ስለ ሰበሥልጣን ጸልዩ ንድኻታት ከኣ ኣይትረስዑ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሮም ብምኽንያት ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብመስኮት ተለቪዥን ጥራይ ዝመሓላለፍ ጸሎተ መሥዋዕተ ቅዳሴን ካልእ ኣስትምህሮታትን ብምቅጻል ሎሚ ዕለት 12 መጋቢት 2020 ዓም ኣብቲ ካብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ብቀጥታ ዝተመሓላልፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ጽንኩር እዋን መራሕቲ ብጥበብ ክመርሑን ሓላፍነታዊ ውሳኔታት ንኽገብሩ መንፈስ ቅዱስ ከብርሃሎም ስለ ሰበሥልጣን ክንጽሊ ከምኡ እውን እቶም ብምኽንያት ውግእ ኣብ ፈቀዶኡ ዝርከቡ ስደተኛታትን ጽጉማትን ምናዳ ስለ ዝጠምዩ ሕጻናት ንጸሊ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ሎሚ ንራብዓይ መዓልቲ ስለ እቶም ዝሓመሙን ካልእን ንምጽላይ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ንጸሎት ብዝዕድምን ዘጸናንዕን ቃላት ዘቅርቡ ዘለው እሞ ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ከምዚ ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

“ኣብዚ ናይ ሕማም ተላገብ ለበዳ ብሓባር ስለ እቶም ሕሙማትን ቤተሰቦን ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዘለው ሕጻናትን ጸሎትና ንቀጽል። ልዕሊ ኩሉ ግና ኣነ ክምሕጸኖ ደሊየ ዘሎኹ ስለ ሰበሥልጣን ንክንጽሊ እዩ ከመይ ንሶም ብብዙሕ መልክዒ ንኩልና ከሐጒስ ዘይክእል ብዙሕ ውሳኔታት ክገብሩ ስለዝግደዱ እንተኾነ ንሠናይ ነገርና ስለዝኾነ ስለኦም ንጸሊ። ብዙሕ ግዜ ሰበሥልጣናት ዘይንርድኦምን በይኖም እንሓድጎምን ኰይኑ ስለዝስምዖም ኣብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅኑዕ ውሳኔ ንክወስዱን ብጸሎት ሕዝቦም ከምዝስነዩ ንከረጋግጹን ስለ ኣመሓደርትና ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኤር 17.5 ዝተወስደ ኰይኑ ‘እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን። ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን። ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ? ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ’ ዝብል ነበረ።

ከምኡ እውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 16.19 ኰይኑ ብዛዕባ ምሳሌ ድኻ ኣልኣዛርን ሃብታም ሰብኣይን ዝምልከት ኰይኑ እቲ ድኻ ሕሱም ናብራ ኣብዚ ምድሪ ኣሕሊፉ ምስ ሞተ ኣብ ሕቊፉ ኣብርሃም እቲ ምንም ርሕራሔ ዘይገበረሉ ዝነበረ ከኣ ኣብ ገሃነመ እሳት ኰይኖም ምስ ኣቦና ኣብርሃም ዝግበር ዘተ ዘመልክት ነበረ።

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ምስ ዘሎናዮ ኩነታትን ናብራን ማለት ኣብ ቅድሚ ዝሳቀዩን ዝጠምዩን ሕጻናትስ ይኹን ድኻታት እንታይ ገደሰኒ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ እምበር ዝብል መንፈስ ንዝዓብለሎ ኩነታትና ኣመልኪቶም ነዚ ስብከት እዚ ኣቀሪቦም።

እዚ ኢየሱስ ዘቅርበልና ዛንታ ሽሕ’ኳ በቲ ገርሀይና ኣቀራርባኡ ንቈልዑት ዝቀርብ እንተመሰለ፡ ንጹር እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዛንታ ጥራይ ከቅርበልና ኣይደለየን እንታይ ደኣ መላእ ዘመደ ኣዳም ዳርጋ ከምዚ ዓይነት ናብራ ከምዝነብር ንሕና እውን ከምኡ ከም እንነብር ተኽእሎ ከምዘሎ ክገልጸልና ደልዩ ኣዩ። ክልተ ሰባት እዮም እቲ ሓደ ጽቡቅ ክዳውንቲ ናይ ዘመኑ ኣለው ዝበሃሉ ጥበበኛታት ዘሰናድውዎ ስልማትን ኣከዳድናን ቀይሕ ሓርን ልስሉስ ክዳንን ዝለብስ እንክኸውን ዕለት ዕለት ከኣ ጥዒምዎ እንግዶት ምሳሕን ድራርን እናገበረ ዝነብር ብዛዕባ ምንም ነገር ዘይሻቀል ምናልባት ስብሒ ከይብዝሖ ብናይ ዘመንና ኣዘራርባ ኮለስተሮል ዝበሃል ሕማም ከየጥቅዖ ዚኣክል ምስ በለዔን ሰትየን ክኒና እናወሰደ ቀሲኑ ዝነበር ይረኤ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኣፍደጌኡ ሓደ ድኻ ኣልኣዛር ዝበሃል ነበረ። እቲ ሃብታም ነዚ ይፈልጥ ነሩ ማለት ኣብ ኣፍደጌኡ ሓደ ድኻ ከምዘሎ ክኣቱን ክወጽእን ይርእዮ ነሩ። እዚ ኩነት እዚ ከኣ ባህርያዊ ኰይኑ ይስምዕ ነሩ ኤእ እንታይ ይገብር ሕይወት ከምኡ እያ ባዕሉ ይፈልጥ ይብል ነሩ ይኸውን። እንተሓሰመ እንተሓሰመ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ካብቲ ርፍራፍ መኣዱ ክጽገብ ሃረር ይብል ነበረ ነዚ እውን ኣይረኸቦን። ከምዘይሓልፍ የለን ናይዞም ክልተ ሰባት ሕይወት እቲ ንደቂ ሰባት ዘይተርፍ ኩልና ብኡ ክንሳገሮ ዘሎና ምስጋር ማለት ሞት ይመጾም። እቲ ሃምታም ይመውት ኣልኣዛር እውን ይመወት። ወንጌል ከምዝብለና ኣልኣዛር ኣብ ሕጽኒ ኣብርሃም ንሰማይ ተወስደ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ግን ተቀብረ ጥራይ ይብለና። ኣርባዕተ ነጥቢ ተወደኤ።

ኣብዚ ክልተ ነገራት ክነስተንትን ንኽእል ቀዳማይ እቲ ሃብታም ሓደ ድኻ ከምዝነበረን ሽሙ ከኣ ኣልኣዛር ከምዝነበረን ይፈልጥ ግን ምንም ኣይግደሰሉን በቃ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ ኣነ ሃብታም ንሱ ድኻ ኢሉ ይሓልፎ። ምናልባት እቲ ሃብታም ምስ ድኻታት ምስ ዝጻረሩ ይወዓዓል ነሩ ይኸውን። ንኩነታት ድኻታት ኣጸቢቁ ይፈልጦ ነሩ ከመይ ግሁድ ነሩ። እታ ካልአይቲ ነጥቢ ብጣዕሚ እተሰንብድ ከኣ እታ ኣብርሃም ዝሃቦ መልሲ ማለት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዓቢ ገደል እዩ። ማለት ኣብርሃም ‘ኣብ መንጎናን መንጐኹምን ሓደ ዓቢ ገደል ኣሎ ክንራኸብ ኣይንኽእልን ካብ ሓደ ወገን ናብ ወደ ወገን ክንሳገር ኣይንኽእልን` ይብሎ። እንተኣስተውዒልና እዚ ገደል እዚ ኣብቲ ምድራዊ ሕይወት እንከለው ኣብ መንጎ እቲ ሃብታምን ኣልኣዛርን ዝነበረ ናይ ዘይምርኻብ ገደል ኰይኑ ኣብዚ ምድሪ እዚ እዚ ዝጀመረ ገደል እዩ።

እቲ ዝዓበየ ድራማ ናይዚ ሃብታም እዚ እንታይ ኮን ይኸውን ቢለ እንክሓስብ እቲ ብዛዕባ እዚ ድኻ እዚ ብዙሕ ሓበሬታ ምህላው ግንከ ብዕጽው ልቢ ምዃኑ እዩ። እቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ልቡ ይትንክፎ ኣይነበረን ምንም ክርሕርሕ ኣይከኣለን ብጸገም ካልኦት ክስምብድን ክርሕርሕን ክዋሳኣን ኣይከኣለን። ካብቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ብጌጋ ንሓደ ጸዊዑ `ኣታ በጃኻ ገለ ሃቦ’ ወይውን ካልእ ነገር ክብል ኣይከኣለን። ንልቢ ዘይትንክፍ ኣብ ልቢ ናይ ዘይወርድ ሓበሬታ ድራመኸስ እዚ እዩ። እዚ ንዓና እውን የገጋጥመና እዩ። ንኩልና! ሎሚ ከም ሎሚ ኩልና እንፈልጦ ጉዳይ ማለት ወይ ኣብ ዜና ረድዮን ተለቪዥንን ወይ ኣብ ጋዜጣ እነብቦ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዓለምና ብጥሜት ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናት ዘድሊ መሠረታዊ ሕክምና ስኢዮም ዝሳቀዩ ሕጻናት ናይ ቤትትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ሕጻናት ጉዳይ ኣሎ። በዚ ጸገም እዚ ተዋሒጠን ዘለዋ ኣህጉር ኣለው። ኩልና ንፈልጦ። ኤህ መሻኺን ኢልና ናብ ዋኒና ንኸይድ ናብራና ንቅጽል።

እዚ ሓበሬታ እዚ ናብ ልቢ ኣይወርድን ኣይስቊረናን በዚ ከኣ ብዙሓት ካባና ብዙሓት ጉጅለታት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን በዚ ምፍልላይ እዚ ማለት ኣብ መንጎ እቲ ዝሓስብዎን  እቲ ዝፍልጥዎን ዝሰምዕዎን ዓቢ ጋግ ፈጢሮም ንልቦም ካብ ኣኣምሮኦም ፈልዮም ይነብሩ። እዚ ሸለልትነት እንታይ ገደሰኒ ዝብል መንፈስ የልብሶም። መንጎ እዚ ሃብታምን ድኻ ኣልኣዛርን ዝነበረ ዓቢይ ገደል ከኣ እዚ እዩ። ዓቢ ገደል ናይ ሸለልትነት ርኢኻ ከምዘረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምዃን እዩ።

ንመጀመርያ ግዜ ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ምስ ከድኩ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝበለትኒ እዚ ዘረባ እዚኣ እያ ዓውለማዊ ሸለልትነት ዓውለማዊ እንታይገደሰኒ በሃልነት። ሎሚ ኣብዚ ከተማ ሮማ ድኳናት ተዓጽዩስ ኩሉ ይወሸብ ተባሂሉስ ምናልባት ገለ ክዕድግ ነሩኒ ክዛወር ነሩኒ ዝብል ሳህሮ ክህልወና ይኽእል። ነቶም ብጥሜት ዝሳቀዩ ሕጻንት ግን ንርስዖም ኣብ ዶባትና ዑቚባ ደልዮም ዝሳቀዩ ዘለው ስደተኛታ ሓርነት ዝደልዩ መሳኺን ካብ ጥሜትን ውግእን ዝሃድሙ ዘለው ስደተኛታ ሓጹርን መናድቅን ዝዕንቅጾም ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኰይኖም ዘለው ኣይንዝክሮምን። እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ሕጻናትን ሕሙማትን ሽማግለታትን ኣብ ቊርን ኣስሓይታን ኣብ ዶባትና ይሳቀዩ ከምዝለው ንሰምዕ ግን ንልብና ኣይትንክፎን። ስለዚ ንሕና እውን ከምቲ ናይቲ ሃምታም ሰብኣይ ኣብ ዓቢይ ገደል ናይ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ በሃልነትን ንነብር ኣሎና። ሓበሬታ ምእካብ ምፍላጥ ጥራይ በይኑ ልብና እንተዘይተንክፉ ንካልኦ ክንሕግዝ ጸገም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክስመዓና እንተዘይክኢሉ እዚ እዩ ሸለልትነት ዝበሃል። እዚ እዩ እቲ ዝፈላልየና ዓቢ ገደል ናይ ሸለልትነት ወይ እንታይ ገደስኒ በሃልነት።

ካልእ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ልብኻ ዝትንክፍ ጉዳይ ኣሎ። ናይቲ ድኻ ሽም ንፈልጦ ኢና። ኣልኣዛር ይበሃል እቲ ሃብታም ሰብኣይ እውን ይፈልጦ ነሩ ከመይ ንኣብርሃም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ናብ ኣሕዋተይ ልኣኮ ይብሎ። ሽም ናይቲ ሃብታም ግን ኣይፍለጥን። ወንጌል ስሙ ኣይነግረናን። ስም ኣይነበሮን። ስሙ ኣጥፊኡ እዩ። ዝተፈላለየ ቅጽላት ጥራይ እዩ ነርዎ ሃብታም ክኢላ ወዘተ። እዚ ከኣ ሳዕቤን ናይ ኣነነት ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ኰይኑ መንነትና ኣልዩ ስምና ደምሲሱ ብዘየውፍር ዘየእቱ ቅጽላት ዓቢ ሃብታም ክኢላ ዝብል ከንቱ ቃላት ይትክኦ፣ ሸለልትነት እንታይ ገደሰኒ በሃልነት ተገምጢሉ ናባኻ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዚ እዩ ስም ዘይብልካ ትከውን።

ሎሚ እምበአር ኣብዚ ዓቢ ገደል ናይ ዘመና ከይንወድቕ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ኩሉ እቲ ብዛዕባ ስቃይ ደቂሰባት እንሰምዖ ሓበሬታ ኣብ ልብና ዘስቊር ንልብና ተንኪፉ ንካልኦት ገለ ክንገብር እንንቀሳቀሰሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
12 March 2020, 16:53
ንኩሉ ኣንብብ >