2018.06.18-መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅዱስት ማርታ 2018.06.18-መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅዱስት ማርታ  (Vatican Media)

ምልካዊ ሥርዓታት ሰባት ንክጥቅኑ ናይ ሓሶት ወረ እናነዝሑ እዮም ዝጅምሩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅዱስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣዕናዊ ዝኾነ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ክእለትን ኣስዳዒ ዝኾነ ዕንቅፋቱን ንምርዳእ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ንዝተገብረ ስደት ዕብራውያን ምዝካር ይኣክል፣ እዚ ኣስካሕካሒ ዕንወት እዚ ሎሚ እውን ይፍጸም ኣሎ’ እንክብሉ ነቲ መልሓስ ዓጽሚ የብላን ዓጽሚ ግን ትሰብር ወይውን ብመልሓስ ዝተሰብረ ብጠስሚ ኣይጽገንን ዝብል ኣበሃህልና ዝገልጽ ጸለመን ሕሜታን ዘለፋን ቤላቤለውን ካብ ግለሰባት ክስባ ማሕበረሰባዊ ዕንወት ከምዘስዕቡ እዚ ከኣ ቀንዲ መጋበሪ ምልካውያውን ሥርዓታት ምዃኑ ገሊጾም፣

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ መጽሓፍ ነገሥት 21 ኮይኑ ብዛዕባ ኤልዛቤል ሰይቲ ኣክእብ ንጉሥ ሰማርያ ንናቡቴ ኣቕቲላ ኣተኽልቲ ወይኑ ከም ዝወሰደት የዘንትወልና። “እቶም ሰብ ይዝርኤልን እቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከምቲ ኤልዛቤል ዝለኣኸትሎም . . . ጾም ኣዊጆም ንናቡቴ ኣብ ማእከል እቶም ሕዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐመጥዎ። እቶም ከንቱ ዝኾኑ ክልተ ሰብ ድማ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፣ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ድማ “ናቡቴ ንኣምላኽን ንንጉሥን ኪረግም ሰሚዕናዮ” ኢሎም ከሰስዎ። እቶም ሕዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ እሞ ሞተ። ሽዑ ‘ናቡቴ ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ሞይቱ’ ኢሎም ንኤልዛቤል ለኣኹላ። . . . ኣክኣብ ድማ፡ ናቡቴ ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ተንሥአ፡ ኪወርሶ ከኣ ናብቲ ኣተኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ብዓል ይዝርኤል ዘለዎ ቦታ ወረደ።” ዝብል ነበረ፣

እዚ ኣብ ሃገርና ‘ናቡተ ርስተይ ክብል ሞተ’ ብሂል ዝፍለጥ ብሓቂ ዝተፈጸመ ታሪኽ ብተደጋግሚ ኣብቶም ርስቲ ኣቦታቶም ዝከላኸሉ ሎሚ ከይተረፈ ከምዝፍጸም እቲ ዝገደደ ከኣ ናይ ሎሚ ኣከኣብ ኮይኖም ዘለው ካብ ምልካውያን ሥርዓታት ጀሚርካ ብምግባት ሃብቲ ዓይኖምን ሕልናኦም ዝዓወረ ሃብታማት ነቲ ድኻ ነታ ዘላቶ ከሕድግዎ ዘይምህዝዎ ነገር ከምዘይብሎም ንኽገልጹን ነቲ ናይ ኣከኣብ ኩነት ካብ ናይ ሕጻናት ከምዘይፍለ ንከረድኡ ኣብነት ናይ ዘይስሩዓት ሕጻናት ኣብነት የምጽኡ፣ ኣከኣብ ልክዕ ከምቶም ዝተበላሸው ሕጻናት ነቲ ዝደልይዎ ንክረኽቡ ዝበኽዩን ካልእ ነገራት ዝገብሩን ሓዚኑ ምግቢ ይኣቢ፣ ሰብይቱ ኤልዛቤል ከኣ ክትእብዶ ንናቡተ ተቅትል፣ ናቡተኸስ ሰማዕትነት ተቀቢሉ ምእንቲ ርስቱ ክንዮ ንዋታዊ ርስቲ ናይ ልቢ ርስቲ ክከላኸል ይስዋዕ፣

ሎሚ እውን እንተኾነ ቈጺርካ ዘይውድኡ ናይ ዘመንና ናቡታት ኣለው፣ ከምቲ ናይ ኤልዛቤል ከኣ ሕማቅ ሽም ንምሃብን መሰኻኽር ንምእካብን እንጥቀመሉ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቂምና ጠቀነን ጸለመን ማእሰርትን ሃለዋት ምጥፋእን ፕሮፖጋንዳን ክንደይ ንጹሓት ዘየህለቀ፣ ብዓቢ ሓዘን ዝዝከር ናይ ናዚ ጠቀነን ፕሮፖጋንዳን ኣብ ዕብራውያን ዝወረደ ጽንተትን ምዝካር እኹል ይመስለኒ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ብሓሶት ብጠቀነን ቤላቤለውን ስም ሓደ ሰብ ወይውን ማሕበረሰብ ምስ ኣጸለሙ፣ ድላዮም ዝገብሩ ውሑዳት ኣይኮኑን፣

‘ንኣብነት ሕጊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣሎ ኢልና ንሕሰብ፣ እዚ ሕጊ እዚ ይድምሰስ እቲ ተቅዋም ንሓደ ሃብታም ይሽየጥ፣ እዚ ከኣ ነታ ጅባኡ ዘስብሓላ ሓሶትን ሕሜትን የመሓላልፍ፣ እዚ ከኣ ንዲሞክራውያዊ ሕይወት የድክም፣ ደሓር ነዚ ክፈርዱ ያኢ ደኣይኑ ይመጹ! ንሶም ብግዲኦም ብጉቦ ተኣሳሲሮም ዘለው ይኾኑ፣ እዞም ዓንዮም ዘለው ነቲ ንጹሕ ይኹንኑ። ብኸምዚኸስ ዲክተይትር ምልካዊ ሥርዓት ይውለድ፣ ኩሎም ምልካውያን ሥርዓታት ብኸምዚ ጀሚሮም፣ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢድ ሓደ ጨካን ሕልና ኣልቦ የውርዶ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ዕለታዊ መንባብሮና እውን ከምኡ እዩ፣

“‘ዕንቅፋት ምዝርጋሕ ብዙሕ ዘስድዕ ጉዳይ እዩ፣ ጽቡቅ ዜና ስለዘይስሕብ ዕንቅፋት ሃሰው ትብል፣ ሓቅነቱ ከየረጋገጽካ ብቤላበለው ተደፋፊእካ ንእሽቶ ዕንቅፋት ምስ ተርኽበ ሰሚዕካ ርኢኻዶ እናበልካ ተካብዶ፣ ከምኡ ግን ኣይግበርን ከመይ እዚ ናብ ዕንቀት እዩ ዝመርሕ፣ ኣብ መጨረሻ ካብ ግለሰባት ሓሊፍካ ንማሕበራትን ተቊዋማትን ተዕኑ፣ ጉዳይ ናቡተ እንተተመልከትና ከም ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ መርትዖ ምስ ተሳእነ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣተንሲእካ ብዳርባ እምኒ ከምዝቅተል ተገሩ፣ እዚ ዝተገብረሉ ከኣ ነታ ሓቂ ክንዲ ምስማዕ ብዳርባ እምኒ ሱቊከብልዎ ብምምራጾም እዩ፣ በዚከምዚኸስ ብዝተጠምዘዘ ዜና ብዙሓት ሰባት ይጉድኡ፣”

‘በዚ ክፍኣተ ግብርን ጸለመን ናይ ምልካውያን ሥርዓታት ብዙሓት ሰባት እኳ ደኣ ብዙሓት ሃገራት ዓንዮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ልዕሊ ዕብራውያን ዝወረደ ህልቂት ምሕሳብ ይኣክል። ብማለት ነቲ ታሪኽ ምስ ደገሙ ነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተረኽቡ ሎሚ ተመሊስኩም ኣብ 1ነገ 21 ገንጺልኩም ንታሪኽ ናቡተ ኣንብብዎ እሞ ብዛዕባ ኣብዚ ዘመንና ዝዓንው ሰባትን ዓድታትን ምናዳ እቶም ጻዕዳ ጓንቲ በጃኢድ ተኸዲኖም ብኢድ ኣዙር ገዛእ ሕዝቦምን ሃገሮምን ዘዕንው ዘለው ዲክታቶራት ምልካዊ ሥርዓታት ናይ ዘመና ሕሰቡ እንክብሉ ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዚሞም፣ 

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቅ!
18 June 2018, 10:29
ንኩሉ ኣንብብ >