ኣምላኽና ንቀይሕ ናብ ጻዕዳ ዝልውጥ ኣምላኽ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ሎሚ እውን ከም ትማሊ ቅዱስነቶም `ስለ እቶም ሕሙማንን ዘገልግልዎም ኣለይትን ብዝተፈለለየ መንገዲ በዚ ለበዳ ሕማም ስለ ዝሳቀዩ ንጸሊ’ እንክብሉ ቀንዲ ሓሳብ ጸሎቶም ምስ ኣመልከቱ ናብቶም ጓሶት ነፍሳት ዝኾኑ ካህናት ዘቅነዔ መልእኽቲ ከኣ ` ስለ ካህናት ንጸሊ! ምናዳ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ንሕሙማንን ንዝኣልይዎምን ንምብቻሕ ትብዓት ምእንቲ ክረኽቡ ስለኦም ንጸሊ። ካህናት ናብ ኩሎም ሓይሊ ቃል እግዚአብሔርን ቅዱስ ቊርባንን ከብጽሑ ትሑዛት ብምዃኖም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ በዘን ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ንከስንይዎም ጐይታ ትብዓት ክህቦም ንጸሊ` ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ነቲ ትማሊ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምፍላጥን ግቡእ ኑዛዜ ምፍጻምን ዝበልዎ ዘኪሮም።
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ንባባት ምልስ ኢሎም `ሎሚ ከኣ ጐይታ ብዛዕባ ሓጢኣትና ምስኡ ክንዛተ ክንጸባጸብ ስለዝደለ ብኢሳይያስ ነቢይ ገቢሩ ከኣ ‘ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ’ ይብለና ኣሎ ኢሎም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ኢሳ 1.10,15 ኰይኑ ‘ክትጽልዩ ኢልኩም ኣእዳውኩም ምስ ዘርጋሕኩም፡ ቊሊሕ ኣይብለኩምን እየ። ኣንዊሕኩም እኳ እንተጸለኹም፡ ኣይሰምዓኩምን እየ፡ ከመይ ኣእዳውኩም ደም ብምፍሳስ ረኺሰን እየን። ተነስሑ፡ ካብ ሓጢኣትኩም ተሓጸቡ፡ ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሑ! ኣብ ቅድመይ ክፉእ ምግባር ሕደጉ። ሠናይ ምግባር ተመሃሩ፡ ብቅንዕና ፍረዱ፡ ንጥቑዓት ርድእዎም፡ ንዘኽታማት ፍትሒ ኣውጽኡሎም፡ ንመበለታት ተጣበቑለን። እምበኣር ሕጂ ንዑ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብሓጢኣትኩም እኳ ከም እንተ ቔሕኩም፡ ከም በረድ ክጻዕድወኩም እየ። ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሕኩም ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክትኮኑ ኢኹም። ሕራይ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዘዝኩምንን፡ ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ኽትበልዑ ኢኹም። ምእዛዝ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ግና ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትቅተሉ ኢኹም።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዛ ንባብ እዚኣ ሕጽር ብዝበለ ሓጢኣት ከም እንሕባእ ይገብረና እግዚኣአብሔር ግና ክዛረበና ይደሊ ብማለት ገሊጾምዎ።
ሓጢኣት ከም እንሕባእ እግዚኣአብሔር ግን ክዛረበና ይደሊ!
ቅዱስነቶም ኣብ መጀመርያ ፍጥረት ምልስ ይብሉ እሞ ኣቦና ኣዳምን ሔዋንን ሓጢኣት ምስ ገበሩ ቀዳመይቲ ዝገበርዋ ካብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምሕባእ ምንባሩ ዘኪሮም ንሕና እውን በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ብዝስመዓና ሕፍረት ክንሕባእ ንጽዕር ኢሎም። ሓጢኣትከስ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ነፍስና ተዓጺና ክንሕባእ ይደፋፍኣና እግዚአብሔር ግን ንዑ ደኣ ንዛተ ንማጐት ይብለና ኢሎም።
ጐይታ ሓጢኣትና ክህንቦ ይደሊ!
ቅዱስነቶም ነዚ ንከረድኡ ታሪኽ ናይ ሓደ ቅዱስ የዘንትው። እዚ ቅዱስ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ብኩሉ ኩሉ ተስፋ ቈሪጹ ዝገበረ እንተገበረ ምንም ዕጋበት ይህቦ ኣይነበረን። ይንሳሕ ብዙሕ ተጋድሎ ይገብር ይጽሊ ይጸውም ይጋደል ኰይኑ ግን ጨሪሹ ዕጋበት ሰኣነ። ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ገዲፉ ‘ጐይታየ እንታይ እዩ ጐዲሉ ዘሎ ርድኣኒ ተሳቅየኒ እንታይ እዩ ጐዲሉ ዘሎ ግለጸለይ’ ክብል ኣበርቲዑ ምስ ጸለየ ጐይታ ብግልጸት ገሩ ሓንቲ ነገር ጐዲላ ኣላ ይብሎ። ጐይታ መሊሱለይ ኢሉ ብታሕጓስ ‘እንታይ እያ እዛ ጐዲላ ዘላ ጐይታይ` ኢሉ ደጊሙ ምስ ተማህለለ ጐይታ `ሓጢኣትካ ኣረክበኒ እዚኣ እያ ዝጐደለት` ምስ በሎ ወዮ ቅዱስ ሓጢኣቱ ኣረኪቡ ካብ ጐይታ ጽድቂ ረኸበ ኢሎም። ነዚ ከኣ እቲ ብኢሳያስ ነቢይ ገቢሩ `ሓጢኣትካ ከም ደም እኳ እንተቄሐ ከም በረድ ከጻዕድዎ እየ’ ዝብል ይምልሾ ኢሎም።
ጐይታ ከም ደም ንዝቄሐ ከም በረድ ዘጻዕዱ ኣምላኽ እዩ!
ቅዱስነቶም ናብ ናብራና ምልስ ይብሉ እሞ ወትሩ ካብ ጌጋ ከይንመሃር ዝተዓዘዝና ኰና ክንዲ ምስ ጐይታ ንዛረብ ምስ ገዛእ ርእስና ንዛረብ እሞ ዝገደደ ሓጢኣት ከምዘይብልና ከም ንጹሓት ባዕልና ንባልና ንፈርድ። እዚ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 23 እቲ ጐይታ ንሊቃውንቲ ሕጊ ድሕሪ ምግናሕ ነቶም ዝሰምዑ `ዝብሉኹም ግበሩ ዝገብርዎ ግን ኣይትግበሩ’ እናበለ ይገንሓና። ሊቃውንቲ ሕጊ ሰብ ንክርእየሎምን ንክንእዶምን ዘይገብርዎ ኣይነበሮምን። ነቲ ሕጊ ኣዳቂቆም ስለዝፈልጥዎ ንሶም ተኸተልቱ ምዃኑ ሰብ ከይክዕቦም ኣሎ ዝበሃል ግብዝነት ተላቢሶም ኣብ ርእሲ ምጒዓዞም ኣርዑት ንምኽባድ ድሕር ዝብሉ ኣይነበሩን።
ጸሎት ሓቀኛ ክኸውን ይኽእል!
ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ቅዱስነቶም ቃል ኣምላኽ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጸልና ስለዚ ስለ ሓጢኣትና ንጸሊ ኢሎም።
ጐይታ ንሕና ነፍስወከፍና መን ምዃና ይፈልጥ እዩ። ከንቱነት ግን ነዚ ሓቂ እዚ ሸፊኑ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ክንተርፍ ይፈታተነና። ካብዚ ክንድሕን ጐይታ ይደግፈና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።