መዓርገ ክህነት ኣብ ምኔት ሲታውያንን ኣቡነ ፍቅረን ኣበምኔት ገዳም ሲታ ዝርከብዎም 10 ካህ. ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነት

ናይ ሎሚ 25 ዓመት ይገብር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብ10 ሓደስቲ ካህናት ተሸሊማ ኣብ ሰሰበኻኡን ኣድባራቱን ዓቢ ታሕጓስን በዓልን ነበረ። ኣቡነ ፍቅረ ማርያም ሓጐስ ጳጳስ ካቶልካዊት ኤጳርቅና ሠገነይትን ኣባ ንጉሠ ወልዳይ ኣበምኔት ማሕበር ሲታውያንን ዝርከብዎም ዘድሊ ኲስኰሳን ዝቀሰሙ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገብረሥላሴን ኣብ ሳሙኤል ኣመኖን ካብ ማሕበር ካፑቺኒ ኣባ ሃይለ ጳውሎስ ሰበካ ኣሥመራ ኣባ ገቢል ገብረመስቀልን ኣብ ሃብተልዑል ገብራይን ኣባ ኤፍረም እምባየን ካብ ሰበኻ ከረን ኣብ ተስፋሥላሴ ገብረመድህንን ኣባ ስምዖን ምሕረተኣብን ካብ ማሕበረ ልኡካን ላዛሪስት ነበሩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

መዓርገ ክህነት ኣብ ገዳመ-ምኔት ሲታውያን ኣሥመራ

ሰንበት 18 ነሓሰ 2021 ዓ.ም ብማሕበሮምን ካቶሊካዊ ተቕዋመ ፍሌስፍናን ተሎግያን ንሓያል ዓመታት ዝተኾስኮሱ፡ ኣባሌ ማኅበር ሲታውያን ኣባ ዮናስ የዕብዮ፥ዯቂማኅበር፡ ቤተሰብን ምእመናን ቊምስናን ኣብ ዝተረኽብለ ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም። ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብቲ ብሓያል ካህናት ተማእኪሎም ዘዕረጉዎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዝሓለፈ ሰንበት ቅብኣተ ሜሮን 86 ደቅና ፈጺምና፡ ሎሚ ከኣ ክህነት ኣብዚ ቊምስና ይወሃብ ኣሎ። ኣምላኽ “ጸጋ በዲበ ጸጋ” ስለ ዝሃበና ኣመስጊኖም፡። ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን ጠቒሶም፡ ኢየሱስ በቲ ሕዝቢ ዝፈልጦን ዝርድኦን ቋንቋ ገቢሩ “እንሆ ዘራኢ ኪዘርእ ወፈረ፡ ኪዘርእ ከሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መገዲ ወደቐ፡፡ ኣዕዋፍ መጺኣን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ድማ ብዘሕ መሬት ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብለ ድማ ቐሌጢፉ በቈለ። ጸሓይ ምስ በረቐት ሃጐጐ፡፡ ሱር ስለ ዘይብለ ድማ ሓረረ፡። ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከሌ እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዂ ድማ ዓበዩ ሓነቖ። ገሊኡ ግና ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሠሊሳ ድማ ፈረየ”፡ ዝብል ሓሳብ ወሲዶም ድሓሪ ምግላጽ፡ ነዚ መልእኽቲ ቅዱስ ወንጌል ምስ ተልእኮ ክህነት ኣተሓሒዝም፡ ካህን ቀዳሲ፡ ካህን መምህር፡ ካህን መራሒ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኸምዙ ሎሚ ኣብ ኩለ ዝናብ ዝዘንብ ዘሎ፡ መሬት ብዝናብ ምስ ጠለለ፡ ከምቲ ግራቱ ብዝግባእ ኣዳልዩ፡ ዘርኡ ዘሪኡ፡ ምህርቱ ዝሓፍስ ሓረስታይ፡ ካህን ከኣ ንፉዕ ዘራኢ ክኸውን ብክርስቶስ ዝተጸውዐ ሰብ’ዩ።፡ ከምቲ ሓዋርያት ቃል እግዚኣብሔር ክፈትሑ፡ ፍቓድ እግዚኣብሔር ክገልጹ ዝተላእኩ፡ ካህን ከኣ ንቃል ኣምላኽ ኣንቢቡ፡ ኣስተንቲኑ፡ ጸልዩ፡ ከምቲ ሕዝቡ ዝኣሰምዕዎን ዝርድእዎን ገይሩ፡ ነቶም ጽምኢ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም ሕዝቢ፡ ቃል እግዚኣብሔር ከመሓላሌፍ’ዩ ተጸዊዑ። ንክህነት ዝተጻውዐ ሰብ ነዚ መዝነት እዚ ክገብር እግዚኣብሔር ፍሉይ ጸጋ ይህቦ ኢዩ። ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ካህን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሕዝብን ደው ቢሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግ መንጐይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍግም ቢሉ ተምበርኪኹ ምእንቲ ሕዝቡ ዝልምን ኣማላዲ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዝብሎ ናብ ሕዝቢ ድምጺ እግዚኣብሔር ዘብጽሕ፡  ነቲ ሕዝቢ ዘቕርቦ ኣውያት ከኣ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ ድምጺ ሕዝቢ እዩ፡። ነዚ ክገብር ዘስልጥ መንጐይና፡ ብስም እግዚአብሔር ዚዛረብ ነብይ ክኸውን ግን መጀመርያ ንሱ ብጸሎት፡ ብእምነት፡ ብመንፈሳውነት፡ ብኣስተንትኖ፡ ብስግደት ኣብ ቁርባን፡ ሓሳብ እግዚብሔር ዝፈልጥ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣለልዩ፡ ንሕዝቡ ዝገሌጽ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ክርስቶስ ሰብ ኪኸወን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ሕዝቢ ዘሐጉሶምን ዘጉህዮምን ዝፈልጥ፡ ምስኦም ዝስሕቕ ምስኦም ዝበኪ፡ ንእኦም ወኪሉ ከኣ መስዋዕቲ ዘቕርብ፡ ከምቲ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ናይ ሕዝቢ ሰብ፡ ኣገልጋሊ ሕዝቢ ኪኸውን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም።፡ ካብ ሕዝቢ ርሒቅካ፡ ንሕዝቢ ናብ ኣምላኽ ከተቕርብ ስለዘይትኽእል፡ ከምቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ዕብራውያን “ካህን ካብ ሕዝቢ ተጸዊዑ፤ ናብ ሕዝቢ ዝለኣኽ መንጐይና ኢዩ” ዝብል “ኢየሱስ ሊቀ ካህናት፡ እቲ ኡንኮ መንጐይና ድልድል ንሱ ካብ ኮነ ደኣ ካልኦት መንጐይናታት እንታይ ኣድለየ ይበሃል ኢዩ፡። እንተኾነ ካህን ንክርስቶስ ዝትኽእ ዘይኮነስ፡ ኢደ-እግሪ ክርስቶስ፤ ምስሌ ክርስቶስ፤ ወኪል ክርስቶስ ኢዩ፡። ሰለዚ ከኣ ኢዩ ካህን ኣብ ኣገሌግሎቱ ጥንቊቕ ክኸውን ዘሎዎ።፡ ካልእ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ዘልዓልዎ ነጥቢ፡ ኣብነት ጸሎት ደቂ ዘብዴዎስ ጠቒሶም ስልጣን ክህነት፡ ከምቲ ናይ ዓለም እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዝጐይትተሉ ዘይኮነስ፡ ንኣልግሎት ዝወሃብ ስልጣን’ዩ፡። ከምቲ ኢየሱስ መምህርና “ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጻእኩን” ዝብሎ፡ ከምቲ ክርስቶስ ልዑል እምልዑላን ክነሱ፡ ትሑት ናይ ትሑታት ዝኾነ፡ ካህን ከኣ ልዕልና ከይተሰምዖ ትሑት ኣገሌጋሊ ኪኸውን ኢዩ ተጸዊዐ።፡ እምበኣር ንኣባ ዮናስ ድማ ነዙ ክቡር ጸዋዕታ ተቀቢሉ ንፉዕ ዘራኢ ቃል ኣምላኽ፡ ሰባኺ ወንጌል፡ መጋቢ ምሥጢር፤ ትሑት ኣገልጋሊ ኮይኑ ብግዜኡን ብዘይ ግዜኡን ክምህርን ክግስጽን ኣምላኽ ሓይልን ጥበብን ክህቦ ወለዲ፡ ማኅበር፡ ቊምስና ንጸልየሉ ቢሎም ኣዚኻኺሮም።፡ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነዙ ዓቢይ ጸዋዕታ ዝሃበና ኣምሊኽ ከነመስግን ከሎና፡ ኣብ ተሌእኮኦም ብጽንዓት ክነብሩ ከኣ ብኩለ ክንሕግዝም ይግባእ እንኪብሉ፡ ንወለዲ፡ ንማኅበር መነኮሳን ሲታውያንን ቁምስናን ከአ እንቋዕ ሓጐሰና ቢሎም ስብከቶም ዛዚሞም።፡ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ከኣ እቲ ንሢመተ ክህነት ዘድሊ ጸሎታትን ሥርዓታትን ፈጺሞም፡ ንሓዲስ ካህን መዓርገ ክህነት ሃብዎም፡።

ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነታዊ ኣገልግሎት

ብዕለት 22 ሓምለ 2021 ናይ መበል 25 ዓመት ክህነታዊ ኣገልግሎት፤ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ዝርከብዎም ካህናት፤ ማለት ኣባ ንጉሰ ወልዳይ ኣበምነት ሲታውያን፡ ኣባ ሃይለ ጳውሎስ ካህን ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዝመርሕዎ፤ ብብዘሓት ንእኦም ከስንዩ ከካብ ማሕበር ዝመጹ 15 ለባስያን ካህናትን ካልኦት ደቂ ማሕበራቶምን ቤተሰብን ምእመናንን ተሰንዮም፡ ኣብዚ ንዘብጽሖም ኣምላኽ ብመስዋዕተ ቅዳሴ ምስጋናኦም ብምቅራብ ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነቶም ኣብዒሎም፡፡ ኣብ ግዝ ቅዳሴ፤ ድሕሪ ንባባ ቅዱስ ወንጌል፤ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ስብከት፡ “ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር ብፍላይ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ክቡር ኣባ ንጉሰ ወልዳይ ኣበምነት ማሕበረ ሲታውያን፡ ከምኡ’ውን ኣባ ሃይለ ጳውሎስ ሓለቓ ኲስኮሳስ ተማህሮ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት፡ ሎሚ ናይ 25 ዓመት ክህነትና ከነመስግን ኢልኩም ኣብዚ ብኢድ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፤ ክህነት ዝተቀበልኩምሉ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ክትመጹ ኣዝዩ ደስ ይብለና፡፡ ኲልና’ውን ንሕጎስ። ኣብዚ ናይ ምስጋና ቅዳሴኹም ከኣ እግዚኣብሔር ምስጋናኹም ይቀበለልኩም፡ ጐይታ ክህነትኩም ይባርኸልኩምን ይቀድስኩምን ኢሎምዎም። ቀጽሎም ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል መድኃንና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመርኲሶም ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ክህነት ዓቢይ ህያብ ኢዩ። ኣብቲ መዝሙር ንስኻትኩምስ ኣማልኽቲ እኹም ይብለና። ዓቢይ ህያብ ኢዩ፡ ጸንሑ ኸኣ ምእንቲ ከይንርስዖ ኢሉ “ከም ሰብኩም ኸኣ መወቲ ኢኹም” ይብል። ስለዚ ክህነት ብሓደ ወገን ክቡር ህያብ ናይ ጐይታ ኢዩ፡ በቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ “እቲ ዓቢይ ህያብ ኣብ ኣቅሓ መሬት ዝተቀመጠ ኢዩ”፡ ንሕና ደቂ ሰብ ክንድዚ ዝዓቢ ህያብ ክንቅበል ብቁዓት ስለዝኾና ዘይኮነሰ፤ እግዚኣብሔር በቲ ዓቢይ ምሕረቱ፡ ምእንቲ ድኅነት ዓለም፡ ምእንቲ ድሕነት ሕዝቡ፡ ኢሉ ነኣና ንዘይግብኣና ሰባት መሳርሕቱ ክንከውን ጸዋዓና፡፡ እቶም ሓዋርያት ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሓረስቶት፡ ነጋዶ፡ ብዘሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ገርህያታት ሰባት ኢዮም ነይሮም፡ ግን ኢየሱስ ኣይነዓቆምን። እዚኣቶም መንፈስ ቅዱስ ተቐብሎም ተበዓት መሰኻኽር፤ ኣበሰርቲ ቃል ጐይታ፤ እሙናትን ትሑታት፡ ኣገልገልተይ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ስለዝኣመኖም “ንዑ ተለኣኹ” ኢሉዎም፡፡ ብፍላይ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ንምንታይ ከም ዝጸዎዖም ኣነጽሩ ይነግረና ኢዩ። ምስኡ ምእንቲ ክኾኑን ክሰብኩን ምእንቲ ክልእኮምን ጸውዖም ይብለና። ስለዚ ሓደ ካህን ክጽዋዕ ከሎ መጀመርያ ምስ ጐይታ ጥቡቅ ዕርክነት ክህልዎ፡ ዓሚቚ መንፈሳውነት ምእንቲ ክህልዎ ዓቢይ ፍቅሪ ክህልዎ ይግባእ። ንኢየሱስ መጋጅምቱ፡ ዓርኩ፡ መኻይቱ፡ ክኸውን ይግባኦ፡ ብዘሕ ግዝ ግን ድኹማት ስለዝኾና ነቲ ምስኡ ምዃን ገዲፍና፤ ነቲ ዝሃበና ኣገልግሎት ጥራይ ክንፍጽም ንጎዪ፡ ንጸሎት፡ ንስግደት፡ ነስተንትኖ ዝኸውን፡ ግዝ ግን የብልናን። ወላ ብዘሕ ግዝ ነቲ ተልእኾ ነቐድም እምበር ደሓር ግን ጥራይ ኢድና ክንተርፍ ንኽእል ኢና፡፡ ምስኡ ምእንቲ ክንከውንን ክንሰብኽ ምእንቲ ክእልእከናን ከም ዝጸዋዓና ክንዝክር ይግባእ፡ ክህነት ዓቢይ ህያብ ኢዩ፡ እንተኾነ እቲ ህያብ ነቲ ውልቀ ሰብ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ንቤተክርስትያን ዝወሃብ ህያብ ኢዩ፡ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ህያብ ኢዩ፡ ግን ነቲ ውልቀ ሰብ ’ውን ከምቲ ዝግባእ እንተነበሮ፤ ናይ ድሕነት ናይ ቅድስና መንገዲ ይኾኖ። ሰለዚ እዝም ሎሚ 25 ዓመት ክህነቶም ዘብዕሉ ዘለው፤ ኣብዚ ምሳና ዘለውን ኣብ ካልእ ቦታ ዘለውን ካህናት፡ እግዚኣብሔር ዓቢይ ሓላፍነት ኣልብስዎም ኢዩ። ነዝም ምሳና ዘለዉ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሰገነይቲ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣበምነት ናይ ሓደ ማሕበር ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኮስካሲ ተማህሮ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ መድኃኔ ዓለም ሊቀ ካህናት ኢዱ ከንብረኩም፡ ከብርሃልኩም፡ ብፍላይ ጸገም ኣብ ዘጋጥመኩም ግዝ እኖና ኪዳነ ምሕረት ከተጽልለኩም፡ ጸሎትናን ትምንትናን ኢዩ፡ እንቋዕ ኣብቀዓኩም፡ ንኹልና እንቋዕ ሓጎሰና፡ ኪዳነ ምሕረት ምሳኹም ትኹን፡ ብምባል ስብከቶም ዛዚሞም፡፡ ድሕሪ ቅዳሴ ከኣ እቲ መደብ በዓል ብቁርስን ምሳሕን ክልእ ናይ ሓጐስ መግለጺታትን ብሓንሳብ ተፈጺሙ። ምስዝም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ብኢድ ነፍሰኄር ኣቡነ ተስፋማርያም ብድሆን ነፍሰኄር ብፁእ ኣቡነ ሉቃስ ሚለዝን መዓርገ ዱቁና ዝተቀበሉ ሸውዓተ ብጾቶም ማለት 3 ናይ ሰበኻ ከረን 2 ደቂ ማሕበር ልኡኻን 2 ማሕበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ብጠቕላላ 10 መካህንቶም ናይቲ ዓመት ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብፍላይ እቶም ምስኦም ብሓደ ዕለት ማለት 21 ሓምለ 1996 መዓርገ ክህነት ዝተቀበሉ ደቂ ማኅበር ንኡሳን ኣኅዋት ካፑቺኒ ክቡር ኣባ ክፍለኢየሱስ ገብረሥላሴ ኣብ ሱዳን፡ ኣባ ሳሙኤል ኣመኖ ከኣ ኣብ ዓዲ ጥልያን እዮበሎም ዘኪሮም ውዒሎም።

 አባ ገቢል ገብረመስቀልን ኣባ ሃብተልዑል ገብራይን እውን መበል 25 ክህነቶም ዘኪሮም
አባ ገቢል ገብረመስቀልን ኣባ ሃብተልዑል ገብራይን እውን መበል 25 ክህነቶም ዘኪሮም
 አባ ገቢል ገብረመስቀልን ኣባ ሃብተልዑል ገብራይን እውን ምስ አቡነ ኪዳነ ኰይኖም መበል 25 ክህነቶም ዘኪሮም
አባ ገቢል ገብረመስቀልን ኣባ ሃብተልዑል ገብራይን እውን ምስ አቡነ ኪዳነ ኰይኖም መበል 25 ክህነቶም ዘኪሮም

ምስ ጓሳና ንኣምላኽ ኣመስጊና

ካቶሉካውያን ምእመናን፡ ቅደሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም፡ ትማሉ ዓርቢ ዕለት 23 ሓምለ 2021፡ ሓቢርና መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስጋና ኣዕሪግና። ምኽንያት ናቱ ከኣ ብሩራዊ ኢዮቤል ኣገልግሎት ክህነት ናይ ጓሳና ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ ኢዩ። ዕለቱ ትማሉ ረቡዕ ዕለት 21 ኢዩ ነይሩ፡ ንኽጥዕመና ከኣ ኣብ ዓርቢ ገይርናዮ።

ኣባ ክፍለኢየሱስ ምስ 4 ብጾቶም (ብጹዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ፡ ኣባ ሃይለ ጳውሎስ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ኣባ ንጉሰ ወልዳይ፡ ኣበ ምኔት ሞኖኮሳት ሲታውያን፡ ኣባ ሳሙኤል ኣመኖ፡ (ካፑቺን) ብኢድ ብጹዕ ነፍ. ሄር ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ፡ ብ21 ሓምለ 1996 መዓርገ ክህነት ተቐበለ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ካርቱም ምስ ስደተኛታት ሕዝቦም ሓቢሮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገኑ፡፡

ነዚ ዕለት`ዚ ኣቐዱሞም፡ ንኡስ ኮሚቴ መንፈሳዊ ዕቤት፡ ቊምስናና፡ ኣብ ቤተ ጸሎት ጂረፍ፡ መደብ ጸሎት ሳልስቲ፡ ሰራዕና። ኣርእስቲ ጸሎትን ሓሳብ ኣስተንትኖ ዕለት ናይቲ ዝተኻየደ መደብ ሳልስቲ፡

1. ምስጋና ንኣምላኽ፦ ኣምላኽ ንጓሳና ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ጉዕዞ ክህነቶም ናይ ዝገበረሎም ሰናይ። ኣቶ ምስግና ጊላዝጊ (ብመገሻ ካብ ካናዳ ዝመጹ) ንዕለቱ ኣመልኪቶም፡ ብዛዕባ ዕቤት ጸዋዕታ ክህነት ገሉጾም፡ ምእመናን ንጓሶትና ወትሩ፡ ብጸሎትን ብምቕዳስ መስዋዕቲ ቅዳሴ፡ ወትሩ ኣብ ጎድኖም ክኾኑ መዓደ።

2. ምሕረት ኣምላኽ፦ ኣምላኽ፡ ጓሳና ኣብዚ ርብዒ ዘመን ዝጎደልዎ ዘበለ ክምሕሮም ጸሉና። ኣባ ሰሎሞን ነጋ፡ ብመገሻ ካብ ከሰላ ዝመጹ፡ ክበድን ብድሆታትን፡ ጉዕዞ ጸዋዕታ ክህነት ድሕሪ ኣስተምሂሮም፡ ንጓሳና ብምሕረት ኣምላኽ ተሓዱሶም፡ ነዚ ካልኣይ ምዕራፍ ዝቐጽል መዋዕል ኣገልግሎት ክህነቶም፡ ብብርቱዕ መንፈሳዊ ቅንኢ ነፍሳት፡ ክነብርዎ መዓደ።

3. ልመና ጸጋ ኣምላኽ መጻኢ ሕይወት፦ ኣባ ሚካኤል ሰሎሞን፡ ካህን ሰበኻ ባረንቱ፡ ንክህነት ኢየሱስ ምስ ክህነት`ቲ ኣቦን ዓድን ዘይብለ ክህነት መሉከ-ጼድቕ፡ እናኣነጻጸሩ፡ ንጓሳናን ንኲሎም ካህናትን፡ መጻኢ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ዓንኬል እዚ ዕቤት`ዚ ክነብርዎ ኣተሓሳሰቡ።

ኣብቲ ዕለቱ፡ ዓርቢ ምእመናን ቀዱሙ ብዝተሓበሮም መሰረት፡ ብንግሆኡ፡ ቤ/ያን ተረኺቦም፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ብ6 ቀዳስያን (ኣባ ሰሎሞን ነጋ፡ ኣባ ዳዊት ዘርእማርያም፡ ኣባ ገብረመድህን ፍስሓየ፡ ኣባ ስብሃቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ዳዊት ተኽለ፡ ኣባ ሚካኤል ሰሎሞን) ተማእኪሎም፡ ምዕሩግ ቅዳሴ ዓረገ።

ድሕሪ ቅዳሴ ኩለ ምእመን፡ ናብ ጂረፍ ከይደ ቆረሰ። ድሕሪ ቊርሲ፡ ንኽብሪ ጓሳና፡ ብሕጻናት፡ ዓበይትን ናእሽቱ መዘምራን መንእሰያት፡ ኣባላት ኣደታት ማሕበር ኪዳነ ምሕረት፡ መዛሙር፡ ድራማ፡ ግጥምን ማሰን ቀረበ። መምህር ኣፈወርቅ ሃብተማርያም ዝበሃለ`ውን፡ ብኪታር ገይሮም፡ መዛሙር ምስጋና ብእንግሉዝኛን፡ ትግርኛን ዘመሩ፡ ቀጺለ ብዙሕን ዝተፈላለየን ህያባት፡ ብማሕበራት ብውልቅን ደረጃ፡ ንኣባ ክፍለኢየሱስ ቀረበ። ኩለ ምስ ተፈጸመ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ በቲ ኩለ ዝተገብረ፡ ንኹሎም ዝደኸሙ፡ ብፍላይ ግን ንኣባላት ቤምኽሪ ቊምስና፡ ብዙሕ ኣመስገኑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባ ሰሎሞን ናይ መዕጸዊ ጸሎት ገይሮም፡ ንመደብ ዓጸውዎ።

ካብቲ ምእመናን ንኣባ ክፍለኢየሱስ ዘቅረብዎ ብዙሕ ህያባትን መግለጺ ሓጐስን!
ካብቲ ምእመናን ንኣባ ክፍለኢየሱስ ዘቅረብዎ ብዙሕ ህያባትን መግለጺ ሓጐስን!

በዚ ከኣ ንሕና ምእመናን ካርቱም፡ ምስ ጓሳና ኣባ ክፍለኢየሱስ ሓቢርና፡ ንኣምላኽ ዘመስገናለ፡ ኩሉ ምእመን ዝተሓጎሰለን ዕለታት ኣሕለፍና።

ስብሓት ንእግዚኣብሔር ይኹን።

ኣባላት መንፈሳዊ ዕቤት ቊምስና ካርቱም።

24 July 2021, 20:42