Nuvole, illustrazione per Ascensione del Signore Nuvole, illustrazione per Ascensione del Signore 

፪ይ ሰንበት ዘክረምት ዘደመና ሓምለ 3 2014 ዓ.ም. (7/10/2022)

መዝሙር፡ ይሰጠዎ ወይሰምዖ ጸሎቶ ለኵሉ ዘሰአሎ እግዚአ ለሰንበት አምላክ ምሕረት. . . .. ጎይታ ሰንበትን አምላኽ ምሕረትን አብ ዓዓመቱ ክረምቲ ይኸፍት ደመናታት ከአ ቃሉ ይሰምዑ ንኹሉ ዝለመኖ ይህቦ፥ ጸሎቱ ኸአ ይሰምዖ።
ብድምጺ ንምክትታል!

መሳርሕቲ ሰላም ክርስቶስ

ንባባት፡ ገላ 6፡14-18 ፩ጴጥ 3፡1-7፥ ግ.ሓ. 14፡8-19፥ ሉቃ 10፡1-20።   ምስባክ፡ አርውዮ ለትለሚሃ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠብጣብከ ትበቁል ተፈሢሃ። ንነግሕታታ       ተስትዮ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቍላ ትባርኾ። መዝ. 65፡10።

አብ ፪ይ ሰንበት ዘክረምቲ እዋናት ክረምቲ ብፍሉይ ምልክትን ቃላትን አብ አምላኽ ዘቕርበናን ክንሰምዖ ዕድል ዝህበና ነገራት እና ጠቐሰ ተኻፈልቲ ጸግኡ ክንከውን የዘኻኽረና። ደመና አብ ቅዱስ መጽሓፍ ምልክት ህላዌ አምላኽ እዩ ዝገልጽ። ሙሴ አብ ደብረ ሲና ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ደመና ነቲ እምባ ከሊልዎ ነሩ። እስራኤላውያን አብ ጉዕዞ ምድረ በዳ ደመና የጽልሎም ነበረ። ኤልሳዕ ምልክት ደመና ምስ ረአየ አምላኽ ንህዝቡ ከም ዝረድኦም ተረድአ፥ ኢየሱስ አብ ደብረ ታቦት ብደመና ተኸሊሉ ተራእየ። አብ ጊዜ ጥምቀቱ ካብ ደመና ቃል ተሰምዐ፥ አብ ዕርገቱ ደመና ካብኦም ፈልይዎ. . . ነዚ ክንሓስብ እንከሎና ደመና ንህላዌ አምላኽ ዘዘኻኽር እዩ። ምልክት ተስፋን ሕይወትን እዩ። ደመና ካብ ብርቱዕ ፀሓይ የጽልለና ዝናም ሂቡ ንጽምኢ አብ ምርዋይን ጠለትን ከም ዝቕየር ይገብር ስለዚ ደምና ምልክት ተሓድሶን ምልክት ሓዲስ ሕይወትን እዩ። ንመንፈሳዊ አስተንትኖና እምብአር ምስቲ ወቕታዊ ኩነታት አተሓሒዝና ክነዕምቖ እሞ አብ ዝበለጸ ርክብ ምስ አምላኽ ክንአቱ ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን ኢና ዘሎና።

ንባባትና ብዛዕባ ሰላም ክነስተንትን ይሕግዙና። ር.ሊ.ቃ. ጳ.ጳ. ፕዮስ XII አብ ዓዋዲ መልእኽቶም ብዛዕባ ሰላም ከምዚ ይብሉ፥ ብሰላም ወላ ሓደ ነገር ዝስአን የለን. . . . . . ኢየሱስ ሰላም የምጽአልና ሰላም ከአ ይሓድገልና። አብዚ ሰንበት ቤተ ክርስትያን አብ ዓለምናን አብ ግላዊ ሕይወትና ናይ ሰላም አድላይነትን ጥቕምን ክንሓስብ እሞ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ተዘኻኽረና። ከምኡ ምንጪ ሰላም ክርስቶስ ከም ዝኾነ ትነግረና።

አብ ወንጌል ብዛዕባ ሰላም ተደጋጊሙ ተነጊሩ ንረኽቦ፥ ቤተ ክርስትያን አብ ታሪኽ ደጋጊማ ዘስተምሃረቶ ብዛእባ ሰላም እዩ። ኢየሱስ ምስ ተወልደ ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ብሓባር ምስቲ መልአኽ ኮይኖም ዘበሰርዋ ቀዳመይቲ መልእኽቲ፡ ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዚሕጎሰሎም (ሉቃ 2፡14) ዝብል እዩ። ኢየሱስ ቀንዲ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ሰላም ዕርቂ ምስ አምላኽ ክህበና ኢሉ እዩ። ድሕሪ ትንሣኤኡ ሰላም ንአኻትኩም ይኹን፥ ሰላመይ እህበኩም አሎኹ እናበለ ደጋጊሙ ተገሊጽዎም። ነዚ አነ ዝህበኩም ሰላም አብ ኩሉ አብጽሕዎ እናበለ ልኢኽዎም። ሕመረት እምነትና እምብአር ሰላም ምስ አምላኽን ምስ ከማና ዝበለ ሰብን ክንገብር ከም ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግብአና። 

አብ ተፈጥሮናን አብ ሕይወትናን እንተ ርአና ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ሰላም ዝነገሶ ሰላም ክነብር እዩ ዝደሊ።ሰይጣን ዝተዓወተሉ ልቢ እንተ ዘይኮይኑ ሰላም ዝጸልእ የለን።እንተ ኾነ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ንዘሎ ምዕባሌን ተክኖሎጂን ሳይንሳዊ ምህዞታትን ርኢኻ ሰባት ዝበለጸ ሰላምን ስምምምዕን ክሕልፉ ኢኻ እትጽበ እንተ ኾነ አብተን ብዝያዳ ማዕቢልና እናበላ ዝዛረባ ሃገራት ዝልዓለ ሰላም ኢኻ እትጽበ እንተ ኾነ እንርእዮ ዘሎና ብአንጻሩ እዩ። ዘመና ክልተ ዝኸፍአ ውግእ ዓለም አሕሊፍና አምላኽ አይበሎ እምበር ሕጂ እውን ነዚ ዘሎ ኩነታት ዓለም ገምጊሞም ሳልሳይ ክጅምር እዩ እናበሉ ዝዛረቡ አይውሓዱን።ሰብ አብ ክንዲ ዕርቅን ምርድዳእን ፍቕርን ዝዘርእ አብ ጸልእን ቅርሕንትን እንተ ወፈረ ዝተዓወቶ ይመስሎ ግን ውግእ ዕንወት ሞት ጥፍአት ብኹሉ እዩ ዘምጽእ። 

ስለምንታይ እዩ ሰባት አብ ቅንዲ ሰላም ጽልኢ ውግእ ፍልልይ ዘቐድሙ ኢልና እንተ ሓተትና መልሱ ሓጺር እዩ፥ ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዚ እቲ ሓቀኛ ሰላም ካብ አምላኽ ከምዝመጽእ ዘይምሕሳብ እዩ። ስለዚ ሰላም ክነድንቆ፥ ክንሕልዎን ክንምግቦን አሎና። ሰላም ብባህጊ አይመጽእን እዩ ብመስዋዕቲን ንአምላኽ አብ ልብኻ ቀዳምነት ብምሃብን ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ወዲ ሰብ ዝገበረ እንተ ገበረ አምላኽ ዘይተሓወሶ ተግባር ሰላም አይህቦን እዩ።

አብ ፖሎቲካ ዓለም እንተ ረአና አብ ሓይሎም አብቲ ዘለዎም አጽዋርን ዘመናዊ ዕጥቆም እዮም እምነት ዝገብሩ። ብኹሉ ተቐሪብና ኢና እናተባህለ አእላፋት ሕይወት ደቂ ሰብ፥ አዳራሻት ሰባት ጨሪሾም ከምዘይነበሩ ክኾኑ፥ ከተማታት ከምዘሎ ክጠፍኡ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ናይ ዘመና መርገም እዚ ጸልማት ነጊሱና እንከሎ አብኡ ክነብር ምድላይና እዩ። ሰብ ሰላም ስኢኑ አብ ፍርሕን ራዕድን ይነብር አሎ። ካብ ውግእን ጽልእን ዝተረኽበ ዓወት የለን። ዓወት አብ ሰላም ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ስለዚ ንሰላም ሎሚ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ንዝርአያ።  

አብ ትንቢት ኢሳያስ 66፡10-14 እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነት አምላኽ ሰላም ከም ዝህበና ይገልጽ። ነባሪ ሃብቲ ኽህበኩም እየ፥ ሰላም/ሃብቲ አሕዛብ ከአ ኸም ዘይነጽፍ ወሓዚ ርባ ናባኻትኩም ከውሕዞ እየ ይብል። እዚ ሰላም እዚ አብ ልባትና ክውሕዝን ሕይወትና ክመርሕ ምስ አፍቀድና ዕግበት ምልአት፥ማሕበራትናን መላእ ዓለምን ዘደንቕ ቦታ ይኾኑ። ስለዚ እግዚአብሔር ናይ ሰላም ልኡኻት፥ መሳሪሒታት፥ ወከልቲ፥ ክንከውን ይጽውዓና። ካባናንን ብአናን አቢሉ አብ ኮልኦት ይፈስስ።

ሕማቕ አጋጣሚ ኮይኑ መብዝሕትና ነቲ ፍሉይ ምልክትና አጥፊእናዮ ንርከብ። ሰብ እምነቱን ሓይሉን አብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ገሩ ሰላም ብንዋታውን ግዙፍን ነገራት፥ ከም ክንደይ ሃብቲ ክንደይ መኻይን፥ ገዛ ወይ ገንዘብ አብ ሕሳብ አሎ ብዝብል መለክዒ ገሩ ክርእዮ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት እዩ። ተዓዊቱ ዝብሃል ብዙሕ ገንዘብ ዓለም ዘጥረየ፥ ሰባት ዝርእይዎ ንዋታዊ ሃብቲ እንተ አጥረዩ እዩ፥ ግን ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኸአልና መጠን ሃብቲ ዘብዝሐ ሰብ ክጭንችቕን ንኻልኦት ክገፍዕን ክምዝምዝን ኢና እንርኢ። ሃብቲሙ ዝተሃጎሰ አሎ ክንብል ከቢድ እዩ። Jurgen Moltmann ዝብሃል ብዛዕባ ሰላም ክጽሕፍ እንከሎ፡ ሰላም ናይ ዕዉት ሕይወት ሓጎስ እያ። አብ ቅድሚ ሕያው አምላኽ ናይ ሕይወት ምልአት እያ። አብ ምሉእ ፍቕሪ ዘለዎ ምልአት ሕይወት ናይ ደቂ ሰብ እያ። ምልአት ሕይወት አብ ማሕበረሰብ-ፍጡራት ምስ ኩሎም ፍጡራት እያ ይብል። እዚ ኸአ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ሰላም ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ቅ. ጳውሎስ ከም ዝጽልዮ፡አብቶም በዛ መገዲ እዚአ ዝነብሩ ዘበሉን አብቶም ወገን አምላኽን ዝኾኑ ናይ ሓቂ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ ይብል። እዚ ማለት ከአ ሰላም እትመጽእ አብ ልባትና አብ ገዛውትና፥ ማሕበራትና፥ ሕብረተ ሰብናንን ዓለምናን ብስምምዕ ብሓባር ምስ ድላይ አምላኽ ክንሰርሕ ከሎና እዩ። ቀጺሉ ቅ. ጳውሎስ ከም ዝብሎ አብቶም ኩሎም ምልክት ክርስቶስ ዝጾሩ አብኦም ሰላም አላ ይብል። ስለዚ ንሰላም ዝኸውን ቦታ ክንፈጥር አሎና እዚ ኸአ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓጎስ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን።

ቅ. ጳውሎስ አብ ገለ ጸሎታቱ ሰላም ክርስቶስ አብ ልባትኩም ይንገስ እናበለ ይልምን። ሰላም ዘይብሉ ልቢ፥ ስድራ፥ ማሕበር፥ ሕብረተሰብ፥ ወይ ሃገር ምብትታን እዩ ዝስዕቦ። ሰላም ንሕብረተ ሰብና ንቕድሚት ከም ዝሓስብ ከም ዝምዕብል ይገብር። ዝኾነ ሕብረተሰብ ወይ ማሕበር ሰላም ዝቕበል ንመንፈሳውን ንዋታውን ሃብቲ ጸጋ ዕድል ይኸፍት።

ሰላም ንሰማይ አንቃዕሪርክ እትመጽእ አይ ኮነነትን ነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናን ክንዘርአ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። ብዙሕ ጊዜ ስእነት ሰላም ዝመጽእ ወይ ዝጅምር አብ ዝደረቐ ልቢ አብ ቅርሕንትን ጽልእን አንነት ዘጥቅዖ ሕይወትን ዝነብር ልቢ እዩ ዝጅምር። ንሓውና ሓፍትና ምሳና ዝነብር ክንጸልእን ክንፈላልን ምስ ጀመርና ሽዑ ሰላምና ይውሰድ አብ ደንበ ሰይጣን ተሰሊፍና ከም ቃኤል አብ ቅትለት ሓውና ንውዕል። እዚ ክቕየር አብ ልብና ንመለስ ነቲ አብ ልብና ዘሎ ከም መንሽሮ ዝዓቢ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ብንስሓ ነጽርዮ ሽዑ ተሃድሶ ክርከብ እዩ። 

አብ ወንጌል ሉቃስ ዘንበብናዮ ኢየሱስ ነቲ አብ ዓለም ክነምጽኦ ዘሎና መልእኽቲ የዕጥቐና ንሱ ኸአ ነዛ ቤት እዚአ ሰላም ይኹን እናበልና ሰላም ክርስቶስ ክነብጽሕ ይነግረና።እዚ ንዓለምና ክነቕርቦ ዘሎና ህያብ እዩ። ኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር እዚ ንዓለምና ከምዘድሊ ይፈልጦ እዩ፥ ስለዚ ኸአ ኩሉ ጊዜ ክህልወና ናትና ክንገብሮ ክህበና ቅሩብ እዩ። በቲ ክርስቶስ ዘቕርበልና ሰላም ንዓለምና ክንቅይራ ዝተሳናዶና ክንከውን ይግብአና፥ እዚ አብ ባህሊ ውግእን ጽልእን ዘላ ዓለም ናብ ባህሊ ሰላም ፍቕርን ክንቅይራ ኢና። ናይ እዚ ሰላም እዚ መሳርሕቲ ልኡኻት ክንከውን ይዕድመና አሎ። ንዓለምና ክነምጽአላ ዘሎና እቲ ሰናይ ዜና ሰላም ናይ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

አብ መወዳእታት ሰላም ክቡርን ወርቃውን እዩ። ከም ሓጎስ ተላባዓይ እዩ። ሰላም እንተ አሎና ንኻልኦት ብአውንታዊ ክጸሉ አለዎ። ስለዚ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኮና ጎይታ ናይ ሰላምካ መሳርሒ ግበረኒ፥ ጽልኢ አብ ዘለዎ ሰላም ክዘርእ፥ ቁስሊ አብ ዘለዎ ምሕረት፥ ምጥርጣር አብ ዘለዎ እምነት፥ ተስፋ ቁርጸት አብ ዘለዎ ተስፋ፥ ጸላም አብ ዘለዎ ብርሃን፥ ሓዘን አብ ዘለዎ ሓጎስ ከም ዘምጽእ ገበረኒ እናበልና ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ አሎና።

በዚ ብሩኽ ሰንበት ንነፍሲ ወከፍና አብ ሰላም ክንወፍር ጸግኡ ይዓድለና። ዓድናን ዓለምናን ባብ ሰላሙ ከፊቱ ዕርቂ ሰማይን ምድርን የውርደልና።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

10 July 2022, 11:41