ንፍሽለት ኢድካ ምሃብ ዕንወት ክርስትና እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ዘኁልቊ 21.4-9 ኮይኑ ‘ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ኩነታት ናይ ዘመንና ክርስትና ብምግንዛብ ‘ሓንሳብ ሓንሳብ ገሊኦም ክርስትያን ንፍሽለት ይመርጹ እሞ ዕሚም ክብሉ ጸሓይ ትዓርቦም! ዝገበርካ ገርካ ከተዕግቦም ኣይትኽእልን !እዚ ከኣ ዲያብሎስ ዘርኡ ክዘርኣሉ ምሩጽ ግራት እዩ። እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ታሪኽ ሕዝበ እግዚአብሔር ድኻሞም ድኻም ብድኻሙ ከኣ ተስፋ ዘቊርጽ መንፈሳዊ ድኻም ኣጥቂዕዎም ናይ ጒዕዞ ሸውሃቶምን ይኹን እቲ ካብ ባርነት ግብጺ ንክሃድሙ ዝነበሮም ተስፋ ዘብንን ድኻም ነበረ። ቀስ ብቀስ ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ንምድሪ ተስፋ ገጾም እንክጐዓዙ ኣብ ምድረበዳ ይደኽሙ። ድኻም ብድኻሙ ከኣ መንፈሳዊ ድኻም ነቲ ክክፉኡ መሪጹ ዘርኢ ነቲ ዘሎን ዝመጽእን ሠናይ ነገር ዘየርኢ ድኻም ነበረ። ንሕና እውን ከምኡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሐሕማቁ ንዕዘብ ነቲ ዝተገብረልና ሠናይ ነገራት ግን ንርስዖ።
ዘርኢ ዲያብሎስ!
ገሊኦም ክርስትያን ብቀሊሉ ንፍሽለት ኢደም ይህቡ። ነዚ ከኣ ምሩጽ ግራት ንዘርኢ ዲያብሎስ ምዃኑ ከይፈለጡ እዮም ዝገብርዎ። እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም! እቲ ዘገርም ሓንሳእ ሓንሳእ እዞም ሰባት እዚኦም ወላ እቲ ሠናይ ነገር እዩ ዘፍርሆም! ምጽንናዕ የፍርሆም! ተስፋ የፍርሆም! ሓልዮት ኣምላኽ የፍርሆም እሞ ዕሚም ክብሉ ጸሓይ ትዓርቦም። እዚ ጐዲሉኒ! ናብራ ኣይኮነን እያ መዝሙሮም።
ካብ ተስፋ ምፍራህ!
እዞም ፍሽለት ዝመርጹ ንተስፋ እውን ስለዝፈርህዋ ንትንሣኤ ኢየሱስ ክጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም።