ኣብዚ ሞት በዚሑሉ ዘሎ እዋን ስለ እቶም ኣገልግሎት ቀብሪ ዝገብሩ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 25 ሚያዝያ 2020 ዓም እውን ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ ከምቲ ግዜኡ ኣምጺእዎ ዘሎ ብመራኸቢ ብዙሓን ንዝከታተልዎም ስለ እቶም ኣብዚ ሕሱም ግዜ እዚ ኣገልግሎት ቀብሪ ክንዲ ኩሎም ኮይኖም ዘበርክቱ ዘለዎ ክንጽሊ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ነፍሲወከፍ ክርስትያን ሰባኬ ወንጌል ስለዝኾነ ንክተስድዕ ዘይኮነ ብክፉት ልቢ እምነትካ ምምስካርን ምስባኽን የድሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ንምግላጽ ነቲ ቅዳሴ ስለ መነመን ከምዘዕርጕዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ስለ እቶም ኣገልግሎት ቀብሪ ዘወፍዩ ብሓባር ንጸሊ። እዚ ዝገብርዎ ሥራሕ እዚ ብሓቂ ኣሰቃቅን ዘሕዝንን እዩ። ከመይ ነቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ሞትን ሕልቅቲን ንሶም እዮም ብቀረባ ዝከታተልዎን ዝሳቀዩን እሞ ስለኦም ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማር 16.15 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያት ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ እሞ ወንጌሉ ንኩሉ ፍጥረት ክሰብኩ ይልእኮም። ነቶም ዝኣመኑን ዝሰብኩን ዝኽተል ምልክታት ከኣ ኣጋንንቲ ብስሙ ከምዘውጽኡ ብሓዲስ ቋንቋታት ከምዝዛረቡ ኣትማን ብኢዶም እንተሓዙ እውን መርዚ ሓንቲ ከምዘይገብሮም ዋላ ስሚ እንተኣስተይዎም ከምዘይጎድኦም ንሕሙማት ኢዶም እንከምብሩሎም ከኣ ከምዚሓውዩ ይነግሮም። ነዚ ኩሉ ምስ ነገሮም ከኣ ኢየሱስ ንሰማይ ከምዝዓረገን ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣብ ከምዝተቀመጠን ዝነግር ነበር። ቅዱስነቶም ነዛ ኢየሱስ ኪዱ መሃሩ ዝበላ እምነት ናብ ኩሉ ንክትባጽሕ እተመልክት መልእኽቲ ኰይና እምነት እንተዘይተንቀሳቂሳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እንተዘይተመሓላሊፋ እምነት ኣይኮነትን ከመይ እምነት ንግልና ጥራይ ንቅበላ ኣይኮነትን። ከምኡ ንሓስብ እንተዀና እዚ ክሕደት እዩ። እምነት ክትምስከት ክትስበኽ ኣለዋ። ልዕሊ ኩሉ ብሕይወትና ክነብራ ኣሎና። ብሓቂ እምነት ዘሎዎ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ንካልኦት እዩ ዝሰብኽ እዚ ግን ንካልኦት ንክተሰድዕ ዝግበር ስብከት ዘይኮነ እምነትካ ብግብሪ ንክትምስክር ንከተገልግል ከም ክርስትያን ንክትነብር እዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ክርስትና ገለ ምባልካ ንስኻ ንባዕልኻ ክትነብሮ ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ የድሊ። ከምቲ 1ጴጥ 4.5 ብሕይወት ክንምስክር ዝምሕጸኖ ንእምነትና ብትሕትና ክነብሮን ክንሰብኮን ኣሎና ከመይ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ወትሩ ጐይታ ኣሎ ኣብ ካልእ ሰብኣዊ ነገራት ንምጕዋሕ ግን መማህራን የድልዩ። ነዛ እምነት እዚ ብክፉት ልቢ ክንቅበላን ክነብራን ክንሰብካን ጐይታ ይሓግዘና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ሎሚ ቤተክርስትያን ካብቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ሓደን ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቀረበን ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ዘኪራ ተብዕል። ወንጌለ ማርቆስ ብመጀመርያ ዝተጻሕፈ ወንጌል እዩ። ብቅልል ዝበለ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ንኩሉ ዝቀረበ እዩ። ሎሚ ገለ ግዜ እንተረኸብኩም ቅዱስ መጽሓፍ ወሲድኩም ንወንጌል ማርቆስ ኣንብብዎ። ነዊሕ ኣይኮነን። ብከመይ ዝበለ ገርሀይና መንገዲ ከምዝጸሓፎ ምንባቡ ደስ የብል። ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መወዳእታ ክፋል ወንጌል ማርቆስ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓንን እንኮ ወዲ እግዚአብሔርን ንሕዝበ እስራኤልን ንመላእ ዓለምን ዝተገልጸ ብሕልፊ ከኣ ንሓዋርያቱን ነርድእቱን ከምዝተገልጸ ነንብብ። ናይ መወዳእታ ምፍናው እዚ ነበረ። ንሰማይ ገጹ ይዓርግ። ኣብ የማን ኣቦኡ ይቅመጥ። ንሓዋርያት ከኣ ናብ ኩሉ ዓለም ከድኩም ንኩሉ ፍጡር ወንጌል ዝበኹ ይብሎም። ስለዚ እምነት ናይ ተልእኮ መንፈስ ኣልዎ። እምነት ምስ ተቀበልካ ብኡ ንብኡ ንካልኦት ከተካፍላ ትጐዩ። ትምስክር ካብ ሰብ ናብ ሰብ ትመሓላለፍ። ሓደ ኤውሮጳዊ ካህን ብዛዕባ ሓንቲ ከተማ ኤውሮጳ እምነት ዘይምህላው ዝገደደ ከኣ እምነት ክርስትያን ዘይምህላው እንተዝህልዎም ንሰባት መካፍልዎ እናበለ ኣዕሊሉኒ። ተልእኮ እምነት ጐዲሉ ከመይ እቲ ሱር መሠረት ዝኾነ እምነት ክርስትና ተረሲዑ። ኣብ ወረቀት መንነት ኣነ ክርስትያን እየ ክትብል ትኽእል ኰይኑ ዝምባሌኻን ናብራኻን ካልእ ምስኮነ እዚ እምነት ኣይኮነን እዚ ክርስትና ኣይኮነን። እምነት ብሓቂ እንተላ ተዓጽያ ኣይትተርፍን እያ ማዕጾኣ ክፉት እዩ ናብ ካልኦት ትሳገር። ምናልባት ተልእኮ እምነት እንተበልኩ ከምቶም ልኡካነ ወንጌል ወይውን ምስዮናውያን ናብ ርሑቅ ሃገራት ከድኩም ስበኹ ዝብል ከይመስለኩም። እምነት ማሕበራዊ ጉዳይ እውን ስለዝኾነ ብማሕበር እውን ይግለጽ እዩ ንኩሉ እዩ። እቲ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ወንጌል ንኩሉ ፍጥረት ስበኹ ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ንምስዳዕ ኣባላትኩም ንምብዛሕ ተቀዳደሙ ዘይኮነስ ብእትህቦ ምስክርነት እምነትካ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰባት ከምዝግለጽን ከምዝሰርሕን ምግባር እዩ። ኣነ ክርስትያን እየ እንተደኣ ኢለ ናብራይ ግን ካልእ እንተኾይኑ ጸገም እዩ። እንተደኣ ክርስትያን እየ እናበልኩ ብሕይወተይ ብተግባር መስኪረ እዚ ልዕሊ ማንም ስብከት ንሰባት ናብ ክርስቶስ ይስሕብ። ሓደ ግዜ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ናብ እምነት ዘይነበሮ ዪኒቨርሲቲ ዝኸይድ ዝነበረ ተማሃራያ ናብ ክርስትና ንክመልሶም እንታይ እግበር ኢሉ ይሓተኒ። ኣነ ኸኣ ዋላ ሓንቲ። ዘረባ ናይ መወዳታ ጉዳይ ኮይኑ ቅድሚኡ ብሕይወትካ ክትምስክር ኣሎካ ሽዑ ንሶም ባዕሎም ስለምንታይ ከምዚ ትነብር ክብሉኻ እዮም ከመይ እምነት ብምስክርነት እያ እትመሓላለፍ ኢለዮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነዚ እዩ ዝብለና ‘ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ’ (1ጴጥ 5.5)` ብማለት ብትሕትና እትዝራእ እምነት ወትሩ ፈራዪት ምዃና ይገልጸልና። በዚ ከኣ ንኩሉ ፍጥረት ወንጌል ክንሰብኽን ክሳብ መወዳእታ ከኣ ከምዘሰንየናን የተስፍወና። ኣብ ናይዕለቱ ወንጌል ከምዝሰማዕናዮ እውን ነቲ እምነት ዝኽተል ተኣምራታት ኣሎ። ጐይታ ንእምነትና ብግብሪ ክነብሮን ክንምስክሮን ብምስክርነትና ናብ ካልኦት ክነመሓላልፎን ጸጋኡ ይዓድለና።”

ብድምጺ ንምክታትል!
25 April 2020, 13:03
ንኩሉ ኣንብብ >