ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ ሚያዝያ 23/2014 ዓ.ም. (5/01/2022)

መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ። ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ። አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ ይብል።
ብድምጺ ንምክትታል!

ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን በዐብይ ኃይል ውስልጣን አሰሮ ለሰይጣን አግዓዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ኮነ ፍስሃ ወሰላም

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20-41፥ 1ዮሓ 5:1-6፥ ግ.ሓ. 4:32-35፥ ዮሓ 20፡19-31።    ስብከት፡   ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥  ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ መዝ። 78፡65-66

ሎሚ ዳግማይ ትንሣኤ ነብዕል አሎና። አብዚ ፍሉይ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ንትንሣኤ ክርስቶስ እናመስከረት እንከላ ሓጎስ ትንሣኤ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ፍሉይ ትርጉምን መቐረትን ይህቦ ትብለና። ብፍሉይ ንነፍሲ ወከፍና ብእምነት ነቲ ሰናይ ዜና ትንሣኤ አብ ኩሉ ክነበጽሕ እሞ ኩሉ ፍጡር ጸጋ ትንሣኤ ከስተማቕር ክንሕግዝ ከምዘሎና ትላበወና። ንኹሎም ነቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ዝቋወሙ ከምቶም ናይ እዋን ኢየሱስ ዝነበሩ መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናይ ዘመና ቶማሳት ተጠራጠርቲ ንኹሎም ብትብዓት ንትንሣኤ ክርስቶስ ክንሰብኽ ትደልየና።

ሓዋርያት ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ፍርሃት ሒዝዎም ዕጫ መምህሮም ከይሕዞም ፈሪሆም አብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ብሓባር ይጽልዩ ነሮም። ኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንሥአ ካብ ብዙሕ ምንጭታት  ሰሚዖም፥ አብ መቓብር ጥርሑ ከም ዝጸንሐን አንስቲ ብአካል ከም ዝረአይኦ እውን ነጊረናኦም። ጴጥሮስን ዮሓንስ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር ርእዮም። አብ መወዳእታ ንሓዋርያት እውን ተራእይዎም። እዚ ኹሉ ርእዮምን ሰሚዖምን ከለዉ ተተባቢዖም ደገ ወጺኦም ክሰብኩ አይከአሉን። አብ ዕጹው ገዛ ተሓቢኦም ንዝመጽኦም ነገር ይጽበዩ ነሮም። እንደገና ኢየሱስ መጺኡ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን እናበለ መጺእዎም።

ሰላም ናይ መጀመርያ ቃል ካብ አፍ ዝተንሥአ ኢየሱስ ንሓዋርያት ዝወጸት እያ። ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን (ዮሓ 20፡19)። ድሕሪዚ ኃጢአት ክፈትሑን ክሓድጉን ስልጣን ሂብዎም። ኢየሱስ ሳዕበን ኃጢአትን ዘምጽኦ ጉዳእትን ስለ ዝፈልጥ እዩ ነዚ ስልጣን ንሓዋርያቱ ዝሃቦም። ኃጢአት ሰላምን ሓጎስን ካብ ሰብ የጥፍእ። ኩላትና አብ ሕይወትና ከም እንፈልጦ ሰላም ዘይብሉ ሰብ ኩሉ ክፍአት ክገብር ድሕር አይብልን እዩ። ምስ አምላኽ ርክብ ዘይብሉ ሰብ አብ ኃጢአት ዝነብር አብ ልዕሊ ካልኦት ህውከት ጽልኢ ፍልልይ ከምኡ ክሓሚ ከካፍእ ናይ ካልኦት ውድቀት ከናዲ እዩ ዝነብር። ካልኦት ጽቡቕ እንተ ገበሩ ከመይ ገሩ ከም ዘካፍእ እዩ ዝጽዕር። ኃጢአት ንሰብ ሕልንኡ የዕውሮ ነቲ ዝገብሮ ጉድአትን በደልን ስለ ዘይርኢ ብኽፍአቱ ዝተዓወተ ይመስሎ ሽዑ ዘዝገደደ ክፍአት ክገብር ይነብር እዚ ብዙሕ ጊዜ አብ ናይ ፖሎቲካ ሰባት ይርአ። አብኦም ፍቕሪ ዝብሃል ስለ ዘየለ ክምሕሩ አይክእሉን ትማሊ ዓርኮም ብጻዮም ዝነበረ ክቐትልዎ ክአስርዎ ከጥፍእዎ ሓንቲ አይስምዖምን እኳ ድአ እንተ አጥፍእዎ እዮም ዝሕጎሱ። መንግስቱ ኃይለማርያም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ዝነበረ ሓደ እዋን ምሳሕ ዝሓሰቡና ቍርሲ ገርናዮም እናበለ ነቶም ብጾቱ አብ ኹሉ ዝነበሩ ምስ አጥፍኦም ዝበሎ ቃል ይጥቀስ። እዚ አብ ዙሓት ዝርአ መንፈስ አምላኽን ሰላምን ዝሰአነ ሰብ ዝብሎ እዩ። ኃጢአት ናይ ሰብ ሰላምን ሓጎስን ስለ ዘጥፍእ ካብኡ ክንርሕቕ ኢሉ ኢየሱስ ሰላመይ እህበኩም አሎኹ ይብለና።

ሓደ ካብቲ ዘስካሕክሕ ብዛዕባ ውድቀት ብድራማ መልክዕ ዝተጻሕፈ ብዊልያም ሸክስፒር ናይ ዓዲ እንግሊዝ ውሩይ ስነጥበባዊ ከምዚ እናበለ ይገልጽ። ማክበዝ ካብ ዓወት ውግእ ክምለስ እንከሎ ሰለስተ ጠንቋሎ ጎፍ ኢለንኦ። እታ ቀዳመይቲ ጎፍ ዝበለቶ ጠንቋሊት ከምዚ እናበለት ሰላምትአ አቕሪባ Thane of Glamis፥ እታ ካልአይቲ ጠንቋሊት ከአ Thane of Cawdor እታ ሳልሰይቲ ጠንቋሊት King hereafter። እዘን ሰለስተ ጠንቆልቲ ምስ ተሰወራ ሓደ ልኡኹ ምስ ሰናይ ብስራት መጺኡ ንሱ ጎይታ አብ ግላሚስን ካውዶርን ከም ዝተሸመ ነጊርዎ። ማክበጽ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ነዚ ፍሉይ ነገር ዝተጓነፎ ንብዓልቲ ቤቱ ነጊርዋ ንሳ ድለታቱን ስምዒቱን ርእያ ነቲ ንጉሥ በቲ እዋን ዝነበረ Muncan ዝብሃል አብ ገዝኦም ጋሻ ኮይኑ ምስ መጸ ክቀትሎ ነጊራቶ። ማክበጽ ነቲ ተቢዕ ካራ አብ ልቢ ሙንካን ከእትዎ እንከሎ ከምዚ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ማክበጽ ካብ ሕጂ ንድሓር ድቃስ የብልካን። ማክበጽ ንድቃስ እውን ቀቲልዋ። ካብታ ሰዓት እቲአ ንድሓር ማክበጽ አብ ሕይወቱ ክድቅስ አይከአለን፥ ሕይወቱ ህውከት ዝመልኦ ዘይቅሱን ኮይኑ፥ ሰላም እንተ ረኽብኩ ኢሉ አብ ዝፈተኖ ቅትለት አብ ርእሲ ቅትለት እናፈጸመ ይነብር ነሩ።

ማክበጽ ነቲ ንጉሥ ምስ ቀተለ ሰላም አብ ሕይወቱ አጥፊኡ። ኢየሱስ ኃጢአት ሰላም ካብ ልቢ ሰባት ከም ዘጥፍእ ይፈልጥ ነሩ እዩ። በዚ እዩ ንሓዋርያቱ ሰላም ምስ ተመነየሎም ንኃጢአት ከጥፍኡሉ ዝኽእሉ ስልጣን ዝሃቦም። ንዝበርትዐ ጸላኢ ክነጥፍእ ዝበርትዐ መሳርያ የድልየና። ኢየሱስ ነዚ ብርቱዕ መጋበሪ ንቤተ ክርስትያኑ ንሓዋርያቱ ክአስሩን ክፈትሑን ስልጣን ክህቦም እንከሎ ነቲ አብ ምስጢረ ንስሓ እንቅበሎ እዩ ዘስምዕ። ከምዚ ኸአ ኢልዎም ኃጢአቶም ንዝኃደግክምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኀደግክምሎም ግና አይክኅደገሎምን እዩ በሎም (ዮሓ 20፡23)።

ኢየሱስ ንኹሉ ናይ ደቂ ሰብ ዘይምእዛዝ፥ ቅጥዒ ዘይብሉ ኅርፋን ሃብትን ንአይ ይጥዓመኒ፥ ጽልኢ አብ ልቢ ሰባት ዝዓቢ ካብ አምላኽ ከም እንፍለ ከምዝገብረና ይፈልጥ እዩ። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይና ሰላምና የዕኑ የጥፍእ። ኢሳያስ ንእስራኤላውያን ከጠንቅቖም እንከሎ ንአኻትኩምን ንአምላኽኩምን አብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈልየኩምሲ አበሳኹም እዩ፥ ከይሰምዓኩም ከአ አብ ቅድመኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዚኃብአልኩም ዘሎ ኃጢአትኩም እዩ (ኢሳ 59፡2)። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይ ክጽወር ክትዕገሶ ዘይክአል እዩ። ዳዊት እቲ ሕሩይ ንጉሥ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚአብሔር ምስ ጠዓሰ ተመኪርሉ እዩ ከምዚ እናበለ ኸአ ለሚኑ ጎይታይ ስንኻ ምሕረትካ አይትኽልአኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን አዘውቲረን ይሓልዋኒ (መዝ 40፡11)። እግዚአብሔር ንአዳምን ሄዋንን ካብዛ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም አይትብልዑ (ዘፍ 2፡17) ኢሉ አዚዝዎም፥ ንሶም ግን ንትእዛዝ አፍረሱ ሽዑ ካብ አምላክ ተፈልዩን ክሕብኡ ፈተኑን። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይ ኹሉ መከራ አምጺእሎም፥ ልዕሊ ኹሉ ሰላሞም አጥፊኦም። ካብዚ ንድሓር ኩልና በብግዚኡ ሰላምና ነጥፍእ እሞ ህዉኽን ሰላም ዝጎደሎ ሕይወት ነሕልፍ።

ኃጢአት ውሽጣዊ ሰላም ከምዘጥፍእ እናፈልጠ እንከሎ ኢየሱስ ንአመንቱ ንጸላእቶም ከፍቅሩ ይእዝዞም፥ ከምኡ ንክፉእ ጽቡቅ ክምልሱ ይነግሮም (ማቴ 5፡44)። ነዚ ትምህርቱ ባዕሉ አብ ዕጸመስቀል ምስ ተሰቕለ ብግብሪ አርእይዎ ምእንቲ እቶም ዝቀተልዎ ዝሰቐልዎ ንሰማያዊ አብኡ ለሚኑ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በለሎም ኢሉ ጸልዩ (ሉቃ 23፡24)።

እቲ ብሰንኪ ኃጢአት ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተዓርዩ፥ ንሱ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥግኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ (ኤፌ 2፡14)። ኢየሱስ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩ ንሓዋርያቱ ክአስሩን ክፈትሑን ስልጣን ሃቦም። ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ክጽሕፍ እንከሎ ነዚ ሓሳብ የጽድቖ እግዚአብሔር ሰላም ክንገብር ይጽውዓና። አምላኽ ትእዛዛቱ ክንሕሉ ይደልየና ምስ ሓሎና ኸአ ሰላሙ ይህበና። አብ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ይብል ንእግዚአብሔር አሓጉሶ ንሱ ኸአ ንጸላእትኻ ምሳኻ ብሰላም ከም ዚነብሩ ኺገብሮም እዩ (ምሳ 16፡7)።

ሰላምን ሓጎስን አብ መንጎ ማሕበር ክርስትያን ክርአ ሓድነት ክህሉ አለዎ። እዚ እዩ አብ  መልእኽቲ ግ.ሓ. ንሎሚ ዝተነበት እንርእዮ። ቀዳሞት ክርስትያን ሓድነት ክርከብ ሰለስተ ነገራት የዘውትሩ ከም ዝነበሩ ንርኢ፡

·      ኩሉ ጊዜ ብሓባር ይከቡ ነሮም። አብ ትሕቲ መሪሕነት ሓዋርያት ኩሉ ጊዜ ይእከቡ ነሮም። ሎሚ እውን ነዚ መሰረት ገርና አብ መንጎና ንዘሎ ሓድነት ክንገልጽ ንሕና እውን ሰንበት ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን ንእከብ ንጽሊ። እዚ እንገብሮ አብ ጸሎትን መአዲ ቅ. ቍርባንን ብሓደ ክንከውን እንከሎና አብ ሓደ ልብን መንፈስን ክንአቱ ሓይልን ብርታዐን ይህበና።

·      ንትምህርቲ ሓዋርያት ይሰምዑ ነሮም። ንሕና እውን ቃል አምላኽ ክንሰምዕ አሎና ክነስተንትኖ እውን ይግብአና። ቃል አምላኽ ነቲ አነ ዝብል ድኹም መንፈስና ክንስዕር ሓይልን ክእለትን ይህበና።

·      ምስ መርሕነት ሓዋርያት ይሰምሩ ነሮም፡ ቀዳሞት ክርስትያን አብ ትሕቲ መሪሕነት ሓዋርያት ኮይኖም ብሓባር ምስ ሰርሑ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ይገብሩ ነሮም። ሕሙማት አብ ጽርግያታት አብ ዓራውቶምን አብ መንጸፎምን ገሮም የውጽእዎም ነሮም ጽላል ጴጥሮስ ምስ ሓለፎም ክአ ይሓውዩ ነሮም። አብ ትሕቲ መርሕነት ቤተክርስትያን ክንእዘዝ ክንሰምዕ ከሎና ሽዑ ሰላምን ዕብየትን ይርከብ።

ሎሚ ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ማእከልና ቆይሙ ሰላም ምሳካትኩም ይኹን ይብለና አሎ። ነዚ መልእኽቲ አብ ግብሪ ነውዕሎ እሞ አብ አሕዋትናን አሓትናን ነመሓላልፎ። ምስ ሓውናን ሓፍትናን ንዘየሰማምዓና ክንሓልፎ እሞ ክንቅይር እንተ ፈተና፥ ንሓደ በደል ዝፈጸመ ዘይ ቅኑዕ ሰብ ዝበደለና እንተ መሓርና፥ ርሕራሔን ሕያውነትን ንማንም ሰብ እንተ አርአና፥ ንሕርቃን ሓውናን ሓፍትናን እንተ አዝሓልና፥ ንዝተበተነ ሕውነት ወይ ዝምድና ክንዕርዮ እንተ ፈተና፥ ብሰንክና አብ ሕማቕ ንዝወድቁ ደው እንተ አበልና ነቲ መልእኽቲ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ዝብል ነብጽሕን ንፍጽሞን አሎና። እቲ ንሕና እነንጸባርቖ ሰላም ብድርብን ዕጽፍን አባና ክምለስ እዩ። ገበርቲ ሰላም ሰላም ክረኽቡ እዮም።

ሰላም ክርስቶስ አብ ልብና ሓዲሩ ሰበኽቲ ሰላምን ፈጸምቱን ይግበረን።

 

ብሩኽ ብዓለ ዳግማይ ትንሣኤ።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

 

 ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት 2014 ዓ.ም.

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ 30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም. ንዓለም ብዘገርም ነዛ ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ኢሎም አብ ኩሎም ካቶሊካውያን ክትብዓል አዊጆም። እዚ ብዓል መለኮታዊ ምሕረት ዝብል ወላ እኳ ብመጠኑ ሓዲስ እንተ ኾነ እቲ መልእኽቲ ናይ አምላኽ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ምሕረት ብርግጽ ሓዲስ ሓሳብ አይኮነን። ን2000 ዓመት ዝተሰብከ ቀንዲ ማእከል ክርስትያናዊ እምነት እዩ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ ልዕሊ ኃጥአን ምሕረቱ ምስ ሃበ እዩ። ወላ እኳ ብሰንኪ ኃጢአትና አብ ክንፍቀረሉ ዘይንኽእል እንተ ወደቕና፥ ዕብየትን ብዝሕን ኃጢአት ብዘየገድስ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀረና እዩ። ምሕረት አምላኽ ኩሉ ጊዜ ነቶም ኃጢአቶም ተአሚኖም አብኡ ዝቐረቡ ክፉት እዩ።

አብዚ እዋን ትንሣኤ ንመለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ዘኪርና ክነብዕል ዝሰማማዕ እዩ። አብ ብዓለ ትንሣኤ እንዝክሮ ዓወት ፍቕሪ አምላኽ አብ ልዕሊ ግዝአት አኃጢአትን ሞትን እዩ። ትንሣኤ ኢየሱስ ዝገልጾ ኃጢአትን ሞትን ናይ መጨራሻ ቃል ከም ዘይብለን እዩ፥ ማለት መወዳእታ ሕይወት አይኮናን ኲንአን ካልእ ሕይወት አሎ። አብዚ ክነስተውዕለሉ ዘሎና አምላኽ ካብ ሰማይ ንክፍአትና ብቝጥዓ ከም ዝምልስ ገርና ክንርእዮ የብልናን። አምላኽ ንኃጢአት ሰብ ክንርድኦን ክንበጽሖን ብዘይንኽእል መገዲ ብምሕረት ስዒርዎ።

አብዚ አዕሙቕ አቢልና ክነስተንትን ጽቡቕ እዩ፥ አብ ጎቦ ቀራንዮ ንወዲ አምላኽ ብሥጋ ብጭካኔ ቀቲልናዮ። መስቀል ብኻልእ አረአእያ ናይ መጨረሻ ናይ ወዲ ሰብ ንአምላኽ ምንጻግ እዩ ዘርኢ። አምላኽ ንደቂ ሰብ በቲ አብ ልዕሊ ወዱ ዘርአይዎ ጭካኔን ግፍዕን ካብ ገጽ ምድሪ ጨሪሹ ከጥፍኦም ካብኡ ዝምችእ ጊዜ አይነበረን እንተ ኾነ ብአንጻሩ ክምሕረና ተረኺቡ። ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም ኢሉ ጸልዩ፥ ካብ ጎኑ ምስ ተወግአ ከም ጩራ ብርሃን ናይ መለኮታዊ ምሕረት ምልክት ወጺኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ XVI ከም ዘስተምህርዎ ኢየሱስ ክርስቶስ መለከታዊ ምሕረት ብአካል እዩ፥ ምስ ክርስቶስ ርክብ ምግባር ማለት ንምሕረት አምላኽ ምርካብ እዩ። ኢየሱስ ብገዛእ ፍቃዱ ሕይወቱ ንሞት ንመስዋዕቲ አወፊዩ እዚ ኸአ ንሕና ክንምሓርን ክንድሕንን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምእንቲ ክንሰግርን እዩ። ምሕረት ስም አለዋ፥ ምሕረት ገጽ አለዋ፥ ምሕረት ፍቕሪ ዝመልኦ ልቢ አለዋ።

እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ኢልናዮ ዘሎና ዘዘኻክሮ ነቲ ንሕይወትና ዝቐየረ ብዓል እዩ። አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ኃጢአትን ክናዘዘ ከሎና ርኡይ ምሕረት አምላኽ ኢና እነስተማቕር። ካህን ክፈትሓና እንከሎ ኃጢአትካ/ኪ ተሓዲጉልካ/ኪ እዩ ካብ ሕጂ ንድሓር አይትአብስ ብሰላም ኪድ ይብለና። እዚአን ቃላት ሕይወት ዝቕይራ ምሉእ ምሕረት አምላኽ አዊጀን አብ ልብና ዕረፍትን ሓጎስን ዝፈጥራ እየን። ዝኾነ ኃጢአት ወላ እቲ ዝኸፍአ ይኹን ሓንትስ ተአሚናካ ምሕረት ሕተት እምበር ብአምላኽ ዘይምሓር የለን።

ንአምላኽ እናአምስገና ነቲ ጥዑም ምሕረቱ እናአስተማቐርና ንጸሊ እዚ ኸአ አብኡ እምነት ብምግባር ኢና። ዝዓበየ ኃጢአት ወላ ይኹን ብማይ ምስጢረ ጥምቀትን አብ መንበረ ኑዛዜን ዘይምሓር የለን። ካባና ዝድለ ክፍአትካን ድኽመትካን ተአሚንካ ምሕረት ክትሓትት ምቕራብ ጥራሕ እዩ።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ክንጽልየሎም ዝግብአና አለዉና ብፍላይ ነቶም ንምሕረት አምላኽ ልቦም ዓጽዮም ዘለዉ። አብ ስድራና፥ አብ ቍምስናና አብ ስራሕና ወይ እዋን አብ ከባቢና ክህልዉ ይክአል እዩ፥ ስለዚ ሎሚ አፍልቦም ክንኩሕኵሕ እሞ ልቦም ንአምላኽ ክኸፍቱሉ ክንሕግዝ እዋኑ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከይከዱ ዝተፈላለየ ምኽንያት ይፈጥሩ ወይ እውን እምነት አብ አምላኽ አጥፊኦም ይኾኑ። ወይ እውን ዘሕፍር ዓቢ ኃጢአት ገሮም ይኾኑ ወይ ከአ ካብቲ ሕማቕ ሕይወቶም ወይ አመል ክወጹ ስዕረት ኮይኑ ክስምዖም ይክአል፥ ገለ ኸአ አብ ውሽጦም ጽልኢ አምላኽ ሓቢኦም ዝነብሩ ብሰይጣን ተገዚኦም ዝነብሩ ክኾኑ ይክአል ስለዚ ክንጽልየሎም እዋኑ እዩ።

ሎሚ ገሊጽና ክነግሮ ዘሎና ምሕረት አምላኽ ወላ ነቶም ካብ መጀመርያ ንአምላኽ ልቦም ዝዓጸው፥ ካብ ፍርኂ፥ ካብ ትሪ ልቢ፥ ካብ ዘይምንሳሕ ወይ ምጥዓስ ዝተላዕለ እውን ከይተረፈ ክፉት ምዃኑ ክርእዩ ክንሕግዝ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እዚ ግሉጽ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። መዓጹ ናይ እቲ ላዕለዋይ ደሪቢ ተዓጽዩ እንከሎ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ አብቲ ዕጹው ገዛ አትዩ ሰላም ክእውጀሎም መጺእዎም። ሰላም ንአኻትኩም ኢልዎም እዚ ሰላምታ አብ ልቢ እቶም ብፍርሒ አይሁድ ተሸቕሪሮም ንዝነበሩ ሓዋርያት ፍሉይ ሰላምታ እዩ። ነቲ ፍርኂ ጸልማት ጎልቢብዎ ዘሎ ልቦም ዝቕይርን አብ ሓዲስ ሕይወትን ምዕራፍን ክአትዉ ዝዕድም ሰናይ ዜና እዩ። አምላኽ ጎልቢቡ ሒዙና ካብ ዘሎ ጸልማት ክቕንጥጠልና ኩሉ ጊዜ ነዚ ሰላምታ ክህበና ይመጽእ። ክንቅበሎ ክንሰምዖ ናታትና ተራ እዩ።

አብዚ እዋን ወላ እቲ ተሪር ልቢ ከይተረፈ ክኽፈት አለዎ ግን ክንጽልየሎም አሎና። ንዝተዓጽወ ልቢ ክኽፈት እንተ ኾይኑ ብዙሕ ጸሎትን ጾምን ንስሓን ምግባር የድሊ። ሰብ ሓንሳብ ልቡ ምስ ዓጸወ ሰይጣን እዩ ዝመልኮ ሽዑ ነቲ ሰናይ አምላኽ ክሰምዕ ወይ ክቕበል አይክእልን እኳድአ አቦ ሓሶት ዝኾነ ድያብሎስ ዝተፈላለየ ሓሶትን ዘታልልን ነገራት እናቐረባ ብሓቂ ክርስቶስ ከም ንነጽግ ይገብረና። ልቢ ሰብ ክቕየር ንደሊ እንተ ኾና ተስፋ ከይቆረጽና ብቐጻሊ ጸሎት ብፍላይ መስዋዕቲ ቅዳሴ ከምኡ ዝተፈላለዩ ጸሎታት ከም ንባብ ቅ. መጽሓፍ፥ መቍጸርያ፥ ፍኖተ መስቀል ውዳሴ ማርያምን ካልኦት ጸሎታትን ክነዘውትር አሎና።

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት አብ ምእዋጅ ቅድስና ቅ. ፋውስቲና ኮቫልስካ ብዓልቲ ፖላንድ እዩ ተአዊጁ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስት ፉውስቲና ብዙሕ ጊዜ ተገሊጽዋ፥ ደጋጊሙ ዝበላ ምሕረቱ ንኹሎም ደቂ ሰባት ከውርድ ድላዩ ከምዝኾነ።

ካብ ቅ. ፉውስቲና እንቕበሎ አብዚ እዋን ዝውቱር ጸሎት ኮይኑ ዘሎ መድገምያ ወይ መቍጸርያ መለኮታዊ ምሕረት ብዝብል ዝፍለጥ እዩ። ሓጺር ጸሎት ከም መቍጸርያ ዝድገም ንአምላኽ ምሕረት ዝልምን ምእንቲ ስቓት ዝመልኦ ሕማማቱ ንዓናን ንመላእ ዓለምን ምሓረና ዝብል እዩ። እዚ መድገምያ ብግሊ ወይ ብማሕበር ክድገም ይክአል፥ አብ ብዙሓት ቍምስናታት ቅድሚ ወይ ድሕሪ ቅዳሴ ይድገም።

ኢየሱስ ባዕሉ ንቅ. ፉውስቲና ከምዚ ኢልዋ ጓለይ ነዚ አነ ዝሃብኩኺ መድገምያ ክደግማ አበራትዕየን. . . ንነፍሳት ከድሕን ሓግዝኒ። መድገምያ መለኮታዊ ምሕረት ግሩህ ቀሊል ግን ብጣዕሚ ኃያል ጸሎት እዩ። ምእንቲ እቶም ልቦም ንአምላኽ ዝዓጸዉ እሞ አብ አፍደገ ገሃነም ዘለዉ ንጽልየሎም።

ቅ. ፉውስቲና አብ ጻዕሪ ሞት እንከላ ምእንቲ እተን ልበን ንአምላኽ ዝዓጸዋ ነፍሳት ጸልያ። ብጸሎታ አብ ቅድሚ ሓደ ሰብአይ አብ አፍደገ ሞት አብ ስቓይ ዘሎ ክትርአዮ ክኢላ። እዚ ሰብአይ ተጋዲሙ ደቂሱ እንከሎ አጋንንቲ ንነፍሱ አብ ገሃነም ክወስዱ ይጽበዩ ነሮም። እንተ ኾነ ቅ. ፉውስቲና ቀጺላ ምእንትኡ ምእንቲ ስቓያት ዝመልአ ሕማማቱ ንዓናን ንመላእ ዓለምን ምሓረና እናበለት ደጋጊማ ጸልያ። ሽዑ ንሽዑ እቲ አብ አፍደገ ሞት ዝነበረ ሰብ ዘፍ ኢሉ ሃዲኡ ምእንቲ እቲ ኩሉ ዝገበሮ ኃጢአት ክንሳሕ ዝብል አብ ልቡ መልኦ። በቲ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት ሰላም ረኺቡ እዚ ኸአ በቲ ቅ. ፉውስቲና ዝደገመቶ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት እዩ። ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት አዘውቲርና ክንጽሊ ከሎና ዓቢ ጸጋ አልኦ። 

ብዙሓት ነፍሳት አብ አፍደገ ገሃነም እሳት ከምዘለዋ ዘይንአምን እንተ ኾና ንርእስና ነተዓሻሹ ወይ ንጥብር አሎና ማለት እዩ። ገለ ሰባት አለዉ ክሳብ መጨረሻ ደቒቕ ሕይወቶም ንምሕረት አምላኽ ዝነጽጉ ወይ ዝአብዩ። አምላኽ ግን ክሳብ መጨረሻ ከምቲ ንቅ. ፉውስቲና ዝበላ ብመድገምያ መለኮታዊ ምሕረት ከድሕኖም ይደሊ።

እዚ ኹሉ አብ ዓለምና እንርእዮ ጽልኢ፥ ውግእ፥ ዓመጽ፥ አድልዎን ዝርጋንን ምሕረት አምላኽ ከም ዝድለየና እዩ ዝገልጽ። ሎሚ ከምሎሚ ብዝያዳ ክርስትያን መሳርሕቲ ምሕረት አምላኽ ክንከውን ብጸሎትናን አብ ግብሪ ብዝርአ ናይ ፍቕሪ ተግባራትናን ክንገልጾ ይግባእ። ከምቲ አቦና በነዲክቶስ XVI መለኮታዊ ምሕረት መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እዩ ዝበልዎ አብ ዓለም መብራህቲ ኮና ኩሉ ጊዜ ነታ ጭልምልም እትብል ዓለምና ተስፋ እንህባን እነብርሃን ንሕና ስለ ዝኾና ትብዓት ለቢስና ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ክንጽሊ ንስራሕ ድያብሎስን ልኡኻቱን አብ ዓለም ክንስዕር ግደና የድሊ አሎ።

ሰብ ብኹሉ ይጠፍእ አሎ ዝምንጥሉን ዘጋግዩን ካብቶም ናተይ ዝብሎም ከይተረፈ ጭካኔ ብዝመልኦ ካብ አምላኽ ይፍለ አሎ ስለዚ አብዚ ብሩኽ ሰንበት ሓቢርና ምሕረት አምላኽ ክንልምን። ፍረ ትንሣኤ አብ መንጎና በዚሑ ክርከብ ንጸሊ። ኦ አምላኽ ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኽደና እናበልና ንለምኖ።

ብሩኽ ዳግማይ ትንሣኤን ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት አምላኽን ይግበረልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

30 April 2022, 15:14