መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  

ንፍሽለት ኢድካ ምሃብ ዕንወት ክርስትና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 9 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ሕዝቢ እስራኤል ብድኻም ተሰኒፎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣአብሔርን ሙሴን ብምጉርምራም ዝሰዓበ መንከስቲ መርዛማት ኣትማን ብምጥቃስ ‘መንፈስ ድኻም ንተስፋ ስለዘብንን ወጊድ ንበሎ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ዘኁልቊ 21.4-9 ኮይኑ ‘ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ኩነታት ናይ ዘመንና ክርስትና ብምግንዛብ ‘ሓንሳብ ሓንሳብ ገሊኦም ክርስትያን ንፍሽለት ይመርጹ እሞ ዕሚም ክብሉ ጸሓይ ትዓርቦም! ዝገበርካ ገርካ ከተዕግቦም ኣይትኽእልን !እዚ ከኣ ዲያብሎስ ዘርኡ ክዘርኣሉ ምሩጽ ግራት እዩ። እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ታሪኽ ሕዝበ እግዚአብሔር ድኻሞም ድኻም ብድኻሙ ከኣ ተስፋ ዘቊርጽ መንፈሳዊ ድኻም ኣጥቂዕዎም ናይ ጒዕዞ ሸውሃቶምን ይኹን እቲ ካብ ባርነት ግብጺ ንክሃድሙ ዝነበሮም ተስፋ ዘብንን ድኻም ነበረ። ቀስ ብቀስ ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ንምድሪ ተስፋ ገጾም እንክጐዓዙ ኣብ ምድረበዳ ይደኽሙ። ድኻም ብድኻሙ ከኣ መንፈሳዊ ድኻም ነቲ ክክፉኡ መሪጹ ዘርኢ ነቲ ዘሎን ዝመጽእን ሠናይ ነገር ዘየርኢ ድኻም ነበረ። ንሕና እውን ከምኡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሐሕማቁ ንዕዘብ ነቲ ዝተገብረልና ሠናይ ነገራት ግን ንርስዖ።

“ኣብ ዕንወት ኣብ እንርከበሉ ግዜ ነቲ ጉዕዞ ኣይንጻወሮን ኣብ ካልእ ጣዖታት ወይውን ምጉርምራም ወይውን ካልእ ነገር መጸጋዕታ መሕብኢ ሃሰስ ንብል። እዚኣ ዋና ቊምነገርና እያ። እዚ መንፈስ ድኻም ኣባና ኣብ ክርስትያን ምስ ሓደረ ከኣ ከይዓገብና ንነበር መንፈስ ዕጋበት ምስኣን እዩ። ኩሉ ደስ ኣይብለናን! ኩሉ ሕማቅ ኮይኑ ይረኣየና። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ኣብ ሜዳ ኮይኖም ቆዚሞም ዘይበኸዩ ተላሂዮም ዘይስሕቁ ቆልዑት ንዓና ነዞም መንፈስ ዘይምዕጋብ ዝሓዘና ክርስትያን ጽቡቅ ትገልጸና። እዚ መንፈስ እዚ ንድያብሎስ ነተን እኩያት ዘርኡ ክዘርእ ምሩጽ መሬት እዩ።”

ዘርኢ ዲያብሎስ!

ገሊኦም ክርስትያን ብቀሊሉ ንፍሽለት ኢደም ይህቡ። ነዚ ከኣ ምሩጽ ግራት ንዘርኢ ዲያብሎስ ምዃኑ ከይፈለጡ እዮም ዝገብርዎ። እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም! እቲ ዘገርም ሓንሳእ ሓንሳእ እዞም ሰባት እዚኦም ወላ እቲ ሠናይ ነገር እዩ ዘፍርሆም! ምጽንናዕ የፍርሆም! ተስፋ የፍርሆም! ሓልዮት ኣምላኽ የፍርሆም እሞ ዕሚም ክብሉ ጸሓይ ትዓርቦም። እዚ ጐዲሉኒ! ናብራ ኣይኮነን እያ መዝሙሮም።

“እዚ ናይ ውሑዳት ከይመስለና ናይ ብዙሓት ክርስትያን ሕይወት እዩ። ዕሚም እናበሉ እናኣቆናጸቡን እናኣጒረምረሙን ብዘይ ምንም ዕጋበት ይነብሩ። ሕዝበ እግዚአብሔር ጒዕዞኦም ክቅጽሉ ኣይከኣሉን። ንሕና ክርስትያን እውን ብዙሕ ግዜ ጒዕዞና ምቅጻል የጸግመና። እዚ ከኣ ክንዲ ኩሉ ምስ ፍሽለት ጠቢቅና ዘይምዕጋብ ንመርጽ። እዛ ዘይምዕጋብ እዚኣ ከኣ ናይቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ተመን እታ ኣብ ገነት ኤዶም ዝጀመራ እያ። እዚ ሓደ ምልክት እዩ። እቲ ንሔዋን ዝስሓተ ተመን እዩ በብሓደ ክቆጽዮም ዝጀመረ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጦም ሒዞም ዝጐዓዙ ወትሩ ከይዓግቡ ዝነኽሶም ተመን እዩ።”

ካብ ተስፋ ምፍራህ!

እዞም ፍሽለት ዝመርጹ ንተስፋ እውን ስለዝፈርህዋ ንትንሣኤ ኢየሱስ ክጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም።

“ኣሕዋትን ኣሓትን ነዛ ሓረግ እዚኣ ጥራይ ክትዝክሩ እላበውኩም። ‘ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት’ ክርስትያን እውን ከምኡ ብመንገዲ ዓቕሊ ተጽብብ ንተስፋ ኣይጻወሩን ንምሕዋይ ኣይጻወሩን ንምጽንናዕ ኣይጻወሩ። ኣብ ዘይምዕጋብን ድኻምን ፍሽለትን ዝጠበቅና ኢና። ጐይታ ካብዚ ሕማም እዚ የናግፈና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 April 2019, 13:31
ንኩሉ ኣንብብ >