መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ትሑት ልቢ ጥራሕ እዩ ዝዕምብብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 3 ታሕሳስ 2019ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ግልጸት እግዚአብሔር ኣብ ትሕትና ይጅምር። ትሕትና ክንብል ምሉእ ብምሉኡ ኣብ እግዚአብሔር ተኣማሚንካ ምንባር እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኢሳ 11.1 ‘ካብቲ ኸም ኽሩት ጒንዲ ዝኾነ ዘርኢ መንግሥቲ ዳዊት ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ እቲ ካብ ሱሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ማለት ሓድሽ ንጉሥ ኪነግሥ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ እግዚኣብሔር፡ ኪወርድ እዩ።  መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ ኪህልዎ እዩ። ንእግዚአብሔር ከኣ ኺፈልጦን ኬኽብሮን እዩ።’ ዚብል ከም እውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 10.21 ‘በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅድሱአ ደስ በሎ እሞ ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣቦይ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ለባማትን ሰዊርካ ንሕጻናት ስለ ዝገለጽካዮ ኣመስግነካ ኣሎኹ። እወ ኦ ኣቦይ ፍቓድካ ኸምኡ ስለ ዝኾነ እዩ’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነታ ንእሽቶ ትብል ቃል መበገሲ ብምግባር ቃል ኣምላኽ ንናኣሽቱ ንትሑታት ከምዝንእድ ኣዘኻኺሮም። ዕለቱ ዕለተ ናኣሽቱ ወይ ትሑታት ክንብሎ ንኽእል እውን ኢሎም። እቲ ንናኣሽቱ ዘዕምብብ ጐይታ ከኣ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ ካብ ንእሽቶ ጉንዲ እሰይ ንጉሥ ከምዝዕምብብ እዚ ዕምባባ ከኣ ንባዕሉ ንእሽቶ ኰይኑ ኣብ በዓቲ ቤተልሔም ከምዝተወልደ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ንጥበቡ ንናእሽቱን ትሑታታትን ዝገልጽ ሰማያዊ ኣቦኡ ከምስግን ሰሚዕናዮ።

“ድሕነት ግልጸትን ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ዓለምን ወትሩ ብኸምዚ እዩ ዝጅምር። ግልጸት እግዚአብሔር ብናእሽቱ ነገራት ብትሕትና ይፍጸም። ኣብ ቊጽሪ ብዘይንእትዎም ብዙሓት ናኣሽቱ ነገራት ይፍጸም። ናይ ዓለምና ዓበይቲ እንብሎም ከም ክኢላታት ይቀርቡ። ንፈተና ኢየሱስ ኣብ ምድረበዳ ንሕሰብ ሰይጣን ከም ዓቢ ክኢላ ናይ ኩሉ ዋና ኰይኑ ይቀርቦ እሞ ‘እንተሰጊድካለይ ነዚ ኩሉ ክህበካ እየ’ ይብሎ። ናይ እግዚኣአብሔር ጉዳያት ግን ካብ ናኣሽቱ ይጅምር ካብኡ ይዕምብብ! ካብ ንሽጦ ዘርኢ ይበቁል። ኢየሱስ ከኣ ብዛዕባ እዚ ትሕትና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናኣሽቱ ነገራት ይናገር። ትሕት ምስ እትብል ንእሽቶ ምስ እትኸውን ትዕምብብ ተዓቢ መንግሥቲ እግዚአብሔር ካብኡ ትውለድ።”

መንግሥቲ እግዚአብሔር ክዕምብብ እንተኾይኑ ትሕትና የድሊ!

ኣብ ወንጌል ከምዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ደስ ይብሎ ንሰማያዊ ኣቦኡ ከኣ ንዓበይትን ሓያላትን ዘይኮነ ንናኣሽቱ ጥበቡ ስለዝገለጸ የመስግን። ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ልደት ጐይታ ንምዝካር ዝግበር ባዕትታት ይዝክሩ እሞ ትሕትና እግዚአብሔር እንመሃረሉ ዓቢ መድረኽ ምዃኑ ብምዝኽካር ትሕትና እንዘተዘየለ ኩሉ ከንቱ ምዃኑ ንክገልጹ ከኣ ከምዚ ይብሉ።

“ኣብ ሓንቲ ማሕበረ ክርስትያን ምእመናንስ ይኹኑ ካህናታን ኣቡናታን ነዛ መንገዲ ትሕትና እንተዘይስዒቦም መጻኢ ዝበሃል የብሎምን ውድቀቶም ከኣ ርግጽ እዩ። ኣብ ዓበይቲ መደባት ታሪኽ ርኢናዮ ኢና። ብሓይሊ ክርስትና ከስፍሑ ዝጸዓሩ ከመይ ከምዝወደቁ ርኢና ኢና። መንግሥቲ እግዚአብሔርሲ ካብ ንእሽቶ ነገር እያ እትዕምብብ እታ ንእሽቶ ዘርኢ ከም ዘርኢ ሕይወት ትዓቢ። ኰይኑ ግን እታ ዘርኢ በይና እኽልቲ ኣይኮነትን። ከምቲ ኢሳያስ ዝብሎ መንፈስ እግዚአብሔር የድልዮ። ‘ካብቲ ኸም ኽሩት ጒንዲ ዝኾነ ዘርኢ መንግሥቲ ዳዊት ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ እቲ ካብ ሱሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ማለት ሓድሽ ንጉሥ ኪነግሥ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ እግዚኣብሔር፡ ኪወርድ እዩ።’ ይብል።”

መንፈስ ኣብ ዕቡይ ልቢ ኪኣቱ ፈጺሙ ኣይክእልን!

መንፈስ እግዚኣአብሔር ኩሉ ግዜ ንእሽቶ ወይ ትሑት እዩ ዝደሊ ከመይ ኣብ ዓበይቲ ዕቡያት ርእስና ክኢልና ኢና ኢሎም ዝጀሃሩ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ። ትሑት ልቢ ግልጸት እግዚአብሔር ብቀሊሉ ይረክብ። ሊቅነት ዝጠቅሞ የብሉን። ኩሉ ክፈልጡ ይኽእሉ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኢና ክብሉ ይኽእሉ ኰይኑ ግን ሊቅነት ንባበ መለኮት ተንበርኪኽካ ብትሕትና እምበር ብትዕቢት ስለዘይኮነ ብስም ዘጽንዑ ግልጸት ክረኽቡ ኣይክእሉን። ስለዚ ሓቀኛ ጓሳ ካህንስ ይኹን ኣቡን ር.ሊ.ጳጳሳትን ይኹን ካርዲናል ትሕትና እንተዘይተላቢሱ ጓሳ ኣይኮነን። ምናልባት ተራ ሠራሕተኛ ክኸውን ይኽእል ነዚ ከኣ ኩሉ ክገብሮ ይኽእል። እዚ ከኣ ካብቲ ዝለዓለ ሥልጣን ሃልይዎ ንርእሱ ኣድላዪ ገሩ ዝግምት ክሳብ እታ ብሕቡእ ግብረ ሠናይ እትገብር ሽማግለ ብማዕረ ይምልከት።

ትሕትና ክርስትያን ፍርሃት ወይ ምጅራቚ ኣይኮነን!

ብዙሕ ግዜ ብኣመለኻኽታ ዓለምና ብቤተክህነት እውን ከይተረፈ ነቲ ገርሀይናታት ከም ርግቢ ጐራሓት ከም ተመን ዝብል ዘይትርጉሙ እናሃበ ንትሕትና ከም ፈራህን በጅባጅን ኢሎም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምዕጻው ባህሪ ዘልብሱ ኣይሰኣኑን። ቅዱስነቶም ግን ብኣንጻሩ ትሕትና ዕቤት ንኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምንባር ልቢ ምዕባይ ዕቤት እግዚኣአብሔር ምቅዳም ምዃኑ ገሊጾም።

“ቅዱስ ቶማስ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ከምዚ ይብል። ብዓበይቲ ነገራት ኣይትደሃል። ሎሚ በዓሉ እንዝኽር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳቨርዮ እውን ይገልጸልና። ኣይትደሃል ንቅድሚት ገስግስ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነቲ ዘሎካ ናኣሽቱ ነገራት ዘክር ከመይ እዚ መለኮታዊ እዩ ይብል። ሓደ ክርስትያን ወትሩ ካብ ናኣሽቱ ነገራት እዩ ክነቅል ዘልዎ። ኣነ እንክጽሊ በቲ ዘሎኒ ድሩትነትን ሓጢኣትን ከምቲ ብሕፍረት ደኒኑ ‘ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’ እናበለ ዝጽሊ ዝነበረ መጸበሓዊ ንእሽቶ ኰይኑ እንክስመዓኒ ተዓዊተ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ኣነስ ጥዑይ ክርስትያን ኢልካ ከምቲ ናይ ፈሪሳዊ ክስመዓካ እንተጀሚሩ ጠፋእካ እብለካ። ነዚ ነገራት እዚ ብጭብጢ ከረደኣና ዝኽእል ሕጻናት እንክናስሑ እዩ።”

ሕጻናት እንክናስሑ ዘሎ ሓቂ!

ቅዱስነቶም ስብከቶም ንምዝዛም ብዛዕባ ንስሓ ሕጻናት ይዝክሩ እሞ ካብቲ ቀንዲ ደስ ዝብሎም ምዃኑ እዚ ከኣ ነታ ሓቂ ኣብኣ እንከላ ስለዝቀምጥዋ እዚ ኢለ እዚ ገረ ይብሉኻ። እዚ ከኣ ሓቀኛ ትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንእሽቶ ምዃን እዩ። ስለዚ ከም ሕጻናት ኰና ‘ኦ ጐይታ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ እዝን እዝን ከኣ ገረ! ዘቅርበልካ ሓጢኣተይ ጭንቀይ ሽግረይ እዚ እዩ። ኰይኑ ግን ኣቦየ ናይ ዓበይቲ ነገራት ፍርሂ ከይውሕጠኒ ኣብ ሕይወተይ ዓበይቲ ነገራት ንክትገብር መንፈስካ ስደድ’ ኢልና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 December 2019, 15:00
ንኩሉ ኣንብብ >