መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ንሓደ ክርስትያን ተስፋ ከምዚ እነስተንፍሶ ኣየር እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ተስፋ ‘ናይ ተስፋ ሰባት ንምዃን ወላ ናብ ማንም ከይተጸጋዕና ናብቲ ክረኽበና ዝመጽእ ጐይታ ኣተኲርና ክንጽበ የድሊ። እዚ ጠመተ እዚ እንተዘየሎ ሕይወትና ትለምስ ነገራት ኣይንቀሳቀሱን በዚ ከኣ ይምሽምሹ` እንክብሉ ተስፋ ክርስትያን ሕይወት ክንዘርኣላ ጸዊዖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ሮሜ 8:18-25 ኮይኑ ‘ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ንተስፋ ክርስትያን ብምሳሌ ንምግላጽ ኣብ ሓደ ደንደስ ሩባ ኰንካ ናብቲ ሓደ ደንደስ ከም እትዝርግሖ መልህቅ ኢሎሞ። ቀንዲ መልህቅና ዝኾነ እምነት ክርስቶስን እቲ ንሱ ዘተስፈወና ዳግም ምጽኣትን ስለዝኾነ ኣብዚኣ ኣተኲርካ ንኣኡ ክትቀባበል ለይትን መዓልትን ምጽባዩ የድሊ። ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ከጒረምርሙ ናብኡ ዝለኣኹ ሮማውያን ንቅድሚት ክጥምቱ ከምዘለዎም ናብ ክርስቶስ ከተኲሩ ይትረፍ ንሕና ለባውያን ፍጡራት እታ ተፈጥሮ እውን ንባዕላ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብዓቢ ሃንቀውታ ከምትጽበዮ የዘኻኽሮም።

“ተስፋኸስ ነዚ ግልጸት ጐይታን ምሳኡ እንራኸበሉ ግዜን ምጽባይ እዩ። ብዙሕ ሥቃያትን ጸገማትን ክህልው ይኽእሉ ኰይኑ እቲ ትትስፈው ንጽባሕ ኰይኑ ንሎሚ ዓቢ ትሕጃ ኣሎና ንሱ ከኣ እቲ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ዝጽበየና መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

ተስፋኸስ እዚ ኣብ ወጥሪ ምንባር እዚ ኰይኑ እዚ ብቀጻሊ እዩ። ኣብዚ ምድርዚ መንበሪ ክንገብር ከምዘይንኽእልን ሕይወት ክርስትያን ኣብ ወጥርን ትጽቢትን ምዃናን ምፍላጥ የድሊ። ሓደ ክርስትያን ነዚ እንተደኣ ዘንጊዑ ሕይወት ትለምስ ኩሉ ነገራት ይድስክል ኣብ ዘለዎ ደው ይብል ይምሽምሽ። ንማይ እሞ ንሕሰብ ዘይንቀሳቀስ እንተኾይኑ ይምሽምሽ። በዚ ትጽቢት እዝን በዚ ወጥሪ እዝን ዘይትንከፍ ክርስትያንከስ ከምኡ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ምናልባት ሕይወት ክርስትና ሓደ ፍልስፍና ክመስሎ ይኽእል። ኮይኑ ግን እምነት ተስፋ እንተዘይብላ እምነት ኣይኮነትን።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናኣሽቱ ነገራት ይሠርሕ!

ቅዱስነቶም ትርጉም ተስፋ ብመጠኑ ምስ ገለጹ ንክትርድኦ ግን ብጣዕሚ ከቢድ ምዃኑ ኣይሓብኡን። ብዛዕባ እምነት እንክንዛረብ ብዛዕባ ኣብ ፈጣሪና እግዚአብሔር ምእመን ብመድሓኒና ኢየሱስ ወዘተ ኰይኑ ኩሉ እቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ንደግሞ ኣሎ። ብዛዕባ ፍቅሪ እውን ከምኡ ሠናይ ነገር ምግባር መንፈሳውን ሥጋውን ናይ ምሕረት ሥርሓት ምዝውታር ክንብል ንኽእል። ብዛዕባ ተስፋ ግነ ጽንክር ይብል።

“ናይ ተስፋ ሰባት ክንከውን እንተደለና ድኻታት ፍጹማት ድኻታት ኰና ወላ ኣብ ሓደ ነገር ክንጠብቅ የብልናን። ድኻታት ግን ናብ ማዕዶ ክትሳገር ስንድው ምዃን እዩ። ተስፋ ትሕቲ እያ። እዛ ልማድ እዚ ዕለት ዕለት ክንሠርሓላ ዘሎና እያ። እዚ ከኣ ኣብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ሩባ ኰንካ ናብቲ ስግር እትዝርግሖ መልሕቅ ኰይኑ ነታ ሒዛታ ዘላ ገመድ ዕለት ዕለት ክንትክፋን ክነረጋግጽን የድሊ። ነዚ ዝሕግዘና ከኣ እቲ ከም ትሕጃ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ብናኣሽቱ ነገራት ይሠርሕ።”

ተስፋ ኣይትጠልምን እያ! ኣይተደናግርን እውን!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንተስፋን ትጽቢትን ብጽቡቅ ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብምጥቃስ ነታ ብንእሽቶ ዘርኢ ተኽሊ እትምሰል መንግሥቲ ኣምላኽ እሞ ከምቲ እታ ኦም ዓቢያ ኣዕዋፍ ሰማይ ክሳብ ዘጽላላ ብትዕግሥቲ ክንጽበ። ክሳብ መወዳእታ ዝተዓገሠ ከኣ ከምዝዕወት ገሊጾም ። ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንሕና ንዘርእ እግዚአብሔር የዕቢ ስለዚ ብትዕግሥቲ ንጸበ። ከምኡ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ንመግሥቲ እግዚኣአብሔር ብቊሩብ መባዅዕቲ ንመሰለስ ሓርጭ ዘብኩዕ ምሳሌ እውን ነቲ ዘርኢ ኣምላኽን መባዅዕትን ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ምስ እንውስኾ ከምታ ተኽልን ከምቲ ብሑቅን ክንልወጥ ንኽእል።

“ስለዚ ተስፋ ዘይትረኤ መለኮታዊት ሓይሊ ኣያ። ብውሽጢ ውሽጢ እያ እትሰርሕ። ብተስፋ ክትነብር ቀሊል ኣይኮነን ኣነ ግን ከምቲ ብዘይ እስትንፋስ ኣየር ክነብር ዘይንኽእል ብዘይ ተስፋ ክነብር ኣይንኽእልን። እዚ ርግጽነት እዚ እያ ተስፋ እትህበና ኣይተታልልን ኣይትጠልምን። እቲ ጐይታ ዚህበና መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ውሽጥና ይሰርሕ ኣሎ እሞ ብተስፋ ንጽናዕ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 October 2019, 17:25
ንኩሉ ኣንብብ >