ኣባ ቶማስ ሃሊክ፥ “ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓሚቝ ተሓድሶ” ኣባ ቶማስ ሃሊክ፥ “ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓሚቝ ተሓድሶ” 

ኣባ ቶማስ ሃሊክ፥ “ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓሚቝ ተሓድሶ”

ዓሚቑ ውሽጣውን ደጋውን ጽገና የድልየና እቲ መገዲ ጽገና ድማ ሲኖዳውነት እዩ። ስለዚህ ናይ “ሓባር መገዲ ተሓድሶ” ማለት ንሱ እዩ

ናይ ቀደም ነበር ሶቪየት ሕብረት ስርዓት ዝቓወሙ ዝነበሩ ሎሚ ናይ ቸክ ረፓብሊክ ዜጋ ኣባ ቶማስ ሃሊክ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ተሓድሶ፥  ብፍላይ ኪደት ሲኖዶስን ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ብዘይግቡእ ምጥቃምን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሰፊሕ መብሪሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

የኔታ ቶማስ ሃሊክ ኣብ ቀረባ እዋን “ድሕሪ ቀትሪ ክርስትና፥ ትብዓት ንለውጢ” ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዎ ናብ ቋንቋ ጣሊያን ዝተተርጎመት መጽሓፎም ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፉ ሮማ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ምስ ዜና ቫቲካን ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን እዞም፥ “ኣብ 1970 ዓ.ም. ኣብ ነበር ሶቪየት ሕብረት ብሕቡእ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ውሩይ ናይ ቲዮሎጊያ ምህሩ ንምዃን ዝበቕዑ ካህን፥

ናይ ክርስትና ድሕሪ ቀትሪ

ናይታ መጽሓፎም ኣርእስቲ፥ ናይ “ትንተናታዊ ስነ ልቦና” መስራቲ ካርል ጉስታቭ ዩንግ ካብ ዝተጠቀምሉ ኣምር ዝወሰድዎ ከም ዝኾነ፡ እዚ ኣገላልጻ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ከም እተጠቐምሉን፥ ንግሆ ዝብል ቃል ብጋሴ ኣቃውማ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ኵሉ ቅልውላው ዘሎ ግዜ ድማ ድሕሪ ቐትሪ ዝብዝብል ሕሳብ ብምቕራብ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዝወክልን ሕጂ ድማ ኣብ ኣፍደገ ድህረ ዘመናውነት እትርከብ ምዃናን ገሊጾም ናይ ክርቲያን ድሕሪ ቀትሪ ዝብል ኣርእስቲ በዚ መልክዕ እዚ ከረድኡ ከም ዝፍትኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ደቀ መዛሙርቲ ዓሳ ንኽገፉ ኣብ ዝቃለስሉ እዋን፥ ድኺሞምን ምሉእ ለይቲ ሓደ ዓሳ እውን ከይሓዙ ባዶ ኢዶም ኣብ ዝተረፍሉ እዋን ዝነበርዎ ኩነትን ዝተሰመዖም ስምዒትን ሎሚ ናይ ብዙሓት ክርስቲያን ህይወት ዝገልጽ እዩ ዝመስል፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ገዳማት ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ፍርቂ ባዶ እዩ፡ ኢየሱስ ነቶም ሓደ ዓሳ እኳ ከይሓዙ ዝተረፉን ምሉእ ለይቲ ዝደኸሙ ደቀ መዛሙርቲ ደጊሞም ክፍትኑ እዩ ዝዕድሞም፥ ስለዚህ ናይ ቀደም ጌጋታትና ከይደገምና ሎሚ ንሕና እውን መሊስና ክንፍትን ከም ዘሎና ኢዩ ዝምዕደና ኢሎም`

ሃይማኖት ብዘይ ግቡኡ ምጥቃም

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ቤተ ክስቲያን እተካይዶ ዘላ ተሓድሶ - ሕዳሴ ሃይማኖት ብዘይ ግቡእ ክትጥቀመሉ ዝኽእል ዘበለ ተግባርን ኪደትን እትፈልጠሉን ነዚ እተወግደሉን ክርስትና ከም ኣጽዋር ከም መጋበርያ ፖለቲካ ከም ሓባራዊ መንነት” ገይሮም ዝጥቀሙን ካብዚ ሓሊፉ እውን “ካቶሊካውነት ኣንጻር ዘመናውነት ኣንጻር ፕሮተስታንትን ጸረ ንኣዋናዊ ባህልን ገይሮም ዝሓስብዎ እውን ኣለዉ፡ እቲ ዕጽው ዝነበረ ስርዓት ካቶሊክ ኣብቂዑ እዩ። እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ምንባብ እዩ ዘድሊ፥ ካብዚ ዓይነት ኣመለኽታት እዚ ቤተ ክርስቲያን ካብ እትወጽእ ዘመናት ኣቝጺራ እያ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ እዋናዊ ሕብረተሰብ እትዝትይን እትረዳዳእያን እያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣብነት ንመምልከቶ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ክርስትና ካብ ሓደ ኑፋቔ ናብ ኵላውነት ዘሰጋገረ እዩ፥ እዚ ኵላውነተ ማዕቅን ቤተ ክርስቲያን ንእዋናዊ ዓለም እውን እንተኾነ ብድሆ እዩ።

ተራ ሲኖዶስን - ሲኖዳውነትን

የኔታ ሃሊክ ኣስዒቦም እቲ ተበጊሱ ዘሎ ሲኖዳውነት ኣብ መስርሕ ተሓድሶ ብትኽክል ክሕግዘና እዩ። እቲ እንስዕቦ ዘሎና ኣገባብ ሲኖዶስ ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ‘ስርዓት’ ኣብ ምሉእ ቅልውላው ከም ዝበጽሔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ እዩ፡ ስለዚ ሲኖዳውነት ክብሉ እንከለዉ ነዚ መሰረት ካብ ምግባር እዩ፡ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝብልዎ ቅልውላው ብድሆት ጥራሕ ዘይኮነ ዕድል እውን እዩ፡ ዓሚቑ ውሽጣውን ደጋውን ጽገና የድልየና እቲ መገዲ ጽገና ድማ ሲኖዳውነት እዩ። ስለዚህ ናይ “ሓባር መገዲ ተሓድሶ” ማለት ንሱ እዩ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 December 2022, 16:21