ኣብ ኣህጉራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ ብዛዕባ ፍጥረት ዝዓረገ ጸሎት ኣብ ኣህጉራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ ብዛዕባ ፍጥረት ዝዓረገ ጸሎት 

ኣብ ኣህጉራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ ብዛዕባ ፍጥረት ዝዓረገ ጸሎት

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅዱስ ቍርባን ፍጻሜታት ዝድገም ጸሎት ነቲ “መኣዲ ፍጥረት” ምክፋል ዝብል ኣምር ዝሓቘፈ እዩ

ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ናይ ስዞምባተልይ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዣኖስ ስዘከልይ ምስ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ብምትሕብባር ኣብቲ እንነብሮ ዘሎና ወቕቲ ዘፍጥረት ዝደረስዎ ጸሎት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ነቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ብፍሉይ ዝተደርሰ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረተ “ኣብ ኣባይቲ ስድራ እውን ከም ጸሎት ኣብ ምቁዳስ መኣዲ ክቐርብ ዝኽእል እዩ -  ስለ እቲ ህያብ መግብን ስለቲ ዘደንቕ ፍጥረታትን ምስጋና ዘቕርብን፡ ሓድሓደ ግዜ ሓባራዊ ቤትና ዘበላሹን ንድኻታት ዝንጽልን ስስዐ ወድሰብ ይቕረታ እሓትት፡ ኵሎም ካብ ሓባራዊ መዓዲ ደቅሰብ ኣድላዪ ዘበለ ምእንቲ ኺረኽቡ ዝምህለልን ጸሎት እዩ። ምስ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ብምትሕብባር ነታ ጸሎት ዝደረሱ ብጹዕ ኣቡነ ዣኖስ ስዘከልይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እቲ “ንዅሎም ዚኸውን ቤት? መንበረ እግዚኣብሔር ዝኾነ ቤት ንሓድስ” ብዝብል ቃል ተመሪሑ ክሳዕ ዕለት 4 ጥምቲ ኣብ ዚቕጽል መደብ ወቕቲ ፍጥረጥ ዚቐርብ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣቢያተ ትምህርትን ቍምስናታትን ሰበኻታትን

“ኣብ ሃንጋሪ ካብ ዝቐውም 15 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ማህልየ ዘጸሓይ እተሰምየ ዕቝባ ፍትረት ዘተባብዕን ምንክኻን ፍጥረት ዘተባብዕ” ብናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት Caritas in veritate -  ፍቕሪ ብሓቂ (በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣብ 2009 ዓ.ም. ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ) ዝምራሕ ማሕበር ከምዘሎ ገሊጾም፡ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ቍምስናታትን ሰበኻታትን ነታ ናይ ሓባር ቤትና ቤት ሰብኣውን ኵሉ ፍጥረትን  ምሕላውን ምክንኻንን ዝብል ሓላፍነት ዘነቓቕሕን ነዚ ዝሕግዝ መደባት እውን ዘቕርብ እዩ” ኢሎም።

መኣዲ ዘፍጥረት

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅዱስ ቍርባን ፍጻሜታት ዝድገም ጸሎት ነቲ “መኣዲ ፍጥረት” ምክፋል ዝብል ኣምር ዝሓቘፈ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1992 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዞም ዘቕርብዎ ናይ ሓባር ቤትና ንከናኸን ዝብል ጻውዒት ብፍላይ ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ቅድምን ድሕሪ መኣድን ደው ቢልካ ንኣምላኽ ምምስጋን፡ ምንባርና ኣብ ኣምላኽ ምርኩስ ምዃኑ ምዝካርን ነቲ ዝተዓደለና ውህበት ፍጥረት ዘሎና ሞሳ ዘበራትዕን ምስቶም ድኻታን ስኡናትን ዘሎና ሓድነት የደልድሎ” (ፍቕዲ 227 ረኣ) እንክብሉ ንዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ ኢሎም።

ንድኹማትን ንምድርንና ነዕቍብ

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 12 መስከረም እቲ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅዱስ ቍርባን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ፥ ቅዱስነቶም “ናብቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ዘደንቕ ስርዓተ ሕጊ  ናብቲ ጐይታ ባዕሉ ዝሃቦ ስኒት ከም እነተኵር ክገብሩ እዮም - ሰብ ነዚ ስኒት እዚ ማለት ነዚ ናይ ፍቕሪ ናይ ሓልዮት ሕጊ ንዅሉ ፍጥረት ዝቈጻጸር ፍትሒ ንምርካብን ንምኽባርን ጻውዒት ከቕርቡ እዮም።”፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከይተሓለሉን ደጋጊሞን ድኻታትን ፍትረትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኪፈላለ ከም ዘይክእል ንዓለምና ኽንዕቍባ እንኽእል ንድኻታትን እንነብረላ መሬት ን እንተዕቝይብና ጥራይ ምዃኑ የዘኻኽሩና።

ብቛንቋ ሮም ዝዝየም ስርዓተ ቅዳሴ

ኣብ 2008 ዓ.ም. ናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ዓሌት ሮም ኣተርጒይሙን ኣጽዲቑን ንሕትመት ኣብቂዑ እዩ፥ ቋንቋ ሮም እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓሌት ሮም ብሰፊሕ ዝጥቀምሉ ቋንቋ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብቋንቋ ሮም ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ኣይነበረን። ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተተባቢዕና ብቋንቋ ሮም ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ትርጒም ኣብ ፍጻመ በጺሑን አብዚ ናይ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ እዚ ዕለት 9 መስከረም 2021 ዓ.ም. መላእ ተጋባእያን ዓለም ሓቆፍ ቅዱስ ቝርባን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እዩ፥ ነዞም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ውሁዳን ዓሌት ኣብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ሕውነትና ንገልጽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 September 2021, 10:06