ቅዱስ ኣቦና፥ ሕዳሴ ወንጌል ድርብ ወይ ማንታ ሕይወት ዘይቅበል እዩ
ኣብ መንጐ እቲ ዓለም ዘቕርቦን ክርስቶስ ዘምጽኦን ሕዳሴን ዓቢይ ፍልልይ ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ወንጌል ሰብ ብምሉእ ዝልውጥን ምስሉይነት ዘይቅበልን እዩ፡ መገዲ ክርስትና ሰማዕትነት እምበር ኣብ ክጥዕመኒ ዝብል ኣይኰነን ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 5፡ 1-8፡ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6፡ 6-11 ኣሞርኵይዞም፥ “ኣሕዋተይ! ኣብ ኣረመን እኳ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ነውራም (ኢግብረ ገባዊ ሕይወት) ኣብ ማእከልኩም ኣሎ” ንስኻትኵም ክርስቲያን እንከለዅም ከምዚ ኢዅም ትነብሩ እንክብል ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ድርብ ወይ ማንታ ሕይወት ንዝነብሮ ክርስቲያን ብዙሕ ተቖጢዑ ይዛረብ፡ ክፉታት ዝተፈላለየ ሓሳብ ንዘእንግዱን ክርስቲያን ብምዃኖም ንዝሕበኑን፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ነውራም ወይ ኢግብረ ገባዊ ሕይወት ምንባር ዘይጣመር እዩ፡ “ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ኣጽሪዅም ደርብይዎ፡ ሓድሽ መባዅዕቲ ተቐበሉ” እዩ ዝብል።
ወንጌል ሕይወት ብምልኣት እዩ ዝልወጥ
ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛምርቱ፡ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ቢሉ እዩ ዝምዕዶም፡
ናይ ወንጌል ሕዳሴን ናይ ዓለም ሕዳሴን
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ናይ ቆሮንጦስ ማሕበረ ክርስቲያን፡ እቲ ርእየተ ዓለም ወይ ከኣ ናይ ረሲኣን ኣገባብ ማሕበራዊ ሕይወት ዘይኰነስ ኵለንተናዊ ሕዳሴ ዝዀነ ወንጌላውነት ዘይተረደኦም እዮም ዝመስሉ ዝነበሩ፡ ናይ ወንጌል ሕዳሴ እቲ ኣብ ሕይወትና መታን ከሰንየና መንፈስ ቅዱስ ዝለኣኸልና ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ እዩ፡ ኣንሕና ክርስቲያን ናይ ሕዳሴ ሰብ እምበር፡ ናይ ሕዳሴታት ሰባት ኣይኰናን፥
ድኻምነትካ ምቕባልን ምስሉይነት ግና ኣይፋል
ቅዱስ ጳውሎስ ዘውግዞም ሰባት እቶም ኣይ ውዑን ኣይ ዝሑልን ዝዀኑ ማለት ዝሁማት ዝኾኑ እዩ፡ ነውራማት ዝዀኑ ( … ) ተምያናትን … ቀጥዓውያንን ምስሉያትን የውግዝ፡ “ናይ ክርስቶስ ጸዋዕታ ናይ ሕዳሴ ጸዋዕታ እዩ”፡
ክርስቶስ ናይ ዝስዕብ መገዲ ሰማዕትነት እዩ
ኢየሱስ ክስዕቦ ንዝደልይ ኣየሕፍርን ኣየደናግርን ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ናይቶም ናይ ክርስቶስ ሕድሴ እንተዘይኰነ ካልእ ሕዳሴታት ክነብሩ ናይ ዘይደልዩ መገዲ እንታይ ዓይነት መገዲ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ሎሚ ዝተነበ ወንጌል መምሃራን ሕግን ፈሪሳውያንን በቲ ኢየሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ነደሩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እንታይ ከም ዚገብርዎ ኣብ ልዕሊኡ ተማኸሩን ክቐትልዎ ድማ ወሰኑ፡ ስለዚህ እቶም ናይ ክርስቶስ ሕዳሴ ዝቕበሉን ዝስዕቡን መገዲ ሰማዕትነት እዩ፡ ሰማዕትነት ከበሃል እንከሎ ናይ ደም ሰማዕትነት ማለት ጥራሕ ኣይኰነ፡ ናይ ክርስቶስ ሕዳሴ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እውን ምንባር ማለት እዩ፡ ካብቲ ዓቢይ ከሳሲና እቲ ከሰስትና ካብ ዘለዓዕል ንጠንቀቕ፡ ምስ ሕዳሴታት ኣይንዋገይን ምዝታይ እውን ኣይንምረጽ፡ ወንጌል ብዅለመናኡ ማይ ዘእትው ኣይንገበሮ ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።