ምሥጢራት ቤተክርስትያን ንምዕዳል ዝርዝር ዋጋ ክግበር የብሉን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብ312 ዓም ኣቢሉ ኮስታቲኖ ናብ ክርስትና ምስ ተመልሰ ንበዓልቲ ቤቱ ኢሉ ኣብ ላተራነንሰ ሓኒጽዎ ንዝነበረ ኣደራሽ ንር.ሊ.ጳ ሚልዝያደ እንከወፍዮ ብ320 ከኣ ቤተክርስትያን ተሃንጸት ናይ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ኣደውን ኮነት። ዕለት 9 ሕዳር 324 ብር.ሊ.ጳ ሲልቨስትሮ ከም ባዚሊካ መድኃኔ ዓለም ተባረኸት። ኣብ መበል 12 ክፍለዘመን ከኣ መካነ ምጥማቅ ተሃኒጹ ብስም ዮሓንስ መጥምቅ ተባረኸ። እቲ ባዚሊካ ዘቅዱስ ዮሓንስ ላተራነንሰ ዝብል ስም እውን ነዚ ስዒቡ እዩ። ንልዕሊ ዓሠርተ ዘመናት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መንበሪኦም ኣብኡ ነበረ። 250 ዝኾኑ ጉባኤታት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ተኻየደ። ካብዚአን ሓሙሽተ ጉባኤታት ጥራሕ እየን ኢኩመኒካው ዝኾና። ብባርዕ ሓውን ብውግእን ብዙሕ ዓንያን ተጐዲኣን ስለዝነበር ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶ መበል 13 ዳግም ተሃኒጻ ብ1726 ዓም ተባረኸት።
ዓመት መጸ ከኣ ብጎርጎርዮሳዊ ባሕረ ሓሳብ ዕለት 9 ሕዳር ዝክረ በዓል ናይዚ ወፈያ ይግበር። ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ኩሉ ታሪኽን ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌልን መበገሲ ብምግባር ‘ኣብያተ ክርስትያናትና ገዛ እግዚአብሔር እምበር ቤተ ሸቀጥ ወይውን ብዓለማዊ መንገስ ናይ ዝተዓብለሉ መቃምጦ ኣይኹና’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ዮሓ 2.13.22 ተመልኪቱ ዘሎ ጐ.ኢ.ክ ነቶም ኣብ ቤተመቅደስ ዝሸጡን ዝሽቅጡን ዝነበሩ ብጭጉራፍ ከባርሮምን ቤት ኣቦኡ ቤተጸሎት እምበር በዓቲ ጐሓላሉ ከምዘይኮነ ዝገልጸሉ ሎሚ እውን ኣብያተ ክርስትያናትና ክጸርያ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም፣ ወልደ እግዚአብሔር ነዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ብቅንኣት ቤተ ኣቦኡ ተላዓዒሉ ስለ ፍቅሪ ኢሉ ነታ ኣብ ማእከል ንግድ ተለዊጣ ዝነበረት ቤተመቅደስ ከጽሪ ደልዩ እዩ።
ኣምልኾ ጣዖት ባሮት እዩ ዝገብረና!
ጐይታና ኢየሱስ ኣብቲ መቅደስ ክኣቱ እንከሎ ኣብዑርን ኣባግዕን ርግቢትን ዝሸጡን ገንዘብ ዘሽርፉን ምስ ረኣየ እቲ ኣምልኾ እግዚአብሔር ክግበረሉ ዝነበረ ቦታ ኣምልኾ ጣዖት ዝካየደሉ ደቂ ሰባት ንሰልዲ ክብሉ ኩሉ ክገብሩ ከዝኽእሉ ምስ ረኣየ ኣምልኾ ንዋይ ክሳብ ክንደይ ሕሱም ምዃኑ ይዕዘብ። ጣዖት ኩሉ ግዜ ብኣዋርቅ እዮም ዝስርሑ። ጣዖት ከኣ ናብ ባርነት እዩ ዝወስድ።
ኣብያተ ክርስትያንት ቤት ንግድ ኣይኹና!
ቅዱስነቶም ኣተሓሳስባ ዓለም ኣብ ኣብያተክርስትያን ከይስዕርር ካብዚ ፈተና እዚ ክንጥንቀቅ የዘኻኽሩ።
ቤተጸሎት ልቢ!
ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ካብ 1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 3 ከኣ “ከመይ ንሕና መተዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፣ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ ኢኹም፡ ሕንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ኣነ ከምቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ክኢላ ሓናጺ ኾይነ መሠረት ሠረትኩ፡ ሓደ ካልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሓንጽ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ከስ ከመይ ገይሩ ከም ዝሓንጽ ይጠንቀቕ። ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ኪሥርት ዚኽእል ሓደ ኣኳ የልቦን። . . . ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈጡን ኢኹም? ሓደ ኣኳ ነታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፣ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።` ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ መቅደስ ልቢ ቤተጸሎት ልቢ ይብልዎ እሞ እዚ እውን ንኣብያተክርስትያን ዝተባህለ ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣምልኾ ንዋይን ክነጽሕ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።