኣብ እግሪ መስቀል መዋቲ ወዳ ኰይና ንሥቃይ ወዳ እናስተንተነት ትሳቀ ነበረት። ናብዛ ሕዝንቲ ድንግል ዝዝውተር መንፈሳውነት ክርስትና ሾብዓተ ሓዘናት ድንግል ማርያም ኢሉ በብሓተ ይትንትኖ። እቲ ቀዳማይ 40 መዓልታት ድሕሪ ልደት ኢየሱስ እቲ ብነቢይ ስምዖን ዝተነግራ ልባ ብሰይፊ ሓዘን ክምተር ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 2,35 እንረኽቦ እዩ። እቲ ካልኣይ ሓዘና ከኣ ንወዳ ኢየሱስ ሕጻን ንምድሓን ንምድረ ግብጺ ምድረበዳን ኣጻምእን ኣቋሪጻ ዝሃደመቶ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 2,13.23 ዝርከብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ንንግደት ንኢየሩሳሌም ምስ ደየቡ ሠለስተ መዓልቲ ልባ መሽኰት ኢላ ክሳብ ትወጽእ ንዝጠፍኤ ወዳ ክትደሊ ዝተሳቀየቶ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 2,41 ዝርከብ እዩ። ራብዓይ ሓዘን ድንግል ማርያም ብመግረፍቲ ዝቆሰለ ወዳ ደም እናረሓጸ መስቀል ተሸኪሙ ንቀራንዮ ክድይብ እንከሎ ፊት ንፊት ዝተራኸበቶ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 19,25 ዘሎ እዩ። ሓምሻይ ሓዘና ከኣ ሞት ወዳ ኣብ ዕጸ መስቀል ጥራሑ ኰይኑ ተሸንኪሩ እንክትርዮ እዩ። ሻድሻይ ሓዘና ከኣ ነቲ ብሽንካር ዝቆሰለን ዝሞተን ሬሳ ወዳ ብደም ተዓሊሱ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ክህብዋ እሞ ከምቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ሕጻን ኰይኑ ኣብ ሕቊፍ ዝተቀበለተ ንሬሳ ቊሱል ወዳ ኣብ ሕቁፋ ክትቅበሎ እንከላ ኰይኑ እቲ ሻብዓይ ከኣ ቀቢጻ ናብ መቃብር እንከውርድዎ ከም ወላዲት ብሓቂ ዘሰቅቅ ሓዘን እዩ። ከምዚ ብዝበለ ኣገባብ ከስ መንፈሳውነት ቀዳሞት ክርስትያን ንጒዕዞ መስቀል እኖና ድንግል ማርያም የስተንትን። ኣነ ከም ልማድ ናይ ምሸት ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገምኩም ነዘን ሸውዓተ ሓዘናት ድንግል ማርያም እንክጽሊ መንፈሳዊ ዕግበት ይስምዓኒ ክመይ እዛ ሕዝንቲ ድንግል እዚኣ ኣደ ቤተክርስትያን ኰይና ከም ኣደ ቤተክርስትያን ኣደናን ንዓና ኩልና ብክንደይ ጻዕርን ስቃይን ከምዝወለደትና እዝክር። እኖና ድንግል ማርያም ንርእሳ ዝኸውን ምንም ኣይለመንትን ፈጺማ ኣይጠየቀትን። ርግጽ እዩ ንካልኦት ትልምን ነራ ገና እውን ትልምን ንኣብነት ኣብ ቃና ዘገሊላ ምስ ወዳ ኢየሱስ ትዛረብ። ኰይና ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወታ ብፍጹም `ኣነ ኣደ ኢየሱስ እየ ረኣዩኒ ንግሥቲ ኣደ ክኸውን እየ`ኢላ ኣይትፈልጥን። ኣይሓሰበቶ ኣይበለቶ። ንጉባኤ ሓዋርያት ድሕሪ ሞት ወዳ እንክተሰንዮም ምንም ዓይነት ንርእሳ ኣይሓተተትን። ኣደ ኰይና ክትመርሕ ክተሰኒ ንኩሉ ትቅበል። ከም ቀዳመይቲ እምንቲ ሓዋርያ ምስተን ሕያዎት ኣንስቲ ኰይና ንኢየሱስ ትኽተል ተሰኒ ትምህርቱ ጽን ኢላ ትሰምዕ። ሓደ ግዜ ሓደ ካብቶም ሰባት ከም ኣደ ኢየሱስ የሌልያ እሞ እነሃ ኣደኻ ትደልየካ ኣላ ኢሉ ንኢየሱስ ይነግሮ ማር. 3.31። በዚኸስ ንኢየሱስ ቀጥ ኢላ ክሳብ ቀራንዮ ሰዓበቶ፣ ምናልባት ኣብ ትሕቲ መስቀል ኰይና ሬሳ ወዳ እናረኣየት ብሓዘን ክትልሎ እንከላ ገሊኦም `ረአሞ መስኪነይቲ ወላዲት ኣደ ክሳብ ክንደይ ትሳቀ ኣላ` እንክብሉ እቶም ሕሱማት ከኣ `ንሳ እውን ዓገበኛ እያ ምስ መዕበያኻ ከም ዝበሃል ጽቡቅ ኰስኲሳቶ እንተትኸውን ብከምዚ ዝበለ ዘስቅቅ ሞት እምበይምሞተን ነሩ` ይብሉ ነሮም ይኾኑ። ብዝኾኑ ምስቲ መዓት ውርደት ዝተቀበለ ወዳ ኣብኡ ትዋረድ ነራ። ኢየሱስ ግን ወላ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ውርደትን ስቃይን ቃንዛን እውን ነዲኡ ኣይረሰዓን ነቲ ዝዓብየ ሽመት ኣውን ሂቡ ኣኽቢርዋ እነሀት ኣደኻ ኢሉና (ዮሓ 19.26) ንእኖና ድንግል ማርያም `እዚኣ ኣደይ እያ` ኢልካ ካብ ምኽባር ዝዓቢ ኣኽብሮ የለን ከመይ ንሳ ኣደ እያ። ንሕና ደቅኺ ኢና ንስኺ ኣደና ኢኺ። ኣብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ዝኾነ ሥልጣን ኣይሃባን ኣደ ኺ ኢልዋ። ኣደነት ዓቢ ህያብ| ብድሕር`ዚ ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ከም ኣደ ምሳኦም ትጽሊ ከምዝነበረት ይጠቅስ (ግሐ 1.14) እኖና ድንግል ማርያምከስ ካብ ኢየሱስ ምንም ዓይነት ሽመት ክትኣሊ ኣይደለየትን ኣደ ናይ ምዃን ጸጋ ተቀቢላስ ከም ኣደ ንኩሉ ክተሰኒ ኣደና ክትከውን ተቀበለት። ንሳ ከም መድሓኒት ወይ ተሓባባሪት ድሕነት ዝብል ኣርእስቲ ኣይሓተተትን። መድሓንስ ሓደ እዩ ኣይድረብ ኣይስለስ። ሓዋርያን ኣደን እያ። በዚ ከምዚ ጥራይ ክንሓስባ ክነስተንትና ክንልምና ኣሎና። ኣደና እያ ኣደ ቤተክርስትያን እያ| ኣብ ኣደነት እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ንኩሎም ሕያዎትን ሕሱማትን ናይ ምቅባል ባህርይ ዘለዎ ኣደነት ቤተክርትያን ንዕዘብ። ኣደ ኩልና እያ። ሎሚ ሓንሳእ ኣብ ዘዘሎናዮ ደው ኢልና ግዜ ሂብና ብቀዳምነት ብዛዕባ ስቃይ ቃንዛ ሓዘን ቀጺልና ከኣ ሓዘን ሕዝንቲ ድንግል ማርያም እንተነስተንትን ክንደይ ምተዓወትና። ኣደና እያ። ነዚ ሓዘናት ብከመይ ከምዘሕለፈቶ ምስትንታን ብሓቂ ዘገርም እዩ ልባዊ ሓዘን ከመይ ኢላ ጾረቶ ኣሕለፈቶ ከምቲ ስምዖን ዝተነበዮ ልባ ቆሲሉ ተበሳሲዑ ብሓዘን ዓነውነው ኢሉ። ነዛ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚኣ ደው ኢልና `እቲ መልኣኽ ከበሥረኪ እንከሎ ኣደ ክትኮኒ እሺ ሕራይ ብምባልኪ ነመስግነኪ ከምኡ እውን እነሆ ወድኺ ኢሉ ኣደና ክትኮኒ ኢየሱስ ምስ ሓበረኪ ብምቅባልኪ ነስግነኪ ንበላ`።”

ብድምጺ ንምክትታል!
03 April 2020, 11:49
ንኩሉ ኣንብብ >