2018.11.09 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.09 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ምሥጢራት ቤተክርስትያን ንምዕዳል ዝርዝር ዋጋ ክግበር የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 9 ሕዳር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ኣብ ዕለቱ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓለ ወፈያ ባዚሊካ ዘላተራነዘ መበገሲ ብምግባር ንቤተመቅደስ ናይ ምጽራይ ዝብል ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ ኲልና ኣብያተክርስትያናትና ክነንጽሕ ዓዲሞም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብ312 ዓም ኣቢሉ ኮስታቲኖ ናብ ክርስትና ምስ ተመልሰ ንበዓልቲ ቤቱ ኢሉ ኣብ ላተራነንሰ ሓኒጽዎ ንዝነበረ ኣደራሽ ንር.ሊ.ጳ ሚልዝያደ እንከወፍዮ ብ320 ከኣ ቤተክርስትያን ተሃንጸት ናይ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ኣደውን ኮነት። ዕለት 9 ሕዳር 324 ብር.ሊ.ጳ ሲልቨስትሮ ከም ባዚሊካ መድኃኔ ዓለም ተባረኸት። ኣብ መበል 12 ክፍለዘመን ከኣ መካነ ምጥማቅ ተሃኒጹ ብስም ዮሓንስ መጥምቅ ተባረኸ። እቲ ባዚሊካ ዘቅዱስ ዮሓንስ ላተራነንሰ ዝብል ስም እውን ነዚ ስዒቡ እዩ። ንልዕሊ ዓሠርተ ዘመናት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መንበሪኦም ኣብኡ ነበረ። 250 ዝኾኑ ጉባኤታት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ተኻየደ። ካብዚአን ሓሙሽተ ጉባኤታት ጥራሕ እየን ኢኩመኒካው ዝኾና። ብባርዕ ሓውን ብውግእን ብዙሕ ዓንያን ተጐዲኣን ስለዝነበር ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶ መበል 13 ዳግም ተሃኒጻ ብ1726 ዓም ተባረኸት።

ዓመት መጸ ከኣ ብጎርጎርዮሳዊ ባሕረ ሓሳብ ዕለት 9 ሕዳር ዝክረ በዓል ናይዚ ወፈያ ይግበር። ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ኩሉ ታሪኽን ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌልን መበገሲ ብምግባር ‘ኣብያተ ክርስትያናትና ገዛ እግዚአብሔር እምበር ቤተ ሸቀጥ ወይውን ብዓለማዊ መንገስ ናይ ዝተዓብለሉ መቃምጦ ኣይኹና’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ዮሓ 2.13.22 ተመልኪቱ ዘሎ ጐ.ኢ.ክ ነቶም ኣብ ቤተመቅደስ ዝሸጡን ዝሽቅጡን ዝነበሩ ብጭጉራፍ ከባርሮምን ቤት ኣቦኡ ቤተጸሎት እምበር በዓቲ ጐሓላሉ ከምዘይኮነ ዝገልጸሉ ሎሚ እውን ኣብያተ ክርስትያናትና ክጸርያ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም፣ ወልደ እግዚአብሔር ነዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ብቅንኣት ቤተ ኣቦኡ ተላዓዒሉ ስለ ፍቅሪ ኢሉ ነታ ኣብ ማእከል ንግድ ተለዊጣ ዝነበረት ቤተመቅደስ ከጽሪ ደልዩ እዩ።

ኣምልኾ ጣዖት ባሮት እዩ ዝገብረና!

ጐይታና ኢየሱስ ኣብቲ መቅደስ ክኣቱ እንከሎ ኣብዑርን ኣባግዕን ርግቢትን ዝሸጡን ገንዘብ ዘሽርፉን ምስ ረኣየ እቲ ኣምልኾ እግዚአብሔር ክግበረሉ ዝነበረ ቦታ ኣምልኾ ጣዖት ዝካየደሉ ደቂ ሰባት ንሰልዲ ክብሉ ኩሉ ክገብሩ ከዝኽእሉ ምስ ረኣየ ኣምልኾ ንዋይ ክሳብ ክንደይ ሕሱም ምዃኑ ይዕዘብ። ጣዖት ኩሉ ግዜ ብኣዋርቅ እዮም ዝስርሑ። ጣዖት ከኣ ናብ ባርነት እዩ ዝወስድ።

“እዚ ፍጻሜ እዚ ቀልብና ይስሕብ ኣብያተ መቅደስና ኣብያተ ክርስትያናትና ከመይ ኣለው ኢልና ንክንሓስብ እውን ይደፋፍእና። ብሓቂዶ ቤተእግዚአብሔር ኮይኖም ኣለው። ብሓቂዶ ቤተጸሎት ምስ እግዚአብሔር እትራኸበሉ ቤት ኮይኖም ኣለው። ካህናትከ ነዚ ኣገልግሎት እዚዶ የተባብዑ ወይውን ከምቶም ነጋዶ ኢየሱስ ካብ ቤተመቅደስ ዘባረሮም ይዓዩ። ዘይፈልጦ ከይመስለኩም እፈልጦ እየ። ሓንሳብ ሓንሳብ ብኣካል ዘጋጠመኒ ብዓይነይ ዝረኽዎ ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ሮማ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝርዝር ዋጋ ምሥጢራት ርእየ ሕምም ኢለ። ኮይኑ ግን ከመይ ኢልካ ንምሥጢራት ክፍሊት ይሕተት! ምናልባ መባእ ክሕተት ይከኣል። ነቲ መባእ እውን ከወፍዩ እንተደልዮም ኣብቲ ሙዳየ መባእ ብሕቡእ የቀምጥዎ እምበር ክንደይ ከምዘወፈዩ ማንም ክፈልጦ የብሉን። ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ሓደጋ እዚ ኣሎ። ምናልባት ንቤተክርስትያን መካየዲ የድልየና እዩ ትብሉ ትኾኑ! ርግጽ እው የድሊ። ነዚ ግን እቶም ምእመናን ክግብርዎ ኣለዎም። ካብቲ ኣብ ሙዳየ መባእ ዝወደቀ መባእ እምበር ብዝርዝር ዋጋ ኣይኮነን።”

ኣብያተ ክርስትያንት ቤት ንግድ ኣይኹና!

ቅዱስነቶም ኣተሓሳስባ ዓለም ኣብ ኣብያተክርስትያን ከይስዕርር ካብዚ ፈተና እዚ ክንጥንቀቅ የዘኻኽሩ።

“ብዛዕባ ኣተዓዳድላ ገለ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ወይ ንዝኽሪ ዝግበር ነገራት እሞ ንሕሰብ! ኣብ ገሊኡ ምስ ኣቶኻ ቤት ኣምልኾ ድዩ ዓለማዊ ኣደራሽ ምቾት ምርዳኡ ትስእን! ገሊኡ ሥርዓታት ዓለማዊ ኣገባብ ዝሓዙ ትርኡ። ርግጽ እዩ ሥርዓተ ኣምልኾ ጽቡቅ ክኸውን ኣለዎ ኮይኑ ግን ዓለማዊ መንፈስ ክለብስ የብሉን ከመይ ዓለማዊ መንፈስ ንኩሉ ብዓይኒ ገንዘብ እዩ ዝመዝኖ። እዚ ከኣ ኣምልኾ ንዋይ ጭው ዝበለ ኣምልኾ ጣዖት እዩ። እዚ ከተሓሳስበና ኣለዎ። ከምቲ ኢየሱስ ብቅንዓት ቤትኣቦኡ ገለ ዝገበረ ንሕና ብዛዕባ ኣብያተ ክርስትያንትናን ዝግበአን ክብረን ንክለብሳ እሞ ቤተእግዚአብሔር ንክኾና ዝከኣለና ነበርክት።”

ቤተጸሎት ልቢ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ካብ 1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 3 ከኣ “ከመይ ንሕና መተዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፣ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ ኢኹም፡ ሕንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ኣነ ከምቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ክኢላ ሓናጺ ኾይነ መሠረት ሠረትኩ፡ ሓደ ካልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሓንጽ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ከስ ከመይ ገይሩ ከም ዝሓንጽ ይጠንቀቕ። ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ኪሥርት ዚኽእል ሓደ ኣኳ የልቦን። . . . ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈጡን ኢኹም? ሓደ ኣኳ ነታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፣ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።` ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ መቅደስ ልቢ ቤተጸሎት ልቢ ይብልዎ እሞ እዚ እውን ንኣብያተክርስትያን ዝተባህለ ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣምልኾ ንዋይን ክነጽሕ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ኣየናይ እዩ ሓጢኣትካ ኢለ ኣይሓትትን እንታይ ደኣ ኣየናይ እዩ ሓጢኣተይ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ክሓትት ንስኻውን ከምኡ ክትገብር ኣብ ውሽጥኻ ሓደ ጣዖት ኣሎዶ! እቲ ጐይታ ሰልዲ ዝበሃል! ንዋይ! ምኽንያቱ ኣብ ልብኻ ሓጢኣት እተልዩ እቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔ ኣሎ ክምሕረካ ከኣ ናብኡ ኪድ። እንተ ኣምልኮ ንዋይ ኮይኑ ግን እዚ ጸገም እዩ። ኣብ ኣምልኾ ንዋይ ተጸሚድካ ኣሎኻ። ሓጢኣተኛ ዘይኮነስ ኣብ ብልሽውና ኢኻ ዘሎኻ። ናይ ብልሽውና ወይ ሙስና ሕመረት ከስ ኣምልኾ ንዋይ ኮይኑ ንነፍስኻ ንገንዘብ ንሥልጣን ሸጥካ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 November 2018, 18:07
ንኩሉ ኣንብብ >