ጐይታ ነዞም ናይ ሎሚ ይሁዳ ዝኾኑ ማፍያን ሰብ ሓረጣን ይለውጥ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን፡
ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ዘቅረብዎ ስብከት ንክሕደት ይሁዳ ዝምልከት ኰይኑ ሎሚ እውን ካብ ፈተውቶምን ኣዕሩኽቶምን ክብለጹን ክኸስቡን ዝደልዩ ካብ ይሁዳ ዘይሕሹ ስለዘለው ስለኦም ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌለ ማቴዎስ 26.14 ኰይኑ ይሁዳ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ ንኢየሱስ ከትሕዞም ክንደይ ከምዝኸፍልዎ ምስ ሓተተ ሰላሳ ቅርሺ ኢሎም ተወዓዒሉ ምስ ተመልሰ ኢየሱስ ከኣ ነርድእቱ ሓደ ካብኦም ኣሕሊፉ ክህቦም ከዝኾነ ዝገለጸሎም ክፍሊ ኰይኑ ሓዋርያት ኣነዶ ኮን ይኸውን እናበሉ በብሓደ እንክሓትዎ ይሁዳ ኣነዶ ኮን ይኸውን ምስ በለ ትብል ኣሎኻ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ሎሚ እውን እንተኾነ ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ከገልግሉ ዝደልዩ ብሕቡእ ንሰባት ዝምዝምዙ ብግዳም ክትርእዮም እዚኣ ጐዲላቶም ዘይትብሉ ጻድቃን ዝመስሉ እንተኾነ ንዝፈትውዎም ከይትረፈ ስለ መኽሰብ ዝሸጡ ኣለው። ይሁዳ ንኣርድእቲ ኢየሱስ ገዲፉ ረድኢ ዲያብሎስ ተኸታሊ ገንዘብ ክኸውን መሪጹ ኣብ ገንዘብ ጠቢቁ ናብ ክሕደት ከኣ በጺሑ። ኣብ ገንዘብ ዝጽጋዕ ንገንዘብ ዘፍቅር ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ክሕደት ይበጽሕ። እንተኾነ ኣቲ ንክትክሕድ ንክትብለጽ ዝደፋፍኣካ ዝነበረ ዲያብሎስ እውን ኣብ መወዳእታ ኣቦ ከዳዓትን ኣቦ ክድዓትን ስለዝኾነ ዝኣክል ምስ ተጻወተልካ በይንኻ ይጥንጥነካ ይክሕደካ። ስለዝኾነ ከኣ ይሁዳ ብማሕነቅቲ ይዛዝሞ። ሎሚ ከም ሎሚ ከኣ ዝተወዳደቡ ናይ ዘመና ይሁዳ ማሕበራት ፈጢሮም ዝተፈላለየ ሽም እናተዋህቦም ስለፍቅሪ ገንዘብ ክብሉ ዝኽሕዱ ኣለው እዚ ከኣ ነፍሲወከፍና ኣብዚ ፈተና እዚ ክወድቅ ስለዚከኣል ካብ ፍቅሪ ገንዘብ ንርሓቅ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።