መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ሕዝበ እግዚአብሔር ብግጉይ ሥነ ሓሳብ ከይጽሎ ጳጳስ ወትሩ ምስ መጓሰኡ ክህሉ ይግባእ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 20 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእመናን ስለ ካህናቶምን ኣቡናቶምን ክጽልዩ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ጓሶት ወትሩ ጥቃ መጓሰኦም ክህልው ነዚ ከኣ ብኣርባዕተ ኩነታት ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሎሚ ዘቅረቦ ቀዳማይ ንባብ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ሻድሻይ ምዕራፍ ኰይኑ ‘ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነዚ መሠረት ብምግባር ንሕዝበ እግዚአብሔር ካብ ከምዚ ዚኣመሰለ ግጉይ ትምህርትን ካልእ ክትዓትን ሥነ ሓሳባትን ንምሕላው ጳጳሳት ወትሩ ጥቃ ሕዝቦም ክኾኑ ኣለውዎም ኢሎም።

ጳጳሳት ቅርበቶም ኣብ ሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ቅድሚ ዝኣገረ ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ቅርበቶም ክገልጹ ከምኡ እውን ቅርበቶም ንካህናቶም ከረጋግጹ ብሳልሳይ ደረጃ ነንሕድሕዶም እውን ክቀራረቡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ መጉሶኦም ክኾኑ ኣለዎም።

ነዚ ተልእኮ እዚ ከምዝግባእ ንከይትነብር ፈተና ካብ ዝኾኑ ፍቅሪ ገንዘብን ሕሜታን ከምዝኾኑ እውን ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ ዝመኽሮ ነገራት ጠቂሶም ሓደ ኣቡን ወይ ካህን ወይውን ዲያቆን ፍቅሪ ገንዘብ ከውድቆ እንተተረኺቡ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ማለት ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ፍቅሪ ገንዘብ ናይ ኩሉ ክፍኣት ሡር እያ’ (6.10)። ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ከኣ ‘ዲያብሎስ ብጁባ ኣቢሉ እዩ ዚኣቱ ይብላ ሽማግለ ኣደታት ናይ ዘመነይ’ ኢሎም። ስለዚ ኣቡናት ጥራይ ዘይኮነ ካህናትን ዲያቆናትን እውን ካብ ፍቅሪ ገንዘብን ሕሜታን ርሒቆም ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝበ እግዚአብሔር ክርከቡ አለዎም ኢሎም።

ቀንዲ ሥራሕ ዲያቆናት ንኽገልጹ ከኣ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዝበሎ ብምድጋም ኣገልግሎት ጽጉማት ኰይኑ ሓዋርያት ግን ኣብ ጸሎትን ቃል ኣምላኽ ምስባኽን ከተኰሩ ነበረ። ቀዳማይ ሥራሕ ጳጳስ ከስ ጸሎት እዩ ከመይ ብጸሎት ሓይሊ ይረክብ ነቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ዓቢ ጸጋ እውን የስተንትን ተልእኮኡ እንታይ ከምዝኾነ እውን የስተውዕል ኢሎም።

ጸዋዕታ ጳጳስ ንብዙሕ ኣገልግሎት ስለዝኾነ ብሓይሊ ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ቅርበቱ ምስ ኣረጋገጸ ስዒባ እትመጽእ ቅርበት ከኣ ናብቶም ቀንዲ ተሓባበርቱ ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን እዩ ከመይ እቲ ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ በቶም ቀንዲ መቅርብካ እዩ ክጅምር ዘለዎ እዚኦም ከኣ ካህናትን ዲያቆናትን እዮም።

“ሓደ ኣቡን ካህናቱ ክርስዕ እንከሎ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ካህናት ‘ንአቡነይ ቈጸራ ንክህበኒ ሓቲተዮስ እታ ጸሓፊት ምሉእ ወርሒ ትሑዝ እዮም ኢላትኒ ኣነ ኸኣ ዘዘራርቦ ጉዳይ ነሩኒ’ ክብሉ ክትሰምዕ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እቲ ብሓቂ ቅርበት ዘርኢ ኣቡን ግን ሓደ ካህኑ ከምዝደወለሉ እሞ ከምዝሰኣኖ ምስ ፈለጠ እንተወሓደ ንጽባሒቱ ክድውለሉ ኣለዎ ከመይ እቲ ካህን ከምዚ ዚገብር ኣቡን እንተረኺቡ ብሓቂ ዝሓሊ ኣቦ ከምዘለዎ ክፈልጥ እዩ። ካህናት እውን ብወገኖም ነንሕድሕዶም ክፋቀሩን ክቀራረቡን ኣለዎም። ምምቅቃል ወጊድ በልዎ ከመይ ቀንዲ ሥራሕ ዲያብሎስ ንካህናት ምምቅቃል ስለዝኾነ ቤተክህነት ብጣዕሚ ክጥንቀቁ የድሊ።”

ቅዱስነቶም ሓደጋ ናይ ምምቅቃል ኣብ ጉጅለይ ጉጅለኻ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣብ ክርክራትን መቃቃሊ ሥነ ሓሳባትን ስለዘኸትል ካህናት ነንሕድሕዶም ክቀራረቡን ሓደ ክኾኑን የድሊ ኢሎም።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ ንጢሞቴዎስ ሓደራ ዝብሎ ኣዲኡን ኣደ ዓባዪን ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ካበይ ከምዝመጸን ጐይታ ካብ ክንደይ ነገራት ከምዘድሓኖን ክዝክር ይምሕጸኖ። ሕዝብኻ ኣይትረስዕ ሡር መሠረትካ ኣይትዘንግዕ ይብሎ። በዚ ኸምዝኸስ ኣቡን ይኹን ካህን ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቡ ክርከብ ኣለዎ። ሓደ ኣቡን ካብ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ክፍለ እንከሎ ምስ ኣገልግሎት ዘይራኸብ ሥነ ሓሳብ የመንጩ ንጵጵስና ክንዲ ኣገልግሎት ሽመት ጌሩ ይወስዶ። ነቲ ብነጻ ዝተቀበለ ጸጋ ጸዋዕታ ይርስዕ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ምእንቲ ጓሶቶም ክጽልዩ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ብመልክዕ ሕቶ ኣዘኻኺሮም።

“ምእንቲ ካህናትኩም ትጽልዩዶ ስለ ቆሞስኩም ስለ ምኽትል ቆሞስኩም ትጽልዩዶ ወይስ ጥራይ ሕሜታ ኢኹም ተዘውትሩ? ስለ ካህናት ስለጳጳሳት ክትጽልዩ የድሊ ከመይ ንሕና ኩልና ር.ሊ.ጳ እውን ሓደ ኣቡን ስለዝኾነ ንሕና ኩልና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክንዕቅብን ክንጥቀመሉ ኣምበር ሸለል ከይንብሎ ምእንታና ጸልዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
20 September 2019, 14:55
ንኩሉ ኣንብብ >