ምስክርነት እንክንብል ምሕረት እግዚአብሔር ንክተፍልጥ ንዝነበረ ልማድ ምቚራጽ እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ሰለስተ ቃላት ይመርጹ። ምስክርነት ምጒርምራም ሕቶ ምቅራብ ከኣ ይብሉ። ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ሎሚ ግጽው ዘቅርቦ ወንጌል ሉቃ 15.1-10 ብዛዕባ ጥፍእቲ በጊዕን፡ ጠፊኡ ዝተረኽበ ቅርሺ ብሩርን ብምስላ ይዛረብ።
ምስክርነት ንቤተክርስትያን የዕቢ!
ኣብዚ ምስክርነት ዚህብ ኢየሱስ ክሰምዕዎ ዝቀርቡ ከኣ መጸበሓንን ሓጥኣንን መጒረምረምቲ ከኣ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኮይኖም ይቀርቡ። ምስክርነት ንቤተክርስትያን የዕቢ! ኣብቲ ግዜ’ቲ ንዝነበሩ ሓዲስ ነገር ኮይኑ ዝቀርብ ምስክርነት ኢየሱስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ሓጢኣተኛታት ምኻድን ንለምጻማት ምትንካፍን ከምዘርክስ ኣብ ዝረኣየሉ ዝነበረ ሕብረተሰብ። ስለዚ እዮም እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ካብዚ ዝርሕቁ ዝነበሩ። ኣብ ታርኽ ዓለምና ምስክርነት ነቲ ዝምስክርስ ይኹን ነቲ ዝቅበል ምቹእ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ዝምስክሩ ብደሞም ብሰማዕትነት ይዛዝምዎ። ነቶም ሓያላን እውን ምቹእ ኣይኮነን ከመይ እታ ሓቂ ተሓቢኣ ስለዘይትሕባእ።
ክንዲ ናይ ግጭት ጒዳያት ምፍታሕ ምጒርምራም!
ምስክርነት ኢየሱስ ሓደ ምጒርምራም ይፈጥር። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ሕግን ‘እዝስ ንሓጢኣተኛታት ይቅበል ምሳኦም ከኣ ይበልዕ። ረአስከ! ሕያዋይ ክመስል ያኢ ንሓጢኣተኛታት ክልውጥ ይጽዕር ኣሎ’ ከኣ ይብሉ። እዚ ከኣ እቲ ንምስክርነት ክተዕኑ ዝግበር ኣሉታዊ ነቀፈታ እዩ። እዚ ናይ ምጒርምራም ሓጢኣት ይዕበ ይንኣስ ዕለታዊ እዩ። ንምንታይ ኢልና ምስ እንሓትት ከኣ እቲ እነጒረምርመሉ ዘይሐጉሰና ነገር ክንዲ ብዘተ ክንፈትሖ እንጽዕር በቃ ዕሚም ምባል ተተሓቢእካ ምሕማይን ምጉርምራምን ምሕሹዅሻዅን ይቀለና። እዚ ከኣ ኣነጺርካ ነታ ሓቂ ቶግ ንምባላ ትብዓት ይጐድለና። እዚ ካብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ጀሚርካ ክሳብ ቊምስናታት ይድይብ።
ሕቶ ኢየሱስ!
ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ሕቶ ከቅርቡ ከለው ብሽርሕን ጒርሕን ኮይኑ ገለ ጌጋ እንተረኸቡ ኣጋኒኖም ክኸስዎን ካብቲ ዝህቦ ምስክርነት ከባኹርዎን እዩ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ቀረጽ ምኽፋል ድዩ ኣይኮነን ከምኡ ሰበይትኻ ምፍታሕ ግቡእ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ወዘተ። ኢየሱስ ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ “ካባኻትኩም እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፡ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይኃድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይኸይድ እንታዋይ ሰብ እዩ? ክብል ይሓቶም። ንሶም ዝርድኦም 99 ኣለዋኒ ጸሓይ ትዓርብ ኣላ ጸልማት ኮይኑ ዝብል ሓሳብ እዩ።
ሥነ መጎት ወንጌል ተጻይ ሥነ መጎት ዓለም እዩ።
ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቅዱስነቶም ነተን ኣብ መባእታ ዝበልዎን ሠለስተ ቃላት ይደግምወን። ምስክርነት ወትሩ ተዅታዂ እዩ እዚ ከኣ ንቤተክርስትያን የዕቢ። እንተ ምጉርምራም ከም ጽኑዕ ሓላዊ ኣብ ጥቃና ኮይኑ እቲ ምስክርነት ከይስምዓና እሞ ከይንምለስ ይዕንቅጸና። እታ ሕቶ ኢየሱስ ከኣ ነታ ዝጠፍኤት ደሊኻ ክትረኽባን ሓጐስን በዓልን ክትገብር ትዕድም። እንተ ሊቃውንቲ ሕግን ሰዓብቶምን ግን ነቲ ታሕጓስ ወንጌል ኣይፈልጥዎን ክፈልጥዎውን ኣይደልዩን፣ ጐይታ ንሥነ መጐት ወንጌል ክንርዳእን ተጻይ ሥነመጐት ዓለም ምዃኑ ንክንፈልጥን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።