ሞትሲ ምስ ጐይታ ንተሓቋቈፈላ ስለዝኾነ ብተስፋ ክንጽበያ ኣሎና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ዘመነ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ እንጅምሮ ንሶም ከኣ ኣብ ዘመነ ምጽኣት እዮም ዝጅምርዎ። እዛ ሒዝናያ ዘሎና ሶሙን ከኣ ናይ መጨረሻ ሶሙን ዘመን ሥርዓተ ኣምልኾ ብምዃኑ ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብ ዘመነ ጳጉሜን ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መወዳእታ ፍርድን እነስተንትነሉ ናይዚ ሶሙን እዚ ኣስተንትኖ እውን ብዛዕባ ፍጻሜ ሕይወትናን ምስ ጐይታ ምርኻብናን እዩ። እቲ ብዘመነ ምጽኣት ዝፍለጥ መኽፈቲ ዘመነ ሥርዓተ ኣምልኾ ክልተ ጠመተ ዘለዎ ኰይኑ እቲ ሓደ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ብምሥጢረ ሥጋዌ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ኣቦታት ብእኖና ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ንምዝካርን ኣብ ልብና ንክ ውለድ ንኸንፍቅደሉ ንምስንዳውን እንክኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ ብክብርን ብግርማን ንምውታንን ህልዋንን ክፈርድ ዝመጸሉ ዘመነ ትጽቢት ዘዘኻኽር ኰይኑ ተሰናዲና ንክንጸንሕ ዝጽውዕ እዩ።
እዚ ፍጻሜ እዚ ክልተ መልክዕ ኣለዎ እቲ ሓደ ናይ ነፍሲወከፍና ፍጻሜ ኰይኑ በታ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሓውትና ኢሉ ዝጽውዓ ሞት ፍጻሜ ሕይወት ነፍሲወከፍና ኣብዚ ምድሪ እዚ ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ከምዘሎ እዛ ዓለም እዚኣ እትሓልፈሉ ኩሉ ሰማይን ምድርን ከምዘይነበረ ኰይኑ ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እትገሃደሉ ጐይታ ብኽብርን ብግርማን ንክፈርደና ዝመጸሉ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘ሰማይን ምድርን ኪሓልፉ እዮም እዮም ቃላተይ ግን ኣይክሓልፉን እዮም’ (ሉቃ 21.29.33) እናበለ በረስተን ሓለፍትን ምዃና ዝገልጽ።
ድኻምነት ዘመደ ኣዳም!
ቅዱስነቶም ነቲ ወትሩ ዝደጋገመልና ኰይኑ ግን ንካልኦት እምበር ንዓና ዝምልከት ዘይመስለና ‘ኩሉ ኪሓልፍ እዩ ጐይታ ግን ንዘለዓለም ይነብር’ ዝብላ ቃላት መበገሲ ብምግባር ዓቲብና ብዛዕባ ፍጻሜና ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ወከፍና ፍጻሜ ማለት ሞት ክነስተንትን እሞ ናብ ኣየንኡ ኣንፈት ኮን ከምርሕ እየ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወትዶ ወይስ ኢልና ካብ ሕጂ ግዜ ከሎና ግዜ ከይንጽበ ይምሕጸኑ። እዚ ግን ንምፍርራህ ዘይኮነ ሞት ምስ ጐይታ ገጽ ንገጽ ንረኣኣየላ ኣብ ሕቊፉ እንነብረላ መጋበሪት ስለዝኾነት ብፍርሃትን ረዓድን ዘይኮነስ ብተስፋ ክንጽበያ! መኣስ ከምእትኸውን ማንም ካባና እኳ ክፈልጣ እንተዘይከኣለ ነቲ ከም ዘለዓለማውያን ገርና ንርእስና ናይ ምግማት ፈተና ኣሸኒፍና ንሰናዶ ኢሎም።
ህውታቴ ዘለዓለማውነትን ተስፋ ጐይታን!
እዛ ድኻምነትና ዝበልናያ ናይ ኩልና ህውተታ ወይውን ሃረርታ ዘለዓለማውነት ክፍወስ ዘለዎ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ኣብ ዓዶም ዝግበር የዘንትው። እዚኸኣ ኣብ ዓዶም ከም ኣብ ካልእ ሃገራት ንቤተሰብካ ክበድ ከይከውን ወይውን ክትሕግዝ ብማለት ንቀብርኻ ዘድሊ ነገራት ኣቀዲምካ ትኸፍል። ኣብዚ ግን ሓደ ጉድ ይገሃድ እዚ ከኣ በዚ ጉዳይ እዚ ክህብትሙ ዝደልዩ ነጋዶ ተፈጢሮም። ሥርዓተ ቀብሪ ዓቢ ናይ መኽሰብ ንግድ ኰይኑ። ኣብዚ እውን እቶም በዚ ዝነግዱ ንዓኦም ከምዘይምልከት ሓሲቦም በዚ ሥራሕዚ ክህብትሙ ሒዅ ይብሉ። ኰይኑ ግን ንሶም ሓደ መዓልቲ ክሓልፉ ይዝንግዑ እሞ እታ ድኻምነት ዘለዓለማውነት ተጥቅዖም። ሞትሲ ዝበልኩም በሉ ብርግጽ ኣላ ቅዱስ መጽሓፍ የረጋግጸልና ኰይኑ ግን ጐይታ ምሳኡ እንራኸበላ ስለዝኾነ ብተስፋ የስንቃ።
ጐይታ ክመጽእ ከሎ ንክንሰናዶ ምጽላይ የድሊ!
እሞኸ ደኣ ዘይተርፍ ካብ ኮነ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ጐይታ ማዕጾ ዝኩሕኩሓላ ግዜ ምስ በጽሐት ጽቡቅ ተሰናዲና ማዕጾና ከፊትና መጺእካለይዶ ክጽበየካ ንምባል ክንበቅዕ ብርቱዕ ጸሎትን ምስንዳውን የድሊ። ነንርእስና ዘይኮነ ከኣ እቲ ሓደ ምእንቲ ካልእ ክጽሊ ወትሩ ከኣ ስንድዋት ክንከውን ከምዘድሊ ኣዘካኺሮም።