አግእዝተ ዓለም ሥላሴ አግእዝተ ዓለም ሥላሴ 

ቅድስት ስላሴ ሓምለ 7 2013 ዓ.ም. (07/14/2021) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ

ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ፥ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዓ ሰማያት፥ ውእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ። መዝ. 32፡2~6።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና በዓል ሓደ ካብቲ ሰበኽቲ ክሰብክዎ ዘይደፍሩ ብዓላት እዩ። ምኽንያቱ ከአ ምስጢር ስላሴ ክንገልጽ ዓቕምን ቃላትን ስለ ዘይብልና እዩ። ብሓደ ወገን ክርንእዮ ከሎና ሓቂ እዩ ዝመስል። እቲ ዓቢ ሊቅ ቅ. ቶማስ ከም ዝብሎ ብዛዕባ አምላኽ ክንዛረብ ከሎና ዝቐለል እቲ ንሱ ዘይኮኖ እዩ ካብ ንሱ ዝኾኖ ይብል። ብኻልእ አዘራርባ እቲ ብዛዕባ አምላኽ እንዛረቦ ካብቲ ናይ አምላኽ እንታይነት አዝዩ ዝረሓቐን ፍሉይን እዩ። ንአብነት እግዚአብሔር “ሕያዋይ ወይ ጽቡቕ” እዩ እንተበልና አተሓሳስባና ብዛዕባ ጽባቔ ወይ ሕያውነት አምላኽ ዘሎና ርድኢት ድሩት እዩ፥ ብአእምሮና ክንበጽሖ ክንርድኦ ክንገልጾ ዓቕሚ የብልናን፥ ጽባቔን ሕያውነትን አምላኽ ብአና ክግለጽ አይክአልን እዩ። ዝኾነ ካልእ መግለጺ ብዛዕባ አምላኽ እንጥቀመሉ ምስቲ ናቱ እንታይነት ዝኸይድ አይኮነን፥ ናትና አተሓሳስባን አረአእያን እዩ እምበር አምላኽስ ከምቲ ንሕና እንብሎ አይኮነን።

አብ ምስጢር ስላሴ መጺእና ትርጉምን አብ ማእከሎም ዘሎ ርክብን ክንዛረብ እንተ ኾና አብ ሓደ አምላኽ ሰለስተ አካለት አለዉ ክንብል እንከሎና ካብቲ አእምሮ ወዲ ሰብ ዝሓስቦ ደረት ንወጽእ አሎና፥(1=3) ቋንቋ ደቂ ሰብ ነዚ ክገልጽ ሕጹርን ድሩትን እዩ፥ ንምስጢር ስላሴ ዘይከውን ቃላት ኢና እንጥቀም። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ አምላኽና ዝርከቦ አብ “ዘይፍለጥ ደመና” እዩ። አምላኽ ካብቲ ኩሉ እንብሎ ወላ ሓደ አይኮነን። ከምቲ ንሓደ ዕዉር ኮይኑ ዝተወልደ ሰብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ብዛዕባ ቆጽላዊ ሕብሪ ወይ ዘይርእዮ ምንጋሩ እዩ።

አብዚ ናይ ሎሚ ብዓልና ካብቲ ቀንዲ አርእስቱ ወጺእና ብዛዕባ ካልእ ክንሓስብ አይኮነን ዓላማና። ወላእኳ ብዛዕባ አምላኽ ዘሎና አፍልጦ ድሩትን ውሑድን ይኹን ብዙሕ ሓጋዝን ጠቓምን ነገራት አሎና፥ ምስ ክፍሊ እንታይነቱ ዘራኽብ ውሽጣዊ ርክብ አሎና። እዚ ልዕሊ ኹሉ እንርድኦን እንቕበሎን ሓቂ እዩ፥ ብዙሕ ሓሳባት ብዛዕባ ምስ አምላኽ ክንራኸብ ክሕግዙና ዝኽእሉ ክንገብር ንኽእል ኢና።

አብ ትምህርቲ ቅ. ቶማስ ከም መሰረታዊ መምርሒ ገሩ ዝወስዶ ጠባይ ናይ ዝኾነ ነገር እንገልጾ በቲ ናይቲ ነገር ባህሪ እዩ ዝውሰን ዝብል እዩ። በቲ ነገራት ዝገብርዎ ብዛዕብኦም እንታይ ምዃኖም ክንፈልጥ ንኽእል። ዝተፈላለየ ባህርይ ሚነራላት ካብ ካልእ ሕይወት ዘይብሎም ነገራት ክንፈላሊ ንኽእል፥ ናይ አታኽልቲ ሕይወት፥ ባክተርያን ቫይሩሳዊ ሕይወት፥ እንስሳዊ ሕይወት፥ ናይ ሰብ ሕይወት በብናቱ ክንፈላልዮ ንኽእል። ከምዘሎ እንተ ረኣናዮ ንላምን ፈረስን ክንሓዋውሶም አይንኽእልን ኢና፥ ጭሩ ካብ መንካዕ ወይ ዓሣ ነባሪ ካብ ሻርክ፥ ጎሪላ ካብ ሰብ ክንፈሊ አየጸግመናን እዩ፥ አብ መንግኦም ዘሎ ፍልልይ አብቲ እንርእዮ ጥራሕ አይኮነን። ነፍስወከፎም ሓደ ካብ ውሽጦም ዝምንጩ ሓቂ ወይ ዝብገስ ነገር አልኦም፥ እዚ ካብቲ ውሽጣዊ ባህርዮም ዝመንጨወ እዩ። እንስሳ ከም ሰብ ክዛረቡ አይንጽበዮምን ኢና። ዝኾነ እንስሳ ይኹን ተኽሊ ዝገብሮ ንፈልጦ ኢና። አብቲ አብ ዕለታዊ ሕይወትና አብ ሰባት አፍልጦ ዘሎና ካብቲ ብጠባያቶም በቲ ምስ ሰባት አብ ዝገብርዎ ምውሳእ ዝተመስረተ እዩ። ንሰባት ሕያዎት እዮም ንብል ምኽንያቱ እቲ ቀጻሊ ጠባያቶም ዘርእዮ ሕያውነት ስለ ዝኾነ። ብአንጻሩ ጨካናት ንብሎም ምኽንያቱ ጨካን ዝኾነ ጠባይ ስለ ዘርእዩ። “ብፍሪኦም ክተፍልጥዎም ኢኹም” ኢሉ ኢየሱስ። “ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ክፈሪ አይክእልን እዩ ወይ ሕማቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ አይክእልን እዩ” ምኽንያቱ  ጠባይ ነገራት በቲ ዘርእዩዎ ባህሪ ስለ ዝውሰን።

ድሩት አፍልጦ፡

አብ ገለ እዋን ብዛዕባ ሰባት አብ ጠባይቶም ተመስሪትና ብዙሕ እንፈልጥ ኮይኑ ይርአየና፥ እንተኾነ ብዝኾነ መገዲ ኩሉ ናይ ሰብ ጠባይ ክንፈልጥ አይንኽእል ኢና። ነፍሲወከፍ ሰብ ከምቲ ሳይንስ ኩሉ ጊዜ ዝበጽሖ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ምስጢር እዩ፥ አብ ውሽጣዊ ኩነቱ አቲና ኩሉ ክንፈልጥ ዘይክአል እዩ። እዚ አብ ርእስና እውን ከምኡ እዩ። ርእስና ብምሉእ አይንፈልጦን ኢና። ባዕልና ንርእስና ምስጢር ኢና። ንርእስኻ ምፍላጥ ከቢድ እዩ።

እዚ አብ ፍጡራት ሓቂ እንተ ኾይኑ ናይ ፈጣሪ ነገር እውን ክገርመና የብሉን። አምላኽ አብቲ ዓሚቕ እንታይነቱ ምስጢር እዩ ክንፈልጦ አይንኽእልን ኢና። እዚ ዝተማህዘ ነገር አይኮነን ሓቂ እዩ። ብዝኾነ አብቲ አምላኽ ዝገብሮ ተመስሪትና ንሱ እንታይ ከምዝኾነ ገለ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል። እዚ ነገራት ብጠባዮም ኢና እንፈልጦም ዝብል አምር ንአምላኽ እውን ክምልከት ይክአል እዩ።

ትምህርቲ ሓዲስ ኪዳን፡

አብ ሓዲስ ኪዳን ኢና ብፍሉይ አፍልጦና ብዛዕባ አምላኽ እንረኽቦ ወላ እኳ ናይ ስላሴ ተሎጋዊ ትምህርቲ ድሒሩ ዝመጸ እንተ ኾነ። ሰለስተ አካላት አብ ሓደ አምላኽ ዝብል ክንርድኦ ኢልና እውን ክንፍትን አይንኽእልን ኢና። አብ ነፍስወከፍ አካል እንታይ ከምዝገብሩ ብምዕዛብ ብዛዕባ እንታይነቶም ንእሽቶይ ፍልጠት ክህልወና ይሕግዘና።

አብ ናይ ግሪኻዊ ድራማ አብ ጊዜ ኢየሱስን ቅድሚኡን ዝነበረ እቲ ምርኢት ዘርኢ አብ ርእሱ ሓደ (mask) ድርዒ አብ ርእሱ ይደፍእ እዚ ኸአ እንታይ ዓይነት ምርኢት ከምዘርኢ ክሕብር ማለት እዩ። ግሪኻዊ ቃል ነዚ ድርዒ prosopon (ቃላ ንቓሉ ‘አብ ቅድሚ ገጹ’ እዩ ትርጉሙ) ይብልዎ ነዚ አብ ላቲን ክትርግምዎ ከለዉ persona ኢሎሞ ንሕና አካል ንብሎ። ነዚ ብአምሳል ክንዛረብ ከሎና አብ አምላኽ ሰለስተ ድርዕታት ወይ ሰለስተ አካላት አለዉ ንብል። ሰለስተ አካላት፥ ሰለስተ ተራታት አብ ዝተፈላለዩ ሰለስተ ምንጪ ናይ ተግባር ዝገልጹ። እዚ መግለጺ አይኮነን፥ ብመጠኑ ግምት ንርድኢት ክህልወና ብማለት እዩ። እቶም ሰለስት ተራታት ወይ ተግባራት ናይ አብ፥ ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዮም።ናይ ስላሴ ሰለስተ አካልነት በቲ አብ መንግኦም ዘሎ ርክብ ኢና ክንገልጾ እንኽእል እምበር ብኻልእ ቀሊል አይኮነን ክንገልጾ። 

እግዚአብሔር አቦ፡

ንእግዚአብሔር ከምአቦ ንርእዮ ፈቃርን ርሕሩሕን አቦ። ዝጠራጠር አቦ ዘይኮነ ብቐሊል ክትቀርቦ ዝክአል እሞ “አባ” ኢልካ ክጽዋዖ ዝክአል አቦ እዩ። ንሱ ፈጣርን ውሃብ ሕይወትን እዩ። ዝኾነ ጽቡቕ ዘበለ አብ ዓለም ክርአ ወይ ክፍለጥ ዝክአል ካብኡን ብእኡን እዩ ዝመጽእ። አብኡን ብአኡን ምስኡን ኩሎም ነገራት ህልዋት ይኾኑ።

ንሱ ዝግደስ ነቲ ካብኡ ዝረሓቐ በታኒ ውሉድ ክምለስ ዝጽበን ንኹሉ ዝገበሮ በደል ጨሪሹ ሽዑ ንሽዑ ዝምሕርን አቦ እዩ። ንሱ አቦ ሓቂ፥ አቦ ፍቕሪ፥ አቦ ሓልዮት፥ አቦ ርትዒ እዩ። አብዚ እንነብሮ ዓለም ዘሎ ኩሉ ጸቡቕ ዘበለ ንአኡ እዩ ዝምስክር ግን ንእሽቶይ ምልክት ካብቲ ንሱ እንታይ ምዃኑ ዝገልጸልና እዩ። ብሓቂ ነዛ እንነብራ ዓለም ክንርእያ እንተ ኸኣልና ነቲ ንሱ ዝገበሮ ብምርአይ ክንድነቕን ክነመስግንን ምኽአልና።

እግዚአብሔር ወልድ፡

ንእግዚአብሔር ከም ውሉድ ንርእዮ፥ ብዘደንቕ መገዲ ንሱ አብ መንጎና ሓዲሩ ንአና መሲሉ እንተኾነ ብአንጻር ንሱ ዝገበረልና ክንርድኦ ዘጸግም ቀቲልናዮ። እግዚአብሔር ወልድ ከማና ሰብ ምስ ኮነ ንአምላኽ ክንርእን ክንሰምዕን ክንሕዝን ክኢልና። ኢየሱስ ንሕሙማት ከሕዊ እንከሎ ዝኾነ ካልእ ተኣምራት ክገብር እንከሎ፥ ምስ ሓጢአተኛታት ምስ ድኹማትን ፍንፉናትን ድኻታትን ክኸውን እንከሎ፥ ባህርይ አምላኽ ክንርኢ ክኢልና። ንሱ ንዝኾነ ንኽብሪ ሰብ ዝጉድል ክነቅፍን ነቶም ብግዚኡ ዝነበሩ ካብቲ ዝኽተልዎ ሕማቕ ግብሪ ክምለሱ ክነግሮም ንርእዮ፥ እንተኾነ በቶም አዝዩ ዘፍቀሮም ክንጸግ ንርእዮ። ንሱ አምላኽ እንከሎ ንርእሱ ኢሚንቲ ገሩ ዝኾነ ሰብአዊ ክብሪ ሓዲጉ ንአና ብኹሉ መሲሉና በዚ ኸአ ናብ ሓቂን አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝወስድ መገዲ ሓቢሩና።

እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡

እግዚአብሔር ከም መንፈስ ንርእዮ፥ አብ መንጎ ህዝቡ ሓዲሩ ምንጪ ሕይወቶም ኮይኑ የንቀሳቕሶም ከምቲ ነፍሲ ንሥጋ እተንቀሳቕሳ ንሱ ኸአ ናይ ህዝቡ ነፍሲ ይኸውን። ኩሉ እቲ እንገብሮ ጽቡቕ፥ ኩሉ ናይ ስብከተ ወንጌል ስራሕ፥ ንዝኾነ እንግዶትና፥ አብያተ ትምህርትና፥ ናይ ማሕበራዊ ዕብየት ተግባራትና፥ አብ ሕሙማትን ስኡናትን ዘሎና ተገድሶ፥ አብ ልዕሊ ጭቁናትን ፍንፉናትን ዘሎና ፍቕሪ፥ ኩሉ ስራሕ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ብአኡ ገርና እንፍጽሞን እዩ። አብ ዝኾነ እዋን ፍቕሪ አብዘለዎ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ አብኡ አሎ።

አብነት ንሕይወትና፡

ወላ ብዛዕባ እዚ ኹሉ አፍልጦ ይሃልወና ንአምላኽ ንፈልጦ ኢና ክንብል አይንኽእልን ኢና። ግን ዝአክል አሎና። እንተ ጸለናን እንተ አስተንተናን ምስቲ ዓቕምናን ርድኢትናን ዝኸይድ አፍልጦ አምላኽ ሃልይና ክንዓግብ ንኽእል። ሓደ ነገር አሎ ኩሉ ጊዜ ክንዝክሮ ዘሎና ጸዋዕታና ኩሉ ጊዜ አብቲ አምሳል አምላኽ ዝኾነ ሕይወትና ክንዓብየሉን ክነብሮን ይግብአና። ብኢየሱስ ክርስቶስን ብቅዱስ መጽሓፍን ዝተገልጸልና እኹልን ትሩፍን ክሕግዘናን ንርእስና ከም እንሓትት ዝገብረናን አብ አምላኽ ከም እንቐርብ ዝገብረና አሎና። ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓላማን መውዳእታ ፍጻሜን ምስኡ ፍጹም ሓድነት ገርና ክንርከብ እዩ። ነዚ እንገብሮ ልዕሊ ኹሉ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ክነፍቅሮ፥ አብቲ ፍቕሪ ዝጎደሎ፥ ጽልኢ ዝርከቦ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክነፍቅር እንከሎና እዩ።

ነዚ ክንገብር ናይ እግዚአብሔር አቦ ፈጣሪና ሓይሊ፥ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን እግዚአብሔር ወልድ ፍቕሪ፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ስምረት የድልየና። ጸጋን በረኸትን ስላሴ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ ከፊቱ ክቕበሎም ንዝደሊ ኩሉ ጊዜ ይክአል እዩ።

ብዓልና አብቲ ምንጭና ዝኾነ አምላኽ ተመሊስና እንታይነትና ክንዝክር እሞ መልክዕ ፈጣሪና አባና ሓዲሩ ዘሎ ክንሕድሶ ይሓተና አሎ። ፍጡረይ አበሎኻ አበሎኺ እናበለ አምላኽ ይደልየና አሎ። ሎሚ እነኹ ኃጢአተይ ከቢዱኒ አሕፊሩኒ ካብ ገጽካ ተኸዊለ እሞ ምሓረኒ ገጽካ ምለሰለይ ኢልና መንፈስ ተነሳሒ ሒዝና ንቕረብ።

ቅድስት ስላሴ አብ ማእከልና ሓዲሮም ዘድልየና ጸጋ ዓዲሎም ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ኃጢአት ሂቦም ብሓዲስ መንፈስን ጸጋን ሕይወትና ክንመርሕ በረኸቶም አይፈለየና።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት ንኹልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

 

 

14 July 2021, 23:31