2020.02.29 celebrazione giubileo e festa annuale dell'archidiocesi di Asmara eritrea 2020.02.29 celebrazione giubileo e festa annuale dell'archidiocesi di Asmara eritrea 

ምኽፋት መደብ ምስንዳው ንዓለምለኻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ

ዝሓለፈ ሰንበት 10 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብዝተመርሐ መደብ፤ እቲ ናይ ምኽፋት ስነ-ስርዓት ተኻይደ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ብፁዕ ወቅደስ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ፡ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም ኣብ ሮማ ዚካየድ መበል 16 ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት፤ ኣቐዲሙ “ብሥምረት ናብ እትጓዓዝ (ሲኖዶሳዊት) ቤተክርስቲያን ኅብረት/ውህደት፡- ተሳትፎ - ተልእኮ” ብዝብል ኣርእስቲ፤ ብዓይነቱን ኣገባቡን ፍልይ ዝበለ፡ ብደረጃ ሰበኻ፤ ሃገርን ኣህጉርን ◊ድሊ ◊ተን መጽናዕትን ክግበር ብዝሃብዎ ወግዓዊ መምርሕን ሓበሬታን፤ ከምኡ’ውን ነዚ ናይ ምቕርራብ ጉዕዞ ክሕግዝ ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተሰናደወ “ብሥምረት ንእትጓዓዝ (ሲኖዶሳዊት) ቤተክርስቲያን ኅብረት/ሓድነት- ተሳትፎ - ተልእኮ”፤ መሰነይታ ሰነድ (Vademecum) ዝብሉ ክልተ ጽሑፋት ዝህብዎ መምርሕን መሠረት፤ ዝሓለፈ ሰንበት 10 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብዝተመርሐ መደብ፤ እቲ ናይ ምኽፋት ስነ-ስርዓት ተኻይደ። 

እዚ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ዝተኻየደ መኽፈቲ መደብ፤ ካብ ኩለን ቍምስናታት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝመጹ ወከልትን ኣብ መንበረ ሊቀካህናት ኣሥመራ ዝርከቡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ እንኪኸውን፤ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ምስ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ገዳማትን ቆሞሳትን ብኁባሬ ብ◊ዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እዩ ተኻይደ። ካልኦት ኣብ መላእ እዚ ርእሰ ኤጳርቅና ዝርከባ ቍምስናታትን ገዳማት’ውን ኣኣብ ቦታኤን ኰይነን፤ ነዚ ወግዓዊ ምኽፋት ሲኖዶስ ብመስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን መዚሙርን ኅቢረናኦ እየን። 

ኣብዚ ናይ መኽፈቲ መደብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ◊ስምዕዎ ስብከት፡ “ሎሚ ድሮ ስምዕኩምዎ ከም ◊ሎኹም፤ ኣብ ሮማ ብፁዕ ወቅደስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ክልተ ዓመት ዚወስድ ጉዕዞ ሲኖዶስ ክኸፍቱ ኢዮም፡፡ ንሕና ኸኣ ሎሚ ምስኦም ኮይንና ብርእሰ ኤጳርቅና ደረጃ ሲኖዶስና ንኸፍት ኣሎና፡። “ሲኖዶስ” ቃል ንቃሉ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ኮይኑ፤ “ብኃባር ምጉዓዝ” የስምዕ። ሕጂ ከኣ ር.ሊ.ጳጳሳት በዚ ሲኖዶስ፤ ብፍሉይ መንገዲ ኃቢራ እትጎዓዝ ቤተክርስትያን ክርእዩ ይደልዩ ኣሎው። ር.ሊ.ጳጳሳት ነዚ ሲኖዶስ እዚ ክኸፍቱ ከለው፡ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን መጀመርያ ሓብራ ትጎዓዝ፡ ሓድነት ◊ለዋ፤ ካልኣይ ከኣ ኰሎም ኣባላታ ሓደ ከይተረፈ ካህን፡ ድንግል፡ ጳጳስ፡ ጥራሕ ◊ይኮነ፤ ኰሎም ምእመናን ዓቢን ንእሽቶን ሰብኣይን ሰበይትን፡ ጥዕና ዘለዎ፡ ጥዕና ዘይብሉ፡ ሽማገለ፡ ንእሽቶ ወላ ሓደ ዘይሳተፍ ክተርፍ የብሉን ይብሉና፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጉዕዞ ተሳታፍነት ናይ ኰሉ የድሊ፡ ወላ ሓደ ተረሲዑ ክተርፍ የብሉን፡፡ ሳልሳይ ተልእኾ ኢዩ፡ ብሕይወትና ብቃልና መሰኻኽር ክርስቶስ ክንከውን ኣሎና ይብሉና፡። 

ኃቢርና ክንጎዓዝ እንድሕሪ ደልና፤ ብሓቂ ኩሉ እቲ ኣንነትና ክንኣልዮ የድሊ፡፡ ኃብሩ ዝጎዓዝ ነኣይ ይጥዓመኒ፤ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ይኹን ኣይብልን ኢዩ፡፡ ኣብቲ ኃቢርካ ምጉዓዝ ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ትሕትና፡ ሓሳብካ ምክፋል ኣሎ፡፡ እዚ ኢዩ ዝድለ ዘሎ፡ ተሳትፎ ክበሃል ከሎ ሰማዒ ጥራይ ዘይኮነ፤ እቲ ካልእ’ውን ሓሳቡ ከካፍል፤ ቅድሚ ኹሉ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ ር.ሊ.ጳጳሳት “ኩሉ ክሰምዕ ድልው ክኸውን ኣለዎ” ይብሉና ኣለው፡፡ ስለዚ እዚ ሓድነት፡ ተሳታፍነትን፡ ተልእኾን እዚ ካብዚ ሎሚ መዓልቲ ጀሚርና ከመይ ኣለና፡ ቢልና ሃለዋትና ክንፈልጥ ይሕግዘና፡፡ ከም ውልቀ ሰባት፡ ከም ስድራቤታት፡ ከም ቊምስናታት፡ ከም ሰበኻ ከመይ ኣለና፨ ኣበየናይ ኩነታት ንርከብ፨ እምነትና ብሓቂ ድልድልቲ ድያ፨ ተስፋና፡ ፍቕርና 

ከመይ ኣሎ፨ ሓድነትና፡ ተሳትፎና እንታይ ትመስል፨ ኢልና ርእስና ክንሓትት፤ ሕልናና ክንፍትሽ ንጽዋዕ ኣሎና፡፡ ሲኖዶስ ክበሃል ከሎ ኣስተምህሮታት ምሃብ፤ መደባት ምስራዕ ጥራይ ዘይኮነ፤ ናይ ሕልና መርመራ ጊዛ እዉን ኢዩ፡፡ 

ልዕሊ ኰሉ ከኣ ሲኖዶስ ናይ ጸሎትን፡ ናይ ምህለላን ጊዛ ኢዩ፡። ኣስተምህሮታት፡ መጽናዕቲ ምግባር ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ጸሎት እንተዘየለ ግን ሓንቲ ክፈሪ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ኹሉ ሓሳብ ናይዚ ሲኖዶስ ጽሙቕ ኣብላ ትሕዝ ቃል ቅደስ መጽሓፍ እዚ ሎሚ ዘንበብናያ፡ ካብ ወንጌል ቅደስ ዮሓንስ ምዕራፍ 15 ዝተወስደት ሓሳብ ኢያ፡፡ እቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝሕተተና ዘሎ ኩሉ፡ ኣብኡ ንረኽቦ። መጀመርያ ኢየሱስ “ኣነ ጒንዲ ወይኒ ኢየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ጨናፍር ኢኹም” ይብለና፡፡ “ብዘይካይ ሕይወት የብልኩምን፡ ብዘይካይ ከተፍርዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ይብለና። ሲኖዶስ ብሓንሳብ ምጉዓዝ ማለት እንተኾይኑ ቅድሚ ኹሉ ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ ማለት ኢዩ፡። ጉንዲ ወይኒ ኢየሱስ፡ ንሕና ኸኣ ጨናፍር እንተኾንና፡ እቲ ተሳትፎና፡ ተልእኾና፡ ዓንቢቡ ክፈሪ ኢዩ፡።ኢየሱስ ኢዩ ዘሕብረና፡ ሓደ ዝገብረና፡፡ ከመይ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት ኢያ፡ ሓደ ገራትና ዘላ፡። ስለዚ እዚ ዝሰማዕናዮ፡ ወንጌል “ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ” ይብለና፡፡ ኣብ መጨረሸታ ከኣ መድኃንና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኰሉ ከስልጠኩም ኢየ” ይብለና። እዚ ቃል ወንጌል ንዓመት ምሉእ ከሰንየና ጽቡቕ ይመስለኒ፡፡ ከመይ እዚ ወንጌል እዚኣ፡ መጀመርያ ኢየሱስ፡ ክንሕጎስ ክንቅደስ ኢዩ ጸውዕና፡፡ ኣነ ኢየ ዝሓረኹኹም፡ ዝመረጽኩኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፡ ንምንታይከ መሪጸኩም ሕጉሳት ክትኮኑ ይብለና። ስለዚ ንፍቕሪ፡ ንሓጎስ ኢዩ ጸውዕና፡ ካልኣይ መሳርሕቱ ክንከውን፤ ኣብቲ ጉንዲ ሕይወት እንድሕሪ ጠቢቅኩም ብዘሕ ፍረ ናይ ጽብቕ ስራሕ፡ ፍረ ናይ ስብከተ ወንጌል፡ ፍረ ናይ ምስክርነት ከተርእዩ ኢኹም ይብለና።፡ 

ኣብ መጨረሽታ ሎሚ ሲኖዶስ ክንከፍት ከሎና ብጸሎት ንከፍቶ ኣሎና፡ እሞ ጸሎት ቅድሚ ኩሉ ናይ እምነት ስራሕ ኢዩ፡፡ ካልኣይ ጸሎት ብስም ክርስቶስ ክቐርብ ኣለዎ፡ ሳልሳይ ጸሎት ማለት ፍቓድካ ይኹን ማለት ኢዩ፡ ራብዓይ ሓቀና ጸሎት ንርእስኻ ጥራይ ኣይኮነን ምእንቲ መራሕቲ ሃገር፡ ምእንቲ መራሕቲ ቤተክርስትያን፡ ምእንቲ ወለድና፡ ኣሕዋትና ኣብ ሽግር ዝርከቡ፡ ምእንቲ ኩሉ ክንጽሊ ኣለና፡ ንኣና ጥራይ እንተ ጸለና ኣይሰልጠናን ኢዩ፡፡ ኩሉ ጊዛ መቁጸርያ ክንገብር፤ መስዋዕተ ቅዳሴ ከነዕርግ ከለና፡ ምእንቲ ርእስናን፡ ምእንቲ ካልኦትን ክንጽሊ ኣለና፡፡ እዚ ኢዩ እቲ ትርጒም ናይዚ ወንጌል፡ ናይዚ ሎሚ ንኸፍቶ ዘሎና ሲኖዶስ፡፡ ሎሚ ናይቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ኣበሳር ወንጌል ዝነበሩ ቅደስ ዳንኤል ኮምቦኒ በዓል ኢዩ። ንሶም ኣብቲ ጽሑፋቶም ዝብልዋ ነዚ ሲኖዶስ ትጠቅም፤ “ኰሉ ግዛ ምስ ቤተክርስትያን ክንጎዓዝ የድልየና”፡ ትብል ዓባይ ቃል ኣላ፡፡ ብዘሕ ጸገማት ከጋጥመና ይኽእል፡ ግን ምስ ቤተክርስትያን ኃብርና ንጎዓዝ እንተኾና ኣይንጋገን ኢና፡ ብምባል ስብከቶም ዚዚሞም፡። 

ድሕሪ ሰብከት ብፁዕ ሊቀጳጳሳት፤ ናይ ርእሰ ኤጳርቅና ተጸዋዒ ምስንዳው ሲኖዶስ፤ ክቡር ኣባ ቶማስ ነጋሽ ንትሕዝቶን ትርጉምን ወግዓዊ ኣርማ ናይዚ ሲኖዶስ ዝምልከት ተወሳኺ መግለጺ ሂቦም። 

ነዚ ብደረጃ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝግበር ናይ ምቕርራብ ጉዕዞ እትመርሕ፤ ዓሰርተ ክልተ ዝኣባላታ ኮሚቴ’ውን ድሮ ቆይማስ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ዘድሊ መምርሕን ምኽርን ተዋሂብዎ ስራሓ ጀሚራ ኣላ። ነዚ ሲኖዶስ ብዝምልከት ዝተሰናደወ መልእኽቲ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት’ውን ናብ ኵሎም ሰብ ውፉይ ሕይወትን ቍምስናታትን ተዘርጊሑ ኣሎ። 

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብዚ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ንትሕዝቶን ኣካይዳን እዚ ዓለምለኻዊ ሲኖዶስን፤ ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍን ኣብ መላእ ጉዕዞ እዚ ሲኖዶስን ካብ ተሳተፍቲ ዝሕተት፤ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣብ ግምት ክኣቱ ዝተላበውዎ፤ ኃቢርካ ብሥምረት ምጉዓዝ፤ ንሓድሕድካ ጽን ኢልካ ምስምማዕ፡ ሓሳብካን ተመኩሮካን ምክፋል፡ ኃቢርካ ምምስጋን ምብዓል፤ ንኃባራዊ ተልእኮና ኃላፍነትካ ምክፋል፤ ኣብ ቤተክርስቲያንን ኅብረተሰብ ተዋሲእካ ምኽኣል፡ ኅብረት ክርስቲያን፡ መዝነትን ተሳትፎን፡ ምምማይን ምውሳንን፡ ብሥምረት ኣብ ምጉዓዝ ንባዕልና ምልምማድ ዝብሉ 10 ነጥብታት ብዝርዝር ገሊጾምዎ ኣሎው።፡ 

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብዚ ናብ ኩለን ገዳማትን ቍምስናታትን ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ’ዚ “ኣብዚ ኣብ’ዚ ክንርስዖ ዘይብልና ንሕና ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ድሮ ክልተ ተመክሮ ናይ ሲኖዶስ ኣሎና።፡ ብዘኅ ካብ’ዚ ሕጂ እነንብቦ ጽሑፋትን፡ ዝሕተተና ተግባራትን እንተወሓደ ብመጠኑ ተሰሪሕሉን ተፈቲኑን እዩ።፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ሲኖዶስና ዝወጸ ሰነዳት ምልስ ኢልና እንተርኢናዮን ኣንቢብናዮን ብዘኅ ከምዝጠቕመና ርጉጻት ኢና።፡ በዚ መንፈስ እዚ ከኣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ጸሎትን ቊምስናታትን መካነ ኅውነትን ማኅበራትን ገዳማትን ነዚ ናይ ቤተክርስትያንና ጸዋዒት ብዝግባእ ተቐቢልና ኣብ’ዚ ተዋሂቡና ዘሎ ጊዛ (ጥቅምቲ 2021- ሚያዝያ 2022) ኩሉ እቲ ካባና ዝሕተት ከነማልእ ንጽዓር።፡ ክሰልጠና እንተኮይኑ ኢደይ ኢድካ ኢልና ብምትሕብባር ጽፉፍን ኣድማዕን ስራሕ ክንሰርሕ ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ጉዕዞ እዩ፡ ኣብ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ጸሎትን ዝተመርኮሰ መንፈሳዊ ጉዕዞ፡ ዳርጋ ኢዮቤላዊ ንግደት ኢየሩሳሌ ከምዝኾነ ክንዝንግዕ የብልናን።፡ ስለ’ዚ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ርክባትናን ምድላዋትናን ተዋስኦናን፡ ቃል እግዚኣብሔር ምስማዕ፡ ምሥጢራት ምቕባል፡ ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴን ዝግበር ንግደታትን ብንጥፈት ምስታፍ ከድሊ እዩ።፡ እዚ እንተገበርና ጥራይ እዩ ዕውት ሥሙር ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ክንገብር ንኽእል።፡ ሊቃነ ካህናት፡ ኣሕሉቕ ገዳማት፡ ቆሞሳት፡ ኣብያተ ምኽሪ ምእመናን፡ ኣብያተ ምኽሪ መንእሰያት፡ ምንቅስቓሳት፡ መንፈሳውያን ማኅበራት፡ ኣብ ዘዘሎኹምዎን በብትኽእልዎን ነዚ መደብ’ዚ ዕውት ንምግባር ክትተግሁ ሓደራ እብል።፡ እኖና ቤተክርስትያን ይጽንሓለይ ዘይብሃልን ንካልኦት ዘይግደፍን ኃላፍነት ኣልቢሳትና ስለዘላ ‘ብኅብረት ንጐዓዝ” ሲን-ኦዶስ! “ክብሉ’ውን ተላብዮም ኣሎዉ፣ 

ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ 

16 October 2021, 13:18