መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ማርታ   (ANSA)

ኣምላኽና ንቀይሕ ናብ ጻዕዳ ዝልውጥ ኣምላኽ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ኩነታት ሃገረ ጣልያን ብዜና ከምትከታተልዎ ኩልኻ ኣብ ገዛ ዝብል ትእዛዝ ብጥብቒ ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘሎ እዋን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ከምዘመልከትዎ ስለ ሕሙማንን ኣለይቶምን ሽማግለታትን እሱራትን ሎሚ እውን ብቀጥታ ብቪድዮ ናብ ኩሉ ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ማርታ ኣዕሪጎም። ንካህናት ከኣ `ንሕሙማት ንምብጻሕ ትብዓት ይሃልኹም` ክብሉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ሎሚ እውን ከም ትማሊ ቅዱስነቶም `ስለ እቶም ሕሙማንን ዘገልግልዎም ኣለይትን ብዝተፈለለየ መንገዲ በዚ ለበዳ ሕማም ስለ ዝሳቀዩ ንጸሊ’ እንክብሉ ቀንዲ ሓሳብ ጸሎቶም ምስ ኣመልከቱ ናብቶም ጓሶት ነፍሳት ዝኾኑ ካህናት ዘቅነዔ መልእኽቲ ከኣ ` ስለ ካህናት ንጸሊ! ምናዳ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ንሕሙማንን ንዝኣልይዎምን ንምብቻሕ ትብዓት ምእንቲ ክረኽቡ ስለኦም ንጸሊ። ካህናት ናብ ኩሎም ሓይሊ ቃል እግዚአብሔርን ቅዱስ ቊርባንን ከብጽሑ ትሑዛት ብምዃኖም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ በዘን ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ንከስንይዎም ጐይታ ትብዓት ክህቦም ንጸሊ` ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ነቲ ትማሊ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምፍላጥን ግቡእ ኑዛዜ ምፍጻምን ዝበልዎ ዘኪሮም።

“ሓጢኣትካ እትናዘዘሉ ግዜ ኣሎ እዚ ከኣ ሓጢኣትካ ምፍላጥ እዩ። ምሥጢረ ንስሓ ክንፍጽም እንክንሰናዶ መርመራ ሕልና ዝበሃል ክንገብር ኣሎና በዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣዚአብሔር ዝኣበስናዮ ንዝክር። ሓጢኣት ከምዝገበርና ንፈልጥ። እዚ ናይ ሓጢኣት ምዝካር ከይዲ እዚ ግን ዝርዝር ሓጢኣት ሒዝካ ናብ ካህን ከድካ `በዲለ እየ` ኢልካ ንማለቱ ዝግበር ፍትሓዊ ኣይኮነን። እዚ ዳርጋ ዝርዝር ዝፈጸምካዮም ነገራት ገርካ ነየንኡ ብግቡእ ፈጺምካ ነየንኡኸ ኣይፈጸምካን ከም ማለት እዩ። ሓቀኛ ንስሓ ካብ ልቢ ክነቅል ኣብኡ ክተርፍ ኣለዎ። ክትናዘዝ ምኻድ ማለት ዝርዝር ሓጢኣት ጥራይ ምቅራብ ኣይኮነን። ሓደ ሓያል ስጒምቲ የድልየና ካብ ልብና በቲ ዝገበርናዮ ዚኣክል ጣዕሳን ጸጸትን ምግባር የድሊ። ዳንኤል ነዚ እዩ ዝገልጸልና። ትንቢት ዳንኤል ነቢይ 9 ኑዛዜ ሓጢኣት እዩ። እቲ ሕዝቢ ሓጢኣት ከምዝገበረ ይስቘሮ ይናዘዝ። ዎ ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን። ጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፣ ጐይታየ፣ በዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትና፣ ንመሳፍንትና፣ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፣ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን ኢሎም ነሮም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ንባባት ምልስ ኢሎም `ሎሚ ከኣ ጐይታ ብዛዕባ ሓጢኣትና ምስኡ ክንዛተ ክንጸባጸብ ስለዝደለ ብኢሳይያስ ነቢይ ገቢሩ ከኣ ‘ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ’ ይብለና ኣሎ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ኢሳ 1.10,15 ኰይኑ ‘ክትጽልዩ ኢልኩም ኣእዳውኩም ምስ ዘርጋሕኩም፡ ቊሊሕ ኣይብለኩምን እየ። ኣንዊሕኩም እኳ እንተጸለኹም፡ ኣይሰምዓኩምን እየ፡ ከመይ ኣእዳውኩም ደም ብምፍሳስ ረኺሰን እየን። ተነስሑ፡ ካብ ሓጢኣትኩም ተሓጸቡ፡ ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሑ! ኣብ ቅድመይ ክፉእ ምግባር ሕደጉ። ሠናይ ምግባር ተመሃሩ፡ ብቅንዕና ፍረዱ፡ ንጥቑዓት ርድእዎም፡ ንዘኽታማት ፍትሒ ኣውጽኡሎም፡ ንመበለታት ተጣበቑለን። እምበኣር ሕጂ ንዑ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብሓጢኣትኩም እኳ ከም እንተ ቔሕኩም፡ ከም በረድ ክጻዕድወኩም እየ። ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሕኩም ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክትኮኑ ኢኹም። ሕራይ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዘዝኩምንን፡ ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ኽትበልዑ ኢኹም። ምእዛዝ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ግና ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትቅተሉ ኢኹም።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዛ ንባብ እዚኣ ሕጽር ብዝበለ ሓጢኣት ከም እንሕባእ ይገብረና እግዚኣአብሔር ግና ክዛረበና ይደሊ ብማለት ገሊጾምዎ።

ሓጢኣት ከም እንሕባእ እግዚኣአብሔር ግን ክዛረበና ይደሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ መጀመርያ ፍጥረት ምልስ ይብሉ እሞ ኣቦና ኣዳምን ሔዋንን ሓጢኣት ምስ ገበሩ ቀዳመይቲ ዝገበርዋ ካብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምሕባእ ምንባሩ ዘኪሮም ንሕና እውን በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ብዝስመዓና ሕፍረት ክንሕባእ ንጽዕር ኢሎም። ሓጢኣትከስ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ነፍስና ተዓጺና ክንሕባእ ይደፋፍኣና እግዚአብሔር ግን ንዑ ደኣ ንዛተ ንማጐት ይብለና ኢሎም።

“ጐይታ ንዑስከ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ እዚ ንዛረብ ይብለና። ንዑ እስከ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ንዛተ። ብዛዕባ ኩነታትኩም እስከ እሂን ምሂን ንበል። ኣይትፍርሁ። ኣጆኻ ንዓ ቅረብ ኣይትፍራህ። ኣነ ንኩሉ ነገር ክልውጥ እኽእል እየ ኣጆኻ ኣይርፍራህ ንዓ ቅረብ ንገረኒ ትብዓት ይሃሉኻ ምስኪንነካ እፈልጦ እየ ኣጆኻ ይብለና። ንሱ ካባና ዝደልዮ ሓጢኣትና እዩ። ነዚ ተቀቢሉ ከኣ ጽድቂ ከልብሰና እዩ።”

ጐይታ ሓጢኣትና ክህንቦ ይደሊ!

ቅዱስነቶም ነዚ ንከረድኡ ታሪኽ ናይ ሓደ ቅዱስ የዘንትው። እዚ ቅዱስ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ብኩሉ ኩሉ ተስፋ ቈሪጹ ዝገበረ እንተገበረ ምንም ዕጋበት ይህቦ ኣይነበረን። ይንሳሕ ብዙሕ ተጋድሎ ይገብር ይጽሊ ይጸውም ይጋደል ኰይኑ ግን ጨሪሹ ዕጋበት ሰኣነ። ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ገዲፉ ‘ጐይታየ እንታይ እዩ ጐዲሉ ዘሎ ርድኣኒ ተሳቅየኒ እንታይ እዩ ጐዲሉ ዘሎ ግለጸለይ’ ክብል ኣበርቲዑ ምስ ጸለየ ጐይታ ብግልጸት ገሩ ሓንቲ ነገር ጐዲላ ኣላ ይብሎ። ጐይታ መሊሱለይ ኢሉ ብታሕጓስ ‘እንታይ እያ እዛ ጐዲላ ዘላ ጐይታይ` ኢሉ ደጊሙ ምስ ተማህለለ ጐይታ `ሓጢኣትካ ኣረክበኒ እዚኣ እያ ዝጐደለት` ምስ በሎ ወዮ ቅዱስ ሓጢኣቱ ኣረኪቡ ካብ ጐይታ ጽድቂ ረኸበ ኢሎም። ነዚ ከኣ እቲ ብኢሳያስ ነቢይ ገቢሩ `ሓጢኣትካ ከም ደም እኳ እንተቄሐ ከም በረድ ከጻዕድዎ እየ’ ዝብል ይምልሾ ኢሎም።

ጐይታ ከም ደም ንዝቄሐ ከም በረድ ዘጻዕዱ ኣምላኽ እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ናብራና ምልስ ይብሉ እሞ ወትሩ ካብ ጌጋ ከይንመሃር ዝተዓዘዝና ኰና ክንዲ ምስ ጐይታ ንዛረብ ምስ ገዛእ ርእስና ንዛረብ እሞ ዝገደደ ሓጢኣት ከምዘይብልና ከም ንጹሓት ባዕልና ንባልና ንፈርድ። እዚ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 23 እቲ ጐይታ ንሊቃውንቲ ሕጊ ድሕሪ ምግናሕ ነቶም ዝሰምዑ `ዝብሉኹም ግበሩ ዝገብርዎ ግን ኣይትግበሩ’ እናበለ ይገንሓና። ሊቃውንቲ ሕጊ ሰብ ንክርእየሎምን ንክንእዶምን ዘይገብርዎ ኣይነበሮምን። ነቲ ሕጊ ኣዳቂቆም ስለዝፈልጥዎ ንሶም ተኸተልቱ ምዃኑ ሰብ ከይክዕቦም ኣሎ ዝበሃል ግብዝነት ተላቢሶም ኣብ ርእሲ ምጒዓዞም ኣርዑት ንምኽባድ ድሕር ዝብሉ ኣይነበሩን።

“ኣምሰሉነት ከንቱነት ንሓቂ ልብና ስለከንቱነት ምሽፋን ከንቱነት ፈጺሙ ክፍውስ ኣይክእልን። ዝገደደ ከኣ ከንቱነት መርዛም ምዃኑ እዩ። ንልብና ከም ከውሒ የትርሮ። ከንቱነት ናብ ጐይታ ኣይትኺድ ይብል። በይንኻ ትረፍ ይብል። ከንቱነትከስ ንጻውዒት ጐይታ ጸማም እዝኒ ሂብና በይንና እንጽዕወሉ መጻወድያ እዩ። ናይ ጐይታ ዕድመ ግን እቲ ናይ ኣቦ እዩ ‘ንዓ ቅረብ ንዘራረብ ይብል። ኣብ መወዳእታ ኣነ እየ ሕይወትካ ክልውጥ ዝኽእል። ኣነ እየ ንቀይሕ ናብ ጻዕዳ ክቅይር ዝኽእል ይብለና። ነዚ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ጸሎት እዩ።”

ጸሎት ሓቀኛ ክኸውን ይኽእል!

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ቅዱስነቶም ቃል ኣምላኽ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጸልና ስለዚ ስለ ሓጢኣትና ንጸሊ ኢሎም።

ጐይታ ንሕና ነፍስወከፍና መን ምዃና ይፈልጥ እዩ። ከንቱነት ግን ነዚ ሓቂ እዚ ሸፊኑ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ክንተርፍ ይፈታተነና። ካብዚ ክንድሕን ጐይታ ይደግፈና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 March 2020, 18:20
ንኩሉ ኣንብብ >