ር.ሊ.ጳ ስለእቶም ብሰንኪ ኢፍትሓዊ ፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝማስኑ ይጽልዩ!
ምሉእ ዘይብላ ዓለም ካብ ደም ኣቤል ክሳብ ሎሚ ፍትሒ እንዳጐደለ ኰይኑ ብክሕደት ይሁዳ ዝጀመረ ዓቢ ምጉዳል ፍትሒ ኣብ ኢየሱስ ብምንባሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ተፈሪዶም ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘኪሮም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ተመርኲሶም ብዛዕባ ኽሕደት ጴጥሮስ እውን ኣመልኪቶም ሽሕ`ኳ ውድቀታት እንተሎ ኣብ ኣገልግሎት ንክንጸንዕ ጸጋኡ ክህበና ንእግዚአብሔር ንለምን ኢሎም።
ዜና ቫቲካን
ሎሚ ዕለት 7 ሚያዝያ 2020 ዓም ካብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ናብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ መዝሙር ዝተዘመረ ካብ መዝሙረ ዳዊት 26 'ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ኦ ጐይታ ናብ ኢድ ጸላእተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ' ዝብል ምስ ተዘመረ ናይ ሎሚ ቅዳሴን ሓሳብ ጸሎትን ስለመነመን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾ።
ንዕለቱ ዝቀረቡ ንባባት ካብ ትንቢት ኢሳያስ 49 `እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ' ዝብል መዝሙር ናይቲ ዝሳቀ ኣገልጋሊ ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 13 ብዛዕባ ክሕደት ይሁዳን ጴጥሮስን ዘዘንቱ ነበረ። ቅዱስነቶም ንኩሉ ኣገናዚቦም ክንዮ ውድቀታትናን ሓጢኣትናን ኣብ ኣገልግሎትና ክንጸንዕ እግዚአብሔር ጸጋኡ ንክህበና ንለምን እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።
07 April 2020, 11:11