ር.ሊ.ጳ ንፋርማሲስት/ቀመምቲ መድሃኒት ንሕሙማት ብዝገብርዎ ሓገዝ ብምምስጋን ስለኦም ይጽልዩ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙሽ 16 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ እቶም ኣብዚ ሕሱም ግዜ ቤት መድሓኒት ከፊቶም ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለው ፋርማሲስት ብምጽላይ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ንወንጌል ንምስባኽ እንረኽቦ ሓይሊ ካብቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሓጐስ ታሕጓስ ጐይታ እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ንዓለምና ወሪሩ ዘሎ ሕማም ተላገብ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር ቅዱስነቶም ወግሔ ጸብሔ ብዝተፈላለየ ሓሳብ ጸሎት ነቲ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ናብ ዓለም ምሉእ ንዝዝርጋሕ ቅዳሴኦም ሎሚ ከኣ ስለ ፋርማሲስቲ ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣብ መኽፈቲ ቅዳሴ ገሊጾም።

“ኣብ ዕለታት እዚ ንሓደ ጉጅለ ማሕበረሰብና እሞ ኸኣ ወትሩ ኣብ ሥራሕ ዝርከቡ ብምርሰዔይ ወቂሶምኒ ከመይ ንሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ወለንተኛታት ኣገልገልቲ ክፍሊ ጥዕና ኣመስጊነ እንከብቅዕ ‘ንፋርማሲስት ረሲዕኩም’ ትብል ወቀሳ ቀሪባ። እወ ብርግጽ ንሶም እውን ንሕሙማት ካብ ሕማም ንክላቀቁ ብዙሕ ይሕግዙ ኣለው ስለኦም እስከ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 24.35 ዝተወስደ ኰይኑ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነቶም ብፍርሃት ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝሻቀሉ ዝነበሩ ሓዋርያት ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ ክብል መዓጹ ብዕጽው ኣብ መንጎኦም ምስ ተረኽበ ምትሓት ዝረኣዩ መሲልዎም ሰንበዱ። ኢየሱስ ከኣ ኣይትፍርሁ ኣጆኹም ኣነ እየ ክብል ምስ ኣረጋግኦም ንቅዱሳት ጽሑፋት ክርድኡ ኣእምሮኦም ከምዝኸፈተሎም ንሳቶም ከኣ ምእማን ክሳብ ዝስእኑ ብታሕጓስ ከምዝሰኸሩ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ኢቫንጀሊ ኑንስያንዲ እትብል ብዛዕባ ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌል እትዛረብ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ብምዝካር እቲ ንወንጌል ጐይታ ክንሰብኽ ዝወሃበና ዓቢ ሓይሊ ፍረ መንፈስቅዱስ ዝኾነ ሓጐስ ደስት ጐይታ ምዃኑ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ንወንጌል ብሕይወት ንክትምስክር ንቅድሚ ከም እትግስግስ ይገብረካ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ኣብዚ ዕለታት እዚ ድሕሪ ሞት ኢየሱስን ንቅሩባት ዝተገልጸ ትንሣኤኡን ኣብ ኢየሩሳሌም እቲ ሕዝቢ ዝተፈላለየ ስምዒታት ወሪርዎ ነበረ ገለን ብፍርሂ ርዒዳ ተንቀጥቅጥ ገለን ብኣድንቆት ኣፋ ከፊታ ትጥምት ገለን ምእማንን ምኽሓድን ተሳኢናው ኣብ ወጥሪ ምጥርጣር ትርከብ። ኣብ ግብረ ሓዋርያት እቲ ኣብ ኣፋፈት ቤተመቅደስ ዝልምን ንዝነበረ ሓዋርያት ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ምስ ኣሕወይዎ ‘ኩሉ ሕዝቢ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ’ (3.11) ይብለና። ዘይልሙድ ነገር ብምፍጻሙ ይግረሙ ኣብ ርእሲኡ ክርድእዎ እውን ኣይከኣሉን። ጐይታ ናብቶም ተዕጽዮም ዘለው ሓዋርያቱ ብሃንደበት ይመጽእ። ንሶም እውን ሽሕ’ኳ ካብ ሞት ከምዝተንሠኤ ይፈልጡ እንተነበሩ በዓል ስምዖንን ዮሓንስን ክሳብ መቃብር ከይዶም ኣረጋጊጾም ድሒሮም እውን ረኺቦሞ እንከብቅዑ እቶም ንኤማሁስ ገጾም ዘዝልቁ ዝነበሩ ክልተ ሓዋርያት ኣብ ምቊራስ እንጌራ እንክግለጾም ንሓዋርያት ከዕለሉ ኩሎም ይፈልጡ ነሮም ኰይኑ ግን መጺኡ ሰላም ምስ በሎም ምትሓት ዝርእዩ መሰሎም። እዚ ስምባደ እዝን ሃንደበትነት ኢየሱስን ምናዳ ምስ ሓዋርያትን ዘይምልላዮምን ኣብ ቀላይ ጥብርያርዶስ ከምቲ ጐይታ ብማየ ማይ ክጐዓዝ እንከሎ ጴጥሮስ ‘ንስኻ እንተኾንካ ኣነውን ብማየ ማይ ክኸይድ ኣዝዝ’ (ማቴ 14.28) ዝበሎ እሞ ኣዚዙ ነቂሉ ኣብ ማእከል በጺሑ ክጠራጠር ዝጀመረ ሕጂ እውን ድሕሪ ትንሣኤኡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብግሊ ምስ ጐይታ ተራኺቡ ተዘራሪቡ እንከብቕዕ ኩሉ ጋን ኰይንዎ ቃል ከየተንፈሰ ኣብ መንጎ እቶም ብፍርሂ ተዋሒጦም ዝነበሩ ሓዋርያት ሱቃታኡ ክበድ ኣብ ልዕሊ ክበድ ወሲኹ እንከሎ ጐይታ ህሩግ ይብሎም። ጐይታ ምስ ተሓለሎ ኣንቱም እንታይ ኰንኩም ትደሃሉ ኣነ እየ ረኣዩ እሞ እግረይ ኢደይ ሽንካራተይ ተመልከቱ እናበለ የበራብሮም። ተንክፉ ረኣዩ ምትሓት ከምዚ ናተይ ሥጋን ዓጽምን የብሉን ይብሎም። ብድሕሪ እዚ ኩሉ ብሓጐስ ይመልኡ ምሒር ሓጐስ ከኣ ምስ ጸገሙ ስለዝኾነ እምበርዶ ሓቂ እዩ እናበሉ ኣብዚ እውን ይጠራጠሩ። እዚ ሓጐስ እዚ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኣምላኽ ተስፋ ብሓጐስ ይምላእኩም’ (ሮሜ 15,13) እናበለ ንሰብ ሮሜ ዝምነዮ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ብሓጐስ ምምላእ ትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ይደጋግማ ንስብከተ ወንጌልስ ይኹን ኣመንቲ ብምርካብ ኰይኑ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለጐይታ ኣብ ሰንሰለት እንከሎ እውን በዚ ሓጐስ እዚ መሊኡ ከምዝነበረ ይዛረብ (ግሐ 16.29) ነዚ ሓጐስ እዚ እቲ ህጽው ህንደኬ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ፊሊጶስ ምስ ኣጠመቆን መንፈስ ቅዱስ ምስ ምስ ተቀበለን ብሓጐስ ይመልእ (ግሐ 8,39) ከምኡ ንጐይታ ንሰማይ ኪዓርግ ምስ ረኣይዎ ሓዋርያት ልቦም ብሓጐስ መልኤ ይብለን (ሉቃ 24.53)እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ታሕጓስ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ እዩ (ገላ 5,22) ስለዚኸስ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ እዚ ሓጐስ እዚ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ። ነዚ ሓጐስ መንፈስ ቅዱስ ምቅባል ከኣ ሓደ ዓቢ ጸጋ እዩ። ብዛዕባ እቶም ሕጉሳት ክርስትያን ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌል ቅዱስ ጳውሎስ 6 ኣብ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ኢቫንጀሊ ኑንሳያንዲ ዝገልጽዎኸስ እዚ እዩ። ኣብ መጽሓፈ ነሃምያ ነዚ ዝመሳሰል ሓደ ክፍሊ ኣሎ እዚ ከኣ ሕዝበ እስራኤል ካብ ስደት ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሰ ነቲ ብምሽምዳድ ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝትርኽዎ ዝነበሩ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ብሓዲስ ምስ ረኸብዎ ብታሕጓስ መልኡ ይብለና (ነሀ 8) ጸሓይ በሪቃ ክሳብ ትዓርብ ከኣ እዝራ የንብበሎም ነበረ። ብታሕጓስ መሊኦም ከኣ ክሳብ ዝበኽዩ ኮይኑ ሽዑ ነሀምያ ‘ህድእ እሞ በሉ ሕጂ ኣይትብከዩ ነዚ ሓጐስ እዚ ኣብ ልብኹም ዓቅብዎ ከመይ ሓጐስ ጐይታ ሓይልና እዩ’ ይብሎም። እዛ ቃል ነሀምያ ሎሚ ንዓናውን ክትሕግዘና እያ። ንኩሉ ነገራት ንክንልውጥን ወንጌል ንክንሰብኽን ብሕይወትና እናመስከርና ንቅድሚት ከም እንግስግስን እትገብረና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓጐስ ጐይታ እያ እሞ ንጐይታ ነዛ ሓጐስ እዚኣ ንክህበና ንለምኖ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
16 April 2020, 11:06
ንኩሉ ኣንብብ >