ኣብዚ ግዜ ጽሞና ጐይታ ንኣኡ ጽን ኢልና እንሰምዓሉ ጸጋ ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንኽቅድሱ ናብ መንበረታቦት እንክድይቡ ከም መእተዊ መዝሙር ካብ ራእ 19.7 ዝተወስደ 'እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡' ንሃብ ዝብል ምስ ተዘመረ ናይ ሎሚ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ መቀጸልታ ናይ ትማሊ ካብ ግሐ 4.32 ዝተወስደ ኰይኑ 'እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን' ዝብል ክፍሊ ዝርከቦ ኩሉ ናይ ሓባር ምንባሩን ምንም ዝጐድሎ ሰብ ከምዘይነበረን ይገልጽ። ቅዱስነቶም ነዚ ዝገብር ተኣምር ክገብር ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ነዚ ውህደት እዚ ዝረኸበት መንፈስ ቅዱስ ተቀቢላ ንኣኡ ብምእዛዛ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ሕብረት ይፈጥር። ቁሩብ ካብኡ ሸተት ክትብል ምስ እትጅምር ምብትታን በብቁሩብ ይኣቱ። እዚ ከምዝኸውን ዝገብሩ ጸላኤ ሠናይት ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝዘርኦም ቀንዲ ፈተናታት ኣብ ሠለስተ ክንከፍሎም ንኽእል እዚኦም ከኣ ብቀዳምነት ገንዘብ ኰይኑ እዚ ሱር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ንደቂሰባትስ ይኹን ንቤተክርስትያን ክፈለሊ ይርከብ። እታ ካልኣይቲ ትዕቢት ወይውን ከንቱነት ኰይና ካብ ካልኦት ዝበልጽካ ገርካ ንርእስኻ ብምቅራብ ክርክርን ሥልጣንን ኣትዩ ንኩሉ ፋሕ ብትን የብል። እታ ንማሕበረ ክርስትያን ፋሕ ብትን እተብል ሕስምቲ ጉዳይ ሕሜታ ኰይና ነንሕድሕድና ክነጸልም ንውዕል። መንፈስ ቅዱስ ካብዘን ሠልስተ ሕሱማት ፈተናታት ክሕልወና ንኣኡ ንክንቅበልን ንክንእዘዞን ጸጋኡ ክህበና በዚ ከኣ ነፍሲወከፍና ምስ ተለወጥና ማሕበረ ክስትያን እውን ትልወጥ እሞ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ሕብረትን ውህደትን ሓድነትን ትምለስ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።