ዕለት 12 መስከረም ኣዋጅ ብጽዕና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ውይስዝይንስኪ ዕለት 12 መስከረም ኣዋጅ ብጽዕና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ውይስዝይንስኪ 

ዕለት 12 መስከረም ኣዋጅ ብጽዕና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ውይስዝይንስኪ

ኣብ ፖላንድ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ይገብር ዕለት 28 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ዝዓረፉ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ቅዱስ ዝፈልጦምን ዘኽብሮምን ካብ ስርዓት ናዚን ደሓር እውን ካብ ስርዓት ዴስነት ህዝቦም ዝተኸላኸሉ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብጹዕ ካርዲናል ውይስዝይንስኪ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ክትእውጀሎም ከምዝኾነን ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካቶሊካውያን ምእመናን ፖላንድ ጸሎትን መንፈሳዊ ሱታፌን ክነብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ.ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፖላንድ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ይገብር ዕለት 28 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ዝዓረፉ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ቅዱስ ዝፈልጦምን ዘኽብሮምን ካብ ስርዓት ናዚን ደሓር እውን ካብ ስርዓት ዴስነት ህዝቦም ዝተኸላኸሉ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ዕለት 19 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. መንፈሳዊ ገድልታቶም ኣፍልጦ ዝሃቡሎም ኣብ 2019 ዓ.ም. በማላድነቶም እግዚኣብሔር ዝጸገዎ ተኣምረ ፈውስ እዚ ኸኣ ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዔት ተወላዲት ፖላንድ በማላድንቶም ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ፈውስ ተቐቢላን ካብቲ ሕማም ናጻ ዝኾነት ሓቂ እንክብሉ ውሳኔ ከምዝሃቡሉን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ መዓልቲ ኣዋጅ ብጽዕናኦም ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብታ ቅዱስ ዓጽሞም ዝተብረላ ኣብ ቫርዛቪያ ኣብ እትርከብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ሓልዮት ፍርቂ መዓልቲ ብጽእና ክእወጀሎም ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ነዚ ኣዋጅ ብጽዕና ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ናይ ኣዋጅ ስነ ስርዓት ዝውድብ ሽማግለ፥ ብምኽንያት ቀይድታት ለብዒ ኮቪድ 19 ምጭንናቕ መታን ከይህሉ ኣብቲ ንኣዋጅ ብጽዕና ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ ምእመናን ፍሉይ ናይ ፍቓድ ወረቐት ከምምእተወሃቦምን እዚ ኸኣ ንዅለን ሰበኻታትን ማሕበረሰብ ምእመናንን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዘጠቓልል ከምዝኾነ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘፍለጠን፡ ካልኦት ኵሎም ነቲ ስነ ስርዓት ኣዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ብተለቭዥንን ብመደብራት ረዲዮን ብመርበባዊ ውሕዘትን ብቐጥታ ክከታተልዎ ከምዝኽእሉ እውን ክምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣ ምስ ካርዲናል ውይስዝይኒስኪ ሓቢረን መስራቲት ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ኣገልግልቲ መስቀል ብፍላይ ናይ ምርኣይ ጸገም ዝነበሮምን ዓይነ ስውራንን ኣብ ምግልጋል ዝተወፍያ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር እናቴ ኤልዛቤታ ሮዛ ችዝካ (1876 – 1961 ዓ.ም.) ብጽዕና ክእወጀለን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ የዘኻኽር።

10 September 2021, 09:46