ኣብዚ ግዜ ጽሞና ጐይታ ንኣኡ ጽን ኢልና እንሰምዓሉ ጸጋ ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 21 ሚያዝያ 2020 ዓም እውን ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴኦም ጐይታ ኣብዚ ዓቢጡ ሒዙና ዘሎ ግዜ ጽሙና ንኣኡ እንሰምዓሉ ጸጋ ክዕድለና ንጸሊ እንክብሉ ኣብ ዕለቱ ካብ ዝቀረቡ ንባባት ነታ ኣብ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ዝነበረት ውህደት ብምዝኽኻር እዚኣ ከኣ እንተተቂብልናዮን ክመርሓና እንተኣፍቂድናሉን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኰይኑ ግን ሠለስተ ፈተና ማለት ገንዘብ ከንቱነትን ሕሜትን ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኽቅድሱ ናብ መንበረታቦት እንክድይቡ ከም መእተዊ መዝሙር ካብ ራእ 19.7 ዝተወስደ 'እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡' ንሃብ ዝብል ምስ ተዘመረ ናይ ሎሚ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዚ ብዙሕ ጸጥታን ጽምዋን ዓሲልዎ ዘሎ ግዜና ብሱቕታ እውን ጽን ቢልካ ክስማዕ ይከኣል እዩ እሞ ጐይታ ናይ ምስማዕ ክእለትና ክብ ኣቢሉ ጽን ቢልካ ምስማዕ ክምረና ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ መቀጸልታ ናይ ትማሊ ካብ ግሐ 4.32 ዝተወስደ ኰይኑ 'እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን' ዝብል ክፍሊ ዝርከቦ ኩሉ ናይ ሓባር ምንባሩን ምንም ዝጐድሎ ሰብ ከምዘይነበረን ይገልጽ። ቅዱስነቶም ነዚ ዝገብር ተኣምር ክገብር ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ነዚ ውህደት እዚ ዝረኸበት መንፈስ ቅዱስ ተቀቢላ ንኣኡ ብምእዛዛ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ሕብረት ይፈጥር። ቁሩብ ካብኡ ሸተት ክትብል ምስ እትጅምር ምብትታን በብቁሩብ ይኣቱ። እዚ ከምዝኸውን ዝገብሩ ጸላኤ ሠናይት ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝዘርኦም ቀንዲ ፈተናታት ኣብ ሠለስተ ክንከፍሎም ንኽእል እዚኦም ከኣ ብቀዳምነት ገንዘብ ኰይኑ እዚ ሱር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ንደቂሰባትስ ይኹን ንቤተክርስትያን ክፈለሊ ይርከብ። እታ ካልኣይቲ ትዕቢት ወይውን ከንቱነት ኰይና ካብ ካልኦት ዝበልጽካ ገርካ ንርእስኻ ብምቅራብ ክርክርን ሥልጣንን ኣትዩ ንኩሉ ፋሕ ብትን የብል። እታ ንማሕበረ ክርስትያን ፋሕ ብትን እተብል ሕስምቲ ጉዳይ ሕሜታ ኰይና ነንሕድሕድና ክነጸልም ንውዕል። መንፈስ ቅዱስ ካብዘን ሠልስተ ሕሱማት ፈተናታት ክሕልወና ንኣኡ ንክንቅበልን ንክንእዘዞን ጸጋኡ ክህበና በዚ ከኣ ነፍሲወከፍና ምስ ተለወጥና ማሕበረ ክስትያን እውን ትልወጥ እሞ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ሕብረትን ውህደትን ሓድነትን ትምለስ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“[ ካብ ላዕሊ ዳግም ምውላድ ክብል እንከሎ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እንክትውለድ እዩ። ንሕና መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል እንከሎና ንግልና ጥራይ ኣይኮነን እንቅበሎስ ዳግም ንክንውለድ ንክነፍቅደሉ እሞ ንክንልወጥ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ማዕጾ ዝኸፍተሉኸስ ተኣዘዞ እዩ። ንሱ ከኣ ነቲ ዘድሊ ለውጢ ይፈጥር ዳግም ምውላድ ከኣ እዚ እዩ። ጐይታ ንሓዋርያት ዘተስፈዎም ኸኣ እዚ እዩ (ግሐ 1,8)። መንፈስ ቅዱስ ንሕና ክንሓስቦ እኳ ዘይንኽእል ዘደንቁ ነገራት ክገብር ይኽእል። ነዚ ዝኾነና ሓደ ኣብነት ናይታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን እያ። እዛ ማሕበር እዚኣ ብሓቂ ዝነበረት ታሪኽ ዝምስክረላ እምበር ብሓሳብ ዝተደኮነት ኣይኮነትን እዚ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ምእዛዝ ክሳብ ክንደይ ነገራት ከምዝልውጥ የርእየና። እዛ ማሕበር እዚኣ ኩሉ ክመስላን ክስዕባን ዘለዋ ኣብነታዊት እያ። ርግጽ እዩ ድሕሪ እዚ ወርቃዊ ወቅቲ ሓጐጽጐጽ ይለዓል ኰይኑ ግን ጐይታ ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ከፊትና ምስ እንቅበሎን ምስ እንእዘዞን ክንበጽሖ ንእንኽእል ፍጽምና ንምግላጽ ብኩሉ ሓደ ነበሩ ይብለና (ግሐ 4.32)። መንፈስ ቅዱስ መምህር ሕብረት እዩ ነዚ ፍጹም ውህደት ክገብሮ ከምዝኽእል ከኣ ኣብዛ ማሕበር እዚኣ ኣርእዩና። ኣብ ልባትና ቦታ እንተሂብናዮ ብዙሕ ነገራት እንክልውጥ እታ ቀዳመይቲ ውህደት ወይውን ሕብረት እያ። ሕበረት ኣቦን ወድን ኣብ ቅድስት ሥላሴ ፍቅሪ ውህደት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ሕብረት እዚ ከኣ እዩ ነዛ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ዝለገሰላ። እንተኾነ ታሪኽ ከምዝገልጾ ባዕሉ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት እውን ከምዝምዝግቦ ኣብታ ማሕበረ ክርስትያን ብዙሕ ጸገማት ክቀላቀሉ ይጅምሩ። እዛ ንቁሩብ ግዜ ዝተራእየት ሕብረት ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተስፈዋ ሰማያዊት ማሕበር እንክተንጸባርቅ ኣብዚ እውን ከምዝከኣል የመልክት። ክብጻሕ ዝነበሮ እዚ እኳ እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ 2.1 'ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ' ይብል እሞ እቲ ምፍልላይ ከመይ ከምዚኣቱ ነጊሩ የጠንቅቆም። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ናብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ 11.18 'ኣብ መንጎኹም ምምቅቃል ከምዘሎ ሰሚዔ` ይብል እሞ ክርስቶስዶ ተመቃቂሉ እዩ እናበለ ኣበርቲዑ ይገንሖም ንሕብረት ከኣ ይጽውዕ። በዚኸስ እዛ ኣብነታዊ ሕብረት ዝነበራ ማሕበረ ክርስትያ ውሽጣዊ ምግምማዕን ምክፍፋልን ምስ ኣጋጠማ ሓዋርያት ናብቲ ኣብነታዊ ሕብረት ንክምለሱ እዚ ቀሊል ከምዝኮነን ነቲ ዝኸፋፍል ነገራት ንከውግዱን ይምሕጸኑ። እዚ ምምቅቃል እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ቊምስናታት ኣብ ገዳማት ይረኤ። ናብ ምንጪ ምምቅቃል እንተተመልከትና ኣነ ሠለስተ ነገራት ይረኣዩኒ። ቀዳማይ ገንዘብ ኰይኑ እታ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናይ መልእኽቲ ያዕቆብ 'ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡' እንክብል ጳውሎስ ኣብታ ዝጠቀስናያ መልእኽቱ `ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡' ይብል። ገንዘብከስ ይመቃቅል ፍቅሪ ገንዘብ ከኣ ንማሕበረ ክርስትያን ንቤተክርትያን ይመቃቅል። ብዙሕ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ናይ ዓንዲ ሃይማኖት ትምህርቲ እኳ ክፈላሊ እንተተራእየ ክንዮ ነፍሲወከፍ ምምቅቃል ግን ገንዘብ ኣሎ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ድኽነት ኣደ ማሕበረ ክርስትያን ከምኡ እውን መንደቅን ሓጹርን ቤተክርስትያን ኰይና እትሕልዋ በዚ እዩ። ገንዘብ ረብሓ ገዛእ ርእስኻ ንከትቀድም ስለዝደፋፍእ ኣብ ሥድራቤት ከይተረፈ ፋሕፋሕ የእቱ። ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጉዳይ ውርሻ ፋሕ ዝበሉ ብምዝካር ገንዘብ ክሳብ ክንደይ መቃቃሊ ምዃኑ ንግንዘብ። ንማሕበረ ክርስትያን እትመቃቅል ካልእ ነጥቢ ከኣ ከንቱነት ወይውን ትዕቢት ኰይኑ ንርእስኻ ካብ ካልኦት ኣብሊጽካ ምሕሳብ እዩ። እቲ ፈሪሳዊ ክጽሊ እንከሎ `ኦ ጐይታ ከም ካልኦት ስለዘይኮንኩ አመስግነካ ኣሎኹ` (ሉቃ 18.11) ከምዝበሎ እዩ። እዚ ጐዳይ እዚ ብእትኽደኖ ረኣዩለይ ስምዑለይ ሓንሳእ ሓንስእ እውን ምሥጢራት ኣብ ምዕዳል የጋጥም ኣብ በዓላት ኮታስ ኣብ ኩሉ ናብራ ልዕልነትካ ክተርኢ ዝግበር ከንቱነት ኣሎ። ትዕቢት ረኣዩለይ ስምዑለይ ይወልድ ረኣዩለይ ስምዑለይ ኣብ ዘሎኹ ወትሩ ምክፍፋል ኣሎ። ንማሕበረ ክርስትያን እትመቃቅል ሣልሰይቲ ነጥቢ ከኣ ሕሜታ እያ። ነዚ ጉዳይ ደጋጊመ እብሎ ምኽንያቱ ዘሎ ስለዝኾነ። ነዚ ጉዳይ እዚ ከም ኣድላይን ዘይተርፍን ጉዳይ ገሩ ዲያብሎስ ኣብ ልብና ይሰዂዖ። ኣብ ኣዘራርባና ወትሩ `እወ ሕያዋይ ሰብ እዩ ነሩ እንተኾነ እናበልና ብኡ ንብኡ ነቲ ዝጀመርናዮ ሠናይ ነገር ነፍርሶ። ምስኡ ጸለመን ምቊንጻብን ንካልኦት ምንእኣስን ብዙሕ ኣሎ። ነዚ ኩሉ ዝፍውስ ግን መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ ካብዘን ነገራት እዚኤን ፈውሲ ዓበይቲ ነገራት ክገብረልና ንለምኖ። ]   ”

ብድምጺ ንምክትታል!
21 April 2020, 11:08
ንኩሉ ኣንብብ >