ር.ሊ.ጳ ንፋርማሲስት/ቀመምቲ መድሃኒት ንሕሙማት ብዝገብርዎ ሓገዝ ብምምስጋን ስለኦም ይጽልዩ!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙሽ 16 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ እቶም ኣብዚ ሕሱም ግዜ ቤት መድሓኒት ከፊቶም ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለው ፋርማሲስት ብምጽላይ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ንወንጌል ንምስባኽ እንረኽቦ ሓይሊ ካብቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሓጐስ ታሕጓስ ጐይታ እዩ ኢሎም።
ዜና ቫቲካን!
እዚ ንዓለምና ወሪሩ ዘሎ ሕማም ተላገብ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር ቅዱስነቶም ወግሔ ጸብሔ ብዝተፈላለየ ሓሳብ ጸሎት ነቲ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ናብ ዓለም ምሉእ ንዝዝርጋሕ ቅዳሴኦም ሎሚ ከኣ ስለ ፋርማሲስቲ ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣብ መኽፈቲ ቅዳሴ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 24.35 ዝተወስደ ኰይኑ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነቶም ብፍርሃት ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝሻቀሉ ዝነበሩ ሓዋርያት ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ ክብል መዓጹ ብዕጽው ኣብ መንጎኦም ምስ ተረኽበ ምትሓት ዝረኣዩ መሲልዎም ሰንበዱ። ኢየሱስ ከኣ ኣይትፍርሁ ኣጆኹም ኣነ እየ ክብል ምስ ኣረጋግኦም ንቅዱሳት ጽሑፋት ክርድኡ ኣእምሮኦም ከምዝኸፈተሎም ንሳቶም ከኣ ምእማን ክሳብ ዝስእኑ ብታሕጓስ ከምዝሰኸሩ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ኢቫንጀሊ ኑንስያንዲ እትብል ብዛዕባ ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌል እትዛረብ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ብምዝካር እቲ ንወንጌል ጐይታ ክንሰብኽ ዝወሃበና ዓቢ ሓይሊ ፍረ መንፈስቅዱስ ዝኾነ ሓጐስ ደስት ጐይታ ምዃኑ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ንወንጌል ብሕይወት ንክትምስክር ንቅድሚ ከም እትግስግስ ይገብረካ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።
16 April 2020, 11:06