ር.ሊ.ጳ ስለእቶም ብሰንኪ ኢፍትሓዊ ፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝማስኑ ይጽልዩ!

ምሉእ ዘይብላ ዓለም ካብ ደም ኣቤል ክሳብ ሎሚ ፍትሒ እንዳጐደለ ኰይኑ ብክሕደት ይሁዳ ዝጀመረ ዓቢ ምጉዳል ፍትሒ ኣብ ኢየሱስ ብምንባሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ተፈሪዶም ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘኪሮም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ተመርኲሶም ብዛዕባ ኽሕደት ጴጥሮስ እውን ኣመልኪቶም ሽሕ`ኳ ውድቀታት እንተሎ ኣብ ኣገልግሎት ንክንጸንዕ ጸጋኡ ክህበና ንእግዚአብሔር ንለምን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 7 ሚያዝያ 2020 ዓም ካብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ናብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ መዝሙር ዝተዘመረ ካብ መዝሙረ ዳዊት 26 'ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ኦ ጐይታ ናብ ኢድ ጸላእተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ' ዝብል ምስ ተዘመረ ናይ ሎሚ ቅዳሴን ሓሳብ ጸሎትን ስለመነመን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾ።

“ኣብ ዕለታት ጾመኣርባዓ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ክሳብ መጨረሻ ዝተጻረርዎ ሊቃንቲ ሕጊ ዝተጓነፎ ስደት ርኢና። ሽሕ`ኳ ንጹሕ እንተኾነ ግን ብቅንእን ሽርሕን ጒርሕን ጸለመን ዝኸሓኑ ኢፍትሓዊ ፍርዲ ኣቅረቡሉ። ሎሚ ስለ እቶም ኢፍትሓዊ ፍርዲ ተቀቢሎምስ ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለው ንጸሊ።”

ንዕለቱ ዝቀረቡ ንባባት ካብ ትንቢት ኢሳያስ 49 `እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ' ዝብል መዝሙር ናይቲ ዝሳቀ ኣገልጋሊ ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 13 ብዛዕባ ክሕደት ይሁዳን ጴጥሮስን ዘዘንቱ ነበረ። ቅዱስነቶም ንኩሉ ኣገናዚቦም ክንዮ ውድቀታትናን ሓጢኣትናን ኣብ ኣገልግሎትና ክንጸንዕ እግዚአብሔር ጸጋኡ ንክህበና ንለምን እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ክንበብ ዝሰማዕናዮ ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ መድሓኒና ዝኾነ መሲሕ እዩ ዚናገር ምስኡ ከኣ ብዛዕባ ሕዝቢ እግዚአብሔር ሕዝቢ እስራኤል ኰይኑ ብዛዕባ ነፍሲወከፍና ዝተዘርበ ትንቢት እውን ክንብሎ ንኽእል። ጐይታ ነቲ ኣገልጋሊኡ መሲሕ ካብ ማሕጸን ኣዲኡ ኣትሒዙ ከምዝመረጾ ይገልጽ። ስለዚኸስ እቲ ኣገልጋሊ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ምሩጽ ከምዝነበረ ቅድሚ ምጽናሱን ቅድሚ ምውላዱን ምሩጽ ክምዝነበረ የረጋግጽ። ሕዝቢ እግዚአፍብሔር ቅድሚ ምውላዱ እዩ ዝተመርጸ ነፈሲወከፍና እውን ከምኡ። ማንም ካባና ብዘይ መደብ ዱብ ኢሉ ዝወረደ የለን። ነፍሲወከፍና ናይ ምፍጣርና ምኽንያት ትርጉም መደብ ኣለዎ እዚ ከኣ መደብ ምርጫ እግዚአብሔር ኰይኑ ኣገልጋሊ ክንከውን ዕዮ ገዛና ኣገልግሎት ኰይኑ ክንሃንጽ ኢና ተሓሪና እዚ ከኣ ካብ ማሕጸን ኣደና ጀሚሩ እዩ። ባርያ ያህወ ዝኾነ ኢየሱስ ክሳብ ሞት የገልግል፣ ብኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት ፍሽለት ስዕረት ይመስል ኰይኑ ግን ዝተመደበሉ ኣገልግሎት ንሱ ነበረ። እዚ ዘሥምረሉ ነገር እንተኣልዩ ነፍሲወከፍና ነቲ ዝተመደበልና ኣገልግሎት ንክንቅበል እዩ። ኣገልግሎት ማለት ንካልኦት ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ እዩ። ምናልባ ብምስትምሳል ዝግልገል እሞ ገለ መኽሰብ ዝርከቦ መሲሉና ከይጋገ ኣገልግሎት ክብሪ እዩ ክብሪ ብክብሩ ኸኣ ክብሪ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ኢምንት ገሩ ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ኣብ መስቀል ብሙማት ዘገልገለ ክብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኢየሱስ ኣገልጋሊ እስራኤል እዩ። ሕዝበ እግዚአብሔር እውን ኣገልጋሊ እዩ። ካብዚ መንፈስ ኣገልግሎት ዘልገሰ ሕዝበ እግዚአብሔር ኣብ ክሕደት ይወድቅ ካብ ጐይታኡ ይሽፍት ካብ ጸዋዕታኡ ይርሕቅ። ካብታ እግዚአብሔር ዝመደበሉ ዝጸወዖ ኣገልግሎት ይርሕቅ። ነፍሲወከፍና እውን ካብ ጸዋዕታ ኣገልግሎት ክንርሕቅ ምስ እንፍትን ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ንርሕቅ። ሕይወቱ ኸኣ ኣብ ካልእ ፍቅሪ ይስርት ብዙሕ ግዜ ከኣ ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ይወድቅ። ጐይታ ካብ ማሕጸን ኣደና መሪጹና። እንተኾነ ኣብ ሕይወት ውድቀት የጋጥም ነፍሲ ወከፍና ሓጢኣተኛታት ስለዝኾና ኸኣ ክንወድቅ ተኽእሎ ኣሎ ንወድቅ እውን። ብዘይካ እኖና ድንግል ማርያምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካልኦት ኩሎም ወዲቆም ሓጢኣተኛታት እዮም። እቲ ቀንዲ ውራይ ግን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝመረጸኒ ኣገልጋሊ ንክኸውን ዝቀብኣኒ እግዚአብሔር ዘሎኒ ኣመለኻኽታ እዩ። ናይ ሓደ ሓጢኣተኛ ኣመለኻኽታ ለቢሱ ከምቲ 'ኣነ ፈጺመ ኣይክሕደካን ፈጺመ' (ማቴ 26.75) ኢሉ ዝመሓለ እሞ ሠለስተ ግዜ ክሒዱ ደርሆ ክንቁ ምስ ሰምዔ ኣምሪሩ ብምካይ ምሕረት ዝለመነ ምሕረት ክንልምን ኣሎና። እታ እንኮ መንገዲ ኣገልጋሊኸስ ሸተት ክብል እንከሎ ክወድቅ እንከሎ ክንሳሕ ክጠዓስ ምሕረት ክልምን ኣለዎ። እንተዘየሎ እቲ ኣገልጋሊ ውድቀቱ ክርዳእ እንተዘይክኢሉ ስምዒታቱ ናብ ኣምልኾ ጣዖት ገጹ ክወስዶ እንከሎ ብኡ ንብኡ ልቡ ንሰይጣን ይኸፍት ጸልማት ለይቲ ይነግስ እቲ ንይሁዳ ዘጋጠመ ከኣ የጋጥሞ ብተስፋ ቊርጸት ተሓኒቃ ሞት (ማቴ 27.3)። እስኪ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ክሳብ መወዳእታ ተኣማኒ ዝኾነ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ነስተንትን። ጸዋዕታኡ ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ሞት ምግልጋል ነበረ (ፊል 2,5)። ነፍሲወከፍና ከም ኣባል ሕዝበ እግዚአብሔር ነዘን ሕቶታት ነስተንትን ኣገልገልቲ ዲና! ጸዋዕታና ኣገልግሎት እምበር ኣብ ቤተክርስትያን ብዘሎና በለጽ ክንደሊ ከምዘይኮነ ይስቈረናዶ! ስለዚ ኣገልግሎት ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ንኹን። ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት እንጸንዓሉ ጸጋ ክህበና ንጐይታ ንለምኖ። ሓንሳእ ሓንሳእ ሸተት ክንብል ክንወድቅ ይከኣል ኰይኑ ግን እንተወሓደ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ንብዓት ጸጋ የድልየና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
07 April 2020, 11:11
ንኩሉ ኣንብብ >