ኣባ ድየጎ ፋረስ ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ 66 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም!
ዜና ቫቲካን!
ሰብ መምስ ሞተ ደኣ ዝነኣድ ኰይኑ ነፍሰኄር ኣባ ድየጎ ፋረስ ቀንዲ ዝፍለጡሉ ብቅርበቶም ከምዝኾነ እዚ ‘ቅርበት ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅርበት ምስ ኢየሱስን’ ከምዝኾነ ብዙሓት ካብ ደቂ ማሕበሮም ዝገልጽዎ ወዲ ዓዶም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ከማኦም እውን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ብምዃን ነቲ ቅዱስነቶም ብቃልን ብግብርን ዝደጋግምዎ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኰንካ ምስ እተገልግል ኣብ ጐድኒ ኢየሱስ ከምዘለኻ ኣረጋግጽ ዝብል ብሂል ቀንዲ መምርሒኦም ገሮም እንክጐዓዙ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበሪ ኢየሱሳውያን ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ከምዝዓረፉ ተመልኪቱ።
ኣባ ድየጎ ብ1976 ዓም ናይ ሎሚ ር.ሊ.ጳ ኣባ ኾገ ማርዮ በርጎልዮ ሓለቃ ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይቲ ቦታ ኮይኖም ከምዝተቀበልዎም ቀጺሎም ከኣ ኣባት ነፍሱን መኻሪኡን ኮይኖም ከምዝደገፍዎ መዛግብቲ ናይቲ ማሕበር ይገልጽ።
ሓሚሞም ምስ ተደነሱ እውን ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዝበጽሕዎምን ከምዘጸናንዕዎምን እንክምልከት ንመወዳእታ ግዜ ዚሓለፈ ዕለት 10 ሓምለ 2022 ከምዝበጽሕዎም ተገሊጹ።
ብ2018 ዓም ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ኣብ መንጎ ሕዝቢዶ ክርከብ እዩ ወይስ ናይ ሓሳብ ጉዳይ ጥራይ ኮይኑ ኣብ ደመና ክተርፍ ዝውስን ኣብ ሕዝቢ ዘሎና ቅርበት እዩ፣ ነዚ ቅርበት እዚ ቀስ ብቀስ ክነዕብዮ እንከሎና ጽቡቅ ልማድ ኮይኑ ብወርቂ ቀለም ከም እትጻሕፈ ታሪኽ እዩ` እንክብሉ ተመኲሮኦም ኣካፊሎም ነበሩ።