ኣቡናት ቨነዝወላ፥ ናይ ምምራጽ መሰልን ግቡእን ዘይምኽባር ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን! ኣቡናት ቨነዝወላ፥ ናይ ምምራጽ መሰልን ግቡእን ዘይምኽባር ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን! 

ኣቡናት ቨነዝወላ፥ ናይ ምምራጽ መሰልን ግቡእን ዘይምኽባር ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን!

እቲ ዝወሰድናዮ ኣቅዋም ነቶም ‘ከይደ ንኽመርጽ ምኽንያት የብለይን’ ዝብሉ ሃገር ኣብ ምልዋጥ ኪደት ክዋስኡ ዝዕድም ከምኡ እውን ነቶም ክመርጹ ዝደልዩ ኣኽብሮት ዝመልኦ እዩ

ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ብሔራዊ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ግምት ብምእታው፥ “ንሓድሽን ሰናይን ፖለቲካን ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ከቕውም ዝኽእል ሓድሽ ማሕበራዊ መሪሕነት” ኣገዳሲ እዩ እንክብል፡ ናይ ሕልና ጻውዒት ከምዘቕረበን፥ “ካብቲ ዝርአ ዘሎ ድኽነት ፖለቲካን ቍጠባን ምብትታንን ተማሂርና ንቨነዝወላ ብሓቂ ክንቅይራ ንኽእል ኢና” ከምዝበሉ ናይ ቨነዝወላ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ምርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ሃገር ዕለት 21 ሕዳር ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ እቲ ንሰብኣዊ መሰል ኣኽብሮት ብዘይ ምህላዉን ፍርያም መዋቕር ብምጥፋኡን “ብውልቀ መላኽን” ከምኡ እውን “ብስነ ምግባራዊ መዳይ ተቐባልነት ዘይብሉ” ፖለቲካዊ ስርዓት ምኽንያት “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ድኽነት ትሳቐ ከምዘላ ክንገር እንከሎ። ብጹዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ እቲ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ነቲ እታ ሃገር ወዲቓትሉ ዘላ ጽንኵር ኵነት ንምልዋጥ ኣብ ዝብልን ከምኡ እውን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብል ድላይ ዘማእከለ ክኸውን ንናይ ሕዝቢ እታ ሃገር ሕልና ጻውዒት የቕርቡ።

ከባብያዊ ምርጫ

ኣስታት 21 ሚሊዮን ሕዝቢ ቨነዝወላ ኣብ 23 ፈደራላዊ ትካላትን ከምኡ እውን ኣብ 335 ምምሕዳራትን ኣባላት ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶም ኣባላት ክመርጹ እዮም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሰበኻ ማራካይቦ ሊቀ ጳጳስን ናይ ቨነዝወላ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ኣዙኣዠ፥

እቲ መልእኽቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ ብዛዕባ እዚ ምርጫታታ እዚ ኣብ ዜጋታት ዘለዓዓሎ ‘ዘይተገዳስነት’ ማለት ናይ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድብ ምግምማዕን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ምርጫ ግልጽነት ዘሎ ምጥርጣር ዘመላኽት እዩ። ናብቲ ምርጫ ንምብጻሕ እተፈጸመ ኪደት እንታይ ይመስል? ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ጥውይዋይን መገዲ እዩ ነይሩ። ብፍላይ እቶም ተቓወምቲ ሓደ ሕጹይ ምቕራብ ዝብል ዝነበሮም ስምምዕ ዘይምኽባር ዘስዕቦ እዩ። ሎሚ እውን ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ንምዃን እተፈላለዩ ድምጽታት ክልተ ወይ ሰለስተ ኣባላት ተቓወምቲ ክህልዉ ከለዉ እቲ መንግስቲ ግን ሓደ ናይቲ ናይ ዝውክሎ ፖለቲካዊ ሰልፍ ሕጹይ እዩ ዘቕርብ ዘሎ። ብኻልእ ሸነኽ እውን ተኣማንነት ዘይምህላው እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እምበኣር ሓደስቲ ደያኑ ናይ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምርጫ ተሸይሞም እዮም ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ውሽጢ መስርሕ ውጽኢት ኣድልዎ ዘይምግባር ባህርያት እንርእየሉ እዋን ኽኸውን ተስፋ እገብር። እቲ ዘሎ ምግምማዕ ሰባት ምእትእምማን ንኽህልዎም ከም ዘይሕግዞም ርግጽ እዩ።

ኣቡናት ሕዝቢ ቨነዝወላ ንኽመርጽን ድምጺ ናይ ምሃብ መሰልን ግደታን ከየባኽኖን ይዕድሙ። ይኹን እምበር ኣብቲ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ነታ ሃገር ናብ ስነ ምግባራውን ቍጠባውን ድኽመት ዝመርሓ ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ተግባራትን ናይዚ ኵሉ ጠንቂ ዝኽዕነ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እውን ይዛረብ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብዚ እዋን እዚ ምምራጽ ኪበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ዝወሰድናዮ ኣቅዋም ነቶም ‘ከይደ ንኽመርጽ ምኽንያት የብለይን’ ዝብሉ ሃገር ኣብ ምልዋጥ ኪደት ክዋስኡ ዝዕድም ከምኡ እውን ነቶም ክመርጹ ዝደልዩ ኣኽብሮት ዝመልኦ እዩ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ማለት ኣብ ግጭት ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ክውንነት ናይታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ኵሉ ክሳተፍ ንዕድም። ናይ ኵሉ ሓላፍነት እውን እዩ። . . . እታ ሃገር ካብቲ ህልው ቅልውላው ዘላቕቓ ምእንቲ ክኸውን ሕዳሴ ሃገርን ፖለቲካን ማሕበራውን ቍጠባውን ሕዳሴ ዘተባብዕ ሃዋሁ ምፍጣር የድሊ። ኣብዚ ኸኣ ናይ ኵሉ መራጺ ግደ ዓቢይ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ጳጳሳት መልእኽቲ “ክንየው እቲ ኣብ ዞባ ዝካየድ ምርጫ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ካብ ምግባርን ውጽኢት ካብ ምርካብን እዩ ዝውሰን። ናይ ኣቡናት ትጽቢት እንታይ እዩ? ወትሩ ምትእምማን ብዘይ ምጥፋእ - ቨነዝወላውያን ኣብዘን ዕስራን ሓደን ዓመታት ናይ ተስፋ ኣረኣእያ ሒዞም ዝጓዓዙ እያቶም ካብቲ ክትሩ ድኽነት ኣብ ፖለቲካን ቁጠባውን ጒዳያት ናይታ ሃገር ምግምማዕን ልዕሊ ኵሉ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥፋእ ዝቕየር ተስፋ ኣይኰነን። ኣብ ኣምላኽ ዓቢይ ትውክልቲ ብምግባር ንቕድሚት ክንስጒም ከም እንኽእል ንኣምን ከምቲ ኣቡናት ኣብ መልእኽቶም ዝበልዎ፥ “ቀዳማይ ነቲ ሰብኣውን ክርስትያናውን ተስፋና ኣብ ክብርን ተኽእሎን ነፍሲ ወከፍ ቨነዝወላ ከምኡ እውን ኣብ ሰናይን ምሕረትን ኣቦ እግዚኣብሔር ከነዛይዶ ኣሎና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 November 2021, 15:15