ጐይታ ነዞም ናይ ሎሚ ይሁዳ ዝኾኑ ማፍያን ሰብ ሓረጣን ይለውጥ! ር.ሊ.ጳ

ሮቡዕ ዕለት 8 ሚያዝያ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ዘሎናዮ ኩነታትን ስለዝተፈላለዩ ሰባት ንዝጽልይዎ ብምቅጻል ኣብ ዕለቱ ብፍላይ ስለእቶም ሕልና ኣልቦ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ንኩነታትን ጸገማትን ምኽንያት ብምግባር ንክኸስቡ ጥራይ ዚሓስቡ ኣብ ዘሎና ሃገር ከም ማፍያ ዚፍለጡን ኣብ ኩሉ ካብ ድኻታት ሓረጣ እናወሰዱ ዘልቅሑን ዝብለጹን ናይ ዘመንና ከሓድቲ ይሁዳ ምዃኖም ብምግላጽ ጐይታ ነዞም ሰባት ክልውጦም ንጸሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን፡

ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ዘቅረብዎ ስብከት ንክሕደት ይሁዳ ዝምልከት ኰይኑ ሎሚ እውን ካብ ፈተውቶምን ኣዕሩኽቶምን ክብለጹን ክኸስቡን ዝደልዩ ካብ ይሁዳ ዘይሕሹ ስለዘለው ስለኦም ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ሎሚ ስለ እቶም ኣብዚ ሕሱም ግዜ ለበዳ ሕማም ብጸገም ካልኦት ዝነግዱን ንግድነቶም ብምምዝማዝ ስለ መኽሰቦም ጥራይ ዝሰርሑ ማፍያን ገንዘቦም ብሓረጣን ዘልቅሑን ካልኦት ነዚኦም ዝመስሉን ጐይታ ልቦም ክትንክፍ እሞ ክልወጡ ክንስሑ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌለ ማቴዎስ 26.14 ኰይኑ ይሁዳ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ ንኢየሱስ ከትሕዞም ክንደይ ከምዝኸፍልዎ ምስ ሓተተ ሰላሳ ቅርሺ ኢሎም ተወዓዒሉ ምስ ተመልሰ ኢየሱስ ከኣ ነርድእቱ ሓደ ካብኦም ኣሕሊፉ ክህቦም ከዝኾነ ዝገለጸሎም ክፍሊ ኰይኑ ሓዋርያት ኣነዶ ኮን ይኸውን እናበሉ በብሓደ እንክሓትዎ ይሁዳ ኣነዶ ኮን ይኸውን ምስ በለ ትብል ኣሎኻ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ሎሚ እውን እንተኾነ ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ከገልግሉ ዝደልዩ ብሕቡእ ንሰባት ዝምዝምዙ ብግዳም ክትርእዮም እዚኣ ጐዲላቶም ዘይትብሉ ጻድቃን ዝመስሉ እንተኾነ ንዝፈትውዎም ከይትረፈ ስለ መኽሰብ ዝሸጡ ኣለው። ይሁዳ ንኣርድእቲ ኢየሱስ ገዲፉ ረድኢ ዲያብሎስ ተኸታሊ ገንዘብ ክኸውን መሪጹ ኣብ ገንዘብ ጠቢቁ ናብ ክሕደት ከኣ በጺሑ። ኣብ ገንዘብ ዝጽጋዕ ንገንዘብ ዘፍቅር ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ክሕደት ይበጽሕ። እንተኾነ ኣቲ ንክትክሕድ ንክትብለጽ ዝደፋፍኣካ ዝነበረ ዲያብሎስ እውን ኣብ መወዳእታ ኣቦ ከዳዓትን ኣቦ ክድዓትን ስለዝኾነ ዝኣክል ምስ ተጻወተልካ በይንኻ ይጥንጥነካ ይክሕደካ። ስለዝኾነ ከኣ ይሁዳ ብማሕነቅቲ ይዛዝሞ። ሎሚ ከም ሎሚ ከኣ ዝተወዳደቡ ናይ ዘመና ይሁዳ ማሕበራት ፈጢሮም ዝተፈላለየ ሽም እናተዋህቦም ስለፍቅሪ ገንዘብ ክብሉ ዝኽሕዱ ኣለው እዚ ከኣ ነፍሲወከፍና ኣብዚ ፈተና እዚ ክወድቅ ስለዚከኣል ካብ ፍቅሪ ገንዘብ ንርሓቅ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ሮቡዕ ሶሙነ ሕማማት ብልማድ ሮቡዕ ክሕደት ተባሂሉ እውን ይዝከር ከመይ ክሕደት ሮቡዕ ተፈጺሙስ ጸሎተ ሓሙስ ተገሊጹ ምሸት ሓሙስ መምህር ኢሉ ብምስዓም ኣሕሊፉ ይህቦ የትሕዞ ዓርቢ ከኣ ይስቀል። ሎሚ ከም ሎሚ ብዛዕባ ንግድ ደቂሰባት እንክንሓስብ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ዝሽየጡ ዝነበሩ ባሮት ቅጅል ይብሉና ቀጺሉ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ዝፍጸም ሓንቲ ዓለት ያዚድ ቈልዓ ንዳዒሽ ክትሽየጥ ከምኡ ብብዙሕ መንገዲ ወዲሰብ ከም ኣቅሓ ክሽየጥ ክልወጥ ንርኢ ንሰምዕ ኣሎና። ወትሩ ነናይ ዘመኑ ይሁዳ ሃልዮምሲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝሸጡ ዝምዝምዙ ኣይሰኣኑን። ወረ ዝገደደ ነቶም ልዕሊኦም ክቡር ነገር ዘየለ ወለዲ ከይተረፈ ዳርጋ ምሻጦም ዘምስል ኣብ ዘይትርእዮም እንዳ ኣረገውቲ ገንዘብ ከፊልካ እንክተርሕቆምን ወደይ ጓለይ እናበሉ ከድካ ክትበጽሖም ግዜ ከምዘይብልካ ከመይ ገንዘብ ክትእክብ ክትጓየ ምርኣይ የሕዝን። እቲ ከም መግለጺ ደም ዘይብሎም ኣስሓኮ ዘየርእዩ ንጥቀመሉ `እዝስ ንወላዲቱ እውን ምሸጠ` እንብሎ ሎሚ ብዘይ ምንም ሕልናዊ ስምዒት ክግበር ክትርእዮ ዘገርምን ዘሕዝንን እዩ። መሸጣ ደቂ ሰባት ሎሚ እውን ይቅጽል ኣሎ። ከመይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዳዕዲዑ ነገሩና ንገንዘብ እውን ሓይልን ሥልጣንን ከምዝሃቦ 'ንክልተ ጐይቶት ከገልግል ዝኽእል ወላ ሓደ የሎን። ንእግዚአብሔር ንገንዘብን ክተገልግሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም` (ሉቃ 16.13)። ክልተ ጐይቶት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀውጢ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓተና ንክንመርጽ እዩ። ወይ ንእግዚኣአብሔር ምረጽ ሓራ ንክትከውን ወይውን ንገንዘብ ምረጽ ባርያ ክትከውን ይብለና ኣሎ። እዚ እቲ ንጹር ምርጫ ኰይኑ ብዙሓት ካባና ግን ንክልቲኦም ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ክነገልግል ክንብል ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኰና ንተርፍ። በዚ ከኣ ካብ ምዝመዛ ክሳብ መሸጣ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ይበጽሑ። ይሁዳ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሓሊፉ ኰይኑ ግን ዝኽተልዎ መንፈሳውያን ውሉድ ሓዲጉልና ኰይኑ ግን እዞም ተኸተልቲ ዲያብሎስ እዮም። ሕይወት ይሁዳ ከመይ ከምዝነበረ ዝርዝር ሓበሬታ የብልናን። ምናልባት ሓደ ትጉህ መንእሰይ ሓያል ሃረርታ ዝነበሮ ይኸውን ከመይ ጐይታ ከም ሓዋርያ ሓርይዎ እዩ። ንሱ ግን ነዚ ጸዋዕታ እዚ በቂዑ ኣይተረኽበን። ከምቲ ኣብ ቀድማይ ንባብ ዘንበብናዮ ናይ ሓዋርያ ኣፍስ ይኹን ናይ ሓዋርያ ልቢ ኣይነበሮን ማለት እዩ። ኣብ ሓዋርያነት ድኹም ነሩ ኢየሱስ ግን የፍቅሮ ነበረ። ኰይኑ ከምቲ ወንጌል ዝገልጾ ልቡን ሃሙን ቀልቡን ኣብ ገንዘብ ስለዝነበረ ገንዘብ ገዚእዎ ኣዕዊርዎ። ነዚ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ዘንበብናዮ ብዛዕባ እቲ ማርያም ሓውቲ ኣልኣዛር ክቡር ዋጋ ዘለዎ ሽቶ ኣብ እግሪ ኢየሱስ እንከተፍስስ ዝበሎ ተመልኪትናዮ ኢና። 'ድኻታት ኣጂቦሞ ዘይኮነስ ሰራዊ ፈታው ገንዘብ ስለዝነበረ እዩ' (ዮሓ12.6) ክብል ይገልጾ። ፍቅሪ ገንዘብ ካብ ንቡር ከምዝወጽእ ገርዎ። ብስርቂ ጀሚሩ በብቁሩብ እናሳዕረረ ብዝኸደ ፍቅሪ ገንዘብ ኣብ መወዳእታ ንመምርህሩ ንመድሓኒ ብቁሩብ ገንዘብ ብ30 ቅርሺ ክሸይጥ ተረኺቡ (ማቴ 26.4)። ብዝመስለኒ እዚ ሰብ እዚ ካብ ስምዒቱን ኣእምሮኡን ወጺኡ ነሩ። እቲ ዘገርም እዚ ኩሉ ክገብር ጐይታ 'ከሓዲ' ኢልዎ ኣይፈልጥን እንተኾነ ክከሓድ ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣታ ከዳዕ ከሓዲ ኪድ ኢልዎ ኣይፈልጥን እኳ ደኣ ኣብታ ዝተታሕዘላ ብምስዓም ዝተኻሕደላ ሁመት ከይተረፈ ዓርከይ ይብሎ። ብዛዕባ ሕይወት ይሁዳ ብዙሕ ተጻሒፉ እቲ ዝኸበደ ግን ጐይታ ኣብ ወንጌሉ 'እቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ' (ማቴ 26.24) ክብል ዘጠንቅቆ ብሓቂ ከቢድ እዩ። ጐይታ ከምዚ ክብል እንከሎ ይሁዳ ኣብ ገሃነም ኣትዩ ማለቱ ድዩ| እንድዒኸ ኣነ ነታ ኢየሱስ ዓርከይ ዝብሎ ጥራይ እርኢ። እንተኾነ ኣብዚ ዝግሃድ ብዙሓት ዘይነስተውዕለሉ ካልእ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ወንጌል ይሁዳ ምስ ቈረበ ብኡ ንብኡ ዲያብሎስ ኣብ ልቡ ኣተወ ይብል በዚ ከኣ ዲያብሎስ ደፋፊእዎ ከምዝገበረ ንግንዘብ። ፍጻሜ እቲ ታሪኽ ከመይ ኮነ እንተኢልና ዲያብሎስ ክፉእ ከፋል ደሞዝ ምዃኑ ንግንዘብ መጀመርያ ንከህርፈካ ብዙሕ ነገር የርእየካ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ተስፋ ቊርጸት ኣብጺሑ በይንኻ ይሓድገካ እሞ ኣብ ምሕናቅ ገዛእ ርእስኻ ትበጽሕ። ይዋእ ይሁዳ! እቲ ኩነት ምስ ተፈጸመ ዕረፍቲ ሕልና ይስእን ፍቅሪ ኢየሱስ የንቀጥቅጦ የዕገርግር በዚ ምስ ተዳህለ ናብቶም ንክሸጦ ዝተወዓዓሎም ተመሊሱ ኣን ንጹሕ ደም ኣሕሊፈ ሂበ ሕማቅ መዓልቲ ውዒለ ርዳኑ ክብል ከድሕንዎ እንተተማሕጸነ 'ንኣና እንታይ የእተወና ጉዳይካ እዩ' (ማቴ 27.4) ብማለት ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ይገድፍዎ ሥራሕ ዲያብሎስከስ እዚ እዩ ቀስ ብቀስ ሓቢሉ ሓባቢሉ ናብ ኣፋፈት ጥፍኣት የብጽሓካ እሞ ኣብ ተስፋ ቊርጸት ጠንጢኑካ በይንኻ ይሓድገካ። እስኪ ናባና ምልስ ንበል እሞ ናይ ዘመንና ይሁዳ እኳ ደኣ ብጉጅለታት ተወዳዲቦም ንሕዝቢ ንዝምዝምዙ ንሕሰብ። ናብቲ ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍና ኰይኑ ዝፈታተነና ንእሽቶ ይሁዳ እውን ንሕሰብ። ነፍሲወከፍና ኣብ መንጎ ጥቅምን ምትእምማንን ንመን ከም እንመርጽ ላንጋ ላንጋ ኣብ እንኾነሉ ግዜ ነሕልፎ ፈተነ ንዘክር። ነፍሲወከፍና ክንክሕድ ዓርክና ክንሸይጥ ጥቅሚ ገዛእ ርእስና ክንመርጽ ንፍተነሉ ግዝያት ኣሎ። ስለዚ ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ኣታ ንእሽቶ ይሁዳ ኣብ ልበይ ዘሎኻ ኣበይ ኣሎኻ ኢልና ረኺብና ነባርሮ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
08 April 2020, 15:48
ንኩሉ ኣንብብ >