ኣብዚ ሞት በዚሑሉ ዘሎ እዋን ስለ እቶም ኣገልግሎት ቀብሪ ዝገብሩ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ንምግላጽ ነቲ ቅዳሴ ስለ መነመን ከምዘዕርጕዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማር 16.15 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያት ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ እሞ ወንጌሉ ንኩሉ ፍጥረት ክሰብኩ ይልእኮም። ነቶም ዝኣመኑን ዝሰብኩን ዝኽተል ምልክታት ከኣ ኣጋንንቲ ብስሙ ከምዘውጽኡ ብሓዲስ ቋንቋታት ከምዝዛረቡ ኣትማን ብኢዶም እንተሓዙ እውን መርዚ ሓንቲ ከምዘይገብሮም ዋላ ስሚ እንተኣስተይዎም ከምዘይጎድኦም ንሕሙማት ኢዶም እንከምብሩሎም ከኣ ከምዚሓውዩ ይነግሮም። ነዚ ኩሉ ምስ ነገሮም ከኣ ኢየሱስ ንሰማይ ከምዝዓረገን ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣብ ከምዝተቀመጠን ዝነግር ነበር። ቅዱስነቶም ነዛ ኢየሱስ ኪዱ መሃሩ ዝበላ እምነት ናብ ኩሉ ንክትባጽሕ እተመልክት መልእኽቲ ኰይና እምነት እንተዘይተንቀሳቂሳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እንተዘይተመሓላሊፋ እምነት ኣይኮነትን ከመይ እምነት ንግልና ጥራይ ንቅበላ ኣይኮነትን። ከምኡ ንሓስብ እንተዀና እዚ ክሕደት እዩ። እምነት ክትምስከት ክትስበኽ ኣለዋ። ልዕሊ ኩሉ ብሕይወትና ክነብራ ኣሎና። ብሓቂ እምነት ዘሎዎ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ንካልኦት እዩ ዝሰብኽ እዚ ግን ንካልኦት ንክተሰድዕ ዝግበር ስብከት ዘይኮነ እምነትካ ብግብሪ ንክትምስክር ንከተገልግል ከም ክርስትያን ንክትነብር እዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ክርስትና ገለ ምባልካ ንስኻ ንባዕልኻ ክትነብሮ ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ የድሊ። ከምቲ 1ጴጥ 4.5 ብሕይወት ክንምስክር ዝምሕጸኖ ንእምነትና ብትሕትና ክነብሮን ክንሰብኮን ኣሎና ከመይ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ወትሩ ጐይታ ኣሎ ኣብ ካልእ ሰብኣዊ ነገራት ንምጕዋሕ ግን መማህራን የድልዩ። ነዛ እምነት እዚ ብክፉት ልቢ ክንቅበላን ክነብራን ክንሰብካን ጐይታ ይሓግዘና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።