መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያንኩም ዘመልክቶ ኣነጺርኩም ተዛረቡ! ግረች ንአቡናት ሕመአ

ረኪበ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18 ሕዳር 2021 ዓም ኣብ ከተማ ባልቲሞር እንክካየድ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንመንፈስ ሲኖዶሳውነት ብምዝኽኻር ጳጳሳት ንሕዝቦም ጽን ቢሎም ክሰምዑን ነቲ ካብ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝሰምዕዎ ተቀቢሎም ከስተንትኑሉን ክጥቀሙሉን ዘዘኻኽር መልእኽቲ ርእየት ከምዝለኣኹሎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ዝሓለፈ ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ንዝተኸፍተ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ክኽፈት ንዝነበሮ ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ነፍሲወከፍ ቤተክርስትያን ንካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ንኩላዊት ቤተክርስትያንን እተወፍዮ ውህበታት’ ንዝበልዎ ዳግም ብምዝካር ከምኡ እውን ቀንዲ ጉዳይ ናይዚ ሎምዘመን ተኸፊቱ ኣብ ዝመጽእ ጥቅምቲ 2023 ክዛዘም ትጽቢት ንዝግበሩ መበል 15 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤ ሲንዶስ ጳጳሳት ዝተመርጸ ኣርእስቲ ‘ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስ እትርከብ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ውህደት ተሳትፎን ተልእኮን` ዝብል ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ መልእኽቶም ከፈቱ። ብፁዕነቶም ኣተሓሒዞም ጒዕዞ ሲኖዶስ ኣብ መንነት ቤተክርስትያን ዝተሓንጸ ምዃኑን እዚ ከኣ ኣብተን ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝርከባ ናይ ክልል ኣብያተክርስትያንን ኣብታ ኩላዊት ቤተክርስትያንን ምዃኑ ድሕሪ ምንጻር እቲ ኣብ መንጎ ኩላዊት ቤተክርስትያንን ናይ ክልል ኣብያተክርስትያንን ዘሎ ርክብ ዝተረሉ ከኣ ነተ መርሓ ግብር ሲኖዶስ ዝሓቶ ማለት ‘ምኽሪ መላእ ሕዝበ እግዚአብሔር ምሕታትን ጽን ቢልካ ምስማዕን ኰይኑ በዚ ከኣ ጓሶት ነቲ ንቤተክርስትያን ዘድሊ ነገራት ኣለሊኻ ናይ ምኽኣልን ንኩሉ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ናይ ምምራሕ ተልእኮ ክፍጽሙ እሞ ነቲ ንዓቢይ ሲኖዶስ መሪሕ ዝኸውን ናይ ሥራሕ ሰነድ ኣሰናድዮም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ከረክቡ ትጽቢት ይግበረሎም’ ኢሎም።

ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ቤተክርስትያን ጽን ቢልካ ምስማዕ!

ብፁዕነቶም ነታ ጽን ቢልካ ምስማዕ እትብል መምርሒት ኣብ ኩሉ ጽሕፍታት ሕይወት ቤተክርስትያን ክኸውን ግዲ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነቲ ምኽንያት እንክገልጹ ‘በዚ ሓሳብ እዝን ዘሎካ ውህበታት ምስ ካልኦት ኣብያተክርስትያን ንክትካፈል ብምብጋስን ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ ንጒዕዞ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ንምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ዘይወሓጠሎም ክህልው እኳ እንተኻእሉ ብተጻዩ ግን ውዱእ ነገር የለን ከምኡ እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተጽዕኖ ክገብረሉ ዝፍተነሉ መንገዲ የለን። በዚ ከምዚኸስ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጽን ቢሉ ክሰምዕ በዚ ምስማዕ እዚ ከኣ ሕሹዂታ መንፈስ ቅዱስ ስለዝመጽእ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ ጽን ቢልካ ምስማዕ ከድሊ እዩ። ምብልላጽ ሓሳብ ወይ ናተይባ ናተይባ ዝበሃል የለን ኩሉ ሓሳባት ማዕረ እዩ ዝረኤን ዝስማዕን’ እንክብሉ ነጻን ክፉትን እሂን ምሂን ምባል ክህሉ በዚ ከኣ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ጽፍሒ ቤተክርስትያን ንኩሉ ጽን ቢልካ ናይ ምስማዕ መንፈስ ከደንፍዑን ከበራትዑን ነዚ ከኣ ክሳብ ድምጺ ሕያው እግዚአብሔር ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ክቅጽልዎ ሓደራ ኢሎም።

ኣመለኻኽታ ሲኖዶሳውነት!

ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ንተጋባእቲ ረኪበ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዘቅርብዎ ምሕጽንታ ብዛዕባ ኣመለኻኽታ ሲኖዶስ ኰይኑ፣ እዚ ከኣ ሲኖዶስ ኩሎም ብሓባር ናብ እግዚአብሔር ገጽካ እትገብሮ ጒዕዞ ስለዝኾነ ምናዳ ንምእመናን ጽን ቢልካ ንምስማዕ ክፉት ልብን ኣእምሮን ምውናን ብወገን ጓሶት ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡ እውን ነቶም መሳርሕቶም ዝኾነ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰብ መዓርጋትን ንኩሎም ብማዕረ ጽን ብምባል ንፍቃድ እግዚአብሔር ኣለልዮም ክኽእሉ ሓደራ ኢሎም። እዚ ከኣ ነፍስወከፍ ዘተን ሓሳብ ንሓሳብ ኣዋሃሂድካ ኣብ ውሳኔ ምብጻሕን ፍቃድ ኣምላኽ ክተለሊ ዝግበር ጒዕዞን ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ብምስማዕ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ ንዓለምና ዝብሎ ሰሚዕካ ምኽኣል ከምዘድሊ። ነዚ ጒዕዞ እዚ ብጳጳሳት ጥራይ ዝምራሕን ዝቅለስን ገርካ ካብ ምርኣይ ተቈጢቦም ኩሎም ብሓባር እንክጽልዩን እንክሰማምዑን እንከስተንትኑን ፍረ ከምዝርከቦ ኣረጋጊጾምሎም። በዚ ከኣ ኩሎም ምስ ቤተክርስትያን ዓሚቊ ርክብ ክህልዎም ምናዳ ግለሰባት ኣብ ሻውላት ዝተጐስዩስ ይኹን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ከምኡ እውን ሽምግለታትን ብድኽነት ተፈልዮም ዝነብሩን እቶም ካቶሊካውያን ኰይኖም እምነቶም ሳሕቲ ግዜ ዝዝክርዎ ወይውን ፈጺሞም ዘይዝክርዎን ዘይነብርዎን ከይተረፉ ከምዝጠቃልል ተረዲኦም ንኩሎም ጽን ክብሉ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ነቲ ካብዚ ተመኲሮ እዚ ዝቀሰምዎ ዝሰምዕዎ ሕሹዂታ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣነጺሮም ብዘይምንም ተጒላባነት ከመልክቱ ብምዝኽኻር መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 November 2021, 15:19