2018.11.08 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.08 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ምስክርነት እንክንብል ምሕረት እግዚአብሔር ንክተፍልጥ ንዝነበረ ልማድ ምቚራጽ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ምጒርምራም ክንርሕቅ ካብ ናይ ዓለምና ሥነ መጎት ውጽእ ኢልና ከኣ ብናይ ወንጌል ሥነ መጎት ክንመላለስ እሞ ካብ ግላዊ ሕይወትና ጀሚርና ኣብ ሥድራቤትናስ ይኹን ኣብ ቊምስናና ኣብ ሰበኻናስ ይኹን ማሕበረሰብና ብተግባር ክንምስክር ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ሰለስተ ቃላት ይመርጹ። ምስክርነት ምጒርምራም ሕቶ ምቅራብ ከኣ ይብሉ። ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ሎሚ ግጽው ዘቅርቦ ወንጌል ሉቃ 15.1-10 ብዛዕባ ጥፍእቲ በጊዕን፡ ጠፊኡ ዝተረኽበ ቅርሺ ብሩርን ብምስላ ይዛረብ።

““እንሆ ዂሎም ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ኪሰምዕዎ ናባኡ ቐረቡ። ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ድማ “እዚ ንኃጥኣን ይቕበል፡ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣበርቲዖም ኣጒረምረሙ። ሽዑ ከምዚ ኢሉ ነዚ ምስላ እዚ መሰለሎም፦ “ካባኻትኩም እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፡ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይኃድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይኸይድ እንታዋይ ሰብ እዩ? ምስ ረኸባ ከኣ ተሓጒሱ ኣብ መንኲቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ ነዕሩኹን ጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፡ ‘ነታ ዝጠፋእትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም። ከምኡ ከኣ ንስሓ ካብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃን፡ ብሓደ ዚንሳሕ ኃጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፣ ኣብለኩም ኣሎኹ። ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ ዓሠርተ ቕርሺ ብሩር ዘለዋ፡ ሓንቲ ቕርሺ ብሩር እንተ ጠፍኣታ መብራህቲ ዘይተብርህ፣ ቤታውን ዘይትዂስትር? ክሳዕ ዘይትረኽባ ከኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ? ምስ ረኸበታ ድማ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ ቕርሺ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ነዳኖታታ ንጐረባብታን ዘይትጽውዕ? ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ኃጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ከም ዝኸውን፣ እብለኩም ኣሎኹ።” ይብለና።”

ምስክርነት ንቤተክርስትያን የዕቢ!

ኣብዚ ምስክርነት ዚህብ ኢየሱስ ክሰምዕዎ ዝቀርቡ ከኣ መጸበሓንን ሓጥኣንን መጒረምረምቲ ከኣ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኮይኖም ይቀርቡ። ምስክርነት ንቤተክርስትያን የዕቢ! ኣብቲ ግዜ’ቲ ንዝነበሩ ሓዲስ ነገር ኮይኑ ዝቀርብ ምስክርነት ኢየሱስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ሓጢኣተኛታት ምኻድን ንለምጻማት ምትንካፍን ከምዘርክስ ኣብ ዝረኣየሉ ዝነበረ ሕብረተሰብ። ስለዚ እዮም እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ካብዚ ዝርሕቁ ዝነበሩ። ኣብ ታርኽ ዓለምና ምስክርነት ነቲ ዝምስክርስ ይኹን ነቲ ዝቅበል ምቹእ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ዝምስክሩ ብደሞም ብሰማዕትነት ይዛዝምዎ። ነቶም ሓያላን እውን ምቹእ ኣይኮነን ከመይ እታ ሓቂ ተሓቢኣ ስለዘይትሕባእ።

“ምስክርነትከስ ሓደ ልማድ ሓደ ኩነት ምቚራጽ እዩ ንዝበለጸ ምልዋጡ ኣዩ። በዚኸኣ እያ ቤተክርስትያን ወትሩ ንቅድሚት እትግስግስ። ንሰባት ዝስሕቦምከስ ምስክነት እምበር ዘረባ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ዘረባ ይሕግዝ እዩ ኮይኑ ግን ናብ ቤተክርስትያን ገጽና ዝስሕበናን ዘዕብያንሲ ምስክርነት እዩ። ኢየሱስ ከኣ ምስክርነት ይህብ። እዚ ጉዳይ እዚ ነቶም ናይ ሽዑ ሰባት ጨሪሹ ሱር ነቀላዊ ለውጢ እዩ ነሩ ከመይ ነቲ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ምሕረት እግዚአብሔር ብሓዲስ መንገዲ ይገልጾ። እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ነቲ ‘ምሕረት እምበር መስዋዕቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ንዝብል ትርጉሙ ይርድእዎ ኣይነበሩ። የንብብዎ ነሮም ግን ምሕረት እንታይ ምዃኑ ኣይርድእዎን ነሮም። ኢየሱስ ከኣ ብግብሪ እዚ ምሕረት እዚ እንታይ ምዃኑ ምስክርነቱ ይህብ። ምስክርነት ብዙሕ ግዜ ሓደ ልማድ ከምእተቋርጽ ይገብረካ ኣብ ሓደጋ እውን የውድቀካ። ከመይ ዕሚም ዝብሉ መጒረምረምቲ ስለዘይሰኣኑ። በዚ ከኣ ክንዲ ናይ ግጭት ጒዳያት ምፍታሕ ምጒርምራም ይመጽእ።”

ክንዲ ናይ ግጭት ጒዳያት ምፍታሕ ምጒርምራም!

ምስክርነት ኢየሱስ ሓደ ምጒርምራም ይፈጥር። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ሕግን ‘እዝስ ንሓጢኣተኛታት ይቅበል ምሳኦም ከኣ ይበልዕ። ረአስከ! ሕያዋይ ክመስል ያኢ ንሓጢኣተኛታት ክልውጥ ይጽዕር ኣሎ’ ከኣ ይብሉ። እዚ ከኣ እቲ ንምስክርነት ክተዕኑ ዝግበር ኣሉታዊ ነቀፈታ እዩ። እዚ ናይ ምጒርምራም ሓጢኣት ይዕበ ይንኣስ ዕለታዊ እዩ። ንምንታይ ኢልና ምስ እንሓትት ከኣ እቲ እነጒረምርመሉ ዘይሐጉሰና ነገር ክንዲ ብዘተ ክንፈትሖ እንጽዕር በቃ ዕሚም ምባል ተተሓቢእካ ምሕማይን ምጉርምራምን ምሕሹዅሻዅን ይቀለና። እዚ ከኣ ኣነጺርካ ነታ ሓቂ ቶግ ንምባላ ትብዓት ይጐድለና። እዚ ካብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ጀሚርካ ክሳብ ቊምስናታት ይድይብ።

“ኣብ ሰበኻታትከ! ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሰባኻታት ዘሎ ውድድራትን ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ሰበኻ ዘሎ ከምኡ እውን ኣብ ፖሎቲካ። እዚ ብሓቂ ሕማቅ እዩ። ሓደ መንግሥቲ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን ነቶም ተቃወምቱ ብምጉርምራም ሽሞም ከጸልም ይጅምር። እዚ ከኣ ብሕሜታን ጸለመን ይግበር። ዝገደደ ከኣ ከም እትፈልጥዎ ኣምበገናናውያን መንግሥታት ዝገበርዎ ንሓደ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢዶም ጨቢጦም ብዘይካኦም ካልእ ብጩቚ ከይብል ብሕጋታት ኣሳሲሮም በታ ናይ ብሕቶም ዝኾነት መራኸቢት ብዙሓን ከጒረምርሙ ይጅምሩ! ኣሽማት ተቀናቀንቶምን ሓደገኛታት ዝበልዎም ፍርይ ኢሎም ዝረኣዩን ብብሓደ ከካፍእዎምን ዘይሽሞም ክህብዎምን ይጅምሩ። ምጉርምራምከስ ካብ ግልና ጀሚርካ ብሥድራቤትን ቊምስናን ሰበኻን ማሕበረሰብን ዳርጋ ዕለታዊ እንጌራና እዩ ክንብሎ ንኽእል።”

ሕቶ ኢየሱስ!

ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ሕቶ ከቅርቡ ከለው ብሽርሕን ጒርሕን ኮይኑ ገለ ጌጋ እንተረኸቡ ኣጋኒኖም ክኸስዎን ካብቲ ዝህቦ ምስክርነት ከባኹርዎን እዩ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ቀረጽ ምኽፋል ድዩ ኣይኮነን ከምኡ ሰበይትኻ ምፍታሕ ግቡእ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ወዘተ። ኢየሱስ ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ “ካባኻትኩም እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፡ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይኃድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይኸይድ እንታዋይ ሰብ እዩ? ክብል ይሓቶም። ንሶም ዝርድኦም 99 ኣለዋኒ ጸሓይ ትዓርብ ኣላ ጸልማት ኮይኑ ዝብል ሓሳብ እዩ።

“እታ ዝጠፍአት ህልም ትበል ንግደፋ ከመይ ዝበዝሓ ሒዝና ኣሎና ነዚኤን ነድሕን፣ ዝብል ሓሳብ እዩ ርእይቶ ፈሪሳውያን። ከምኡ እውን ናይ ሊቃውንቲ ሕጊ። ኢየሱስ መን እዩ ካባኹም ኢሉ ክሓቶም እንከሎ ንሶም ተጻይ ናይዚ መርገጺ ወሲዶም ዝጠፍአት ከምዘይትዓጅቦም ይሓስቡ። ስለዚ ከኣ እዮም ምስቶም ሓጢኣተኛታት ክዘራረቡ ዘይደልዩ። ካብ ምስ እዚኦም ምምርሳሕ በብዘሎናዮ ንቊም ይብሉ። ኢየሱስ ክሓቶም እንከሎ ክንዮኦም ሓሊፉ ተጠንቂቁ እዩ ዝሓቶም መህደሚ ኣይገድፈሎምን። መን እዩ ካባኹም ክብሎም እንከሎ እወ ሓቂ እዩ ካብ ምባል ኣነስ ኣይምገበርክዎን ይብሉ። ስለዚ ከኣ እዮም ይቅረ ክብሉን መሓርቲ ክኾኑን ምሕረት ክቅበሉን ዘይደልዩ።”

ሥነ መጎት ወንጌል ተጻይ ሥነ መጎት ዓለም እዩ።

ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቅዱስነቶም ነተን ኣብ መባእታ ዝበልዎን ሠለስተ ቃላት ይደግምወን። ምስክርነት ወትሩ ተዅታዂ እዩ እዚ ከኣ ንቤተክርስትያን የዕቢ። እንተ ምጉርምራም ከም ጽኑዕ ሓላዊ ኣብ ጥቃና ኮይኑ እቲ ምስክርነት ከይስምዓና እሞ ከይንምለስ ይዕንቅጸና። እታ ሕቶ ኢየሱስ ከኣ ነታ ዝጠፍኤት ደሊኻ ክትረኽባን ሓጐስን በዓልን ክትገብር ትዕድም። እንተ ሊቃውንቲ ሕግን ሰዓብቶምን ግን ነቲ ታሕጓስ ወንጌል ኣይፈልጥዎን ክፈልጥዎውን ኣይደልዩን፣ ጐይታ ንሥነ መጐት ወንጌል ክንርዳእን ተጻይ ሥነመጐት ዓለም ምዃኑ ንክንፈልጥን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
08 November 2018, 16:26
ንኩሉ ኣንብብ >